Saturday , April 20 2024
Foto: Jessica Gow/TT

Arbetsförmedlingen 4400 ሰራሕተኛታቱ ጽባሕ ረቡዕ ከፋንው እዩ ተባሂሉ።

ቤትጽሕፈት መራኸብቲ ስራሓት (Arbetsförmedlingen)  ንኣሽሓት ሰራሕተኛታቱ ካብ ኣገልግሎት ከሰናብቶም እዩ ይበሃል ኣሎ።

ረቡዕ ንግሆ ን 4400 ሰራሕተኛታት ቤትጽሕፈት መራኸብቲ ስራሓት (Arbetsförmedlingen)  ናይ ስንብት ምልክታታት ክንገሮም እዩ ተባሂሉ’ሎ።

ብመሰረት ጋዜጣ DN እዚ ካብቲ ኣቐዲሙ ተገሚቱ ዝነበረ ቊጽሪ (ማለት 2400 ) ኣጸቢቑ ዝለዓለ እዩ።

እዚ ዝኸውን ዘሎ ሓድሽ እማመ ባጀት ብባይቶ ድሕሪ ምጽዳቑን ዓቃባዊ ክርስትያን ዲሞክራስያዊን ሰልፊታት ባጀት ቤትጽሕፈት ዕዮ ክጐድል ዝብል እማመ ድሕሪ ምቕራቦም እዩ።

ዝሓለፈ ታሕሳስ ኣሽሓት ሰራሕተኛታት ከሰናብት ምዃኑ እቲ ቤትጽሕፈት ወግዓዊ ደብዳቤታት በቲኑ ምንባሩ ይዝከር።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com