Thursday , March 28 2024
Jessica Gow/TT

Anders Ygeman ኣብ መንግስቲ Stefan Löfven ዳግማይ ተቐልቂሉ’ሎ።

ኣብዚ ሓድሽ መንግስቲ ቅድሚ ሕጂ ዘይነበረ ገጽ ሚኒስትሪ ባህሊ እተሸመትን ካብ ሓምላይ ሰልፊ (miljö partiet) ዝመጸትን Amanda Lind እዩ።

MP ናይ ሚኒስተር ስልጣኑ እናንቘልቈለ ክኸይድ ድሕሪ ምጽናሕ ሕጂ ብጠቕላላ ናብ ሓሙሽተ ወሪዱ’ሎ።

ብጠቕላላ ሓሙሽተ ሚኒስተራት ኣብ መንግስቲ Löfven ስርሖም ክርከቡ፡ ሓምሻዮም ሓድሽ ሚኒስትሪ ትሕተ-ቅርጺ ብ Tomas Eneroth ዝመሓደር ኮይኑ ተሸያሚ ሚኒስተር Anders Ygeman ክጽንበሮ እዩ።

እዞም ሓደስቲ ሚኒስተራት

Hans Dahlgren—ሚኒስተር ዞባዊ ምምሕዳር

Matilda Ernkrans—ሚኒስተር ትምህርቲ

Asa Lindhagen–ሚኒስተር ዕዮ

Jennie Nilsson–ሚኒስተር ኢንዱስትሪ

Amanda Lind….ሚኒስተር ባህሊ እዮም።

ቅድሚ ሕጂ ሚኒስተራት ዝነበሩ ካብቲ መንግስቲ ወጺኦም ኣለዉ። ብመሰረት ሓበሬታ መንግስቲ Löfven እዚኣቶም Sven-Erik Bucht (S), Helene Hellmark Knutsson (S) and Karolina Skog (MP) እዮም።

ሚኒስተር ትምህርቲ Gustav Fridolin (MP), ሚኒስተር ባህልን ዴሞክራሲ Alice Bah Kuhnke (MP) ከምኡ’ውን Heléne Fritzon (S) ንነብሶም ካብ መንግስቲ ኣርሒቖም ኣለዉ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com