Wednesday , April 24 2024

ካብዝን ካብትን

ሰብ ማድሪድ ካብ መላእ ሕብረት ኤውሮጳ ዝነውሐ መዋእል ይነብሩ

ነበርቲ ማድሪድ ካብ ተቐማጦ ዝኾነ ካልእ ዞባ ሕብረት ኤውሮጳ ዝነውሐ ዕድመ ከም ዝነብሩ ተገሊጹ። ብመሰረት እዚ ብ 6 ሕዳር ዝተሓትመ መረዳእታ ባይቶ ሕብረት ኤውሮጳ፡ ኣብ 2021 ኣብ ሕብረት ኤውሮጳ ዝለዓለ ዕድመ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ማሕበረሰብ ማድሪድ ኮይኑ -88.2 ዓመት እዩ ነይሩ። ኣብ ደረጃ ዕድመ ደቂ ተባዕትዮ፡ እቲ ዝለዓለ ኣሃዝ ትጽቢት ዕድመ ደቂ ተባዕትዮ ኣብ እዋን ውልደት ኣብ ፊንላንድ ኣብ እትርከብ …

Read More »

ሰዓትኩም ሓደ ሰዓት ንድሕሪት ምምላስ ኣይትረስዑ።

ካብ ጽባሕ ንግሆ ሰዓት 02:00 ወጋሕታ ጀሚሩ ናይ vintertid  ኣቆጻጽራ ስለዝጅምር ሰዓትኩም ሓደ ሰዓት ንድሕሪት ምምላስ ኣይትረስዑ። ልክዕ ሰዓት ሰለስተ  ወጋሕታ ምስኮነ ናብ ሰዓት ክልተ ክትቅይርዎ ነዘኻኽር።

Read More »

ገለ ኣስተንኖታት ብሕታዊ ህይወት።

ብናስሮቪች ህቡባት ሰባት ከም ሎምዘበን ጌሩ ግላዊ ህይወቶም ኣብ ሓደጋ ዝወደቐሉ ግዜ ሃልዩ ኣይፈልጥን እንተተባህለ ምግናን ኣይከውንን። ቴክኖሎጂ ማሕበራዊ ሚድያን ንሱ ዝፈጠሮ ቃቔጣ ሸውሃት ሓበሬታን ብቐዳምነት ግዳይ ዝገበሮ እንተሎ–ግላዊ ህይወት ሰባት ብሓፈሻ–ብፍላይ ድማ ናይቶም ኣብ ሕብረተሰብ ዝና ዘለዎም (ህቡባት ሰባት) እዩ። ከም ብዙሕ ካልእ ነገራት ዝና’ውን ናይ ባዕሉ “ክሻ ምሉእ ጸገማት” ሒዙ ከም ዝመጽእ ሰብ ዝና ከይወዓሉ ከይሓደሩ እዮም ዝግንዘብዎ። …

Read More »

ፖሊስ፡ ባርዕ ትራልሃታን ገበነኛታት ሕነ ንምፍዳይ ዘሳወርዎ ክኸውን ይኽእል እዩ።

ዝሓለፈ ዓርቢ፡ ኣብ ሽዱሽተ ከባቢታት ትሮልሃታን (ምዕራብ ሽወደን) እተኸስተ ባርዕ ሓዊ፡ ኮነ ኢልካ እተሳወረ ክኸውን ይኽእል እዩ– ዝብል ጥርጣረታት ከም ዘለዎም፡ ፖሊስ ገሊጾም። ኣብ ማእከል ከተማ ዝርከብ ናይ መካይን መዐሸጊ፡ ሰብ ዘይሰፈሮም ኣባይቲ፡ ከምኡ’ውን ብርክት ዝበላ መካይን በቲ ባርዕ ከም እተሃሞኻ፡ P4 Väst ገሊጻ’ላ። ኣብ ትራልሃታን፡ ኣብ ናይ ደቓይቕ ፍልልይ ብርክት ዝበለ ምስዋር ሓዊ ከም እተኸስተ፡ እዚ ድማ ባህርያዊ ዘይኮነስ …

Read More »

ሽግር ኣባይቲ ሽወደን ሕጂ’ውን ይቕጽል ምህላዉ ተገሊጹ።

ልዕዒ ክልተ ሲሶ ምምሕዳራት ከተማ ሽወደን፡ ሕጽረት መንበሪ ኣባይቲ ከም ዝለወን፡ ብፍላይ ድማ ሓደስቲ መጻእቲ ኣባይቲ ንምርካብ ከም ዝሽገሩ፡ ሃገራዊ ቦርድ ኣባይቲ ውጥንን ህንጻን ሽወደን ኣብ ቀረባ ኣዋን ዘሳለጦ ሓደ ዳህሳስ ኣመልኪቱ። ሬድዮ ሽወደን፡ ኣብ ቦርድ ምምሕዳር Västra Götaland ሰራሕተኛ ክፍሊ ኣሃዱ ስደተኛታትን ምውህሃድን፡ ከምኡ’ውን ኣካያዲት ናይቲ ኣብ ምድላይ ኣባይቲ ምኽሪ ዝህብ መርበብ ሓበሬታ ዝኾነት፡ ፒያ ሰቨሪንሰን ቃለ ምሐትት ኣካዪዳ …

Read More »

ሽወደን ወቕቲ ጀላቶ ኣትዩ።

ኣብ ገለ ክፋላት ሸወደን ዘይሓቐቐ በረድ እኳ እተሃለወ እቲ ጀላቶ ብብዝሒ ዝዝውተረሉ ወቕቲ ብምእታዉ ነዚ ዝቕርብ ዝተፋላለየ መድረኽን መመላለሲ መካይንን ብብዝሒ ይረኣያ ምህላወን ተገሊጹ። ሓንቲ ካብ ዝዓበያ ኲባንያታት መካይን ጀላቶ ነዚ ኣመልኪታ ኣብ ዝሃበቶ ቃል እዚ ወቕቲ ምብላዕ ጀላቶ ካብ ባሕቲ ሚያዝያ ምጅማሩ ገሊጻ’ላ።

Read More »

ደንማርክ ወረቐት መንነት ንዘይብሎም ዩክሬናውያን ምቕባል ትኣቢ።

ኣማኢት ስደተኛታት ዩክሬይን ፓስፖርት ስለዘይብሎም ወይውን ናብ ካልእ ሃገር ኖርዲክ ክኸዱ እዮም ብዝብል ብ ዴንማርክ ተዓጊቶም ምህላዎም ተገሊጹ። መዓልታዊ ካብ 10-20 ዝኾኑ ስደተኛታት ዩክሬይን ብኸምዚ ምኽንያት ይዕገቱ ምህላዎም ሬድዮ ደንማርክ ሓቢራ። ኣብዚ እዋን ኣብ ደንማርክ ሕቶ ዕቑባ ከቕርቡ ንዝደልዩ ገዲፍካ ባዮሜትሪካዊ ፓስፖርት ወይ ካልእ ኣህጒራዊ ተቐባልነት ዘለዎ ወረቐት መንነት ዘይብሎም ዩክሬናውያን ስደተኛትት ናብታ ኣሃገር ክኣትዉ ከም ዘይፍቀደሎምን እዩ ዝግለጽ ዘሎ። …

Read More »

ሽወደን ብዙሓት መዳልያታት ተዓዊታ።

ኣብ ቤይጂንግ ክሳተፉ ዝጸንሑ ኣትሌታት ሽወደን ኣብ ዝሓለፋ ድሕሪ 20 ዓመታት ዝበዝሐ ሜዳልያታት ሒዞም ብሰሉስ ናብ ዓዶም ከም እተመልሱ ተገሊጹ። 2 ሜዳልያታት ጥራይ ክዕወቱ እዮም ዝብል ትጽቢታት እኳ እንተነበረ ካብዚ ኣዝዩ ብዝለዓለ ቊጽሪ ሓፊሶም ኣለዉ ተባሂሉ። ኣትሌታት ሽወደን ብጠቕላላ 2 ናይ ወርቂ፡ 2 ብሩርን 3 ነሓስን ተዓዊቶም ኣለዉ። “ኣዝየ ተሓጒሰ’ለኹ” ክትብል ፕረሲደንት ፓራሊምፒክስ ሽወደን ኣሳ ሊናረስ ኖርሊን ንሬድዮ ሽወደን ገሊጻ’ላ።

Read More »

ሚድያታት ሽወደን ብቋንቋ ሩስያ ዜናታት ይዝርግሓ።

ማዕከናት ዜና ሽወደን ነቲ ኣብ ክሬይን ዝካየድ ዘሎ ፍጻመታት ኣመልኪተን ብቋንቋ ሩስያ ዜናታት ክዝርግሓ ምጅማረን ተገሊጹ። ምስ ምጅማር ኲናት ዩክሬይን መንግስቲ ሩስያ ኣብታ ሃገር ዝነጥፋ ነጻ ሚድያታትን ኢንተርነትን ብምዕፋኑ ጋዜጣን ሬድዮን ሽወደን ዝኾነ ዳገንስ ንሂተር ነዚ ተበግሶ ብምውሳድ ሓቂ ዝመሰረቱ ፈነው ዜና ብቋንቋ ሩስያ ይፍኑ ምህላዉ ሬድዮ ሽወደን ገሊጻ’። ኣቕራብ ኣገልግሎት ኢንተርነት ባንሆፍ እውን ብቛንቋ ሩስያ ዝዳሎ ዜናታት ካብ ሽወደን …

Read More »

ዋጋታት መግቢ ንምምሕዳራት ከተማ ብድሆ ይኸውን ኣሎ ተባሂሉ።

ብምኽንያት ምውሳኽ ዋጋታት መግቢ ቆንስላት ምምሕዳራት ከተማ ስርሒታተን ብግቡእ ከየካይዳ ብኣሉታ ይጽለዋ ምህላወን ተገሊጹ። ንኣብያተ ትምህርቲ፡ መእለዪ ዓበይቲን ካልኦት ጽላታትን መግቢ ንምቕራብ እዘን ቆንስላት ቢልዮናት ክሮና ወጻኢ ይገብራ ምህላወን ሬድዮ ሸወደን ጸብጺባ’ላ። እዘን ቆንስላት ንመግቢ ጥራይ ኣብ ዓመት 7 ቢልዮንን ፈረቓን ክሮና ወጻኢ ይገብራ ምህላወን ሓላፊት ማሕበር ውሽጣዊያን ሰብመዚን ዞባታትን ኣኒካ ቫለንሾግ ገሊጻ’ላ። ምኽንያት ወሰኽ ዋጋ መግቢን ኲናት ዩክሬይን ሒዝዎ …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com