Friday , April 19 2024

ዳይረክተር ባይቶ ኖርወይ ብፍቓዳ ካብ ስልጣና ወሪዳ።

በዓልመዚ ምክልኻል ዳታ ኖርወይ፡ ን ባይቶ ኖርወይ ዘይቅርዑይ ድሕነት ቴክኖሎጂ ኮምፕዩተር ከም ዝጥቀም ብምሕባር ናይ 2 ሚልዮን ክሮና መቕጻዕቲ ድሕሪ ምብያኑ፡ ዳይረክተር ባይቶ ኖርወይ (ስቶሪንግ) ማርያን ኣንድርያሰን ብፍቓዳ ካብ ስልጣና ወሪዳ’ላ።

ኣብ ነሓሰ 2020፡ ኣብ ባይቶ ኖርወይ መጥቃዕቲ ሳይበር ከም እተግበረን፡ ሩስያ ፈጻሚት እዚ ገበን ክትከውን ትኽእል እያ ተባሂሉ ምንባሩን ዝፍለጥ እዩ። ካብቲ እዋን ንደሓር፡ ኣብ ኣታሕዛ ዳታ ሸለልትነት ክረአ ምጽንሑ ትካል ምክልኻል ዳታ ኖርወይ ብቐጻሊ ክኸስስ ጸኒሑ’ሎ።

“ኣብ ድሕነት ቴክኖሎጂ ኮምፕዩተር ባይቶ ምምሕያሻት ክግበር ጸኒሑ’ሎ። ይዂን’ምበር፡ እዚ ባይቶ ዝሰፍሐ ምምሕያሻት ንኽገብር፡ ሓድሽ ዳይረክተር የድልዮ እዩ ዝብል እምነት ብምሕዳረይ እየ መዝነተይ ብፍቓደይ ዝሓድግ ዘለኹ” ክትብል ኣንድርያሰን ኣብ ዝሃበቶ ጋዜጣዊ መግለጺ ሓቢራ’ላ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com