Wednesday , April 24 2024
STOCKHOLM 20210902 Abba släpper nya låtar vid det världsomspännande eventet ABBA Voyage som i Sverige äger rum på Gröna Lund i Stockholm. på Skärmen visas Björn Ulvaeus, Agnetha Fältskog, Anni-Frid Lyngstad och Björn Ulvaeus under den digitala produktionen. Foto: Fredrik Persson / TT / kod 1081

ABBA: ዘይምነዉ ባንድ

ሽወደናዊ ጒጅለ ሙዚቃ: ABBA: ሓዳሽ ደርፊ ሒዞም ተቐልቂሎም ኣለዉ። እዞም ብ Mama Mia! Here we go again.. ዝብላ ደርፍታት ዝፍለጡ ጒጅለ: ድሕሪ ዓሰርተታት ዓመታት ዳግማይ ናብ መድረኽ ምምጽኦም ኣብ ደገፍቶም ዓብዪ ምንቕቓሕ ፈጢሩ’ሎ።

“ABBA ን 2021 ኣድሒኖማ!” “ህይወተይ ኣድሒንኩሟ! ሕጂ ኣብዛ ሰዓት ብሓጎስ እነብዕ ኣለኹ” ዝብልን ካልእን ርእይቶታት ነታ ኣበሳሪት ናይ ቲክቶክ ቪድዮ ኣስንይዋ ኣሎ። ኣብ ሒደት መዓልታት ጥራይ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ሚልዮናት ሰዓብቱ ኣጥርዮም ዘለዉ::

ABBA እተን ዝጠቅዕወን ትሽዓተ ቪድዮታት ከኣ ሰሙን ኣብ ዘይመልእ: 30 ሚልዮን ግዜ ከም እተራእያ ተገሊጹ። ከዋኽብቲ ፓፕ ዝኾኑ ሜበልን: ዘራ: ላርሰንን ፖስተራት ለጢፎም ምህላዎም እውን ተፈሊጡ። “ባንድና ብዙሕ ኣፍቃሪ ከም ዘለዋ ካብቲ ዝረኸብናዮ ብዙሕ ርእይቶታትን ብዝሒ ዝተራእየ ቪድዮን ከነረጋግጽ ክኢልና ኣለና” ክብል ሓላፊ ስርሒታት ሙዚቃ ብሪጣንያ: ፖል ሁሪካን: ገሊጹ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com