Saturday , April 20 2024

ኩነታት ኣየር

ብምኽንያት በረድ ብርክት ዝበለ ሓደጋታት ትራፊክ ኣጋጢሙ።

ብስኑይ ኣብ ማእከላይ ሽወደን ዝወረደ ብርቱዕ ውርጪ ኣብ ጽርግያታት ብምግጋሩን ሸታሕትሖ ብምፍጣሩን ጠንቂ ሓደጋ መካይን ምዃኑ ተገሊጹ። ብምኽንያት እዚ ክስተት ትማል ሰሉስ ኣብ ሰሜናዊ ስቶክሆልም ሰለስተ መክይን ህዝባዊ መጓዓዝያ ዕንወት ከም ዝበጽሐን ሬድዮ ሽወደን ሓቢራ። ብዘይካዚ ኣብ ኣፕሳላ ልዕሊ 40 ዝኾና ኣውቶቡሳት ብሰንኪ በረድ ካብ ቀንዲ ጽርግያ ብምንሽርታተን ናብ ቦትአን ናይ ምምላስ ስራሕ ከም እተኻየደ ተገሊጹ።

Read More »

ኣብ ምንሽርታት በረድ ዝሳተፉ ካብ መንደራጋሕ ክጥንቀቑ መጸዋዕታ ቀሪቡ።

ኣብ እምባታት ሽወደን ኣብ ጸወታ ምንሽርታት በረድ ዝሳተፉ ዘበሉ ኣብዚ ወቕቲ ካብ ዘጋጥም መንደራጋሕ ዘድሊ ጥንቃቐ ክገብሩ ሰብመዚ ኣጠንቂቖም ኣለዉ። ኣብ መወዳእታ ለካቲትን ምጅማር ወርሒ መጋቢትን ኣብ መላእ እታ ሃገር ዝርከባ ኣብያተ ትምህርቲ ንሰሙን ዝዕጸዋሉን ብዙሓት ስድራቤታት ንበዓላት ናብ ዓቐብ ዝበዝሖ ከባቢታት ከም ዝዛወሩን እቶም ሰብ መዚ ገሊጾም። ኣብ ምንሽርታት በረድ ዝዋፈሩ ሰባት ኣብ ክንዲ ናብ ጸዳፋት ቦታታት ኣብ ፍሉጣት …

Read More »

ኣብ ማእከላይ ሽወደን ብዝወረደ ውርጪ ትራፊክ ተዓጊቱ።

ኣብ ማእከላይ ሽወደን ክሳብ 30 ሰንቲሚተር ዝኸውን ውርጪ ክወርድ እዩ ዝብል ትጽቢት ምህላዉ ተገሊጹ። ቤት ጽሕፈት ሜትሮሎጂ ሽወደን ኣብ ኡረብሮ፡ ቫስትራ፡ ኣፕሳላ ከምኡውን ስቶክሆልም ብርቱኻናዊ መጠንቀቕታ ኣውጺኡ’ሎ። ኣብ ማእከላይ ኡረብሮ ብስንኪ ውርጪ ዓበይቲ መካይን ተዓጊተን ጒዕዞአን ዘገምታዊ ክኸውን ምግዳደን ተመልኪቱ’ሎ። በዚ ድማ ኲሎም ህዝባዊ መጓዓዝያታት ክስረዙ እንከለዉ ኣብ ስቶክሆልም ከምኡውን ዞባታት ቫስትማላንድ ን ኣፕሳኣን ምዕጋት ትራፊክ ከም ዘጋጠመ ተሓቢሩ። ብዘይካቲ …

Read More »

ኖርዌይ፥ መጠንቀቕታ ውርጪ ተመሓላሊፉ።

ኣብ ቡስከሩድ፥ ኦስሎ፥ ኣኸርሹስ፥ ኦፕላንድ፥ ሄድማርክ ከምኡውን ገለ ክፋላት ተለማርክ ክሳብ 25 ሰንቲሜትር ዝኸውን ርጒዲ ዘለዎ ውርጪ ክኽሰት ከም ዝኽእል ማእከል ሜትሮሎጂ ኖርዌይ ኣጠንቂቑ። ሎሚ ሰኑይ እዚ ውርጪ ኣብ ልዕል ዝበሉ ከባቢታት ካብ 5-25 ሰንቲሜትር ክረጒድ ከም ዝኽእል ዝሓበረ ኖርዌይ ቱደይ ኣብ ካልእ ከባቢታት እቲ መጠን ርጒዲ ክዛይድ እዩ ክብል ወሲኹ ሓቢሩ’ሎ። እዚ ውርጪ ሰኑይ ሰዓት 1 ጀሚሩ ድሕሪ 24 …

Read More »

ኣብ ሽወደን፡ ኣውሎ ንፋስ ከም ብሓድሽ ከጋጥም ትጽቢታት ኣሎ

ሎሚ ሓሙስ፡ ኣብ ሽወደን፡ ትሑት መጠን ጸቕጢ (low pressure) ክረአ ከምዝኽእልን እዚ ድማ ንፋስን ጠልን ከም ዘስዓብ ተገምጊሙ ኣሎ። ኣብ ሓደ ካልኢት ክሳብ 21 ሜትሮ ዝህንደድ ጸፍዒ ናይ ንፋስ በቲ ገማግም ናይ ኖርላንድ ከጋጥም ትጽቢት ተገይሩ ኣሎ ክብል ቤት ጽሕፈት ሓበሬታ ኩነታት ኣየር (SMHI) ገሊጹ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ። SMHI ብሰሉስ፡ ንገማግም ደቡብን ምዕራብን ኣመልኪቱ ብጫ ብርኪ ናይ መጠንቀቕታታት ከምዝኣወጀን ከምኡ’ውን  …

Read More »

ኣመሪካን ካናዳን ማዕበል ወቕቲ ሓጋይ፡ ጒድኣት ኣውሪዱ 

ኣብ ኣመሪካን ካናዳን ብሰንኪ እተኸስተ ማዕበል ውርጪን በረድን ወቕቲ ሓጋይ፡ 80 ሚልዮን ህዝቢ እዘን ሃገራት ኣብ መጠንቀቕታ ኲነታት ኣየር ክኣትዉ ጌሩ ምህላዉ ተገሊጹ። ብሰንኪ እዚ ማዕበል፡ 145 ሽሕ ህዝቢ፡ እዘን ስቴታት ደቡባዊ ምብራቕ ብዘይ ጸዓት ምትራፎምን በረራታት ኣቋሪጾም ምህላዎምን ጸብጻብ ቢቢሲ ሓቢሩ’ሎ። ዛጊት ስቴታት ቨርጂንያ፡ ጆርጂያ፡ ሰሜንን ደቡብን ካሮላይና ናይ ህጹጽ እዋን ሓደጋ ኣዊጀን ኣለዋ። ኣገልግሎት ሃገራዊ ኲነታት ኣየር ኣመሪካ …

Read More »

ኩነታት ኣየር ብሃንደበት  ክለዋወጥ ትጽቢት ይግበር

ከም ክኢላ ሜትሮሎጂ ማግኑስ ዮኤልሶን እንተድኣኾይኑ፡ እዚ ሰሙን ብዘይ ብዙሕ ምልውዋጥ፡ ብልሙድ ኩነታት ኣየር ዝጅምር ከምዝኾነ ጸብጺቡ። ኣብ ዳርጋ ብምልእታ እታ ሃገር፡ ህዱእ ኩነታት ኣየር ንኽፍጠር፡ ልዑል ድፍኢት ኣየር ምኽንያት ከምዝኾነ ተፈሊጡ’ሎ። እዚ ከምዚሉ ከሎ፡ ኣብ ሰሜን ግና  ዝሑል ኩነታት ኣየር ከምዝህሉ ማግኑስ ገሊጹ። ብሰንበት፡ ኣብ ምምሕዳር ዮክሞክ ትሕቲ 35 ዲግሪ ሰልሲየስ ኩነታት ኣየር ከምዝተመዝገበ ተፈሊጡ’ሎ። ዝመጽእ ሰሉስ፡ ኣብ ብዙሕ …

Read More »

ሓያል ንፋስ – ኣውቶቡሳት ካብ መንገዲ ተጸፊዐን ተኣልየን

ብሰንበት ንጉሆ፡ ኣብ ሰሜን ኖርወይ: ክልተ ኣውቶቡሳት ብሰንኪ ሓያል ንፋስ፡ ካብ መንገዲ ወጻኢ ከምዝተደፍኣ ዝተሓበረ ኮይኑ፡ በቲ ዘጋጠመ ሓደጋ ከቢድ ጉድኣት ከም ዘይበጽሐ ተፈሊጡ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ። እታ ሓንቲ ኣውቶቡስ ኖርድላንድ፡ ኣብ ምምሕዳር ከተማ ሃድሰል (Hadsel) መተሓላለፊ ጎዳና E10 ሜሪላንድ ኣብ ዝባሃል ቦታ ኣብ ዝርከብ ጉድጓድ ከምዝኣተወት ተፈሊጡ። “ምስቲ መራሒ ኣውቶቡስ ርክብ ነይሩና። ጸፍዒ ንፋስ ነታ ኣውቶቡስ ካብ …

Read More »

ብምኽንያት ምልዋጥ ክሊማ፡ ባህርያዊ ሓደጋታት ይብእስ ኣሎ

ኣብ ዓመተ 2021፡ ብምኽንያት ምልዋጥ ክሊማ ዘስዓቦ ሓደገኛ ኲነታት ኣየር፡ ህይወት ሚልዮናት ሰባት ከም እተዘናበለ ሓደ ሓድሽ ጸብጻብ ኣመልኪቱ። እዚ ክሪስቻን ቻሪቲ ኤይድ ዝተባህለ ትካል ኣብ ዘውጽኦ መጽናዕቲ፡ 10 ምስዚ ኲነት ዝተዛመዱ ዝተፈላለየ ፍጻመታት ድሕሪ ምዝርዛር ናይ 1.5 ቢልዮን ዶላር ክሳራ ወሪዱ ምህላዉ ጸብጺቡ’ሎ። ብፍላይ እቲ ንኣመሪካ ዘጥቅዐ፡ ማዕበል ኢዳ፡ ዝበዝሐ ፋይናንሳዊ ጽልዋ ከም ዝነበሮ ዝገለጸ እቲ ጸብጻብ፡ ኣብ ኣህጒር …

Read More »

መጠንቀቕታ ካብ ኣገልግሎት ሜትሮሎጂ

ብሰንኪ ኣብ ዝዓበየ ክፋል ስካንደናቪያ ተፈጢሩ ዘሎ ትሑት መጠን ጸቕጢ፡ ኣብ ደቡባዊ ክፋል ሽወደን፡ በረድን ህቦብላን ከጋጥም ከምዝኽእል፡ በዓል መዚ ኣገልግሎት ሜትሮሎጂ ሓቢሩ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ። ኣብ ደቡባዊ፡ ደቡባዊ ምዕራብን ደቡባዊ ምብራቕን ባሕሪ ባልቲክ፡ ክሳብ ትማሊ ምሸት ኣብ ዝነበረ ግዜ፡ ህቦብላዊ ኩነታት ክሃድእ እኳ እንተተራእየ፡ ሎሚ ግን፡ እቲ መጠን ክውስኽ ከምዝኽእል ክኢላ ሜትሮሎጂ፡ ኣና በልኪንየ፡ ገሊጻ። ትማሊ ሰንበት …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com