Saturday , April 20 2024

ኢንፎግራፊክስ

ወንነቲ መካይን ምጒዳል ቀረጽ ነዳዲን ምወላን ክግበረሎም እዩ።

መንግስቲ ንምጒዳል ዋጋታት ነዳዲ፡ ምወላ ኣባይቲ ስድራቤት፡ ከምኡውን ውጥን ምንዋሕ ንከያ ኤለትሪክ ስድራቤታት ንምስላጥ ናይ 14 ቢልዮን ክሮና ሓገዝ ፓኬጅ ኣቕሪቡ’ሎ። ኣብዚ ውጥን ኣብ ልዕሊ ዝተጻረየ ነዳዲን ዘይቲ ዲዘልን ብግዜያውነት ካብ ባሕቲ ሰነ ክሳብ 31 ጥቅምቲ ናይ ቀረጽ ምጒዳል ክግበር ምዃኑን ነፍሲ ወከፍ ወናኒ ኸኣ ንሓንሳብ ጥራይ ናይ 1500 ክሮና ሓገዝ ክወሃብ እዩ። ብዘይካዚ ኣብ ስሕው ዝበለ ህዝቢ ዝነብረለን ገጠራት …

Read More »

ፊንላንድ ኣብ ሩስያ ዘለዋ ናይ ጸዓት ተሞርካስነት ክትበትኮ ትድሊ።

ፊንላንድ ኣብ ሩስያ ዘለዋ ናይ ጸዓት ተሞርካስነት ኣብ ዝሓጸረ እዋን ክትኣልዮ መደብ ከም ዝለዋ ቀዳመይቲ ሚኒስተር እታ ሃገር ሳና ማርቲን ምስ YLE A-ስቱድዮ ኣብ ዝገበረቶ ቃለመሕትት ገሊጻ። “ኣብ ዝሓጸረ እዋን ነዚ ክንገብር መዲብና’ለና” ክትብል ኣብ ኣህጒር ኣውሮጳ ዘሎ ለውጢ ዝሓበረት ሳና “ኣብ ጀርመን ን ኖርድ ስትሪም 2 ዝምልከት ናይ ውሳነን ርእይቶን ለውጢ ምህላዉን ኣብ ፈሰስቲ ባህርያዊ ጋዛት ዘሎ ወፍሪ ብናህሪ …

Read More »

ኣብ ዝመጻ መዓልታት ቅልውላው ዩክሬይን ክጋደድ እዩ ተባሂሉ።

ኣብ ዝመጻ ሒደት መዓልታት ኲናትን ሰብኣዊ ቅልውላውን ዩክሬይን መሊሱ ከም ዝጋደድ ዋና ጸሓፊ ኔቶ ሀንስ ስቶለንበርግ ኣጠንቂቑ። “ቊጽሪ ዝቕተሉ ሲቪላውያን እናበዝሐ እኳ እንተመጸ ህዝቢ ዩክሬይን ብጽንዓትን ትብዓትን ቃልሶም ይቕጽሉ ኣለዉ፡ እንተኾነ ግና ኣብ ዝቕጽላ መዓልታት እዚ ኲነታት ኣዝዩ ክብእስ ይኽእል እዩ” ክብል ስቶለንበርግ ምስ ጀርመናዊት ጋዜጣ ቬልት ኣም ሶንታግ ኣብ ዝገበሮ ቃለመሕትት ገሊጹ። ቪላድሚር ፑቲን ኲናት ደው ኣቢሉ ኲሎም ሓይልታቱ …

Read More »

ሽወደን ብምኽንያት ኲናት ዩክሬይን ዋጋታት ዕሽጒ መግቢታት ይውስኽ።

ብምኽንያት ወራር ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክሬይንን ዝቕጽል ዘሎ ኲናትን ኣብ ሽወደን ዋጋታት ዕሽጒ መግቢታት ወሰኽ ኣርእዩ’ሎ ተባሂሉ። እዚ ወሰኽ ዋጋ ብሰንኪ ዝምዕብል ዘሎ ዓለምለኸ ኲነታት ዝተኸስተ ኮይኑ ብዙሕ ፍርያት መግቢ ናብ ዩክሬይን ብረድኤት ይለኣኽ ብምህላዉ ዝመጸ እዩ ክብል ኣብ ኦርክላ መፍረ ዓሳታት ኩንግሽማን ዝሰርሕ ኤሪክ ኤድሉንድ ገሊጹ’ሎ።

Read More »

ሽወደናውያን ንዩክሬናውያን መጽለሊ ይቕርቡ ኣለዉ ተባሂሉ።

ኣብ ዝቕጽላ ኣዋርሕ ካብ ዓሰርተትት ኣሽሓት ክሳብ ኣማኢት ኣሽሓት ስደተኛታት ዩክሬይን ናብ ሽወደን ዕቚባ ክሓቱ እዮም ዝብል ትጽቢት ከም ዘለዎ ኤጀንሲ ስደተኛታት ሽወደን ገሊጹ’ሎ። ዛጊት እዞም ዩክሬናውያን ብ ስድራቤትን ኣዕሩኽን መጽለሊ ይቕረበሎም ከም ዘሎን እቲ ኲነታት ነቲ ኣብ 2015 ዘጋጠመ ዋሕዚ ስደተኛታት ከም ዘዘኻኽርን ሬድዮ ሽወደን ጸብጺባ’ላ። ሽወደናውያን ነዞም ቅድሚ ሕጂ ዘይፈልጥዎም ሰባት ኣብ ቤቶም ከም ዘጽልሉ ብምግባር ይሕግዝዎም ምህላዎምን …

Read More »

ስቶክሆልም፥ ኤምባሲ ሩስያ ዝርከበሉ ከባቢ ስሙ ክቕየር ጻውዒት ቀሪቡ።

ኣብ ስቶክሆልም ኤምባሲ ሩስያ ዝርከበሉ ጎደና ንኽብሪ ፕረሲደንት ዩክሬይን ቮሎዲሚር ዘለንስኪ ብምባል ብስሙ ክጽዋዕ ከም ዝግባእ ዝጠልብ ወፍሪ እናበርከት ይመጽእ ኣሎ ተባሂሉ። ኣብ ርእሰ ከተማ ሽወደን ስቶክሆልም ዝርከቡ ፖለቲከኛታት ነቲ ኤምባሲ ሩስያ ዝርከበሉ ከባቢ ግዮርቨልገተን ስሙ ናብ ዘለንስኪገተን ክቕየር ሕቶኦም ኣቕሪቦም ኣለዉ። ኮሚተ ምስያም ስቶክሆልም ሎሚ ሰኑይ በዚ ጒዳይ ክእከብ እዩ ተባሂሉ’ሎ።    

Read More »

ዩክሬናውያን ስደተኛታት ብብዝሒ ናብ ሽወደን ኣትዮም።

ብሰንኪ ወራር ሩስያ ካብ ዓዶም ዝተሰዱ ዩክሬናውያን ብብዝሒ ናብ ሽወደን ክኣትዉ ምጅማሮም ተገሊጹ። ካብ 400-500 ዝኾኑ ስደተኛታት ዩክሬይን ምሉእ ለይቲ ክጉዓዙ ሓዲሮም ካብ ፖላንድ ናብቲ ኣብ ኒናሻምን ዝርከብ መርሳ ብጃልባ ክኣትዉ ምዕዛባ ሬድዮ ሽወደን ጸብጺባ’ላ። “ኣዝዩ ዘሰቅቕን ኣድካሚን ጒዕዞ ኢና ወዲእና” ክትብል ሓንቲ ምስ ስድራኣ ናብ ሽወደን ዝኣትወት መንእሰይ ነታ ሬድዮ ኣብ ዝሃበቶ ቃል ሓቢራ። እዚ እናኾነ ኤጀንሲ ስደተኛታት ሽወደን …

Read More »

ኖርዌይ፡ መፍረ መግቢ ኦርክላ ኣብ ሩስያ ዝነበሮ ስራሕ ደው ኣቢሉ’።

ኦርክላ ኣብ ሩስያ ዝነበሮ ቢስዝነስ መፍረ መግቢ ሃሜ ደው ከብሎ ምውሳኑ እቲ ኲባንያ ኣብ ዘውጽኦ ጋዜጣዊ መግለጺ ሓቢሩ። እዚ ኲባንያ ኣብ ሩስያ 367 ሰራሕተኛታት ዘለዉዎ ኮይኑ ኣብ 2021 ክሳብ 184 ሚልዮን ክሮና ኣታዊ ከም ዝነበሮን ኣብ ዕዳጋ ሩስያ ንነዊሕ ዝጸንሑ መግቢታት ይቕርብ ምንባሩን እታ ኩባንያ ወሲኻ ገሊጻ። “ድሕሪ ነዊሕ ናይ ውሳነ መስርሕ ኣብ ሩስያ ክንሰርሕ ኣይግባእን እዩ ብዝብል ኲባንያና ክንዓጹ …

Read More »

ሊበራላውያን፡ ናብ ኔቶ ምጽንባር ንጸጥታ ሰሜናዊ ኣውሮጳ ኣይጽልዎን እዩ።

ኣብዚ ሰሙን መንግስቲ ሽወደን ናብ ኔቶ ንምጽንባር ግዜኡ ከም ዘይኣኸለ ምግላጹ ዝዝከር ኮይኑ እቲ ብ ቀዳመይቲ ሚኒስተር ማግዳሌና ኣንደርሾን ዝተዋህበ ስነመጎት ድማ ሽወደን ናብ ኔቶ እንተተጸንቢራ ጸጥታ ሰሜናዊ ኣውሮጳ ክዝረግ እዩ ዝብል እዩ።. እንተኾነ ግና ባይቶ ሽወደን ኣብዚ ጒዳይ ኣብ ክልተ ከም እተመቕለን ብርክት ዝበላ ሰልፊታት ናብ ወተሃደራዊ ሽርክነት ኔቶ ምጽንባር ከም ዝድግፋን ሬድዮ ሽወደን ገሊጻ’ላ። ሓደ ካብዚኣቶም ሊበራላዊ ሰልፊ …

Read More »

ነዊሕ መስርዕ ንምሕዳስ ፓስፖርት።

ኣብ ሽወደን ብፍላይ ድማ ኣብ ደቡባዊ ሽወደን ፓስፖርት ንምሕዳስ ነዊሕ መስርዕ ተፈጢሩ ምህላዉ ተገሊጹ። ፓስፖርቶም ክሕደሰሎም ዝደልዩ ሰባት ኣብ ከባቢኦም ብዝርከብ መደብር ፖሊስ ኣቢሎም ቦታ ክሓዝኡ ከም ዝኽእሉ ዝገለጸ እቲ ሓበሬታ እንተኾነ ግና ኣብ ገሊኡ ቦታታት ሕዙእ ቦታ ኣዝዩ ብምውሓዱ ንምርካብ ኣሸጋሪ እንኾነ ይመጽእ ምህላዉ ሬድዮ ሽወደን ኣመልኪታ።

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com