Thursday , April 18 2024
Fredrik Sandberg/TT

99 ሓደሽቲ ሕግታት ኣብዚ ዓመት እዚ ክትግበሩ ኣብ መስርሕ ምጽዳቕ ከምዘሎዉ ይሕበር።

ኣብዚ ሒዝናዮ ዘሎና ዓመት ኣብ መስርሕ ምጽዳቕን ምምሕያሽን ዝጸንሑ ኣብ ዝተፈላለዩ ዓዉድታት ዘተኮሩ 99 ሓደሽቲ ሕግታት ኣብ ተግባር ክዉዕሉ ምድላዋት ከምዝተወደአ፣ መንግስቲ ገሊጹ።

እዚ ብመሰረት ኣብ ዝሓለፈ እዋን ኣብ እዋን ሃገራዊ ምርጫ ሰልፍታት ዝኣተወኦ ቃልን፣ ድሒሩ ኸኣ ብናይ ወርሒ ጥሪ ፖለቲካዊ ስምምዕ ኣርባዕተ ሰልፍታት ሽወደን ተደሪኹ ዝተገብረ ምዃኑ ተፈሊጡ።

ብመሰረት እቲ ሓበሬታ ገለ ካብቲ ሓደሽቲ ሕግታት፣-

  • ምንዋሕ ግዚያዊ ሕጊ ዑቕባ ንስደተኛታትን
  • ሕጊ ኣካረይትን ተኻረይትን ገዛ
  • ምትራር ሕጊ ንገበን ቅትለት ሰብ
  • ምስታፍን ኣባልነትን ኣብ ግብረሽበራዊ ንጥፈታትን ማሕበራትን ገበን ክኸዉን
  • ንመሰላት ጡረታን፣ዉዑል ስራሕን ሃገራዊ ባጀትን ካልእ ንዝምልከቱ፣ ዘጠቓለሉ ሓደሽቲ ሕግታት ክትግበሩ ምዃኖም እቲ ዜና ኣረዲኡ።

ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ሽወደን ብስምምዕ ሰልፍታት ዝቖመ ልፍንታዊ ፕለቲካዊ ኩነታት ስለዘሎ ኣብ ዝተፈላለየ እዋን ምቅያርን ምምሕያሽን ሕግታት፣ ብጻዕቂ ክቕጽል እዩ ዝብል ገምጋም ከምዘሎ ይንገር።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com