Thursday , April 25 2024

53 ሚእታዊት ስደተኛታት ሽወደናዊ ዜግነት ምሓዞም ሕቡናት ምኻኖም ገሊጾም!!

 ዎርልድ ቫልዩ ሰርቨይ ዝገበሮ መጽናዕቲ ከም ዘመልክቶ 53 ሚእታዊት ስደተኛታት ሽወደናዊ ዜግነት ምሓዞም” ኣዝዩ ከም ዘሐብኖም” 24 ሚእታዊት ከኣ ብመጠኑ ክብሉ ምምላሶም ገሊጹ።

እቶም ኣዝዮም ሕቡናት ሶማላውያን እዮም ይብል እቲ መጽናዕቲ። ኣብ ዓመታት 2010 ከምኡ’ውን 2014 ዝተገብረ መጽናዕቲ 39.7 ሚእታዊት ተሓተትቲ ብሽወደናዊ ዜግነት ኣዝዮም ሕቡናት ምዃኖም ገሊጾም ኔሮም። እዚ መጽናዕቲ ካብ ኣባላት ኣውሮጳዊ ሕብረት ወጻኢ ኣብ ዘለዋ ሃገራት ዝውለዱ 6516 ሰባት ዘሳተፈ እዩ ተባሂሉ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com