Thursday , April 18 2024

ባህሊ

ሎሚ 21 ታሕሳስ እታ ዝነውሔት ጸልማትን ለይትን ኣብ ሽወደን።

ብመስረት ስርዓት ዑደት ዓለምና ኣብዛ መዓለትን ወርሕን ዑደት መሬትና ካብ ደቡባዊ ክፋል ዓለም ናብ ሰሜናዊ ክፋል ትጋዓዘሉ እዩ። በዚ መስረት ሎሚ ዕለት 21 ታሕሳስ ሰዓት 1፡02 እታ ዝሓጸረት መዕላትን ዝነውሔት ጸልማትን ለይቲን ኣብ ሽወደን ኮይና ትምዝገብ። ነቶም ብርሃን ዝናፈቕኩም ብፍላይ ኣብዚ ሰሜናዊ ክፋል ዓለም ንነብር ካብ ናብ ጽባሕ ሰሉስ ጀሚሩ እንዳበርሄ ክኸይድ እዩ።

Read More »

ኣቕኒእክኒ ሓፍተይ:ሓቐኛ ዛንታ

ካልኣይን መወዳእታን ክፋልብጸጋብርሃን ጎይትኦም “እንታይ ብሰንኪ ጽጋበይ ኢልካ ዘረባ። ንምንታይ ተጨንቑኒ፡ ክብረት ሓፍተይ እንታይ እያ ኮይና ዘይትነግሩኒ፡” ኩሉ ዘረባኦም ጋን ስለ ዝኾና ከጨንቓ ጀመረ። “ጸጋ ጓለይ እንቋዕ ደኣ ብሰላም ተመለስክና’ምበር፡ ዘይወለድኪ ኢልና ኣይንጉህን ኢና። ቀደም ዝጓሃናዮ ይኣኽለና። ሎሚ ኣሕዋትኪ ኣብ ዝብጻሕ ስለ ዘብጻሕኪ፡ ንጎይታ ክልተ ግዜ ኣይንልምኖን ኢና። ግዜ ምስ ሓለፈ ጉሂናኸ ጓሂ ክንውስኸልኪ እንተዘይኮይንና እንታይ ክንምልእ ኢልና። ንስኺ ከኣ እንቋዕ ደኣ …

Read More »

ሓንቲ ዓለም: ብኣማኑኤል ሳህለ ሰብ ናብ ሰቡ …. (The Ties That Bind )

ሓደ እዋን ኣብ ሓደ በረኻ፡ ሓደ ሽደን እተባህለ፡ ትብዓቱ ዝጎደለ ኣንበሳ ይነብር ነበረ። ”ኣንበሳ እናተባህለስ ድፍረት ዝጎደሎ? ከመይ ዲዩ ነገራቱ? ወኻርያ ማለትካ ዲኻ?” ዚብል ኣይሰኣንን።ኣይፋልን፡ አረ ኣንበሳ!ኣንበሳ ደኣ ድፍረቱ ኣበይ ኣጥፊኡዎ?ሽደን፡ ገና ወዲ ሓደ ዓመት ከሎ፡ ምስ ኣደኡን ኣሕዋቱን ንሃድን ኪኸዱ ከለዉ፡ ኣብ ሓደ ጫካ፡ ጎባይ ተጓነፎም። ኣደ ሽደን ንጎባይ ገጠመትሉ። ግን ጎባይ ሓያል ብምዃኑ፡ በተን በላሕቲ ኣቕርንቱ ሰፍሲፉ ናብ …

Read More »

ዜና ሽወደን ብትግርኛ Svenska nyheter på tigrigna 27 November 2020

Read More »

መንግስቲ ሽወደን፡ ንሓዘንተኛታት ዝምልከት ፍሉይ ናይ ማሕበራዊ ምትእኽኻብ መምርሒ ወሲኑ

መንግስቲ ሽወደን፡ ብመንገዲ ቀዳማይ ሚኒስተር፡ ስቴፋን ሎቪን፡ ኣቢላ ንመጠን ብዝሒ ማሕበራዊ ምትእኽኻብ ካብ 8 ሰባት ክበዝሕ ከምዘይብሉ ዝገልጽ መምርሒ ኣመሓላሊፉ ምንባሩ ይዝከር። ቤተ ክርስትያን ሽወደን ብወገኑ፡ ንብዝሒ መዋቲ ክፋንዉ ዝእከቡ ሓዘንተኛታት፡ ንጥምቀትን መርዓትታትን ብዝምልከት፡ እቲ ብዝሒ ናብ 20 ሰባት ክብ ንኽብል ጠለብ ኣቕሪቡ ምንባሩ መርበብ ሓበሬታ ተተ (TT) ሓቢሩ። መንግስቲ ሽወደን፡ ብመንገዲ ሚኒስተር ባህልን ስፖርትን፡ ኣማንዳ ሊንድ፡ ኣቢሉ፡ ንጉዳይ ሓዘንተኛታት …

Read More »

ምምሕዳር ስቶክሆሎም፡ መሐንበሲ ማእከላትን ስፖርታዊ ኣደራሻትን ንኽዕጾ ወሲኑ

ኣብ ሽወደን፡ ምስፍሕፋሕ ለበዳ ኮሮና ንምውጋድ ዝካየድ ዘሎ ጻዕሪ ናይ ዝተፈላለዩ ዞባታት ይቕጽል ኣብ ዘለወሉ እዋን፡ ምምሕዳር ከተማ ስቶክሆልም፡ ንኹሎም ኣብዚ ዞባ ብምምሕዳር ስቶክሆልም ዝዉነኑ ዘሎዉ መሐንበሲ ማእከላትን ስፖርታዊ ኣደራሻትን ክዕጸዉ ትእዛዝ ከምዘመሓላለፈ ተፈሊጡ። ብዘይካ’ዚ፡ ኣብ መእለይ ኣረጋዉያን እቲ ምልባዕ ንምክልካል ተባሂሉ ምስቲ ብሃገር ደረጃ ተወሲኑ ዘሎ፣ ዉሳነ ብዝሳነ መገዲ፡ ካብ ሰኑይ ኣትሒዙ ክሳብ መወዳእታ እዚ ወርሒ ዝጸንሕ ምብጻሕ ናብ …

Read More »

ቤተ ክርስትያን ሽወደን፡ ንብዝሒ ምትእኽኻብ ሰባት ናብ 20 ክብ ክብል ትጠልብ

ካብ ዕለት 24 ሕዳር ጀሚሩ ኣብ ግብሪ ክውዕል ትጽቢት ዝግበረሉ፡ ንብዝሒ ህዝባዊ ምትእኽኻብ ናብ 8 ሰባት ጥራይ ዘጉድል መምርሒ ኣመልኪታ፡ ቤተ ክርስትያን ሽወደን፡ ፍሉይ ሓለፋ ክግበረላ ትሓትት። ነቶም ኣብ ቤተ ክርስትያን ዝካየዱ ስነ ስርዓት ጥምቀት፡ መርዓ፡ ቐብርን ካልኦት ህዝባዊ ኣገልግሎታትን ብዝምልከት እቲ ቁጽሪ ናይ ምትእኽኻብ፡ ክሳብ 20 ሰባት፡ ክብ ክብል ጠለባ ናብ መንግስቲ ሽወደን ከተቕርብ እያ። እዚ ሓድሽ መምርሒ፡ ኣብ …

Read More »

ፖሊስ ማልመ፡ ንመራሕቲ ሃይማኖት እስልምና የመስግን

ወከልቲ ፖሊስ ከተማ ማልመ፡ ናብ ቤት ጽሕፈት እስላማዊ ኣካዳሚ’ታ ከተማ፡ ቅድሚ ሒደት መዓልታት በጺሖም፡ ምስ ላዕለዋይ ተቖጻጻሪ’ቲ ኣካዳሚ፡ ሼኽ ሳላሓዲን በረካትን ሓላፊ ጨንፈር ቋንቋ ዓረብ፡ ሼኽ ታጀዲን ፈርፉር፡ ከምተራኸቡ ተፈሊጡ። ድሕሪ’ቲ ኣብ ከተማ ማልመ፡ ብሕሉፋት የማናውያን ዝተኻየደ ቅዱስ ቁርኣን ናይ ምቅጻል ኣጋጣሚ፡ ዝሰዓበ ናዕቢ፡ ሓለፍቲ ሃይማኖት፡ ናብ ጎደናታት ወሪዶም ንተሳተፍቲ ኣብ ምዝርራብ፡ ምርድዳእን ምርግጋእን  ዝገበርዎ ጻዕርታት ኣመልኪቱ፡ ፖሊስ ማልመ፡ ምስጋንኡ …

Read More »

ኣብ ቤት ትምህርታት፡ ሒጃብ፡ ምኽዳን ዝኽልክል ውሳኔ፡ ብቤት ፍርዲ ተነጺጉ

ምምሕዳራት ከተማ ስኩዩርፕን ስታፋንስቶርፕን (Skurup and Staffanstorp)፡ ኣቐድም ኣቢለን፡ ኣብ ምምሕዳራተን ኣብ ዝርከባ ቤት ትምህርታት፡ ሒጃብ ተኸዲንካ ምምጻእ፡ ኩልኩል ምዃኑ ወሲነን ምንባረን ይዝከር። ቤት ፍርዲ ምምሕዳራት፡ ነዚ ውሳኔ ከጽንዖ ድሕሪ ምጽናሕ ሎሚ ሰሉስ ከምዚ ክብል ውሳኔኡ ኣመሓላሊፉ። እዘን ምምሕዳራት ከተማ፡ ኣብ ቤት ትምህርታት፡ ሒጃብ ንክኽልክላ፡ ሕጋዊ መሰል ስለዘይብለን፡ እቲ ዘመሓላለፈኦ ውሳኔ፡ ዝተነጽገ እዩ ኢሉ ከምዝወሰነ መርበብ ሓበሬታ ተተ (TT) ኣቃሊሑ። …

Read More »

ናይ ዓማዊሉ፡ መጠን ሙቐት ሰውነት፡ እናዓቀነ ዘእቱ ቤት ምግቢ

ኣብ ኣቨኒን (Avenyn)፡ ዮቶቦሪ፡ ዝርከብ ቤት መግቢ፡ ዓማዊሉ ካብ ሕማም ኮቪድ-19 ነጻ ምዃኖም ንምርግጋጽ፡ ሙቐት ሰውነቶም እናዓቀነ የአንግድ ምህላዉ ጋዜጣ ዮቶቦሪ ፖስተን (Göteborgs Posten) ሓቢሩ ክብል ሬድዮ ሽወደን ኣቃሊሑ። ኣብ ምጅማር ለበዳ ኮሮና፡ ሰባት፡ ምልክታት ሕማም ከምዘይብሎም ንምርግጋጽ፡ ከምዚ ዓይነት ኣገባብ፡ ኣብ መላእ ዓለም፡ ብፍላይ ድማ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ፡ ክጥቀምሉ ከምዝጸንሑ ይፍለጥ።

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com