Friday , March 29 2024

ካብዝን ካብትን

ምስ ምልዓል መምርሒታት ኮቪድ ካርኒቫላት ይበራበሩ ኣለዉ።

ካርኒቫላት ኣብ መላእ ዓለም ዳግማይ ይጅመር ኣሎ። ብፍላይ ኣብተን ኩነታት ለበዳ ኮሮና ህድእ ዝበለለን ዓዲታት እተኸትቡ ዜጋታት ብናጽነት ኣብዚ ዝፈትዉዎ በዓል ካርኒቫል ይሳተፉ ምህላዎም ተገሊጹ። ንኣብነት ብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ርእሰ ከተማ ቦሊቭያ ላ ፓዝ ኣብ ዝተጸንበለ በዓል ካርኒቫል ንግስቲ ካርኒቫል ዳያና ሞሊና ከም ዘድመቐቶ ጸብጻብ ዶቸቬለ ኣመልኪቱ።

Read More »

ሚኒስተር ምክልኻል ኖርዌይ፥ “ህላወ ጥሙር ሓይሊ ኣገዳሲ እዩ”

ኣብዚ ሰሙን ኤኖክሰን ንጸጥታዊ ኲነታት ኣውሮጳ ኣመልኪቱ ምስ ብርክት ዝበሉ ኣውሮጳውያን መሻርኽቲ ተዛትይ’ሎ። “ሓባራዊ ስላምን ጸጥታን ከባኢና ንምሕላው ኣብ እንገብሮ ዘሎና ጻዕሪ ህላወ ጥሙር ሓይሊ ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ። ምርኻብ፡ ከምኡውን ምስቶም ኣብ ጥሙር ሓይሊ ዝሳተፉ ኣብ ሰሜን ኣውሮጳ ዘለዉ መሻርኽቲና ብዛዕባ ኲነታትና ምዝታይን ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ ክብል ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ሓቢሩ’ሎ። “ኣብ ዩክሬይን ዘሎ ኲነታት ኣዝዩ ተኣፋፊ እዩ፡ ጸጥታዊ ኲነታት …

Read More »

ስታቲስቲክስ ኖርዌይ : ሰደድ ፍሬሽ ሳልሞን ዝለዓለ ዋጋ ኣመዝጊቡ። 

ኣብ ሻብዓይ ሰሙን  ዋጋ ፍሬሽ ሳልሞን ን ኪሎ 87.60 ክሮና ኖርዌይ ምንባሩን ምስታ ቅድሜኣ ዝነበረት ሰሙን እንክነጻጸር ናይ 13% ወሰኽ ምርኣዩን ትማል ረቡዕ ዝወጸ ስታቲስቲክስ ኖርዌይ ኣመልኪቱ። ብመሰረት E24, እዚ ሓድሽ ክብረወሰን ዋጋ እዩ፡ ዋጋ ሳልሞን ሕጂ ካብቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዝነበረ ብ 72% ዝለዓለ እዩ። ዝሓለፈ ዝለዓለ ዋጋ ቀዳማይ ሰሙን 2020 ንሓደ ኪሎ 78.20 ክሮና ኖርዌይ እዩ ኔሩ። . …

Read More »

ናብ ዳዕሽ ክጽንበሩ ዝጓዓዙ ሰባት ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ተታሒዞም።

ዝሓለፈ ቀዳም ክልተ ናብ ዳዕሽ ንምጽንባር ዝጓዓዙ ዝነበሩ ሰብኡት ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ዮተበሪ ላንድቬተር ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ምእታዎም ሬድዮ ሽወደን ገሊጻ። ኣዞም ጥርጡራት በቶም ፍቓድ መቐየዲ ዝሓዙ ሓይልታት ጸጥታ ሽወደን SÄPO እዮም ተታሒዞም። እዞም ኣብ ክሊ ዕድመ ኣርዓታት ዝርከቡ ሰብኡት ኣብ ምኽታብ፡ ምስትምሃርን ግብረሽበራ ተዋፊሮም ምጽንሖም ዝገለጸ ጸብጻብ ሬድዮ ሽወደን ምስ ግብረሸራውያን ጒጅለታት ርክብ ከይሃለዎም ኣይተርፍን ብዝብል ኣብ ትሕቲ ቀይዲ …

Read More »

ዩክሬናውያን ኣብ ኣፍደገ ኤምባሲ ሩስያ ሰላማዊ ሰልፊ ኣካዪዶም።

ትማል ረቡዕ ዩክሬናውያን ኣብ ስቶክሆልም ኣብ ዝርከብ ኤምባሲ ሩስያ ብምእካብ እት ሃገር ን ተገንጸልቲ ዞባታት ዩክሬይን ኣፍልጦ ብምሃባን ወተሃአራዊ ሓገዛት ትገብር ብምህላዋን ተቓዎሞኦም ብሰልፊ ኣስሚዖም። ቅድሚ 20 ዓመታት ወዲ 13 ዓመት እናሃለወ ናብ ሽወደን ዝኣተወ ዩክሬናዊ ሄንሪካ ካሹር “ብ 2001 ካብ ዩክሬይን ንብ ሽወደን እንተዘይኣቱ ሕጂ ምስ ደቀይ ኣብኡ ምሃለኹ ኢለ እንክሓስብ ፍርሒ ይስማዓኒ” ይብል። ን 7 ዓመታት ኣብ ሽወደን …

Read More »

ኣውሮጳዊ ሕብረት ኣብ ልዕሊ ሩስያ ዝጽዕኖ ኣገዳ ኣብ ሽወደን ንእሽቶ ጽልዋ ኣለዎ ተባሂሉ።

ሩስያ ንክልተ ተገንጸልቲ ምብራቓውያን ዞባታት ዩክሬይን ከም ናጻ ሃገራት ከም እትፈልጠን ኣዊጃ፡ ናብተን ዞባታት ሰራዊታ ድሕር ምውፋራ፡ ኣውሮጳዊ ሕብረት ኣብ ልዕሊኣ ተወሳኺ እገዳታት ከንብር ምዃኑ ዝሓለፈ ሰሉስ ገሊጹ ኔሩ እዩ። ሚኒስተር ጒዳያት ወጻኢ ሽወደን ኣን ሊንድ ኣብ ማሕበራዊ መራኽቢ ብዙሃን ኣብ ዝለጠፈቶ ሓበሬታ እዚ ተጻብኦ ንሩስያ ዓብዪ ዋጋ ከኽፍላ እዩ ኢላ’ላ። እዚ እገዳ ነቶም “ሩስያ ነዘን ኣውራጃታት ኣፍልጦ ክትህበን ኣለዋ” …

Read More »

ብዝተፈላለየ ጸገማት ሓደ ወይ ከኣ ክልቲኦም ወለዲ ካብ ዝነብርዎ ገዛዉቲ ብሰንኪ ዝተሰረዘ ዉዕል ገዛ ቀሊል ቁጽሪ ዘይባሃሉ ቆልዑ ብዘይ መንበሪ ይተርፉ ከምዘሎዎ ንጸብጻብ ባዓል መዚ ክሮኖፎግደን ብምጥቃስ ግልጋሎት ዜና ተተ ሓቢሩ።

ኣብ ዓመተ 2021 ብድምር 572 ሰባት ካብ መንበሪ ገዝኦም ከምዝተሰጎጉን ፣ እዚ ድማ ኣብ ዝሓለፈ ዓሰርተ ዓመት እቲ ዝለዓለ ቝጽሪ ከምዝኾነ ተሓቢሩ። ቈልዑን መንእሰያትን እቲ ዝነብርዎ ገዛ ዉሑሱን ዉህቡን ምኹኑ እምበር ካል ሕልኽላኽ ኣሎዎ ኢሎም ከምዘይኣምኑን ዝገለጸ እቲ ጸብጻብ፣ ዝሓለፈ ዓመት 572 ስድራቤታት 123 ግዳያት ቤት ኣልቦ ከምዝኾኑ፣ እዚ ኸኣ ወለዶም ካብ ዝነብርዎ ገዛ ብግዴታ ክወጹ ምስተገብረ ምዃኑ እቲ ሓበሬታ …

Read More »

ፕሮቲን ትሕዝቶ ዘሎዎ ክትባት ተዳልዩ ከምዘሎ ተሓቢሩ

እቶም ገና ኣንጻር COVID-19 ኽኽተቡ ዘይከኣሉ ሰባት ነቲ ብልምዲ ዝማዕበለ ኖቫክሶ ቪድ ዝበሃል ክትባት ክወሃቦም ከም እተሓበረ ራዲዮ ፍልጠት ዝተባህለ ማዕከን ጸብጻብ ሂቡ ኣሎ። ኣብ ባዓል መዚ ህዝባዊ ጥዕና ሽወደን ሓላፊ ተማሓላለፍቲ ሕማማት ኣቶ ኣንደሽ ተግኔል እቲ ብባህላዊ መገዲ ዝተሰርሐ ኮይኑ ዝኾነ ጸገም ከምዘይብሉ ጥራይ ዘይኮነ፣ ዝደንቕ ክታበት ኢዩ ብምባል ሞያዊ ትንታነ ሂቡሉ ኣሎ። እዚ ኸኣ ነቶም ብዝተፈላለየ ምኽንያታት ክታበት …

Read More »

ሩስያ ብዝፈጠረቶ ቅልዉላዉ ናህሪ ዋጋታት ነዳዲ ዝያዳ ይሕይል

እቲ ኣብ ዩክረይን እናወሰኸ ዚኸይድ ዘሎ ታህዲድን ሩስያ ዋጋ ነዳዲ እናወሰኸ ይኸይድ ስለዘሎ፣ ኣብዚ እዋን እዚ ዋጋታት ነዳዲ ብሓፈሻ ዋጋ በንዚንን ናፍታን ከኣ ብፍላይ ኣብ ሽወደን ከቢድ ሻቕሎት ይፈጥር ኣሎ ክብል ግልጋሎት ዜና ተተ ሓቢሩ። ብመሰረት እዚ ሓበሬታ ዋጋ ነዳዲ ዘይቲ ኣብ ሓደ ባሬል ልዕሊ 98 ዶላር ኮይኑ ጽንሕ ኢሉ ናብ  99 ዶላር ኣመሪካ ክብ ኢሉ ከምዘሎን፣ እዚ ኸኣ ኣብ …

Read More »

መንገዲ ኣየራት ሉፍታንዛን ስዊዝን ናብ ኪዬቭ ዝገብራኦ በረራ ደው ኣቢለን።

መንገዲ ኣየራት ሉፍታንዛን ስዊን ካብ ትማል ሰኑይ ኣትሒዘን ናብ ርእሰ ከተማ ዩክሬይን ኪዬቭ ዝገብራኦ በረራ ደው ምባለን ቢቢሲ ገሊጻ። እዚ ዝገበራሉ ምኽንያት ዝኢፍ ምኽታት ሰራዊት ሩስያ ኣብታ ሃገር ተከሲቱ ብዘሎ ጸጥታዊ ቅልውላው ምዃኑ እተን መንገዲ ኣየር በብወገነን ኣብ ዘውጽኦኦ መግለጺ ሓቢረን ኣለዋ። ጀርመናዊ መንገዲ ኣየር ብዘይካዚ ናብታ ኣብ ጸሊም ባሕሪ እትርከብ ኣገዳሲት ከተማ ኦዴሳ ዝገብሮ በረራ እውን ደው ከብሎ ምዃኑ …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com