ኣብ መንጎ ኖርዝቮልትን ማሕበር ሞያውያን ኣይ ኤፍ ሜታልን ክካየድ ዝጸንሐ ተደራቢ ሰራሕተኛ ናይ ምእላይ ልዝብ ተዛዚሙ።
ኣፈኛ ማሕበር ሰራሕተኛታት ንሬድዮ ሽወደን ፒ 4 ቫስተርቦተን ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ካብ 800 ክሳብ 850 ዝኾኑ ኣብቲ ኣብ
ስከለፍተዮ ዝርከብ ኣፍራዪ ባትሪ ዝሰርሑ ኣባላቱ ካብ ስራሕ ከም ዝሰናበቱ ሓቢሩ እዩ። ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ፋብሪካ ስከለፍተዮ
ኣብ ምምሕዳርን ምህንድስናን ዝሰርሑ ዝነበሩ ልዕሊ 300 ሰባት ኣብ መንጎ ማሕበሮምን እቲ ኩባንያን ዝተገብረ ልዝብ
ምዝዛሙ ስዒቡ ካብ ስርሖም ከምዝተሰናበቱ ሬድዮ ሽወደን ወሲኻ ገሊጻ። እዚ እናኾነ—ኣፍራዪ ባትሪ ኖርዝቮልት ዘጋጠሞ
ፋይናንሳዊ ጸገማት ብዙሕ ክጽብጸብ ጸኒሑ ክንሱ፡ ካልኦት ኩባንያታት ኣብ ክሊማ ክገብራኦ ዝጸንሓ ዝነበራ ተበግሶታት ኣብዚ
ቀረባ እዋን ከምዝተሰረዘ ኣገልግሎት ዜና ሬድዮ ሽወደን ሓቢሩ። ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኡሜዮ ተሓጋጋዚ ፕሮፌሰር ቁጠባዊ ታሪኽ
ማትያስ ናስማን ኣብዚ እዋን’ዚ ናብ ሓምለዋይ ምስግጋር ዝዕንቅፉ ምኽንያታት ከምዘለዉ ገሊጹ’ሎ።
“ብባህርያዊ ነዳዲ ቴክኖሎጂታት ምንቅስቓስ ሕጂ’ውን ዝሓሰሩ እዮም። እዚ ብዝሓሰረ መጠን፡ ዝያዳ ኣብ ጥቕሚ ምውዓል
ክቕጽል እዩ” ይብል።