Friday , April 19 2024

ስፖርት

ግጥማት ቻምፒዮን ኤውረጳ ናይ ዙርያ ግጥሙ ዛዚሙ

ቻምፒዮን ሊግ ኤውረጳ ትማሊ ሮቡዕ ኣብ ዝተሰላሰለ ናይ መወዳእታ ጸወታ  ናይ ዙርያ ግጥሙ ብምዝዛም ናብ ግጥም 16 ኣውድቕካ ምሕለፍ ሰጊሩ። በዚ መሰረት 16 ክለባት ኣብዝመጽእ ሰኑይ ዝኻየድ ዕጫ ኣውዲቅኻ ምሕላፍ ሰጊረን ኣለዋ። ኣብ ዙር 16 ኣውዲቕካ ምሕላፍ ቻምፒዮን ሊግ እዚ ዝስዕብ ይክተል ቀዳመይቲ ኮይና ካብ ምድባ ዝዛዘመት ክለብ ምስ ካልኣይቲ ኮይና ዝወድኤት ብምምዳብ ካልኣይ እግሪ ጸወታ ኣብ ሜድኣ ትጻወት ክልተ …

Read More »

ባርሶሎና ን ኢንግሊዛዊ ሃሪ ኬን ማንቸስተር ዩናይትድ ን ሰነጋላዊ ኩሉባሊ ይሃድና::

 ክለብ ባርሶሎና ኣብዚ ዝመጽእ ክራማት ሰፍ ብዘይብል ዕድጊ ማለት ክብረወሰን ብዝሰበረ 200 ሚልዮን ፓውንድ ን ወዲ 25 ዓመት ኢንግሊዛዊ ኣጥቅዓይ ሃሪ ሄን ንምፍራም ተብጊሳ ብምህላዋ ስታራ ዝተባህለት መርበብ ሓበሬታ ኣብ ዓምዳ ኣስፊራ። እዚ ኣንግሊዛዊ ኣጥቖዓይ ተከታታሊ ክልተ ዓመት ብሉጽ ኣመዝጋቢ ሸቶ ፕሪመርሊግ ከምእውን ተሸላሚ ወርቂ ጫማ ውድድር ዋንጫ ዓለም ሩስያ 2018 ምኻኑ ይፍለጥ። ኣሰልጣኒ ኢንግሊዛዊ ክለብ ማንቸስተር ዩናይት ኣብ ወርሒ …

Read More »

ማንቸስተር ሲቲ ብ ሳሪ ካብ መሪሕነታ ትወርድ::

ነዚ ናይ ውድድር ወቕቲ ስዕረት ከይቀሰመት ክትምርሽ ዝጸንሔት ማንቸስተር ሲቲ ብ ኢጣልያዊ ኣሰልጣኒ ማውሪስዮ ሳሪ እትምራሕ ክለብ ቸልሲ ፈላሚ ስዕረት ቀሲማ። እዚ ኣብ ፈለማ ቀዳሞት 15 ደቒቕ ብ ዓብላልነት ማንቸስተር ሲት ዝጀመረ ጸወታ መጀመርያ ኣብ 44 ደቂቅ ብ ካንተ ቀጺላ ኣብ 78 ደቂቃ ብ ደቪድ ልዊስ ብዝተመዝገብኣ ክልተ ሸቶታት ፈላሚ ናይዚ ውድድር ስዕረት ብምቅሳም መሪሕነታ ን ሊቨርቡል ኣረኪባታ። ኢጣልያዊ ኣሰልጣኒ …

Read More »

ዝበለጸ ተጸዋታይ ኩዕሶ እግሪ ዓለምና መን እዩ ?

ንቡዙሕ ዓመታታት ዝተጓዓዘት ግን መልሲ ዘይረኸበት ሕቶ ኩዑሶ እግሪ ዓለምና ፔለ፣ ማራዶና ወይስ ናይዚ ዘመን ነጋውስ ሮናልዶ ወይስ መሲ መኖም ይበልጽ ? ብንጉስ ኩዑሶ እግሪ ዓለምና ተባሂሉ ዝስመ ብራዚላዊ ፔለ : ማርዶና ካብ መሲ ይበልጽ ክብል ዝሃቦ መልሲ ሕጂ ውን መዛረቢ ኣርእስቲ ኮይኑ ይርከብ። ኮዋኽብቲ ክለብ ባርሳ ዝኾኑ ዛቭን ኢነስታን ኣብ ታሪኽ ኩዕሶ እግሪ ዓለምና ካብ ዝተራእዩ መሲ ዝበለጸ እዩ ክብሉ ድሕሪ …

Read More »

ድሮግባ: ኣርሓ ሜዳ ስታንፎርድ ብሪጅ ካብ ጸወታ ተፋንዩ

ናይ ሃገሩን ቸልሲን ኩርዓት ዝኾነ ኣይቮርያዊ ንጉስ ኩዑሶ ኣግሪ ድየር ድሮግባ ጸወታ ደው ከብል ከምዝወሰነ ን ቢቢሲ ሓቢሩ። ኣብዚ ግዜ ደው ከብል ዝወሰንኩ ዝተረፈ ግዜይ ኣብ ምስልጣን መንእሰያት ተጻወቲ ከሕልፎ ብምባል እዩ ክብል ወዲ 40 ዓመት መሊኡ ዘሎ ድሮግባ ይገልጽ። እዚ ናይ ኩዕሶ ግዚኡ  ድሕሪ ምስ ፈረንሳዊ ክለብ ሌመንት ብምጅማር  ኣብ 18 ኣዋርሕ ብ 24 ሚልዮን ናብ ኢንግሊዛወት ክለብ ቸልሲ …

Read More »

ምርጫ ብሉጽ ተጻዋታይ ኣፍሪቃ 2018

መርበብ ሓበሪታ ቢቢሲ ኾኸብ ኣፍሪቃዊ ተጻዋታይ 2018 ንምምራጽ ብሉጻት ሓሙሽተ ተጻወቲ ረቒሑ ። ኣብዚ ምርጫ ክልተ ተጻወቲ ሰኔጋል ማለት ወዲ 27 ዓመት ተኸላኻላይ ክለብ ናፖሊ ካሊዶ ኮሉባሊን ወዲ 26 ዓመት ኣጥቅዓይ ክለብ ኢንግሊዛዊት ክለብ ሪቨልቡል ሳዲኦ ማነ ክምረጹ ከለዉ  ዝተረፉ ወዲ 31 ዓመት ተኸላኻላይ ክለብ ጁቨንቱስ መዲህ ቤናቲ ካብ ሞሮኮ፣ጋናዊ ተኸላኻላይ ክለብ ኣትለቲኮ ማድሪድ ዝኾነ ቶማስ ፓርቲን ኣብዚ ዓመት ደሚቁ ዝወጸን ንክለቡ …

Read More »

ሃገራዊት ጋንታ ስዊድን ሕነኣ ትፈዲ

ሃገራዊት ጋንታ ስዊድን ነቲ ኣብ ገዛእ ሜዳኣ ዝወረዳ ስዕረት ናብ ቱርኪ ብምጉዓዝ 1 ብ 0 ተዓዊታ፡፡ ሓለቓ ጋንታ ዝኾነ ተኸላኻላይ ኣንድርያስ ግራንክቪች ብፍጹም ቅላዕ ብዘመዝገባ እንኮ ሸቶ ስዊድን 3 ነጥቢ ሒዛ ክትወጽእ በቂዓ፡፡ እታ ኣብ ካልኣይ እብረ ናይቲ ጸወታ ዝተመዝገበት ሸቶ ኣብ ተጻወቲ ጋንታ ስዊድን ፍናን ብምፍጣር ነቲ ውጺት ዓቂቦም ክወጹ ኣኽ ኢልዎም እዩ፡፡

Read More »

ቅርጻ ምስሊ መሓመድ ሓላሕ፡ ደገፍቲ ኩዕሶ የስሕቕ

ኣብዚ ቀረባ እዋን፡ ሸፊንዎ ዝነበረ መጋረጃ ተቐንጢጡ ንምርኢት ዝበቕዐ ቅርጻ ምስሊ ተጻዋታይ ኩዕሶ እግሪ ሊቨርፑል መሓመድ ሳላሕ፡ ንብዙሓት ኣፍቀርቲ ኩዕሶ እግሪ ከስሕቕ እንከሎ ንገሊኦም ድማ ኣገሪምዎም ኣሎ። እቲ ቕርጻ፡ ሳላሕ ጎል ድሕሪ ምምዝጋቡ፡ ኣእዳዉ ዘርጊሑ ንሰማይ እናጠመተ ብፍሽኽታ ክጽምብል እንከሎ ዘርኢ ኮይኑ፡ ኣብ ምስራዊት ከተማ ሻርም ኤል ሸኽ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ዓለማዊ ዋዕላ መንእሰያት እዩ ንትዕዝብቲ ተቓሊዑ። ይኹን’ምበር፡ ኣብቲ ቅርጻ፡ …

Read More »

ኣሰንሶ ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ሃዛርድ ይኣቱ

ክለብ ሪያል ማድሪድ ድሕሪ ን ክርስትያኖ ሮናልዶ ድርቀት ሸቶ ገጢሙዋ ብንኣሽቱ ክለባት ኢስጳኞለ ተበሊጻ ካብ ቀንዲ መቓናቕንታ ክለብ ባርሶሎና ብ 7 ነጥቢ ተፈንቲታ  ኣብ 6 ደርጃ ትርከብ። ካብዚ ኣትያቶ ዘላ ዓዘቅቲ ንምግልጋል ዘይተኣደነ ገንዘብ ብምስላዕ ኣብ ሃድን ስሙያት ተጻወቲ ትርከብ።  ን ኣብ ወርሒ ጥሪ ዝኽፈት መስኮቲ ምስግጋር ተጻወቲ ቀንዲ ኣተኩርኣ ናብ ተጻወቲ ራሒም ስተርሊን ካብ ማን ስቲ ኤደን ሃዛርድ ካብ …

Read More »

ኣርሰን ቨንገር ምስ ሚላን ወዲኡ ይበሃል

ካብ ኢንግሊዛዊት ክለብ ኣርሰናል ድሕሪ 22 ዓመት ምፍልላዩ ኣብ ዕረፍቲ ዝጸንሔ ኣርሰን ቨንገር ምስ ክለብ ኤሲ ሚላን ከም መተካእታ ሓደ ናይ ቀድም ተጻዋትይን ድሒሩ ነዛ ክለብ ከሰልጥና ሓላፈነት ዝተዋህቦ ጋትሶ ክኸውን ኣብ ስምምዕ በጺሖም ክትብል ፍራንስ ስፖርት ኣብ ኣብ ዓምድታታ ኣስፊራ። ጋትሶ ብ ኣታውን ወጻኣቲ ጸወታ ነዛ ጋንታ ክመርሓ ድሕሪ ምጽናሕ ኣብ መሳልል ሰሪ ኣ ጥልያን ካብ መራሒት ጁቬንቱስ ብ …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com