Saturday , April 20 2024

ስራሕን ቁጠባን

ሽወደን ደረት ደሞዝ ፍቓድ ስራሕ ክትውስኽ እንከላ – ዴንማርክ ግና ኣውሪዳቶ

መንግስቲ ሽወደንን ሰልፊ ዲሞክራስን ምስ ስደትን ውህደትን ኣብ ዝተኣሳሰሩ ጉዳያት ዝያዳ ምትብባዕ ንምርካብ ብዙሕ ግዜ ንደንማርክ ከም ሞዴል ክርእይዋ እኳ እንተጸንሑ፥ ኣብ ምስሓብ ሰራሕተኛታት ወጻኢ ግን ክልቲአን ሃገራት ናብ ተጻራሪ ኣንፈት እየን ዝኸዳ ዘለዋ። ሽወደን ነቲ ዝተሓተ ደሞዝ ፍቓድ ስራሕ ናብ 80% ናይቲ ማእከላይ ደሞዝ ምዕባያ – መንግስቲ ድማ ናብ 100 ሚእታዊት ከብጽሖ ዕላማ ከም ዘለዎ ዝፍለጥ ኮይኑ፥ ብኣንጻሩ መንግስቲ …

Read More »

ተመሃሮ ወጻኢን ተመራመርትን ናይ ባንክ ሕሳብ ይኽልከሉ ኣለዉ

ኣብ ሽወደን ዝርከቡ ወጻእተኛታት ተማሃሮን ተመራመርትን ብዙሕ ግዜ ናይ ባንክ ሕሳብ ከም ዝኽልከሉ ብቤት ምኽሪ ላዕለዋይ ትምህርቲ ሽወደን ዝተኻየደ መጽናዕቲ ኣመልኪቱ። “እዚ ምኽልካል ሕሳብ ባንክ ነቶም ተመሃሮን ተመራመርቲን ጥራይ ዘይኮነ ነተን ትካላት ትምህርቲ እውን ብዙሕ ጸገማት የምጽእ ኣሎ” ክብል ማግነስ ሆርቦርተን ካብ ቤት ምክሪ ላዕለዋይ ትምህርቲ ሽወደን ይገልጽ። “እዚ ኲነታት ሽወደን ኣብ ኣህጒራውያን ተመሃሮን ተመራመርቲን ዝጸንሓ ጽቡቕ ስም ዝብርዝ እዩ” …

Read More »

ሓድሽ ሕግታት ደሞዝ ፍቓድ ስራሕ ንዓሎቕ ደው ከምዘየብሎ ተገሊጹ

ሓድሽ ሕጊ ፍቓድ ስራሕ፡ ዜጋታት ሕብረት ኤውሮጳ ንዘይኮኑን ኣብ ሽወደን ክጸንሑ ዝደልዩን ካብ መጭበርበርቲ ከምዘይከላኸል ማሕበራት ንኣገግሎት ዜና ሬድዮ ሽወደን ሓቢረን።ዳና ነቲ ሓድሽ ደረት 27,360 ክሮና ኣብ ወርሒ ንምምላእ ዝለዓለ ደሞዝ ከምዝተዋህቦኳ ፡ ነቲ ትርፊ ብጥረ ገንዘብ ንኣስራሒኡ ክመልሶ ከም ዝተነግሮ ይገልጽ። ማሕበር ሰራሕተኛታት ሆቴላትን ኣብያተ መግብን፡ ኣብ ልዕሊ ስነ-ምግባር ዘይብሎም ኣስራሕቲ ዝያዳ ምጽራይ ከምዘድሊ በዚ ኣጋጣሚ ኣተሓሳሲቡ’ሎ።

Read More »

ገለ ኣንፈታት ንደለይቲ ስራሕ።

ናብ ሽወደን ምስ ኣተዂም፡ ብኸመይ ስራሕ ትረኽቡ? ክንደይ ግዜኸ ይወስደልኩም? ስራሕ እንክትደልዩ፡ እንታይ ኣብ ግምት ከተእትዉ ኣለኩም? ሬድዮ ሽወደን፡ ሓደስቲ መጻእተኛታት ሽወደን ብኸመይ ስራሕ ይረኽቡ ንዝብል ሕቶ ሒዛ፡ ምስ ኣካያዲት ህዝባዊ ሽቕለት ሽወደን፡ ኢቫ ቬስትሉንድ ጻንሒት ጌራ ኔራ። ንሳ “ብቐዳምነት ክገብርዎ ዝግባእ፡ ኣብ ህዝባዊ ዕዮ ሽቕለት ምምዝጋብ እዩ። ከምዚ ምግባሮም፡ ኣበይን ከመይ ዝበለን ስራሕ ክረኽቡ ከም ዝኽእሉ ገለ ምኽሪ ክህቦም ይኽእል እዩ። ብዘይካዚ፡ ነቲ …

Read More »

ሽወደን ኣብ መጽናዕቲ ዝዋፈሩ ምሁራን ስለምንታይ ትስእን ምህላዋ ተዘትዩሉ።

ናብ ናይ ዶክትርና ምዕርግ ትምህርቲ ክኸዱ ዝደልዩ ተማህሮ፡ ቊጽሮም እናወሓደ ኣብ ልዕሊ ምምጽኡ፡ 54% ኣብ ሽወደን ዘጽንዑ ተመሃሮ ወጻኢ ናይዚ መዓርግ ጥራይ፡ ኣብ ሽወድን ክተርፉ ከም ዝድልዩ ክብ በዓልመዚ ላዕለዋይ ትምህርቲ እተረኽቡ ኣሃዛት ኣመልኪቶም። ምኽንያትን ናይዚ ተርእዮን ንምፍትሑ እንታይ ክግበር ከም ዝከኣልን፡ ትማል ሰንበት ኣብ ስቶክሆልም ዘተ ከም እተኻየደ ሬድዮ ሽወደን ጸብጺባ’ላ። ” እንድሕሪ ናይ ወጻኢ ተመሃራይ ኴንካ፡ ናይ ድሕረ-ዶክትርና መዓርግ ኣብ ካልእ ሃገር …

Read More »

መንግስቲ ዘውጽኦ ውጥን ስደተኛታት ምንም ሓድሽ ነገር የብሉን ብዝብል ብርቱዕ ይንቀፍ ኣሎ።

ሓደሽቲ ስደተኛታት ኣብ ዝቐልጠፈ ስራሕ ንክረኽቡ መንግስቲ ዘውጽኦ ፕሮግራም ምስ ውጥን ምጥያስ ብትሕዝቶ ሓደ እዩ፡ ምንም ሓድሽ ነገር የብሉን ብዝብል ብብርቱዕ ይንቀፍ ኣሎ። ተሳተፍቲ ናይቲ ጽዑቕን ን ዓመት ዝካየድን ፕሮግራም ብዝቐልጠፈ ቋንቋ ሽወደን ዝመልኩሉ ኮርሳት ከምኡ’ውን ናይ ምሉእ እዋን ናይ ተልመዴን ሞያ ከም ዝወስዱ እዩ ዝግበር። እንተኾነ ግና ነቐፍቲ ነዚ ተባሂሉ ዝውሰድ ናይ ስልጠና ኮርስታት ምስቲ ን መጣየሲ ተባሂሉ ንክልተ ዓመት ዝወሃብ ፕሮግራም …

Read More »

ሩስያ ኣብ ጸዓት ዝዓለመ እገዳ ክግበር ጻውዒት ቀሪቡ።  

ኣውሮጳዊ ሕብረት ኣብ ልዕሊ ሩስያ ዝያዳ እገዳታት ክጽዕን እዩ ዝብል ትጽቢት እኳ እንተሃለዎ እዚ እገዳታት ንጽላት ጸዓት እታ ሃገር ሸቶ ዝገብር ድዩ ኣብ ዝብል ግና ጥርጣረ ከም ዘለዎ ሚኒስተር ፋይናንስ ሽወደን ሚካኤል ዳምበርግ ገሊጹ። ዳምበርግ ብዛዕባ ኣብ ሩስያ ክጸዓን ዝኽእል ተወሰኽቲ እገዳታት ምስ ሚኒስተራት ፋይናንስ ሃገራት ኣውሮጳዊ ሕብረት ንምዝታይ ትማል ሰሉስ ናብ ላክሰምበርግ ምኻዱ ሬድዮ ሽወደን ጸብጺባ።. ሩስያ ኣብ ዓለምና …

Read More »

ትካል ማይብሎማን ዓመታዊ ንጥፈቱ ጀሚሩ። 

ንቆልዑ ካብ ድኽነት ዝሕሉ ትካል ማይብሎማን ካብ ሎሚ ኣትሒዙ ዓመታዊ ማዕከኑ ናይ ምስሳን ንጥፈት ምጅማሩ ኣፍሊጡ’ሎ። እቲ ትካል ነዚ ዝገብር ብወረቐት ዝተሰርሑ ዕንባባታት ብቆልዑ ከም ዝሽየጡ ብምግባር እዩ። “ንግስቲ ሽወደን ቀዳመይቲ ዕንባባ ገዚኣ’ላ” ክትብል ዋና ጸሓፊት ትካል ማይብሎማን ኤስ ኤነል ገሊጻ’ላ። ካብ መሸጣ እዚ ዕንባባታት ዝርከብ ኣታዊ ኣብ ሽግር አለዉ ህጻናት ንምርዳእ ክውዕል እይ ተባሂሉ’ሎ። ኣብ ድኽነት ዘለዉ ህጻናት ሽወደን …

Read More »

ኮቪድ-19 ንሕብረተሰብ ሓደጋ እዩ ካብ ዝብል ዝርዝር ክወጽእ ተጌሩ። 

ድሕሪ ክልተ ዓመታት ካብ ሎሚ ኣትሒዙ ኮቪድ-19 ንሕብረተሰብ ሓደጋ እዩ ካብ ዝብል ዝርዝር ክወጽእ ተጌሩ’ሎ። እዚ ማለት ኮቪድ-19 ን ህዝባዊ ጥዕና ሓደጋ ኣይኮነን፡ ኣብ  ሕብረተሰብ ዘስዕቦ ስግኣት እውን የለን ማለት እዩ። ብተግባር እንክረአ እዚ ቫይረስ ከም ዘለዎ ዝጥርጥር ሰብ ሕክምና ክከታተል ኣይግደድን፡ ዳህሳስ ለበዳ ከምኡውን ውሸባ ይዂን ምፍላይ እውን ደጊም ኣይከድልዩን እዮም ማለት እዩ። እቲ ሕማም ሕጂ’ውን ከም ዘሎን ሰባት …

Read More »

ኖርወይ ፡ ኣስታት 20,000 ሰባት ናይ ስራሕ ረብሓታቶም ክስእኑ እዮም ተባሂሉ። 

ብምኽንያት ምውዳእ ውጥን ለበዳ ኮሮና ኣብ ዝቕጽል ክልተ ኣዋርሕ, 26,400 ሰባት ናይ ሽቕለት ረብሓታቶም ክስእኑ ከም ዝኽእሉ ኖርወይ ቱደይ.ኣመልኪታ።  ረብሓታት ሽቕለት ለበዳ ኮሮና ንብዙሕ ግዜያት ክናዋሕ ምጽንሑ ዝገለጸት እታ ማዕከን ዜና ሕጂ ግና ክውዳእ ከም እተገብረ ወሲኻ ሓቢራ። በዚ ድማ ካብ ሎሚ ባሕቲ ሚያዝያ ኣትሒዞም ሎሚ ዓርቢ ኣስታት 20,000 ሰባት ናይ ስራሕ ረብሓታቶም ክስእኑ እዮም ተባሂሉ’ሎ። ኣብ ዝቕጽል ወርሓ ግንቦት …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com