Wednesday , April 24 2024
Foto: Mona Ismail Jama / Sveriges Radio

38 ዝዕድሚኡ ሽወደናዊ ኣብ ኢትዮጵያ ደሃይ ካብ ዘጥፍእ ዓመት መሊኡ ተባሂሉ።

ጠበቓኡን ስድራኡን ኣብ ኢትዮጵያ ንዕረፍቲ ምስ መጸ ብ ፖሊስ ከም እተታሕዘ እዮም ዝኣምኑ።

ኣካያዲ ህዝባዊ ርክባት ሚኒስትሪ ጒዳያት ወጻኢ Patric Nilsen “ምእላሽ ኣየቋረጽናን፡ ተኣሲሩ ምህላዉ ግምት ኣሎና፥ ግና ዛጊት ነዚ ዘረጋግጸልና ሓበሬታ ኣይረኸብናን” ኢሉ።

ስድራ እዚ ዜጋ ምስ ኣመሓደርቲ ዞባ ብዝገበርዎ ርክባት መሰረት ብምግባር ጠበቓ እቲ ስድራ ሙሴ ኤፍሬም እዚ ዜጋ ኣብ ትሕቲ ቅይዲ ምእታዉ ምርግጋጹ ገሊጹ’ሎ።

መንግስቲ ሽወደን ቅልጡፍ ስጒምቲ ክወስድ ሙሴ አፍሬም ጻውዒት ጌሩ’ሎ።

ኤምባሲ ኢትዮጵያ ኣብ ሽወደን ብዛዕባቲ ዝተባህለ ጒዳይ ምንም ኣፍልጦ ከም ዘይብሎም ገሊጾም ኣለዉ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com