Wednesday , April 17 2024

ትምህርቲ ንኣባጽሕ ኣብ ሽወደን

ኣብ ሃገረ ሽወደን፡ በጽሒ ኴንካ ክትምሃር ልሙድ እዩ። መብዛሕትኦም ድማ፡ ዝነበሮም ሞያ ንኸማዕብሉ ወይ ድማ ካልእ ሞያ ንኽሕዙ እዮም ዝምሃሩ። ገሊኦም ግን ሓድሽ ነገር ንምፍላጥ ኢሎም ይምሃሩ። ምሉእ ህይወትካ ምምሃር እወንታዊ ገጽታ ኣሎዎ። ‘ናይ ምሉእ ዕድመ ምህሮ’ ድማ ይብሃል።

ቤት ጽሕፈት ኣማኸርቲ ትምህርቲ

እንታይ ክትምሃር ከም እትደሊ ርግጸኛ ምስ ዘይትኸውን፡ ንቤት ጽሕፈት ኣማኸርቲ ትምህርቲ ክትውከስ ትኽእል ኢኻ። እዚ ቤት ጽሕፈት’ዚ፡ ኣባጽሕ ብዛዕባ ዝተፈላለዩ ኮርሳትን ሞያታትን ምኽሪ ዝረኽቡሉ ቤት ጽሕፈት እዩ። ኣብያተ ጽሕፈት ኣማኸርቲ ትምህርቲ፡ ኣብ ኮምዩንካ(ምምሕዳርካ) ዘለዋ ኣብያተ ትምህርቲ ኣባጽሕ ይርከቡ። ተወሳኺ ሓበሬታ ክትረክብ ምስ እትደሊ፡ ምስ ኮምዩንካ ተዘራረብ።

ኣብ ቤት ጽሕፈት ምኽሪ ንትምህርቲ፡ ብዛዕባ እዞም ዝስዕቡ’ውን ሓገዝ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ:

  • ቅዳሕ ነጥቢ ትምህርቲ ኣብ ምሕታት፡
  • ኣብ ዝተፈላለዩ ዓይነታት ትምህርትን ኮርሳትን ቦታ ንምርካብ፡
  • ኣብ ዝደለኻዮ ዓይነት ትምህርቲ ወይ ኮርስ ንኽትኣቱ እንታይ ከም ዘድልየካ ሓበሬታ ኣብ ምርካብ፡
  • ብዛዕባ ንትምህርቲ ዘድሊ ካልእ ሓበሬታ፡

ማእከል ኣማኸርቲ ትምህርቲ (Vägledningscentrum)

ዕድመኻ ትሕቲ 20 ዓመት እንተ ኾይኑ፡ ንትምህርቲ ዝምልከት ምኽሪ፡ ካብ ማእከል ኣማኸርቲ ትምህርቲ ሓገዝ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ። ንኣብነት ኣብ’ዞም ዝስዕቡ ሓገዝ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ፡

  • ኣየናይ ዓይነት ትምህርቲ ወይ ስራሕ ክትመርጽ ከም እትደሊ ኣብ ምዝታይ፡
  • ንትምህርትን ስራሕን ዝምልከት ሓበሬታ ባዕልኻ ኣብ ምንዳይ፡
  • ሓበሬታ ብዛዕባ ኣብ ካልኦት ሃገራት ዘሎ ትምህርቲ፡

ሽወደንኛ ንስደተኛታት(SFI)

ኤስኤፍኢ (Sfi)፡ ሽወደንኛ ቋንቋ ኣዲኦም ንዘይኮኑ ኣባጽሕ ዝውሃብ መባእታዊ ትምህርቲ ቋንቋ ሽወደን እዩ። ኤስኤፍኢ፡ ምሉእ ግዜ(ምሉእ መዓልቲ) ወይ ፍርቂ ግዜ(ፍርቂ መዓልቲ) ክትማሃሮ ትኽእል። እዚ ትምህርቲ’ዚ፡ ብናጻ እዩ ዝውሃብ።

ኣብ ውሽጢ ኤስኤፍኢ(Sfi)፡ ኣብ ዝሓለፈ ትምህርትኻ ዝተመርኮሱ ዝተፈላለዩ ስልጠናታት ኣሎዉ። ንኣብነት ንሞያ ዘዳሉ ኤስኤፍኢ፡ ከምኡ’ውን ናብ’ቶም ኣካዳምያዊ ወይ ናይ ካልኣይ ደረጃ ትምህርቲ ዘሎዎም ዝዓለመ ኤስኤፍኢ ኣሎ።

ኮምዩናዊ ትምህርቲ ንኣባጽሕ – (Komvux)

ኮምቩክስ (Komvux)፡ ኣባጽሕ ዝማሃሩሉ፡ ብትሕዝቶ ትምህርቲ፡ ልክዕ ምስ መባእታ ደረጃ ዝመሳስል ቤት ትምህርቲ እዩ። መባእታዊ ትምህርቲ ንኣባጽሕ(Grundläggande vuxenutbildning) ተባሂሉ ድማ ይጽዋዕ። ምስ ደረጃ መባእታ ቤት ትምህርቲ ሽወደን ዝዳረግ ትምህርቲ ዘየጠናቐቕኩም ምስ እትኾኑ ኣብ መባእታ ትምህርቲ ኣባጽሕ (Grundläggande vuxenutbildning) ክትማሃሩ መሰል ኣሎኩም።

ኣብ ኮምቩክስ፡ ከምቲ ኣብ ካልኣይ ደረጃ ትምህርቲ ሽወደን ዝውሃብ ዓይነታት ትምህርቲ ክትማሃሩ ትኽእሉ ኢኹም። እዚ ኻኣ ካልኣይ ደረጃ ትምህርቲ ንኣባጽሕ (Gymnasial vuxenutbildning) ተባሂሉ ይጽዋዕ። ምስ ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ ሽወደን ዝመጣጠን ትምህርቲ እንተዘይብልኩም፡ ኣብ ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ ኣባጽሕ (Gymnasial vuxenutbildning) ክትማሃሩ መሰል ኣሎኩም።

ህዝባውያን ላዕለዎት ኣብያተ ትምህርቲ(Folkhögskolor)

ላዕለዋይ ህዝባዊ ቤት ትምህርቲ (Folkhögskola)፡ ኣባጽሕ ተማሃሮ ዝማሃሩሉ ቤት ትምህርቲ እዩ። ኣብ ላዕለዋይ ህዝባዊ ቤት ትምህርቲ፡ ኣብ መባእታን ካልኣይን ደረጃታት ትምህርቲ ዝውሃቡ ኮርሳት ወይ’ውን ድሕሪ ናይ ካልኣይ ደረጃ ትምህርቲ ምጥንቓቕኩም ዝውሰዱ ሞያዊ ስልጠናታት ክትማሃሩ ትኽእሉ። ኣብ ላዕለዋይ ህዝባዊ ቤት ትምህርቲ፡ ዝተፈላለዩ ዓይነታት ትምህርቲ ወይ ኮርሳት ክትማሃሩ ትኽእሉ።

ሓፈሻዊ ኮርስ(Allmänna kurser)፡ ኣብ ክንዲ ቤት ትምህርቲ ካልኣይ ደረጃ፡ ስሕት ኢሉ ድማ ኣብ ክንዲ መባእታ ቤት ትምህርቲ ትወስዶ። ዝተማሃርካዮ ዓይነት ትምህርቲ ኣብ ግምት ብምእታው፡ ከከም ኩነታቱ፡ ካብ ሓደ ክሳብ ኣርባዕተ ዓመት ትምሃር። ኣብዚ፡ ካብ ትምህርቲ ኣባጽሕ (komvux) ህድእ ብዝበለ ኣገባብ ኢኻ ትማሃር።

ፍሉያት ኮርሳት(Särskilda kurser)፡ ፍሉይ ዓይነት ትምህርቲ ዝሓዙ ኮርሳት እዮም። ንኣብነት ሓደ ፍሉይ ሞያ ጥበብ(ኣርት) ወይ ሙዚቃ ክትምሃር ትኽእል። ከም ናይ ትርፊ ግዜ መራሒ (fritidsledare) ወይ ናይ ኣተኣላልያ ተሓጋጋዚ (behandlingsassistent) ዝኣመሰሉ ዓይነታት ኮርሳት’ውን ክትምሃር ትኽእል ኢኻ።

ሽወደንኛ ንወጻእተኛታት፡ ህዝባውያን ኣብያተ ትምህርቲ፡ ኮርሳት ኤስኤፍኢ ክህልወን ይኽእል’ዩ።

ነፍሲ ወከፍ ህዝባዊት ቤት ትምህርቲ፡ ንመን ከም ትቕበል ባዕላ’ያ ትውስን። ህዝባውያን ኣብያተ ትምህርቲ ነናተን ትምህርታዊ ኣገባብ ነጥቢ ኣሎወን። እቲ ኣብ ህዝባውያን ኣብያተ ትምህርቲ እትቐስሞ ትምህርቲ፡ ናብ ኮለጅ ወይ ዩኒቨርሲቲ ዘእቱ ‘መባእታዊ’ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ብቕዓት ክትረክብ የኽእለካ። እዚ ማለት ከኣ፡ ኣብ ኮለጅ ወይ ዩኒቨርሲቲ ክትማሃር ዘኽእለካ ብቕዓት ትምህርቲ ኣሎካ ማለት’ዩ።

ኮለጅ ሞያዊ ትምህርቲ (Yrkeshögskoleutbildning, YH-utbildning)

ሞያዊ ኮለጅ፡ ኣብ ፍሉይ ሞያ ዘድሃበ ናይ ሞያ ትምህርቲ እትቐስሙሉ ቤት ትምህርቲ እዩ። ንሱ፡ ኣብ ክንዲ’ቶም ኣብ ኮለጅን ዩኒቨርሲቲን ዝዋሃቡ ንውሕ ዝበለ ግዜ ዝወስዱ ዓይነታት ትምህርቲ ዝውሰድ ኣማራጺ እዩ። ኣብ እዋን ትምህርቲ፡ እቶም ተማሃሮ፡ ‘ልምምድ ስራሕ(ፕራክቲክ)’ ወይ ‘ትምህርቲ ኣብ ስራሕ(Lärande i Arbete)’ ስለዝገብሩ ምስተን ትካላት ጥቡቕ ርክባት ይህሉዎም።

ዩኒቨርሲቲን ኮለጅን

ኣብ ሽወደን፡ ዩኒቨርሲቲታትን ኮለጃትን ኣለዋ። እቲ ፍልልይ፡ ዩኒቨርሲቲታት፡ ግድን ትምህርቲ ምርምር ክህሉወን ኣለዎ። ኣብ ዩኒቨርሲቲን ኮለጅን ዝውሃቡ ትምህርትታት፡ ሓደ ዓይነት ነጥብን ምረቓን የውህቡ። ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዞባ-ሽወደን፡ እንተ ወሓደ ሓንቲ ኮለጅ ወይ ሓንቲ ዩኒቨርሲቲ ኣላ።

ንላዕለዋይ ደረጃ ትምህርቲ ዘድልዩ ወጻኢታት

ኩሉ ትምህርቲ ዩኒቨርሲቲን ኮለጅን፡ ዝዓበየ ክፋሉ፡ ብናይ መንግስቲ ገንዘብ እዩ ዝካየድ።

ስለዚ ኩሉ ላዕለዋይ ደረጃ ትምህርቲ፡ ናጻ እዩ። ንመጻሕፍትን ንኻልእ መሳርሒታት ትምህርቲ ዘድሊ ወጻኢታትን ግን፡ ባዕልኻ ክትሽፍን ግድን’ዩ።

እንተወሓደ፡ ገለ ክፍለ-ግዜ፡ ዋላ’ውን 50% ትማሃር እንተ ዄንካ፡ ካብ ሲ.ኤስ.ኤን (CSN) ትምህርታዊ ደገፍን ትምህርታዊ ልቓሕን ክትሓትት መሰል ኣሎካ።

ምንጪ: information om sverige


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com