Friday , April 19 2024

ካብዝን ካብትን

ጸጋማይ ሰልፊ፡ ዓመታዊ ወጻኢታት ሕክምና ስኒ፡ ካብ 2 ሽሕ ክሮን ክሓልፍ ከምዘይግባእ የዘኻኽር

ጸጋማይ ሰልፊ፡ መጸበይ መዓልቲ ሕሙማት ፈጺሙ ክግደፍ ጻውዒት ኣቕሪቡ’ሎ። ኣብ ሕክምና ስኒ ተወሳኺ ሓገዝ ክግበርን ናይ ተሓከምቲ ወጻኢ ሕክምና ዓመታዊ ካብ 2 ሽሕ ክሮን ከይበዝሕን ድማ እማመኡ ኣቕሪቡ ኣሎ። ሕክምና ስኒ ኣብዚ እዋን ክብሪ ዋጋ የርኢ ኣሎ ክብል ኣፈኛ ቁጠባዊ ጉዳያት ኣልበሳር፡ ኡላ ኣንደርሾን፡ ኣብ ዝሃበቶ ጋዜጣዊ ዋዕላ ገሊጻ። እቲ ሰልፊ፡ ናይ ዝመጽእ ዓመት ኣማራጺ ባጀቱ ገምጋም ምግባሩን ድማ ኣመልኪቱ። …

Read More »

ሰልፊ ክርስትያን ዲሞክራትና (KD)፡ ኣብ ሽወደን ዝዋሃብ ትምህርቲ ቋንቋ ኣደ፡ ንኽቛረጽ ይጽውዕ

ሰልፊ ክርስትያን ዲሞክራትና (KD)፡  ኣብ ሽወደን ዝዋሃብ ትምህርቲ ቋንቋ ኣደ፡ ንኽቛረጽ ከም ዝጸውዐ ጸብጻባት ሬድዮ ሽወደን ሓቢሮም። ሰልፊ KD፡ ንጥቕሚ ትምህርቲ ቋንቋ ኣደ ብዝምልከት፡ ብወገን መጽናዕታዊ ጸብጻባት ከምዘይተረጋገጸን ደረጃ ምስትምሃር፡ ብሰንኪ ዝተፈላለዩ ጸገማት ንድሕሪት ይምለስ ከምዘሎ ኣዘኻኺሩ ክብል ሬድዮ ሽወደን ኣመሓላሊፉ። ቤት ጽሕፈት ሽማግለ እቲ ሰልፊ፡ ነቲ እማመ ኣመልኪቱ፡ ጽባሕ ክዝትየሉ ምዃኑ ጸሓፊ’ቲ ሰልፊ፡ ፒተር ኮልግሪን፡ ድሕሪ ምሕባር፡ 40% ካብቶም …

Read More »

ብዙሓት ካብ ስርሖም ዝተሰናበቱ ሰባት፡ ሞያ ስርሖም ንክቕይሩ ድልየት ኣለዎም ተባሂሉ

ብሰንኪ ቅልውላው ለበዳ ኮሮና፡ ካብ ስራሖም ዝተሰናበቱ ሰባት፡ ሞያ ስርሖም ንኽቕይሩ ድልየት ከምዘለዎም ሓድሽ መጽናዕታዊ ጸብጻብ ሓቢሩ። ካብ ስርሖም ዝተፋነዉ ኮይኖም፡ ሞያ ስርሖም ንኽቕይሩ ንዝደልዩ ሰባት ዝሕግዝ ቤት ጽሕፈት TRR፡ ኣብዚ ዓመት ዝቐረበሉ ጠለብ ብ47% ከም ዝወሰኸ ሓቢሩ። ካብቶም ካብ ስርሖም ዝተሰናበቱ ሰባት፡ እቶም 20%፡ ክመሃሩ ከምዝመረጹ እቲ መጽናዕቲ ሓቢሩ። እቶም ክመሃሩ ዝመረጹ ሰባት፡ ኣብ ክሊ ዕድመ 40 ክሳብ 45 …

Read More »

ክታበት ኢንፍሉዌንዛ፡ ንሽማግለታትን ነቶም ንሓደጋ ቅሉዓት ዝኾኑ ክፋል ሕብረተሰብን ብነጻ ክወሃብ እዩ

ኣብ ኩለን ምምሕዳራት ሽወደን ዝርከቡ ሽማግለታትን ንሓደጋ ቅሉዓት ዝኾኑ ክፋል ሕብረተሰብን፡ ክታበት ወቕታዊ ኢንፍሉዌንዛ፡ ብነጻ ክረኽቡ እዮም ክብል ተተ (TT) ኣቃሊሑ። እቲ ወግዓዊ ውሳኔ፡ ዕለት 28/10/2020፡ ካብ ቤት ጽሕፈት ሽማግለ ምምሕዳራት ሽወደን ክመሓላለፍ ምዃኑ ኣደ ወንበር ሽማግለ ሓለዋ ጥዕና ቬስተርኖርላንድ፡ ሊና ኣስብሎንድ፡ ገሊጻ። ለበዳ ኮሮና፡ ኣብ ልዕሊ ሕብረተሰብ ዓቢ ጸቕጢ’ኳ እንተፈጠረ፡ ካብተን ካልኦት ምምሕዳራት ግን ክንተርፍ የብልና ክትብል ወሲኻ። ናይዚ …

Read More »

ቤት ጽሕፈት ኢሚግሬሽን፡ ኣብ ዮንሾፒን ዝነበሩ 400 ሓተቲ ዑቕባ ናብ ካልእ ቦታ የግዕዞም

ቤት ጽሕፈት ኢሚግሬሽን፡ ነቶም ኣብ ዮንሾፒን ዝነበሩ ኣስታት 400 ሓተቲ ዑቕባ፡ ክሳብ 25 ኪ.ግ. ዝምዘን ንብረት ጥራይ ሒዞም ንምኻድ ኣፍቂዱ፡ ናብ ካልእ ቦታ ከጉዕዞም ከምዝወሰነ ሬድዮ ሽወደን ሓቢሩ። ቅድሚ ቁሩብ መዓልታት፡ ኩሎም ሓተቲ ዑቕባ፡ ናብ ካልእ ቦታ ክጉዕዙ ምዃኖም ዝሕብር ደብዳቤ ካብ ቤት ጽሕፈት ኢሚግሬሽን ከምዝበጽሖም ይዝከር። እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት፡ ኣብ ዮንሾፒን ዝርከብ ዝነበረ ቤት ጽሕፈት ኢሚግሬሽን ክዕጾ ስለዝተወሰነ እዩ። …

Read More »

ሽወደናዊ ጸሓፊ፡ እዛ ፊልም ኩሎም ወለድን ቆልዑን ክርእይዋ እትግባእ እያ ይብል

ኣብ ጋዜጣ ኣፍቶንብላደት ዝጽሕፍ፡ ማትያስ ቤሞ፡ ነዛ “Social Dilemma” ዘርእስታ ፊልም፡ ቆልዑን ወለድን ክርእይዋ እትግባእ እያ ኢሉ። እዛ ፊልም ኣብዚ እዋን ኣብ ኔትፊሊክስ ትፍኖ ምህላዋን ኣብዚ ዓመት ካብ እተራእያ ፊልምታት እታ ኣዝያ ኣዛራቢት ክትከውን ከም እትኽእል እዚ ጸሓፊ ገሊጹ’ሎ። ትሕዝቶ እዛ ፊልም፡ ብዛዕባ ማሕበራዊ ሜድያን ፍሉጣት መርበብ ሓበሬታታትን ኮይና ብዛዕባ ኣብዘን ኩባንያታት ካብ ዝሰርሑ ዓበይቲ ዲዛይነራትን ሰራሕቲ ፕሮግራማትን ዝተረኽበ ሓበሬታ …

Read More »

ሽወደናዊት ምምሕዳር ከተማ (Kommun)፡ ስደተኛታት ኣይቅበልን ኢየ ትብል

ምምሕዳር ከተማ ሰልቨስቦሪ (Sölvesborg)፡ ስደተኛታት ኣብቲ ምምሕዳር ንኽነብሩ ፍቓደኛ ከምዘይኮነት ብምሕባር፡ ነቲ ስደተኛታት ንኽቕበላ ብመንገዲ ኢሚግሬሽን ዝወሃበን መምርሒ ብዘይምቕባላ፡ ጥሕሰት ንሕገ መንግስቲ ትፍጽም ምህላዋ SVT ሓቢሩ። ኣካየድቲ’ዛ ምምሕዳር ከተማ ዝኾኑ ሰልፍታት ስቬርያ ዲሞክራትና፡ ክሪስ ዲሞክራትና፡ ዓቃባውን ናይቲ ከባቢ ሰልፊ ሶልቪስቦሪ፡ ዓሚ ኣብ ዝተኻየደ ዘተ ምቕባል ስደተኛታት፡ ዘይምርድዳእ ፈጢረን ከምዝነበራ ዝዝከር እኳ እንተኾነ፡ ብሰንኪ ቅልውላው ኮሮና ግን እቲ ዘተ ኣቛሪጹ ከምዝጸንሐ …

Read More »

ናይ’ዚ ዓመት፡ መስኮት ምስግጋር ተጻወቲ፡ ሎሚ ተዓጽዩ

ክሮና ቫይረስ ዘስዓቦ ቁጠባዊ ቅልውላው፡ ንኹለን ክለባት ከምዝጸለወን ግሁድ ተርእትዮ ናይ’ዚ  ዓመት እዩ ነይሩ። ክለባት፡ ዓበይቲ ወጻኢታት ክገብራ ዘይትጽበዮ እዩ። ይኹን እምበር፡ እዚ ዓቢ ትጽቢት ዝተገብረሉ መስኮት ምስግጋር ተጻወቲ፡ ምስ እዋናዊ ኩነታት ብምንጽጻር ተዛማዲ ዝኮነ ምስግጋር ተጌሩ ኣሎ ክበሃል ይከኣል። ካብቲ ዝተኻየደ ምስግጋር ንምጥቃስ፡ ካብ ትጽቢት ብዙሓት ወጻኢ፡ ክለብ ኣርሰናል ኣብ ናይ መወዳእታ ሰዓት ዘርኣየቶ ምንቅስቃስ’ዩ። ክረምቲ ምሉእ ክዝረበሉ ዝጸንሐ …

Read More »

ሽወደን፡ ተወሳኺ 180 ሽሕ ጸረ ወቕታዊ ኢንፍሉዌንዛ ክታበት ዓዲጋ

ሽወደን፡ ተወሳኺ 180 ሽሕ ጸረ ወቕታዊ ኢንፍሉዌንዛ ክታበት ከምዝዓደገት ሬድዮ ኢኮት ሓቢሩ። ክልተ ኣምጻእቲ ትካላት፡ ካብቲ ዝተጸበናዮ ንላዕሊ፡ መድሃኒት ሸይጦምልና፡ ብጣዕሚ ዕድል ጌርና ኢና ክትብል ኣብ በዓል መዚ ህዝባዊ ጥዕና፡ ሓላፊት ጨንፈር ዝኾነት ማያ ብሪቲንግ፡ ገሊጻ። ቅልውላው ለበዳ ኮሮና፡ ንኣገዳስነት ክታበት ጸረ ወቕታዊ ኢንፍሉዌንዛ ከዕብዮ ከምዝኽእል ትጽቢት ይግበር። ምምሕዳራት ሽወደን፡ ካብቲ ዓሚ ዝዓደገኦ ጸረ ወቕታዊ ኢፍሉዌንዛ ብ80 ሽሕ ዝዛይድ ከምዝዓደጋ …

Read More »

ዜና ስፖርት

ትማሊ ሰንበት፡ ብዙሕ ትጽቢት ተጌርሉ ዝነበረ ጸወታ እንተነይሩ ቶተንሃም ምስ ማንተስተር ዩናይትድ እዩ ኔሩ። ጆሴ ሞሪኖ ምስ ናይ ቀደም ዘሰልጠና ዝነበረ ክለብ ክጻወት ምኳኑን ምስ ሶልሻየር ዘለዎ ምትፍናን ሓዊስካ ተሃራፊ ጸወታ ካብ ዝገበሮ ኔሩ። ይኹን እምበር 6 ብ 1 ክውዳእ ከኣ እሞ ዝተጸበዮ ኣይነበረን ። ኩዕሶ ከባብ ምዃና ግዲ ኮይኑ ግን፡ ቶተንሃም ታሪኻዊ ዓወት ከተመዝግብ ማንቸስተር ዩናይትድ ታሪኻዊ ውርደት ብሞሪኖ …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com