Friday , April 19 2024

ሕግን ሕብረተሰብን

ነፈርቲ ውግእ ሩስያ ንሉኣላዊ ክሊ ኣየር ሽወደን ግሂሰን።

ኣርባዕተ ነፈርቲ ውግእ ሩስያ ን ሉኣላዊ ክሊ ኣየር ሽወደን ብምጥሓስ ጥቓ ደሴት ጎትላንድ ክበራ ከም እተራእያ ሓይሊ ኣየር ሽወደን ብረቡዕ ገሊጹ። ሓይሊ ኣየር ሽወደን ኣብ ምሉእ ቊጽጽር ክሊ ኣየሩ ምንባሩን ዘድሊ ምክልኻል ምክያዱን ምክትል ኣዛዚ ኣንደርሽ ፐርሶን ሓቢሩሎ። “ኣብቲ ኣጋጣሚ ነፈርቲ ኲናት ነቲ ፍጻመ ክስንዳን ስእሊታት ከልዕላን ተልእኾ ተዋሂብወን ምንባሩ” ፐርሰኦን ንሬድዮ ሽወደን ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ኣመልኪቱ’ሎ።.

Read More »

ኣውሮጳዊ ሕብረት ንስደተኛታት ዩክሬይን ግዜያዊ ሓለዋ ክህቦም እዩ።

ኣባል መንግስታት ኣውሮጳዊ ሕብረት፡ ካብ ዩክሬይን ንዝሃድሙ ዘለዉ ስደተኛታት ግዜያዊ ሓለዋን ፍቓድ መንበሪን ክህባ ከም ኣተሰማምዓ ኣጃንስ ፍራንዝ ፕረስ ገሊጹ። ዛጊት ብሚልዮናት ዝቚጸሩ ስደተኛታት መዕቆቢ፡ ስራሕን ደቆም ትምህርታዊ ኣገልግሎት ንኽረኽቡን ብምባል ናብ ኣባል ሃገራት ኣውሮፓዊ ሕብረት ክኣትዉ እዮም ዝብል ትጽቢት ከም ዘሎ ንኮሚሽነር ዪልቫ ጆሃንሰን ብምጥቃስ እቲ ማዕከን ዜና ወሲኹ ገሊጹሎ። ኮሚሽነር ዪልቫ ነቲ ውሳነ ኣመልኪታ ኣብ ዝሃበቶ ቃል “ኲልና …

Read More »

ኮሚተ ሽልማት ኖበል ሕጹያት ይረቊሕ።

ኣብዚ ዓመት ካልኣይ ዝዓበየ ምርቋሕ ተሸለምቲ ኖቢል ከም እተኻየደ ተገሊጹ። ኣብዚ ዓመት 343 ሰባት ነዚ ሽልማይ ተረቑሖም ዘአዉ ኮይኖም እዚ ድማ ምስቲ ኣብ 2021 ዝነበረ እንክነጻጸር ናይ 14 ሰባት ወሰኽ ኣለዎ።  ካብዚኣቶም 251 ውልቀሰባት ክኾኑ እንከለዉ እቶም 93 ድማ ውድባት እዮም ተባሂሉሎ። ኣብ 2016 ብ 376 ኣሃዝ ዝለዓለ መጠን ተረቋሕቲ ሽልማት ኖቢል ከም እተመዝገበ ሰነዳት እቲ ኮሚተ የመልክቱ። ብመሰረት ልሙድ …

Read More »

ኖርወይ፡ ኣስታት 600 ሓደስቲ ሕሙማት ኮሮና ናብ ሆስፒታል ኣትዮም።

ኣብ ኖርወይ ትማል ረቡዕ 598 ሓደስቲ ሕሙማት ኮሮና ናብ ሆስፒታል ምእታዎምን እዚ ድማ ድሕሪ ምኽሳት እዚ ለበዳ ዝተመዝገበ ዝለዓለ ኣሃዝ ምዃኑን ተገሊጹ። 46 ካብዞም ሕሙማት ኣብ ትሕቲ ጽዑቕ ክንክን ምህላዎም እውን ተመልኪቱ። እዚ ኣሃዝ ምስቲ ኣብ ሰሉስ ዝነበረ እንክነጻጸር ናይ 26 ሕሙማት ወሰኽ ኣለዎ ተባሂሉ’ሎ። ኣብ ሆስፒታላት ኖርወይ ካብ ዘለዉ ጠቕላላ 9,234 ሕሙማት እቶም 6.5% ብኮሮና ዝተለኽፉ ምዃኖም ዝሓበረት ኖርዌይ …

Read More »

ኖርወይ፡ ኣብ ትሩንደላግ 11 ሰባት ብምውናን ዕጸፋርስ ተኸሲሶም።

ኣብ ሃልዳለንን መልሃስን ክልተ ሕርሻታት ካናቢስ ዝተባህለ ዕጸ ፋርስ ከም እተረኽበን ፖሊሲ ትሩረላግ 11 ሰባት ምስሲ ገበን ብምትሕሓዝ ምኽሳሶምን ተገሊጹ። ብዘይካዚ ብርክት ዝበለ ናውቲ መፍረዪ እዚ ዕጸፋርስ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ምእታዉ፡ እዚ ድማ ክሱሳት ነዚ ስራሕ ኮነ ኢሎም ተተሓሒዞሞ ምንባሮም ዘመልክት ምዃኑ ኣብ መደበር ፖሊስ ሄምዳል ሓላፊ መርመራ ፐር ክሪስቻን ስቶክ ን ጋዜጣ ኣድረሲቬን ኣብ ዝሃቦ ቃል ኣረዲኡ። ብርክት ዝበለ …

Read More »

ሽወደን ስግኣታት ሃገራዊ ጸጥታ ኣለዋ ተባሂሉ ።

ሰሙን ኣብ ዘይመልእ ግዜ ስግኣታት ሃገራዊ ጸጥታ ሽወደን ምዝያዱ ላዕለዋይ ኣዛዚ ሰራዊት ሽወደን ሚካኤል ቢደን ምስ ኣገልግሎት ዜና ተተ ኣብ ዘካየዶ ቃለመሕትት ኣመልኪቱ። ቢደን ነዚ ዝበለ ዝሓለፈ ሓሙስ ንዝጀመረ ወራር ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክሬይን ከምኡውን ቅድሚ ክልተ መዓልታት ክጋዋሕ ዝጀመረ ተረርቲ መግለጺታት ሩስያ ብምምልካት እዩ። ሽወደን ዘላትሉ ጸጥታዊ ኲነታት ብግልጺ ክቕመጥ ይግብኦ እዩ ዝበለ ቢደን ሰራዊት ሽወደን መላእ ሉኣላዊ ክሊ …

Read More »

ሰብኣዊ ረድኤት ሽወደን ናብ ዩክሬይን ኣትዩ።

ለገስቲ ውድባት ሽወደን ናብ ዩክሬይን ገዚፍ ሰብኣዊ ሓገዛት ኣብ ምሃብ ይርከባ’ለዋ። ሽወደን ዛጊት ብዝተፈላለዩ ትካላት ረድኤታ ኣቢላ ኣብ ዝሓጸረ ግዜ ኣማኢት ሚልዮናት ክሮና ንዩክሬይን ምሃባ ሬድዮ ሽወደን ኣመልኪታ። ኣብ ምብራቕ ኣውሮጳ ናይ ምስራሕ ልምዲ ዘለዎን ኣብ ደቡብ ሽወደን (ጆንኮፒንግ) ዝመደብሩን ሳም-ያልፕ ዝተባህለ ሓደ ንእሽቶ ትካል ረድኤት ድሮ ናብ ምዕራብ ዩክሬይን ልቪቭ ምእታዉ ኣካያዲ እቲ ትካል ጆርገን ሩተር ሓቢሩ’ሎ።

Read More »

ጒጅለ ሰብኣዊ መሰላት: ኣብ ሩስያ “ኣሰካፊ ዓፈና” ይፍጸም ኣሎ።

ኣብ ልዕሊ ዩክሬይን ብሩስያ ዝካየድ ዘሎ ወራር ብኲናት ዝወርድ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ምስዓቡ ፍሉጥ ኮይኑ፡ ኣብ ውሽጢ ሩስያ እውን ዓፈና መሰል ሓሳብካ ምግላጽ ብሰፊሑ ንኽካይድ ምኽንያት ኮይኑ ምህላዉ ሓደ ኣብ ስቶክሆልም ዝመደብሩ ኣህጒራዊ ውድብ ሰብኣዊ መሰላት ኣቃሊዑ። ኣብ ዩክሬይን ኣብ ምክትታል ሰብኣዊ መሰላት ዝሰርሑ ዝነበሩ ሰባት ሕጂ ናይ ድሕነት ስግኣት ስለ ዘለዎም ብሓደ ወገን፡ በቲ ካልእ ሸነኽ ከኣ ግዜኦም ኣብ …

Read More »

ኦስሎ፡ ኣብያተ ትምህርትታት ብዛዕባ ኲነታት ዩክሬይን ኣስተምህሮ ክወሃባ እየን።

ኲለን ኣብያተ ትምህርቲ ኦስሎ ብዛዕብቲ ኣብ ዩክሬይን ዝካየድ ዘሎ ኲነታት ን ቆልዑ ብኸመይ ከረድእዎም ከም ዘለዎም ኣስተምህሮ ይወስዱ ኣለዉ። ብተመሳሳሊ ኣብያተ ትምህርቲ ዘለወን ብዝሒ ኣዮዲን ኣብ ምትዕርራይ ምህላወን ኖርዌይ ቱደይ ዝተባህለ ማዕከን ዜና ኣመልኪቱ። “ብዙሓት ቆልዑን ኮተቲርን እዚ ኣብ ዩክሬይን ዝግበር ዘሎ ነገራት የፍርሆም እዩ። ኣብ ዩክሬይን ሰባት ብሰንኪ ኲናት ኣብ ተስፋ ዘቚርጽ ኲነታት ወዲቖም ዘርኢ ሓጸርቲ ቪድዮታት ይርእዩ ኣለዉ። …

Read More »

ክልተ ሚልዮን ኖርዌጃውና ናይ ቀረጽ ካርዶም ኣይተመልከቱን ኣለዉ።

ካርድ ቀረጽ ካብ ዝወጽእ ክልተ ኣዋርሕ እኳ እንተመልአ ክልተ ሚልዮን ዝኮኑ ኖርዌጃውያን ኣብ ካርዶም ዘሎ ናይ ቀረጽ ሓበሬታ ቅኑዕ ድዩ ኣይኮነን ንምፍላጥ ገና ኣይተመልከቱን ኣለዉ ክብል ምምሕዳር ቀረጽ ሎሚ ረቡዕ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ ሓቢሩ። “ልክዕ መጠን ቀረጽ ትኸፍል ምህላውካ እንድሕር ክተረጋግጽ ደሊኻ እቲ እንጥቀመሉ ዘሎና ሓበሬታ ቅኑዕ ምዃኑ ምርግጋጽ ኣገዳሲ እዩ” ክትብል ኣብ ምምሕዳር ቀረጽ ዳይረክተር ዲቪዥን ማርታ ዮሃን …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com