Thursday , April 18 2024

ስራሕን ቁጠባን

ሽወደን ብምኽንያት ኲናት ዩክሬይን ዋጋታት ዕሽጒ መግቢታት ይውስኽ።

ብምኽንያት ወራር ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክሬይንን ዝቕጽል ዘሎ ኲናትን ኣብ ሽወደን ዋጋታት ዕሽጒ መግቢታት ወሰኽ ኣርእዩ’ሎ ተባሂሉ። እዚ ወሰኽ ዋጋ ብሰንኪ ዝምዕብል ዘሎ ዓለምለኸ ኲነታት ዝተኸስተ ኮይኑ ብዙሕ ፍርያት መግቢ ናብ ዩክሬይን ብረድኤት ይለኣኽ ብምህላዉ ዝመጸ እዩ ክብል ኣብ ኦርክላ መፍረ ዓሳታት ኩንግሽማን ዝሰርሕ ኤሪክ ኤድሉንድ ገሊጹ’ሎ።

Read More »

ሽወደን ሓንቲ ካብተን ን ሰራዊት ዩክሬይን ሓገዝ ዘበርከታ ሃገራትን ህዝብታትን እያ ተባሂሉ።

ዝተፈላለዩ ህዝብታትን ኲባንያታትን ዓለምና ንሰራዊት ዩክሬይን ዝውዕል ኣስታት 3.5 ቢልዮን ዶላር ምውፋየን ማእከላይ ባንክ ዩክሬይን ገሊጹ። ብመሰረት ሓበሬታ እዚ ባንክ እዚ ገንዘብ ካብ ከምኒ ሽወደን፡ ፊንላንድ፡ ኣመሪካን ካልኦት ሃገራትን እዩ ተረኺቡ። ሰራዊት ዩክሬይን ኣብ ዝገብሮ ዘሎ ኲናት ንዕጥቂ ስንቂን መግቢን ዝኸውን ገንዘብ ከም ዘድልዮ ካብ ዩኒቨርሲቲ ምክልኻል ፒተር ሊደን ንሬድዮ ሽወደን ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ኣመልኪቱ”ሎ።

Read More »

ኖርወይ፡ ንስደተኛታት ዩክሬይን ኣስታት 8,000 ናይ ህጹጽ እዋን መጽለሊ ይድለ ኣሎ።

ቊጽሪ ሓተትቲ ዕቚባ ዩክሬይን ወሲኹሉ ኣብ ዘለወሉ ኣብዚ ሕጂ እዋን ንስደተኛታት ዩክሬይን ኣስታት 8,000 ናይ ህጹጽ እዋን መጽለሊ ይድለ ከም ዘሎ ዳይረክቶሬት ኢሚግሬሽን ኖርወይ ኣፍሊጡ። “ምስቶም ኣቐዲምና መቓን ስምምዕ ዝጸንሓና ኣቕረብቲ ኣብ ምርድዳእ በጺሕና ኣለና” ክብል እቲ ዳይረክቶሬይት ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ ኣብሪሁ’ሎ። እቲ መጽለሊ ተዳልዩ ንጠቕሚ ክፉት ክሳብ ዝኸውን ገለ ግዜያት ከድሊ እዩ ዝበለ እቲ ዳይረክቶረይት ክሳብ 25 ለካቲት …

Read More »

ዶክተር ስቶክሆልም፡ “ኮቪድ-19 ክንዲቲ እተተስፈናዮ ኣይጎደለን”። 

ኣብታ ብብዝሒ ህዝቢ ዝቕመጣ ዞባ ሽወደን ሕጂ’ውን ኣማኢት ሰባት ብ ኮቪድ ተታሒዞም ኣብ ሆስፒታል ይእለዩ ምህላዎም ተገሊጹ። ኣብቲ ዞባ ክኢላ መብጣሕቲን ኣመሓዳሪን ማሕበር ሓካይም ሽወደንን ጆሃን ትሪረድ ን ሬድዮ ሽወደን P4 ስቶክሆልም ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ “ኣብዚ ምምሕዳር ዛጊት ካብ 300-400 ዝኾኑ ሕሙማት ኣብ ሆስፒታል ይእለዩ ኣለዉ፡ ኮቪድ-19 ክንድቲ እተተስፈናዮ ኣይጎደለን” ክብል ገሊጹ’ሎ።   ሽወደን መምርሒታት ኮቪድ-19 ካብ እተልዕል ዳርጋ ወርሒ …

Read More »

ኣብ ደቡባዊ ሽወደን ወሰኽ ዋጋ ጸዓት ኤለትሪክ ተኸሲቱ።

ብምኽንያት ምውሳኽ ዋጋ ባህርያዊ ጋዝ፡ ፈሓምን ካልእን ረቛሒታት ኣብ ዝሓለፈ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ዋጋ ኤለትሪክ ክውስኽ ምጽንሑ ተገሊጹ። ብፍላይ ኣብ ደቡባዊ ሽወደን ዋጋ ጸዓት ኤለትሪክ ብናህሪ ክውስኽ ከም እተራእየ ይግለጽ ኣሎ። ኣብ ስካነ ብሕርሻ እትናበር ሳራ ሮስክቪስት ኣብ ዝበዝሐ ክፋል ናይዚ ዊንተር ጸዓት ክትቊጥብ ብምባል ናይ ሓጹር መብራህቲ እናጥፍአት ከም ዘሕለፈቶ ን ሬድዮ ሽወደን ኣብ ዝሃበቶ ሓበሬታ ኣመልኪታ’ላ።  

Read More »

ሽወደን፡ “ዓበይቲ ለውጢታት ፖሊሲ ጸጥታ ንምግባር ግዜኡ ኣይኮነን”።

ምስ ምኽሳት ወራር ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክሬይን ሽወደን ፖሊሲ ጸጥታኣ ክለሳ ክትገብረሉ ትኽእል እኳ እንተኾነት ሽወደን ናብ ኔቶ ናይ ኣባልነት ሕቶ እተቕርበሉ ግዜ ሕጂ ኣይኮነን—-ግዜኡ ገና ኣይኣኸለን– ክትብል ሚኒስተር ጒድያት ወጻኢ ሽወደን ኣን ሊንድ ሓቢራ። ብዛዕባ ኣብ ዩክሬይን ዝካየድ ዘሎ ኲናት፡ ውጽኢታት እገዳ፡ ኲነታት ጸጥታ ሽወደንን ኣባልነት ኔቶን ኣመልኪታ ን ሬድዮ ሽወደን ፍሉይ ሓበሬታ ሂባ’ላ። ንሳ ኣብቲ ጻንሒታ “ኣብ እዋን …

Read More »

ኖርወይ፡ ዩክሬናውያን ንምሕጋዝ ኣብ ዝተኻየደ  ኮንሰርት 75 ሚልዮን ክሮና ተኣኪቡ።

ብምኽንያት ወራር ሩስያ ግዳያት ዝኾኑ ዩክሬናውያን ንምሕጋዝ ተባሂሉ ኣብ ኖርወይ ኣብ ዝተኻይደ ኮንሰርት 75 ሚልዮን ክሮና ከም እተኣከበ ተገሊጹ። ኣብዚ ብ 7 መጋቢት ዝተኻየደ ኮንሰርት ከምኒ ቲርጊቭ ስካውግ፡ ያርል በርንሆፍትን ማርያ መናን ሙዚቃዊ ስርሓት ኣቕሪቦም።  እዚ ዝተኣከበ ገንዘብ ብ ማሕበር ቀይሕ መስቀል ፡ ቆንስል ስደተኛታት ኖርወይ፡ ህጻናት ኣድሕን፡ ካሪታስ፡ ረዴት ቤተክርስትያን ኖርወይ ኣቢሉ ክመቓራሕ እዩ ተባሂሉሎ። እዘን ትካላት ብቐጥታ በቲ …

Read More »

ሰራሕተኛታት መጓዓዝያ ሽወደን ብዛዕባ ኣቕሑ ሩስያ ውሳነ ከሕልፍ ይጽበዩ።

መንግስቲ ብዛዕባ እዞም ካብ ሩስያ ዝኣተዉ ዘለዉ ኣቕሑ ብኸመይ ክተሕእዙ ከም ዝግባእ ንጹር መምርሒታት ከሕልፍ ከም ዝግባእ ጽላት መጓዓዝያ ሽወደን ጻውዒት ኣቕሪቡ። መራብ ሩስያ ኣብ ወደባት ሽወደን ጽዕነተን ከራግፋ ምህላወን ብደረጃ ኣውሮእጵዊ ሕብረት ዘተ ከም እተኸይደሉ መንገስቲ ገሊጹ’ሎ። እንተኾነ ግና ገለ ማሕበራት ነዘን መራኽብ ኣብ ወደባት ሽወደን ኸየዕርፋ ንኽኽልክሉ ፍቓድ ክወሃቦም ንመንግስቲ ሕቶ ኣቕሪቦም ኣለዉ።

Read More »

ዞባታት ነርሲታት ኣብ ምምጻእ ብዙሕ ወጻኢታት ይገብራ ኣለዋ ተባሂሉ።

ዝሓለፈ ዓመት ዞባታት ሽወደን ግዜያዊ ኣባላት ክንክን ጥዕና ንምምጻእ ክሳብ 6 ቢልዮን ክሮና ወጻኢ ከም ዝገበራን እዚ ድማ ምስ ኣብ ዓመተ 2020 ዝነበረ ወጻኢ እንክወዳደር ናይ 12% ወሰኽ ከም ዘርኣየ ሬድዮ ሽወደን ጸብጺባ። ክሳብ 40% ካብዘን ነርስታት ካብ ናይ ስራሕ ኤጀንሲታት ዝተረኽባ ኮይነን ናብ ግዜያዊ ስራሕ ናይ ምቕያር ዝንባለታት  ከም ዘለወን እዩ ዝግለጽ። ነርስታት ኣብ ዕዳጋ ሽቕለት ዘለወን ዋጋ ካብ …

Read More »

ብሰንኪ ቅልውላው ዩክሬይን ኣብ ሽወደን ዋጋታት መግቢ  ክውስኽ እዩ።

ኣብ ዩክሬይን ዘሎ ቅልውላው ዘስዓቦ ናህሪ ዋጋ ጋዝ ኣብ ቀረባ ግዜያት ምውሳኽ ዋጋታት መግቢን ዝቕባበን ከኸትል ከም ዝኽእል ተገሊጹ። ወሰኽ ዋጋ ነዳዲ ብቐጥታ ኣብ ዋጋ መግቢ ጽልዋ ክህልዎ እዩ ክብሉ ተንተንቲ ቊጠባ ንሬድዮ ሽወደን ኣብ ዝሃብዎ ሓበሬታ ገሊጾም ኣለዉ። ዋላኳ እዚ ወሰኽ ክሳብ ክንደይ ክኸውን እዩ ንዝብል ብኣሃዝ ንምቕማጡ ዘሸግር እንተኾነ አባት ዝቕባበ ዋጋ ክጽበዩ ከም ዝግባእ ኣብ ባንክ ኖርዲ …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com