Tuesday , July 16 2024

9 ሚእታዊት ሰብመዚ ፖሊስ ስድራቤቶም ምፍርራህን ምንግልታዕን ከም ዝበጽሖም ገሊጾም።

ማእከል ኖቩ ኣብ ዘካየዶ ሓድሽ ዳህሳስ ከም ዘመልክቶ ካብ ኣባላት ፖሊስ እቶም ሓደ ዕስሪት ዝኾኑ ኣባላት ስድራኦም ምፍርራህን ጐነጽን በጺሕዎም ኣሎ። 3ሽሕ ዝኾኑ ፖሊስ ኣብ ዝተገብረሎም መሕትት 59 ሚእታዊት እወ ዝብል ምምላሶም ከኣ ኣገራሚ ጌርዎ ኣሎ። ትሽዓተ ሚእታዊት ካብዚኣቶም ብምርጫ ሞያኦም ኣባላት ስድራቤቶም ምፍርራህ ከም ዝበጽሖምን ኣብ ማሕበራዊ ሚድያራት ብቐሊሉ ንኽልለዩ ከም ዝገብሮምን ድማ ገሊጾም ኣለዉ።፡

72 ሚእታዊት ካብዞም ፖሊስ መንነቶም ምዕቃቡ ጥራይ ድሕነት ስድራቤቶም ኣብ ምሕላው እኹል እዩ ዝብል ስምዒት ከም ዘይብሎም እዮም ዝገልጹ። ስለዚ ድማ ህዝቢ መንነት ፖሊስ ዝያዳ ዝኽወለሉ ኣገባብ ከተኣታቱ ማሕበር ፖሊስ ርእቶኡ ኣቕሪቡ’ሎ። ሓደ ካብዚ ኣገባብ ኣብ ክንዲ ስም ፖሊስ ናይ ተልእኾ ቊጽሩ ጥራይ ምጥቃስ ፍቱን ክኸውን ይኽእል እዩ ተባሂሉ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com