Thursday , April 25 2024

ሓበሬታ

ሓንቲ ዓለም …. ብኣማኑኤል ሳህለ …. ናይ ሕልና ደወል (The Inner Voice)

ምሕሳው ነውሪ ኢዩ። ሓሶትን ስርቅን ከኣ ብሓደ ኢዩ ዚኸይድ። ህጻን ከሎኻ፡ ሓሳዊ ምስ እትኸውን፡ ብዘይ ፍቓድ ስድራኻ ገለ ነገር ኣልዒልካ ትወስድ እሞ፡ ኣቦኻ ወይ ኣደኻ መን ኢዩ ካብዚ ኸብሒ ገንዘብ ወሲዱ፧ ምስ ዚብሉኻ፡ ኣነ ኣይኮንኩን ትብል። እንተ ዘይትሰርቕ ኣይምሓሶኻን፡ ናይ ምሕሳው ዝንባሌ እንተ ዘይህልወካ ድማ ኣይምሰረቕካን። ወላዲ! ህጻናት ኪሕስዉ ከለዉ ኣብ ዓይነይ ረኣዩኒ በሎም። ገለ ፍሉያት ዘርኢ (ናይ ሕልናኣም ደወል …

Read More »

ናይ ዝተቖርጸካ ዶሞዝ ካሕሳ ንኽትክፈል ከተመልክት ትኽእል

እቲ ካብ ስራሕ ናይ ዝተረፍካዮ ክፍሊት እንደገና ንኽተኣታቶ ብባይቶ ሽወደን ከምዝጸደቐ ተፈሊጡ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ። እንተቐልጠፈ፡ ነቲ ብሕማም ምኽንያት ኣብቲ ቀዳማይ መዓልቲ ዝዋሃብ ፍቓድ ብዝምልከት ዝሕተት ካሕሳ ሰኑይ ከም ዝቐርብ ናይ ሽወደን ትካል ማሕበራዊ ውሕስነት (Swedish Social Insurance Agency) ኣፍሊጡ። መንግስቲ ብሰንኪ እቲ ኣብቲ ሕብረተሰብ ዝርአ ምስፍሕፋሕ ናይቲ መልከፍቲ ኣመልኪቱ፡ ብዙሓት ምስ ኮሮና ዝተተሓሓዙ ካሕሳታት እንደገና ንኽታኣታተው ወይ …

Read More »

ኣሜሪካ፡ ንሰራዊት ኣውሮጳ ትሕግዝ

ሩስያ፡ ንዩክሬይን ክትወርር እያ ዝብል ስግኣት ኣንጸላልዩሉ ኣብ ዘሎ እዋን፡ ኣሜሪካ፡ ኣብዚ ሰሙን ናብ ኣህጒር ኣውሮጳ ተወሳኺ ሰራዊት ክትልእኽ ከም ዝኾነት ን ፕረዚደንት ጆ ባይደን ብምጥቃስ ፔንታጎን ገሊጹ። ካብ ፎርት ብራግ፥ ሰሜን ካሮላይና 2000 ዝኸውን ሰራዊት ናብ ፖላንድን ጀርመንን፥ 1000 ዝኾኑ ኣብ ጀርመን ዝጸንሑ ኸኣ ናብ ሮማንያ ክለኣኹ እዮም። እዞም ሰራዊት ኣሜሪካ፡ ናብ ኣህጒር ኣውሮጳ ዝለኣኹ ዘለዉ፡ ናብ ኲናት ክኣትዉ …

Read More »

ኣብ ልዕሊ እንስሳታት ንዝፍጸም ጭካነ፡ ዝኸበዱ መቅጻዕታት ክብየኑ እዮም

ባይቶ ሽወደን፡ ኣንጻር እንስሳታት ኣብ ልዕሊ ዝፍጸም ጭካነ፡ ዝኸበደ መቕጻዕቲ ንምትግባር ብዝምልከት በቲ ናይ ገበነኛታት መቕጽዒ ቅጥዒ (Criminal Code) ኣቢሉ ለውጢ ንኽተኣታቶ ከምዘድመጸ ተፈሊጡ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ። ካልኦት ጉዳያት ሓዊሱ፡ ኣንጻር እንስሳታት ንዝበጽሕ ሕሰም ጽንኩር ዝኾነ ናይ መቕጻዕቲ መስርሕ ዘተኣታተወ ኮይኑ፡ በዚ መሰረት እቲ መቕጻዕቲ እንተወሓደ ናይ 6 ኣዋርሕ እንተበዝሐ ድማ ናይ 4 ዓመት ማእሰርቲ ከም ዝኾነ ተፈሊጡ’ሎ። …

Read More »

እቲ ናይ ዓለምና ዝኸበረ መድሓኒት፡ ኣፍልጦ ረኺቡ

እቲ ኣብ ሓደ እዋን “ናይ ዓለምና ዝኸበረ መድሓኒት” ዝብል መጸውዒ ረኺቡ ዝነበረ መድሓኒት፡ ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ሽወደን ንዝርከቡ ግዳያት ናይቲ ስፓይናል ማስኩላር ኣትሮፊ (spinal muscular atrophy) ተባሂሉ ዝጽዋዕ ከቢድ ናይ ኒዩሮሙስኩላር   (neuromuscular) ሕማም ዝኾኑ ናእሽቱ ቆልዑት ክዋሃብ ከም ዝኾነ ተፈሊጡ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ። ዋጋ ናይዚ ዞልጌንስማ (Zolgensma) ተባሂሉ ዝጽዋዕ መድሓኒት ንሓደ ግዜ ክውሰድ ከሎ 20 ሚልዮን ክሮኖር ምዃኑ’ውን …

Read More »

12 መንእሰያት፡ ብምሕጻብ ገንዘብ፡ ገበነኛታት ተባሂሎም

ቤት ፍርዲ ምምሕዳር ከተማ ኒሾፒንግ፡ 12 መንእሰያት፡ ካልኦት ገበነኛታት ንዝሰረቑዎ ገንዘብ ኣብ ምሕጻብ ሓጊዞም ብዝብል ተኸሲሶም፡ ገበነኛታት ከም ዝተባህሉ ተፈሉጡ ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ። ኣብ ኩሉ ጉዳያት፡ እዞም ገበነኛታት፡ ነቶም ብዕድመ ዝደፍኡ ዜጋታት ብምትላል፡ ናይ ባንክ  ኮዳት ብምውሳድ፡ ኣንጻር እዞም ሽማግለታት ዝተፈጸመ ገበን እዩ ክብል ሶርምላንድስ ኒሄተር ዝባሃል ጋዜጣ ኣፍሊጡ። እቲ መጠን ናይ ገንዘብ ብኣማኢት ኣሽሓት ክሮኖር ዝግመት ከም ዝኾነ’ውን …

Read More »

ሽወደን ንዩክሬይን ናይ 50 ሚልዮን ክሩነር ሓገዝ ሂባ

ብሮቡዕ፡ ነቲ ብሸነኽ ምብራቕን ደቡብን ናይታ ሃገር ክበጽሕ ዝኽእል ወራር ናይ ሩስያ ንምብዳህ፡ ምሕዝነታዊ ገንዘባዊ ደገፍ ንዩክሬን (Partnership Fund for Resilient Ukraine) ዝብል ሓድሽ መደብ ከምዝተመስረተ ተፈሊጡ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ። እዚ መደብ፡ ንመጀመርታ ግዜ ዝተቓለሐ ብራድዮ ሽወደን ኮይኑ፡ ኣብ ጎኒ እዚ መደብ፡ ሽወደን ብሓንሳብ ምስ ዓባይ ብሪጣንያ፣ ካናዳ፣ ስዊዘርላንድን ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካን ጠጠው ከምእትብል ተፈሊጡ። ሸወደን ነዚ መደብ …

Read More »

Harmony Media News 02/02/2022

Read More »

ኣብ ኮንጎ: ብሰንኪ ምውዳቕ ገመድ ኤለትሪክ፡ 26 ሰባት ሞይቶም

ኣብ ርእሰ ከተማ ኮንጎ ኪንሻሳ (DR Congo) ኣብ ማእከል ዕዳጋ ብሰንኪ ዝወደቐ ገመድ ኤሌክትሪክ፡ ብውሕዱ 26 ሰባት ከም ዝሞቱ ተገሊጹ። እዚ ትማሊ ረቡዕ ኣብ ማእከል ዕዳጋ ዘጓነፈ ምውዳቕ ገመድ ኤሌክትሪክ፡ ልዑል መጠን ቦልቴጅ ተጻዒንዎ ምንባሩ ጸብጻብ ቢቢሲ ወሲኹ ገሊጹ። ኣብቲ ዕቋር ማያት እቲ ዕዳጋ፡ ሰባት ወዲቖም ዘርኢ ስእልታት፡ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ተዘርጊሖም ኣለዉ። እቲ ገመድ ኤሌክትሪክ፡ ብከመይ ወዲቑ ዛጊት እኳ …

Read More »

ፈተነ ሚሳይል ሰሜን ኮርያ ዘርኢ ናይ ሳተላይት ስእሊ ተፈንዩ

ሰሜን ኮርያ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሓሙሽተ ዘካየደቶ ዝሓየለ ፈተነ ሚሳይል ኣመልኪታ፡ ካብ ጠፈር እተረኽቡ እዮም ዝበለቶም ስእልታት ፈንያ። ፕዮንግያንግ ብሰኑይ ኣብ ዝፈነዎ ሓበሬታ፡ ማእከላይ ርሕቀት ናይ ዝጐዓዝ ባሊስቲክ ሚሳይል ፈተነ ምክያዳ ኣረጋጊጻ’ላ። እዚ ሚሳይል፡ ኣሽሓት ኪሎሜትራት ክጐዓዝ ዝኽእል ኮይኑ ንከም ጉዋም ዝበለ መሬት ኣመሪካ ክበጽሕ ከም ዝኽእል እዩ ዝግለጽ። ሰሜን ኮርያ፡ ኣብ ቀረባ ዘካየደቶ ፈተነ ባሊስቲክ ሚሳይል፡ ኣብ ኣህጒራዊ ማሕበረሰብ ብዙሕ …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com