Thursday , April 25 2024

Khaled Abdu

ኣብ ሰራዊት ሶርያ ዘገልገሉ ዜግነት ሽወደን ይኽልከሉ

ኣብ ዝሓለፉ ሓሙሽተ ዓመታት ኣስታት 700 ሶርያውያን ኣብ ሰራዊት ሶርያ ኣገልጊሎም ብዝብል ምኽንያት ዜግነት ሽወደን ከምዝተኸልከሉ ኣገልግሎት ዜና ሬድዮ ሽወደን ሓቢሩ። ካብ 2004 ዝወጸ ውሳነ መንግስቲ ሽወደን ከም ዝሕብሮ፡ ገበናት ኲናት ኣብ ዝፈጸሙ ውድባት ዝተሳተፉ ሰባት ን 25 ዓመታት ዜግነት ሽወደን ኣይወሃቡ እዮም፡፡ ሰራዊት ሶርያ ብመንግስቲ ሽወደን ሓደ ካብቶም ኣብ ልዕሊ ሲቪላውያን ገበናት ኲናት ካብ ዝፈጸሙ ትካላት እዩ ዝጽብጸብ። ማትስ …

Read More »

ኣብ ሶደርታልየ ክልተ ህጻናት ተቐቲሎም

ኣብ ደቡብ ስቶክሆልም ኣብ እትርከብ ከተማ ሶደርታልየ ክልተ ህጻናት ከምዝተቐትሉ ፖሊስ ሓቢሩ። ክልተ ብዕድመ እኹላት ሰባት ብቕትለት ተጠርጢሮም ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዮም ኣለዉ። ኣብዚ ሕጂ እዋን ምስቲ ገበን ዝተሓሓዝ መርመራ (ፎረንሲክ) ይካየድ ኣሎ፡፡ ካብዚ ብዝተረፈ ፖሊስ ዝኾነ ካልእ ዝርዝር ሓበሬታ ካብ ምሃብ ተቖጢቦም ኣለዉ።

Read More »

ሰባት ደው ኣቢልካ ምፍታሽ ህዝቢ ኣብ ልዕሊ ፖሊስ ዘሎ ተኣማንነት ክንኪ ዝገብር እዩ ተባሂሉ

ፖሊስ ኣብ ዞባታት ደው ኣቢሎም ሰባት ክፍትሹ ዘኽእሎም ሓድሽ ሕጊ ካብ ጽባሕ ሓሙስ ጀሚሩ ተግባራዊ ብምዃን ፖሊስ ኣብ ዝተወሰኑ ከባቢታት ምፍታሽ ኣካላት ሰብነት ንምክያድ ዝለዓለ ስልጣን ክህልዎም ምዃኑ ተገሊጹ። መንግስቲ ሽወደን፡ ኣንጻር ገበናት ጕጅለታት ኣብ ዝግበር ዘሎ ቃልሲ፡ ሓደስቲ ሜላታት ክትግበሩ ኣለዎም ኢሉ እዩ ዝምጉት። እቲ ኣገባብ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ዝተፈተነ ኮይኑ፡ ኣብ ሕብረተሰብ ገለ ጉጅለታት ኣድልዎ ንኽበጽሖም ዘቃልዕ እዩ …

Read More »

ሓድሽ ኣገባብ ዲኤንኤ ዝምድና ስድራቤት ንምልላይን ገበን ንምፍታሕን ክሕግዝ ይኽእል እዩ ተባሂሉ

ሓድሽ ኣገባብ መርመራዊ ጸብጻብ “ዲኤንኤ ፎረንሲክ ፕሮፋይሊንግ” ኤጀንሲ ሚግሬሽን ርክብ ስድራቤት ንምድህሳስ ንዝገብሮ ዕዮ ከቃልሎ ምዃኑ ተገሊጹ። ብዘይካዚ ሬሳታት ሰባት ንምልላይ ዓብዪ ሓገዝ ክገብር፥ በዚ ኣቢሉ ድማ ፖሊስ ዘይተፈትሐ ቅትለትን ካልእ ገበናትን ንምጽራይ ኣብ ዝገብርዎ ጻዕሪ ኣገዳሲ ምዕባለ ምዃኑ ኣገልግሎት ዜና ሬድዮ ሽወደን ጸብጺባ። ነቲ መጽናዕቲ ዝመርሖ ዘሎ ኣብ ሃገራዊ ቦርድ ፎረንሲክ ሜዲሲን ዝሰርሕ ኣንድሬስ ቲልማር ኮይኑ፡ እዚ ሓድሽ ኣገባብ …

Read More »

ኔታንያሁ፥ ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ምክልኻል እስራኤል ብኣመሪካ ዝግበር ዝኾነ ይኹን እገዳ ከምዝነጽጎ ገሊጹ

ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤላዊ ቤንያሚን ኔታንያሁ ኣብ ልዕሊ ወተሃደራዊ ሓይሊ እታ ሃገር ዝግበር ዝኾነ ይኹን እገዳ ከምዝነጽጎ ገሊጹ። ኔታንያሁ ነዚ ዝገለጸ ኣሜሪካ ናብ ሓደ ኣሃዱ ዝፍኖ ሓገዝ ክትቆርጽ መደብ ከምዘለዋ ድሕሪ ምግላጻ እዩ። ቀዳማይ ሚኒስተር እታ ሃገር ትማል ሰንበት ነዚ ብምሉእ ሓይሉ ክቃለሶ ምዃኑ ኣስሚሩሉ’ሎ። ኣቐዲሙ’ውን መርበብ ሓበሬታ ኣክሲዮስ፡ ኣመሪካ ኣብ’ቲ ዝተጎበጠ ምዕራባዊ ገማግም ባሕሪ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ተፈጺሙ ብዝብል ምኽንያት፡ …

Read More »

ማሕበራት ሰራሕተኛታት ኢንዱስትሪ ዝለዓለ መጠን ወሰኽ ደሞዝ የቕርባ

ምስ ኣስራሕቲ ክካየድ ቅድሚ ተተሊሙ ዘሎ ሓባራዊ ልዝብ ደሞዝ፡ ማሕበራት ኢንዱስትሪ ሽወደን፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓሰርተ ዓመታት ብማእከላይ ገምጋም ዝተገብረ ናይ ኣስታት ክልተ ሚእታዊት ወሰኽ ደሞዝ ከምዘይሰማምዓሉ ገሊጸን። ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ን 2023-2024 ኣብ ዝተገብረ ናይ ሓባር ልዝብን ስምምዕን፡ ወከልቲ ማሕበራት ሰራሕተኛታት ኢንዱስትሪ 4.4% ድሕሪ ምሕታተን፡ 3.7% ወሰኽ ደሞዝ ከምዘረጋገጻን ንዝመጽእ ዓመት ድማ ዳግማይ ብ ተመሳሳሊ ደረጃ ክዓቢ ከም ዝደልያ እየን …

Read More »

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሽወደን፡ “ጸብጻባት መጥቃዕቲ እስራኤል ኣብ ልዕሊ ኢራን ኣዝዩ ዘተሓሳስብ እዩ”

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሽወደን ቶብያስ ቢልስትሮም፡ መንግስቱ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ወጥሪ ክለዝብ ኣብ ዝጽውዓሉ ዘሎ እዋን፡ እስራኤል ኣብ ልዕሊ ኢራን መጥቃዕቲ ሚሳይል ምፍጻማ ምስምዑ ”ኣዝዩ ከም ዘተሓሳሰቦ” ገሊጹ። ቢልስትሮም ዝሓለፈ ዓርቢ ንግሆ ንኣገልግሎት ዜና ኤስቪቲ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ “እዚ ጒዳይ መንግስቲ ኣዝዩ ብዕቱብ ዝርእዮን ብቐረባ እንከታተሎን እዩ” ኢሉ። “ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ዘሎ …

Read More »

“ሽወደንኛ ብላህጃ እንግሊዝኛ ዝዝረቡ ሰባት ዝያዳ ተቐባልነት ይረኽቡ”ሓደ መጽናዕቲ

ላህጃ እንግሊዝኛ ዘለዎ ቋንቋ ሽወደን ዝዛረቡ ሰባት፡ ላህጃኦም ብዘየገድስ ክዓብዩ ብርቱዕ ድሌት ዘለዎም፡ ተፈተውትን ጽቡቕ ትምህርቲ ዘለዎምን ተጌሮም ከም ዝሕሰቡ ተፈሊጡ። ነዚ ሓቂ ዝገለጸ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኡፕሳላ ዝተገብረ መጽናዕቲ እዩ። ኣካየድቲ እቲ መጽናዕቲ፥ ዝተፈላለየ ላህጃ እንግሊዝኛ ብዘለዎ ልሳን ቋንቋ ሽወደን ዝዛረቡ ብርክት ዝበሉ ሰባት ክሰምዑ ከም እተገብሩ ይሕብሩ። “እዚ ይዂንምበር ካልኦት ላህጃታት ካብ ተሳተፍቲ ኣሉታዊ ተቐባልነት ረኺቦም …

Read More »

ዕለታዊ ዜና ካብ ሃርሞኒ መዲያ 22 ሚያዝያ 2024

Read More »

ቊጽሪ ናይቶም ኣብ ኲናት ዩክሬን ዝሞቱ ወተሃደራት ሩስያ ካብ 50 ሽሕ ይሓልፍ

ኣብ ኲናት ዩክሬን ዝሞቱ ወተሃደራዊ ሩስያ ቊጽሮም 50 ሽሕ ምሕላፉ ቢቢሲ መርትዖታት ምርካባ ገሊጻ። ብፍላይ ድማ ዓሚ ሞስኮ እተኸተለቶ ወተህደራዊ ስትራቴጂ ካብቲ ቅድሚኡ ዝነበረ ብኣስታት 25% ዝለዓለ ዝለዓለ ዋጋ ከም ዘኽፈላ እቲ ጸብጻብ ኣመልኪቱ’ሎ። ቢቢሲ ሩስያ፣ ናጻ ጉጅለ ሚድያ ሚድያዞናን ወለንተኛታትን ካብ ለካቲት 2022 ጀሚሮም ቊጽሪ ምዉታት ወተሃደራት ሩስያ ኣብ ምቚጻር ክነጥፉ ምጽንሖም ድማ ኣመልኪቱ። ኣብ መካነ መቓብር ዝተረኽበ ሓበሬታ …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com