Friday , March 29 2024
Credit: Fredrik Sandberg/TT

40,000 ሰባት ኣብ –“ክሮንፎግደን” ናይ ነዊሕ እዋን ዕዳ ከም ዘለዎም ተፈሊጡ።

ኣብ ምዝዛም ዝሓለፈ ዓመት ልዕሊ 64 ዝዕድሜኦም 40,000 ሰባት ኣብ ኤጀንሲ ሃገራዊ ዕዳ ሽወደን–“ክሮንፎግደን” ዕዳ
ከም ዝጸንሖም ተፈሊጡ። ኣስታት ፍርቂ ካብዞም ኣብ ትሕቲ ዕዳ ዘለዉ ሽማግለታት ኣብ “ክሮንፎግደን” ንልዕሊ 20 ዓመታት
ተመዝጊቦም ዝጸንሑ ምዃኖም በቲ ኤጀንሲ ዝተገብረ ትንታነ ኣጣሊሉ’ሎ። ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብቲ ኤጀንሲ እተመዝገቡ
ሰባት ምስ ናይ ዝሓለፈ ዓመት ብምውድዳር ብተመሳሳሊ ቊጽሪ ክዓቢ እንከሎ፥ መጠን ዕዳ ኸኣ ካብ 1 ቢልዮን ክሮና ናብ
21.1 ቢልዮን ክሮና ክብ ምባሉ ሬድዮ ሽወደን ጸብጺባ’ላ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com