Wednesday , April 24 2024

ባህሊ

(ንመዘናግዒ) ዕሸላዊ ኣሰራርሓ መግቢ (Kids’ Cookbook) ብህጻናት እተዳለወ ናይ መግቢ ኣሰራርሓ መጽሓፍ እንተ ዚሕተም እንታይ ምመሰለ ነይሩ? ብ ኣማኑኤል ሳህለ

ጸብሒ ደርሆ ኪህልዉ ዘለዎም ነገራት ብኽልተ እግራ እተኸይድ ሕያወይቲ ደርሆ ብዙሕ እንቋቝሖ ብዙሕ ጠስሚ ሽጉርቲ በርበረ ፋርኔሎ፡ መሽረፈት፡ ማይ፡ ጨው፡ ካራ፡ ሸሓኒ ወዘተ.   ኣገባብ ነታ ደርሆ ድሕሪ ብዙሕ ምጕያይን ላዕልን ታሕትን፡ ብእግራ ትሕዛ። ካራ ጌርካ ቀስ ኣቢልካ ትሓርዳ። ንኹሉ እቲ ኣብ ላዕሊ እተጠቕሰ ኣብ ጻሕሊ ተእትዎ። ብዘይካ ነታ ደርሆ። ነታ ደርሆ ደሓር ኢኻ ኣብ ጻሕሊ እተእትዋ፡ ሞይታ ምዃና ምስ …

Read More »

ሕጊ ሞግዚትነት፡ ንኽምርመር፡ ባይቶ ሽወደን ሓቢሩ

ኣብ ሃገረ ሽወደን ሰባት ካብ ወጻኢ ሃገራት ቆልዑ ብምምጻእ ብሞግዚትነት ወይ ከኣ ኣዶፕሽን ተባሂሉ ዝፍለጥ መስርሕ መዕበያ መሰረታዊ መርመራ ክካየደሉ ሃገራዊ ባይቶ ሽወደን ንመንግስቲ መዝነት ብማሃብ ኣዚዙ ከምዘሎ ኣገልግሎት ዜና ተተ ሓቢሩ። እቲ ዝተፈላለዩ ሰባት ካብ ብዙሓት ሃገራት ብፍላይ ከኣ ካብ ጽጉማንን ትሑት መነባብሮ ዘሎወን ሃገራት ከምዝትግብር ዝፍለጥ፣ ዘኽታማት ቆልዑ ይኹኑ ብኻልእ ምኽንያት ካብ ካልኦት ሃገራት ብምምጻእ ቆልዑ ናይ ምዕባይ …

Read More »

ቦሊዉድ ናብ ጽዕድው ዝበለ ሕብሪ ቆርበት ከም ዘዳሉ ይሕመ። 

ኢንዱስትሪ ፊልም ህንዲ (ቦሊዉድ) ኣብ ዝሓለፋ ዓመታት ክሳብ ክንደይ ባህላዊ ገስጋስ ኣርእዩ? ዝብል ወሳኒ ሕቶ ንምምላስ ዘንቀደ ብ ኣርቲፊሻል ኢንተሊጀንስ ዝምራሕ ትንተና ከም እተኻየደ ተገሊጹ።  ን ዝርርብ ተዋሳእቲ (Dialogue) ካብ 70 ንላዕሊ ዝተመርጻ ፊልምታት ዝመርመረ እዚ መጽናዕቲ  ነዛ ሕቶ “እወ” ን “ኣይፋልን” ዝብላ፡መልሲታት ሒዙ ተቐልቂሉ’ሎ።   ኣብ ዝሓለፋ ዓመታት ብፍላይ ቦሊዉድ ኣብ ደቀንስትዮን ጽልሚ ቆርበትን ኣሉታዊ ኣድልዎ ከም፡ዘሕድር ብተደጋጋሚ ክሕመ ጸኒሑ …

Read More »

ሓንቲ ዓለም፡ ብኣማኑኤል ሳህለ

መግዛእቲ እንግሊዝ (The Queen’s Subjects) ሚስተር ስሚዝ እዩ ስሙ። ግን ሚስተር ስኒዝ ኢዮም ዚብሉዎ ዝነበሩ ኣብ 40ታት ዝነበሩ ሰባት። ካኪ ጁባን ስረን ለቢሱ ኣብ ትሽትሹ ቀጣን በትሪ ይቓቕር። ሚስተር ስኒዝ ምስቶም ንኤርትራ “ናጻ” ከውጽኡ ብከረን ዝወሓዙ እንግሊዛውያን እዩ ናብ ኣስመራ ኣትዩ።   “ሃው ኣር ዩ ሚስተር ስኒዝ…………….?”   ሚስተር ስኒዝ ግን ዓሰርተ ሳዕ ሰላም ዚብሎ ሰብ ኣይፈቱን። ከም ጣልያን ተዛራባይ …

Read More »

ቤተ ክርስትያን ሽወደን፡ ንህዝቢ ሳሚ፡ ይቕሬታ ክሓትት ወሲኑ

ቤተ ክርስትያን ሽወደን፡ ንህዝቢ ሳሚ፡ ብሰንኪ ዝወረዶም ታሪኻዊ ግህሰት፡ ወግዓዊ ይቕሬታ ክሓትት ከም ዝኾነ ኣፍሊጡ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ። እቲ ጸሊም ታሪኽ ምዝካሩ፡ ዝጎድኣና’ኳ እንተኾነ፡ ክንኣምነሉ ግን ይግበኣና። ንህዝቢ ሳሚ ምጥላምና፡ ንነብስናን ንፈጣሪናን ጠሊምና ማለት እዩ። እዚ ሕጂ ብቦርድ ቤተ ክርስትያን ሽወደን ክውሰድ ተመዲቡ ዘሎ ወግዓዊ ናይ ይቕሬታ መልእኽቲ፡ ሓደ ስጉምቲ ንቕድሚት እዩ ክብል ሊቀ-ጳጳሳት ኣንቴ ጃኬሊን (Antje Jackelén) …

Read More »

ጽምብል ሃገራዊ በዓል መዓልቲ ሽወደን

  ሎሚ ሰንበት መዓልቲ፡ ዕለት 06/06/2021፡  ሃገራዊ በዓል መዓልቲ ሽወደን እዩ። ናይ ሎሚ ዓመት ኣገባብ ኣበዓዕላ፡ ንመምርሒታት ኮሮና ኣብ ግምት ዘእተወ ክኸውን ምዃኑ ተሓቢሩ ኣሎ ክብል ማዕከን ዜን ኣልኮሚስ ንማዕከን ዜና ተተ ምንጪ ብምግባር ሓቢሩ። ጽምብል በዓል መዓልቲ ሽወደን፡ ከምቲ ልሙድ ኣብ ከባቢ ስካንሰን፡ ስቶክሆሎም፡ ሰዓት 8 ድ.ቐ. ክካየድ እዩ። ኣብቲ ዝካየድ ጽምብል፡ ንጉስ ሽወደን፡ ካርል መበል ዓሰርተ ሽዱሽተ ጉስታፍ፡ …

Read More »

ሮበርት ሙጋቤ: ዳግማይ ቀብሪ ክግበረሉ: ጻውዒት ቀሪቡ

ሬሳ ፕረሲደንት ዚምባብዌ ነበር: ሮበርት ሙጋቤ: ካብቲ ዘለዎ መቓብር ወጺኡ ኣብ ሃገራዊ መቓብር ከዕርፍ: ያታዊ መራሒ ዚምባብዌ ጸዊዑ። ሙጋቤ: ብ 2019 ከም ዝሞተን ከም ለበውኡ ድማ: ኣብ ዓዱ: ከተማ ካቱማ: ከም እተቐብረን ዝፍለጥ እዩ። ንሙጋቤ ስዒቡ ፕረሲደንት እታ ሃገር ዝኾነ: ኤመርሰን ምናንጋግዋን: ካልኦትን ኣብ መካነ መቓብር ሃገራዊያን ጀጋኑ ክቕበር እኳ ባህጊ እንተነበሮም: ለበውኡ ከየዕብሩ ብምባል: ቀብሩ ኣብ ዓዱ ክፍጸም እዮም …

Read More »

ኣብ ማሌዥያ፡ መምህር ብዛዕባ ጾታዊ ምድፋር ብምውዛዩ፡ መዘራረቢ ማሕበራዊ ሜድያ ይኸውን

17 ዝዕድሜኣ፡ ማሌዥያዊት ተመሃሪት፡ መምህራ፡ ብዛዕባ ጾታዊ ምዕማጽ ዋዛ ምድርባዩ ብምምልካት ነቲ ጒዳይ ናብ ማሕበራዊ ሚድያ ከም ዘምርሕ ብምግባራ ዓብዪ መዛረቢ ኣርእስቲ ከፊታ ትርከብ። ንሳ፡ ኣብ ክፍሊ፡ ብዛዕባ ሕጊ ጾታዊ ምድፋር ትሕቲ ዕድመ እናዘተና፡ መምህርና፡ ከምዚ እንተኾይኑ 18 ዓመት ዝመልኣ ደቂ ኣንስትዮ ኢኹም ትደፍሩ፡ ክብል ዋዛ ሰው ከም ዘበል ትገልጽ። እቶም ደቂ ተባዕትዮ ተመሃሮ፡ በቲ ናይ መምህሮም ዘረባ፡ ከም ዝሰሓቑ …

Read More »

ፍልስፍናን ሕብረተሰብን ቁ. 3, ስዕረት

Read More »

ዝብኢ ኣብ ባህሊ ኤርትራ ብኣማኑኤል ሳህለ

ንብላዕ እንተ በልኩም ንብላዕ ንኺድ እንተ በልኩም ድማ ንብላዕ። ዝብኢ እዩ ከምኡ በሃሊ። በላዒ፡ ሃርጓም፡ ስሱዕ ምዃኑ ንምሕባር እዩ ከምዚ ዓይነት ቅጽላት እተዋህቦ። ሓደ ተዋዛያይ ከም ዝበሎ’ውን ዝብኢ ማክሮፖሊሲ እንተ ዚህሉዎ ነይሩ፡ ራኢኡ ምግቢ ምኾነ ነይሩ። ግን ብሓቂ ዝብኢ ክሳዕ ክንድዚ ስሱዕ ዲዩ? ብሓቂ ስሱዕ እንተ ዚኸውን ነይሩ ደኣ ዚብላዕ ኪረክብ ከሎ እንጉይ ኢሉ ንኣሕዋቱ ምጸወዐዶ? ኣይምጸወዐን። ስሱዕ’ዶ ሓቢርካ ምብላዕ …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com