Saturday , April 20 2024
Isabell Höjman / TT

40 % መንሽሮ ማህጸን ኣብ መርመራ ዘይገብራ ደቀንስትዮ ከም ዝርአ ተገሊጹ።

ካብ ሬድዮ ሽወደን እተረኽበ ኣሃዛት ሃገራዊ ጥዕና ከም ዘመልክቶ ዓመታዊ ልዕሊ 500 ዝኾና መንሽሮ ማህጸን ዘጋጥመን ደቀንስትዮ ናጻ መርመራ ማህጸን ከምዘይገብራ ሓቢሩ።

“ናጻ መርመራ ዘይምግባር ብመንሽሮ ናይ ምጥቃዕ ዕድልካ የዛይዶ እዩ” ትብል ኣደምንበር ጸረ መርበባት ማህጸናዊ መንሽሮ Barbro Sjölander።

ንሳ ወሲኻ ” ኣዝዩ ስሉጥን ምዕቡልን መመርመሪ መሳርሒ ኣሎና። እንተኾነ እዚ ኣዝዩ ዘሕፍር ተግባር ጌረን ዝሓስባ ደቀንስትዮ ኣለዋ” ኢላ።፡

ኣብ 2017 ጥራይ 560 ደቀንስትዮ መንሽሮ ማህጸን ከም እተረኽበንን 149 ድማ ብእኡ ምሟተንን ይፍለጥ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com