Thursday , April 25 2024

ስፖርት

ኣቡመያንግ ክታሙ ብምንባር ን ኣርሰናል ዝከኣሎ ከበርክተላ ምዃኑ ገሊጹ

ብሰንኪ ምድንጛይ ምንባር ክታሙ ን ቡዙሓት ኣሻቂሉ ዝጸንሔ ሓደ ካብ ቡሉጻት ኣጥቃዕቲ ዓለምና ዝኾነ ሓለቓ ጋንታ ክለብ ኣርሰናል ፔረ ኣቡመያንግ ን ክለብ ኣርሰናልን ደገፍትን ኡፈይታ ፈጢሩ። ኣቡመያንግ  ምስ ቦርድ ኣባላት ክለብ ኣርሰናል ድሕሪ ንኣዋርሕ ዝወሰደ ዝርርብ ትማሊ ኣማሲኡ ምስታ ገዛይ’ሉ ዘኣምነላ ክለቡ ኣርሰናል ንሰለስተ ዓመት ዘጽነሖ ውዕል ክታሙ ኣቀሚጡ።  ኣቡመያንግ ንጋዜጠኟታት ኣብ ዝሃቦ ሓጺር መብርሂ ” እዛ ክለብ ንዓይ ቤተይ …

Read More »

ክለባት ቸልስ ዎልቭስን ውድድራተን ብ ዓወት ይፍልምኦ

ትማሊ ምሸት ውድድር ፕሪመር ሊግ ቀጺሉ ኣብዘምሰየሉ፣ኢንግሊዛዊት ክለብ ቸልሲ ድሕሪ ኣብዚ ናይ ቅልውላው እዋን ንመዕደጊ ተጻወቲ ከቢድ ወጻኢ ብምግባር ብ ስሙያት ተጻወቲ ካይ ሃቨርትዝን ቲም ወርነርን ካልኦት ዳግማይ ተሃኒጻ ነዚ ዓመተ ውድድር ምድላዋታ ብምጽፋፍ ትማሊ ምሸት ምስ ብራይተን ኣብ ዝገብረቶ ጸወታ፣ ወላ እካ ክለብ ቸልሲ ብ ብራይተን ተዓብሊላ ተምሲ ቲም ወርነር ግን ፈጣን ምንቅስቃሳቱን ክእለቱን ን መስመር መጥቃዕቲ እዛ ክለብ …

Read More »

ፒኤስጂ ሰለስተ ነጥብን ሰለስተ ተጻወትን ትኸስር

ዝሓለፈ ቀዳመ ሰንበት ገለ ካብ ዓበይቲ ሊጋት ከም ፕሪመር ሊግ ኢንግሊዝ፣ ላሊ ጋ ስጳኛ ከምእውን ሊግ ሓደ ፈረንሳ ውድድራት ዝዓመት ዝፈለሙን ዘተካየደን ኾይኑ ዝተፈላለየ ኣደናቅን ኣገራምን ውጺኢት ኣመዚጊቡ ይርከብ። ኣብ ውድድር ፕሪመርሊግ ብግጥም ኣርሰናል ፉልሃምን ዝተኸፍተ ኮይኑ ኣርሰናል ብ ዓብላልነት ጸወታ ነታ ድሕሪ ነዊሕ ግዜ ናብ ፕሪመር ሊግ ዝተመልሰ ጋል ከተምኣ ፉልሃም 3 ብ 0 ብምርታዕ ጉዕዞ ውድድር እዚ ዓመት …

Read More »

ግጥማት ፕሪመር ሊግ ጽባሕ ቀዳም መጋረጅኡ ክኸፍት እዩ

እቲ ወትሩ ተሃራፍን ብዙሓት ሰዓብቲ ዘልዎ ብቀዳማይ ደርጃ ዝስራዕ ግጥማት ዓዲ ኢንግሊዝ ማለት ፕሪመር ሊግ ብ ናይ ከተማ ሎንደን ደርቢ ኣብ መንጎ ፉልሃምን ኣርሰናል ብዝካይደ ጸወታ ግጥማቱ ክፍልም እዩ። ኣብዚ ክለባት ብሰንኪ ኮረና ቫይረስ ተጻወተን እኩል ናይ ዕረፍቲ ግዜን ናይ ምሕዝነታዊ ግጥማት ከይረኸቡ ኣብ ሓጺር ግዜ ክለባት ይምለሳ ብምህላወን ተጻወቲ ኣደዳ ድኻም ከይኮኑ ብ 5 ቅያር ተጻወቲ ንምክያድ ኣይካድቲ እዚ …

Read More »

ምስርሕ ምስግጋር ተጻወቲ፡ ክለብ ኤቨርተን

ኣብ ሓደ ሰሙን ን3 ተጻወቲ ከተፈርም ዝተራእየት ክለብ ኤቨርተን፡ ብብዙሓት ክለባት ክድለ ዝጸነሐ፡ ዓብዱላሂ ዴኮረ ካብ ክለብ ዋትፎርድ ብ 20 ሚልዮን ፓውንድ ከም ዘፈረመቶን፡ ቁጽሪ 16 ማልያ ከምዝወድን ወግዓዊ ጊራቶ’ላ። ኣቐድም ኣቢላ ክለብ ኤቨርተን፡ ንተጻዋታይ ክለብ ሪያል ማድሪድ ዝነበረ፡ ኻሜስ ሮድሪጌዝን (20 ሚልዮን ፖውንድ) ንተጻዋታይ ክለብ ናፖሊ፡ ኣላን፡ (21.7 ሚልዮን ፖውንድ) ከምዝዓደገት ይፍለጥ። ብተወሳኺ ክለብ ኤቨርተን ንተጻዋታይ ክለብ ቫለንሲያ፡ ማክሲ …

Read More »

ክርስትያኖ ሮናልዶ፡ ሓድሽ ክብረ ወሰን ሰሪሑ

ትማሊ ረቡዕ ኣብ ሜዳ ፍሬንድስ ኣሬና፡ ስቶክሆልም፡ ኣብ መንጎ ሃገራውያን ጋንታታት ሽወደንን ፖርቱጋልን   ዝተኻየደ ጸወታ፡ ፖርቱጋል፡ ካብ ሃዳኒ ሸቶታት ዝኾነ ክርስትያኖ ሮናልዶ ብዝረኸበተን 2 ሸቶታት ተሓጊዛ ንሽወደን 2 ብ 0  ረቲዓታ። ወዲ 35 ዓመት፡ ሮናልዶ፡ መበል 101 ሸቶ ንሃገራዊት ጋንትኡ ብምምዝጋብ፡ ናይ ፈለማ ኤውረፓዊ ተጻዋታይ፡ ንሃገሩ 100 ሸቶታት ዘመዝገበ ብምዃን ንክብሩ ወሰናቱ ሓድሽ ክብረ ወሰን ኣመዝጊቡ።

Read More »

ኣሰልጣኒ ሃገራዊት ጋንታ ሽወደን ኣብ ኣሰላልፋ ምስ ከቢድ ነቀፌታ ሎሚ ምስ ፖርትጋል ግጥም ይጽበዮ

ኣብ ናይ ኤውሮፓ ናሽናል ሊግ ምስ ሃገራውያን ጋንታታት ፈረንሳ፣ ፖርትጋልን ክሮሽያን ተመዲባ ትርከብ ሽወደን፣ ብቀዳም ምሸት ንሃገራዊት ጋንታ ፈረንሳ ኣብ ሜድኣ  ዓዲማ ኣብ ዝገብረቶ ጸወታ 1 ብ 0 ኣብ ዝተሳዕረትሉ ኣሰልጣኒ ሃገራዊት እዛ ጋንታ ካብ ብዙሓት ኪኢላታት እዚ ዓውዲ ከቢድ ነቀፈታ ወሪድዎ። ኣሰልጣኒ ሃገራዊት ጋንታ ሽወደን ያነ ኣንደርሶን ብስም ን ንኣሽቱን ውልዶታት ተጻወቲ ዕድል ክህብ ብምባል ን ኣለክሳንደር ኢሳቅ ዝርከብዎ …

Read More »

ውድድር ኩዑሶ እግሪ ሃገራት ኤውሮፓ

ሽወደን Vs ፖርቱጋል ዕለት፡ 8 መስከረም 2020 ሰዓት፡ 8:45 ምሸት ሜዳ፡ ፍሬንድስ ኣሬና ጽባሕ ሰሉስ ኣብ መንጎ ጋንታታት ምድብ 3 ዝኾና ሽወደንን ፖርቱጋልን ኣብ ሜዳ ፍሬንድስ ኣሬና ክካየድ እዩ። ፖርቱጋል፡ ዝሓለፈ ቀዳም ኣብ ልዕሊ ክሮኤሽያ 4 ብ 1 ተዓዊታ ክትመጽእ እንከላ ሽወደን ግን ብፈረንሳይ 1 ብ 0 ከምተሳዕረት ይዝከር። ኣብ ዝሓለፈ ሓሙሽተ ጸወታታት፡ ሽወደን፡ ክልተ ግዜ ስዒራ፡ ክልተ ድማ ተሳዒራ …

Read More »

ክለብ ቸልሲ ስሙያት ተጻወቲ ብምፍራም መሳርዓ ተደላድል

ኣብዚ ናይ ምስግጋር ወቕቲ ብርኽት ዝበሉ ተጻወቲ ካብ ናብ ኣብ ዝሰጋገርሉ ዘሎ እዋን ኢንግሊዛዊት ክለብ ቸልሲ ምስ ዓበይቲ ክለባት ስማ ንምዕቃብ ሃጋፋታ ንምምላእ ኣብ ሸመተ ተጻወቲ ንጥፍቲ ብሙኻን ተጻወቲ ኣብ ምስግጋር ትርከብ። ገለ ካብ ዚኣቶም  ኣብዛ ሎንዶናዊት ክለብ ኣበርክተኦም ሰማይ-ጠቀስ ምዃኑ በኣጉኡ ምርዳእ ይኸኣል። እዛ ክለብ ሳጋብ ሕጂ ካብ ዘፈረመቶም ምስ እንርኢ እቲ ቀዳማይ  ሞሮካዊ  እንዳ ኣከፋፈለ ዘጥቕዕ ሓኪም ዘይቺ …

Read More »

መሲ ካብዘን ዝስዕባ ጋንታታት ምስ መን ኮን ይፈርም ይኸውን

መሲ ካብ ባርሶሎና ክፈላለ ደልዩ ኣብ ዝተበባለሉ ኣተኩሮ ቡዙሓት ጋንታታት ብምስሓብ፣ ብዙሓት ጋንታ ኣብ ተጠንቀቅ ይርከባ እሞ ምስ መን ጋንታ ይፈርም ይኸውን ወይስ ኣብታ ዘዕበየቶ ጋንታ እዩ ክቕጽል።  ብዙሓት ጋዜጠኛታት ኣሓንቀውታ ንዜና ዝኸውን ሃሰስ ኣብ ዝብሉሉ ዘለዉ እዋን ሰኣልቲ ነዛ ትስዕብ ስእሊ ዘርጊሑም።

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com