Friday , March 29 2024

ስራሕን ቁጠባን

Swedish News on Tigrigna ዜናታት ሽወደን ብትግርኛ 6 ግንቦት 2019

ገለ ካብ ትሕዝቶ ናይ ሎሚ ዜናታት፣- ኣርእስተ ዜናታት  ድሕሪ ምቛም መንግስቲ ሽወደን ኣብ ወርሒ ጥሪ ፈላማይ ክትዕ ፖለቲካዊ ሰልፍታት ተኻይዱ  ባዓል መዚ ኢመግራሽን ንዜጋታት ኤርትራ ዝርእይ ፍሉይ ፍታሕ ከምዝገበረ ተፈሊጡ።  ኣብ ብዙሕ ዞባታት ሽወደን ዝርከቡ ባንክታት ደም ሕጽረት ከምዘጋጠመ ተፈሊጡ። መደባትናን ብሰፊሕ ሓበሬታን ብዛዕባ ኩነታት ሽወደን ብትግርኛ ኣብ መርበብ ሓበሬታና www.alkompis.se/ti ተወከሱ ::

Read More »

ICA ዘፍርዮ ዓይነት ብላሽ መግቢ ክንኪ እየ ይብል።

ዋና ኣካያዲ ስራሕ ሰንሰለት ICA ዝኾነ Per Strömberg ኣብ 2025 ዘፍርዮ መጠን ገፈጥ-መፈጥ መግቢ ብፍርቂ ከጒድለ ምዃኑ ሓቢሩ’ሎ ክብል ን ጋዜጣ dagens ሓቢሩ’ሎ። ፍርያት ገፈጥ መፈጥ ኣብ ከባብያዊ ብከላ ኣስተዋጽኦ ከም ዘለዎም ዝፍለጥ እዩ። ምዕሩይ ምዕባለ መታን ክህሉ መራሕቲ ቢዝነስ ህዝቢ ዝሓሸ ጥዕናዊ ትሕዝቶ ዘለዎ መግቢ ክወስድ ከተባብዑን ክመርሑን ሓላፍነት ከም ዘለዎም’ውን ተሰሚርሉ’ሎ።

Read More »

ጒጅለታት ጒሒላታት ካብ ኣውሮጳዊ ሕብረት 500 ቢልዮን ክሮነር ይረኽቡ ተባሂሉ።

ሽወደን እተሳተፈቶ ሓደ ኣውሮጳዊ መጽናዕቲ ጒጅለታት ጒሒላታት ንሰብመዚ ቀረጽ ብምፍርራህን ስርዓት ቫት ብምኽታርን ቢልዮናት ክሮነራት ዝግመት ማል ከም ዝረኽቡ ኣመልኪቱ። 35 ማዕከናት ዜና ኣውሮጳ እንተላይ ናይ ሽወደን Ekot ራድዮ ኣብቲ መጽናዕቲ ተሳቲፈን። እዞም ጒጅለታት ጒሒላታት ኣብ ኣዝዩ ሕልኽልኽ ዝበለ ንግድ ዝዋፈሩ ኮይኖም ኣብ ዶባት ሃገራት ኣውሮጳዊ ሕብረት እዮም እቲ ናይ ቫትን ምጥፍፋእ ቀረጽን ከም ዝፍጸም ዝገብሩ ዘለዉ ይብል እቲ ዳህሳስ። …

Read More »

ነደፍቲ ህንጻ ሽወደን ጸርፍን ምውራድን ከም ዘሸገሮም ገሊጾም።

ነደፍቲ ህንጻ ሽወደን ብኦንላይን ብፌይስቡክ ዝመጽእ ጸርፍን ምውራድን ከም ዘሸገሮም ገሊጾም። ኣሰናዳኢት መጽሔት Arkitekten Maria Blom ገለ ነደፍቲ ህንጻ በቲ “ኣንጻር ምክልኻል ምብልሻው ከተማ” ዝበሃል ጒጅለ ብኦንላይን ነቐፍቲ ጸርፊን ኣነዋሪን ቃላት ይወርዶም ምህላዉ ገሊጻ’ላ። እንተኾነ ግና ኣቦመንበር እዚ ጒጅለ Sigvald Freylander ከምዚ ዝበለ ዕላማ ከም ዘይብሎምን ከምዚ ዝበሉ መልእኽቲታት እንክርእዩ ብኡንብኡ ከም ዝድምስስዎም ገሊጹ’ሎ። ዛጊት ኣብ ሽውደን ክሳብ 700 ሽሕ …

Read More »

667 ደለይቲ ስራሕ ብጌጋ ዝተኸፍሎም ገንዘብ ክመልሱ ይሕተቱ።

ኣማኢት ደለይቲ ስራሕ ብጌጋ ፋይናንሳዊ ሓገዝ ይረኽቡ ምህላዎም SVT ዝተባህለ ኣገልግሎት ተሌቪዥን ገሊጹ። ብመሰረት ጸብጻባት እዚ ተሌቪዥን 667 ደለይቲ ስራሕ ካብ 4 ክሳብ 10 ሚልዮን ክሮነር ዝግመት ሓገዝ ካብ ቤትጽሕፈት ዕዮ ረኺቦም ኣለዉ። ልዕሊ 18 ሽሕ ዝኾኑ ግጒያት ውሳኔታት ብበዓልመዚ ዕዮ ከም እተፈጸሙ ተገሊጹ’ሎ። እዞም ጌጋታት ወርሓዊ ደለይቲ ስራሕ ካብ Försäkringskassan ቅድሚ ምርካቦም ዝቐረቡ ጸብጻባት ስራሕ እዮም።፡ ምንጪ እዚ ሽግር …

Read More »

ሎም ምሸት ቀረጽ ኣታዊኹም እተፍልጥሉ ናይ መወዳእታ መዓልቲ እዩ ተባሂሉ።

ሎሚ ካልአይቲ ሓሙስ ወርሒ ግንቦት ናይዚ ዓመት ተመላሲ ቀረጽ ናብ በዓልመዚ ቀረጽ Skatteverket እተፍልጡላ መዓልቲ እያ። ካብ ዘየድሊ ሞልታን መቕጻዕትን ንምድሓን ቀረጽ ኣብ ግዚኡ ከረክቡ ከም ዝግባእ ከኣ ክኢላታት ይመኽሩ። ዛጊት 4.6 ሚልዮን ሽወደናውያን ቀረጽ ኣታዊኦም ኣፍሊጦም( ከፊሎም) ኣለዉ። እቶም ዝተረፉ 1.6 ሚልዮን ሎም ምሸት ከፍልጡ ትጽቢት ይግበረሎም። ብመሰረት IRS ኤለክትሮኒካዊን ቀጥታዊን ምፍላጥ ኣታዊ ኣዝዩ ቅቡል እናኾነ ይመጽእ ኣሎ። ዲጂታላዊ …

Read More »

ቀዳማይ ሚኒስተር ሽወደን ነበር Göran Persson ሓድሽ ኣቦመንበር ስዊድ ባንክ ክኸውን እዩ።

ሓደ ካብቶም ዝዓበዩ ባንካታት ሽወደን ዝኾነ ስዊድ ባንክ ሎሚ ኣብ ዘውጽኦ ሓበሬታ ቀዳማይ ሚኒስተር ሽወደን ነበር Göran Persson ሓድሽ ኣቦመንበር ስዊድ ባንክ ክኸውን ምውሳኑ ኣፍሊጡ። ኣቐዲማ ኣደ መንበር ዝነበረት Bergiti Bonison ብፍቓዳ ካብ ስልጣና ድሕሪ ምልቃቓ እዩ እዚ ሓድሽ ምርቋሕ ዝግበር ዘሎ። “መሳጢ ዓወታት ዘለዎ ስፍሕ ዝበለ ኣህጒራዊ መርበባት ዝውንን ኣብ ፋይናንሳዊ ስርሒታት ከኣ ጽቡቕ ተመኲሮ ዘለዎ እዩ” ክብክ ሓደ …

Read More »

ዝበዝሑ ሽወደናውያን ካብ ኣውሮፖዊ ሕብረት ወጻኢ ዝመጽእ ሽቕለት ከም ዝመርጹ ተገሊጹ።

ዝበዝሑ ሽወደናውያን ካብ ኣውሮዓዊ ሕብረት ወጻኢ ዝመጽእ ሽቕለት ከም ዝመርጹ ተገሊጹ። እዚ ብ SOM ዩኒቨርሲቲ ዮተበሪ ዝተኻየደ ዳህሳስ እዩ ነዚ ዘረጋገጸ። እቲ ዳህሳስ ከም ዘመልክቶ ኣብ ክሊ 30ታት ዘለዉ ብፍላይ ነዚ ኣዝዮም እወታዊ ክኾኑ ኣንከለዉ ዕድሚኦም ካብ 50 ንላዕሊ ዘለዉ ግና ኣሉታዊ ገምጋም ከም ዘለዎም እዩ ተፈሊጡ። ኣብቲ ትካል ትሰርሕ Elena Lindgren እቲ ምውሳኽ ርእይቶ ብምኽንያት ምልዋጥ ፖለቲካዊ ዛዕባትታ ሽወደን …

Read More »

ሓደ ሲሶ ሳሎን ቁንጅና ኣጽፋርን ማሳጅን ድሕሪ መርመራ ከም እተዓጽዉ ተገሊጹ።

ዝሓለፈ ሰሙን 120 ትካላት ቁንጅና ኣጽፋርን ማሳጅን ድሕሪ መርመራ ከም እተዓጽዉ ተገሊጹ። በዓልመዚ ከባቢ ስራሕ ሽወደን ኤጀንሲ ቀረጽን ፖሊስን ኣብ መላእ ሽወደን ዝርከቡ ትካላት ድሕሪ ምፍታሾም ደርዘናት ትካላት ዘይብቑዕ ናይ ስራሕ ኲነታት ከም ዘለዎም ኣፍኪጦም ኣለዉ። ብተወሳኺ ፖሊስ ንሓደ ትካል ብምንዝርናን ዘይሕጋዊ ምስግጋር ሰባትን ምኽሳሶም ተገሊጹ’ሎ።

Read More »

ዜናታት ሽወደን ብትግርኛ Swedish News on Tigrigna 15 ሚያዚያ 2019

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com