Thursday , April 25 2024

ስራሕን ቁጠባን

ቦርድ ኤሪክሰን ብምኽንያት ብልሽውና ክሕተት እዩ ተባሂሉ። 

ኲባንያ ተለኮም -ኤሪክሰን– ሓፈሻዊ ጉባኤ የካይድ ኣብ ዘለወሉ ኣብዚ ሕጂ እዋን ካብ ተሓታትነት ከምልጥ ድዩ ዝብል ሕቶ ይለዓል ምህላዉ ይግለጽ ኣሎ። ብርክት ዝበሉ ወነንቲ ብርኪ ብምኽንያት እቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓሰርተ ዓመታት ኣብ ዒራቕ ዝተገብረ ፍጻመታት ነዚ ኣይፋል ዝብል ድምጾም ክህቡ እዮም ተባሂሉ’ሎ። ዋና ኣካያዲ ትካል ኣቫንዛ ጃስፐር ቦናቪዬር ንሬድዮ ሽወደን ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ “እቲ ኲባንያ ምስ ዞም ፍጻመታት ብዝተሓሓዝ ዝጸንሖ …

Read More »

ሽወደን ካብ ማዕከን ድሕረ-ለበዳ 34 ቢልዮን ክሮና ክወሃባ እዩ። 

ሽወደን ካብ ማዕከን ምሕዋይ ለበዳ ኮሮና ኣውሮጳዊ ሕብረት ምወላ ክግበረላ ዘእተወቶ መመልከቲ ብ ኣውሮጳዊ ኮሚሽን ተቐባልነት ከም ዝረኸበ ሬድዮ ሽወደን ገሊጻ። ብመሰረት እዚ ፍቓድ ሽወደን ካብቲ ብጥቕላላ ናይ 8 ትሪልዮን ክሮና ዘለዎ ማዕከን ናይ 34 ቢልዮን ክሮና ምወላ ክግበረላ እዩ። ፍርቂ ናይዚ ምወላ ኣብ ጒዳይ ኲነታት ኣየር ንዘሎ ሽግራት ንምቅላል ወፍሪ ክግበረሉ እንከሎ ሓደ ሕምሲት ከኣ ኣብ ፕሮጀክቲታት ምድጅታልን ወፍሪታት …

Read More »

ኣብ ወጻኢ ዝተወልዱ ወጻእተኛታት ኣብ ዘየድሊ መፈንጠራ ከይኣትዉ ስግኣት ከም ዘሎ ተገሊጹ። 

ኣብ ዝሓለፈ 15 ዓመታት መጠን ናይቶም ኣብ ወጻኢ ዝተወልዱን ኣብ ሓደጋ ድኽነት ዘለዉን ጡረተኛታት ካብ 15% ናብ 23% ምዕባዩ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ እዚ ስለምንታይ የጋጥም ምህላዉ ንምርዳእ ገና ከም አይተኻእለን ካብ ኤጀንሲ ጡረታ ሽወደን እተረኽበ ሓድሽ ጸብጻብ ኣመልኪቱ።  ኣብ ሓደጋ ድኽነት ምእታው ማለት ካብ ማእከላይ ኣታዊ ትሕቲ 60% ምህላው ማለት እዩ። ኣብ ኤጀንሲ ጡረታ ሽወደን ዳይረክተር ምርምርን ልምዓትን ኦለ ስተግረን ነዚ …

Read More »

ስደተኛታት ዩክሬይን ጽቡቕ ተስፋ ሽቕለት ኣለዎም ተባሂሉ። 

ብሰንኪ ኲናት ካብ ሃገሮም ተሰዲዶም ናብ ሽወደን ዝኣተዉ ዩክሬናውያን ስራሕ ናይ ምርካብ ዕድሎም ርሒብ እዩ ዝብል ተስፋ ከም ዘለዎም ኣገልግሎት ህዝባዊ ሽቕለትን መንግስትን ገሊጾም ኣለዉ። ኣብ ታሪኽ ዝለዓለ እተባህለሉ ሓድሽ ናይ ስራሕ ዕድላት ይወዓዋዕ ምህላዉ ኣብ ግምት ብምእታው እዮም እዞም ኣካላት ተስፋታቶም ገሊጾም ዘለዉ።  ዳይረክተር ጀነራል ኣገልግሎት ህዝባዊ ሽቕለት ማርያ ሚንዳመር ደለይቲ ስራሕ ብኸመይ ከም ዘመልክቱ ድሕሪ ምዝርዛር ሰባት ስራሕ …

Read More »

ፍቓድ ዕደና ሽወደን ተቓውሞ የጋጥሞ። 

መንግስቲ ሽወደን ካብ ጆክሞ ውጽእ ኢልካ ኣብ ዘሎ ካላክ ዝተባህለ ቦታ ዕደና ኣይረን ንኽካየድ ፍቓድ እኳ እንተሃበ እዚ ፕሮጀክት ስራሕ ንኽጅምር ተወሳኺ ፍቓድ ዝጠልብ ምዃኑ ተገሊጹ። ይዂን’ምበር እዚ ውሳነ ብጒጅለታት ሰብኣዊ መሰላትን ደቀባት ሰሜን ሽወደን ዝኾኑ ሳሚን ብርትዕ ዝበለ ተቓውሞ ኣጋጢሞዎ’ሎ።  እዚ ፕሮጀክት ን ጥዕና ኣከባቢን መፍረ ሬይንዲርን ዝዕንቅፍ እዩ ብምባል እዮም እዞም ጒጅለታት ተቓውሞኦም ኣቕሪቦም ዘለዉ። ቆንስል ምምሕዳር ከተማ …

Read More »

ፊንላንድ ምስ ሩስያ ዘለዋ ንግድ ብ 60% ነክዩ። 

ኣብ ዝሓለፋ ክልተ ሳምንታት ፊንላንድ ምስ ሩስያ ዘለዋ ንግድ ብ 60% ምንካዩ በዓልመዚ ጒምሩኽ ፊንላንድ (Tulli) ገሊጹ።  ካብ ካልኣይ ሰሙን ናይዚ ሒዝናዮ ዘሎና ወርሒ ኣትሒዙ ንግድክልቲኣተን ሃገራት ብናህሪ ክጎድል ምጽንሒ ቱሊ ወሲኹ ኣመልኪቱ’ሎ። ብጠቕላላ ኣብ ዝሓለፋ ክልተ ሳምንታት ናብ ጒምሩኽ ኣታዊ ዝኾነ ናይ ሰደድ ጽሑፋዊ መፍለጢ (declarations) ብ 60% ኣንቋልቊሉ’ሎ። ሰሙናዊ ኣብ ወደባት ፊንላንድ ልዕሊ 20 መራኽብ ሩስያ የዕርፋ ከም …

Read More »

ዋጋታት መግቢ ንምምሕዳራት ከተማ ብድሆ ይኸውን ኣሎ ተባሂሉ።

ብምኽንያት ምውሳኽ ዋጋታት መግቢ ቆንስላት ምምሕዳራት ከተማ ስርሒታተን ብግቡእ ከየካይዳ ብኣሉታ ይጽለዋ ምህላወን ተገሊጹ። ንኣብያተ ትምህርቲ፡ መእለዪ ዓበይቲን ካልኦት ጽላታትን መግቢ ንምቕራብ እዘን ቆንስላት ቢልዮናት ክሮና ወጻኢ ይገብራ ምህላወን ሬድዮ ሸወደን ጸብጺባ’ላ። እዘን ቆንስላት ንመግቢ ጥራይ ኣብ ዓመት 7 ቢልዮንን ፈረቓን ክሮና ወጻኢ ይገብራ ምህላወን ሓላፊት ማሕበር ውሽጣዊያን ሰብመዚን ዞባታትን ኣኒካ ቫለንሾግ ገሊጻ’ላ። ምኽንያት ወሰኽ ዋጋ መግቢን ኲናት ዩክሬይን ሒዝዎ …

Read More »

ኖርወይ፡ መጠን ወለድ ብናህሪ ክውስኽ እዩ ዝብል ትጽቢት ኣሎ።

ባንክ ኖርገስ ኣብዚ ዓመት 4% ወሰኽ ወለድ ክገብር ከም ዝኽእል ዋና ክኢላ ስነቚጠባ DNB’s ሸርስቲ ሆግላንድ Kjersti ገሊጻ። መንግስቲ ዝለዓለ መጠን ዝቕባበ መታን ከይክሰት ስጥም ዝበለ ባጀት ከም ዝጥቀም ሚኒስተር ፋይናንስ ቲርጊቭ ስላግስቮልድ ቬደም ኣብ ቀረባ እዋን ኣንፈታት ሂቡ ኔሩ እዩ። መንግስቲ ከምዚ ዝበለ መጠንቀቕታታት ይወስድ ብምህላዉ ከም እትንእዶ ሆግላንድ ምስ ጋዜጣ ዳገንስ ኔሪንስሊቭ ኣብ ዝገበረቶ ጻንሒት ገሊጻ’ላ። እንተኾነ ግና …

Read More »

ሽወደን ምስ ሃገራት ኔቶ ኣብ ወተሃደራዊ መናውራ ትገብር።

ድሕሪ ዝሑል ኩናት ዝዓበየ እተባህለሉ ወተሃደራዊ መናውራ ኔቶ ኣብ ኖርወይ ይካየድ ኣሎ። ኣብዚ መናውራ ሰራዊታት ሽወደን ኖርወይን ሽወደንን ክሳተፉ እዮም። ኣብዚ ብሰራዊት ኖርወይ እተወደበ Cold Response 2022 ዝተባህለ መናውራ 30,000 ዝኾኑ ሰራዊት ኣብ ኖርወይ ኣብ ዘሎ ትሕቲ ዜሮ ዛሕሊ ወተሃደራዊ ታዕሊም ክገብር እዩ። ብዝይካ ሽወደን ኖርወይን ፊንላንድን ኣብዚ ልምምድ ኣባላት ኔቶ ዝኾና ሃገራት ኣውሮጳን ሰሜን ኣመሪካን እውን ክሳተፋ እየን ተባሂሉ’ሎ።

Read More »

ወንነቲ መካይን ምጒዳል ቀረጽ ነዳዲን ምወላን ክግበረሎም እዩ።

መንግስቲ ንምጒዳል ዋጋታት ነዳዲ፡ ምወላ ኣባይቲ ስድራቤት፡ ከምኡውን ውጥን ምንዋሕ ንከያ ኤለትሪክ ስድራቤታት ንምስላጥ ናይ 14 ቢልዮን ክሮና ሓገዝ ፓኬጅ ኣቕሪቡ’ሎ። ኣብዚ ውጥን ኣብ ልዕሊ ዝተጻረየ ነዳዲን ዘይቲ ዲዘልን ብግዜያውነት ካብ ባሕቲ ሰነ ክሳብ 31 ጥቅምቲ ናይ ቀረጽ ምጒዳል ክግበር ምዃኑን ነፍሲ ወከፍ ወናኒ ኸኣ ንሓንሳብ ጥራይ ናይ 1500 ክሮና ሓገዝ ክወሃብ እዩ። ብዘይካዚ ኣብ ስሕው ዝበለ ህዝቢ ዝነብረለን ገጠራት …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com