Saturday , April 20 2024

ካብዝን ካብትን

ሓድሽ ብድሆ ባይደን . . . መሰል ምርጫ

ክልቲአን ሰልፊታት ኣመሪካ፡ ዲሞክራትን ሪፓብሊካንን ኣብ ጒዳይ ዴሞክራሲን መስርሕ ምርጫ እታ ሃገር፡ ተመሳሳሊ ተገዳስነት እኳ እንተሃለወን ኣብ ምትንታን ዘለዉ ሽግራትን መፍትሒኦምን ዝተፈላለየ ኣቀራርባ እዮም ዝኽተሉ። ኣብ ዝሓለፈ ዓመት፡ ኣብ ትሕቲ ቊጽጽር ሰልፊ ሪፓብሊካን ዝነበራ ስቴታት ኣመሪካ፡ ጽንክር ዝበለ ሕጊታት ምርጫ ድሕሪ ምትእትታወን፡ ኣብ ዋሺንተን ዝርከቡ ኣባላት ሰልፊ ዴሞክራትስ፡ ኣብ ምርጫ ሰፊሕ ጽገናታት ክግበር ክጠልቡ ምጽንሖም ዝፍለጥ እዩ። ብሰሉስ፡ ፕረዚደንት ባይደንን …

Read More »

ጸብጻብ … ድሕሪ መጥቃዕቲ ድሮን: ኣብ እንዳ ጠሓኒት: ሞት ስዒቡ

ኣብ ኢትዮጵያ: ኣብ ክልል ትግራይ: ድሕሪ ዝተፈጸመ ናይ ድሮን መጥቃዕቲ: እንተወሓደ 17 ሰባት ከምዝተቐትሉ ናይ ረድኤት ሰራሕተኛታት ገሊጾም። እቲ መጥቃዕቲ ኣብ ማይጸብሪ ዝተፈጸመ ኮይኑ እቶም ግዳያት ድማ ኣብ ሓደ እንዳ መጥሓን ዝነበሩ ከምዝኾነ ተፈሊጡ’ሎ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ገሊጹ። እዚ ጸብጻብ: ኣብቲ ቦታ ካብ ዝርከቡ መሰኻኽር ናይ ዓይኒ ዝተረኽበ ምዃኑ ዝተፈልጠ ኮይኑ፡ እቲ ቦታ ድማ ኣብ ሞንጎ መንግስቲ ኣዲስ ኣበባን …

Read More »

ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኣመሪካ፡ ንጥርዓን ኣባል ዳዕሽ ነበር፡ ነጺጉ

ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኣመሪካ፡ ንጥርዕን እታ ካብ ኣመሪካ ተበጊሳ ንዳዕሽ ዝተጸንበረትን ናብ ሃገራ ክትምለስ ዝሓተተትን፡ ሁዳ ሙሳና፡ ዝተባህለት ዜጋ፡ ሕቶኣ ከም ዝነጸጎ ተፈሊጡ። ኣብ ጥቅምቲ 1994፡ ኣብ ኒውጀርዚ ካብ ዲፕሎማት ስድራ እተወልደት ሁዳ፡ ኣብ በርሚንሃም ኣላባማ ከም ዝዓበየት ጸብጻብ ኣልጀዚራ ገሊጹ። ሁዳ፡ ብኦንላይን ኣኽራሪ ዝዓይነቱ እስልምና ክትስበኽ ድሕሪ ምጽናሕ ኣብ 2014 እያ ናብ ዳዕሽ ተጸንቢራ። ዳዕሽ ድሕሪ ምስዓሮም ድማ፡ ነቲ …

Read More »

ሰሜን ኮርያ፡ ኣብ ውሽጢ ሽዱሽተ መዓልታት፡ ካልአይቲ ሚሳይል ኣወንጪፋ

ሰሜን ኮርያ፡ ዝሓለፈ ሰሙን ሱፐርሶኒክ ሚሳይል ብምውንጫፋ ዓብዪ መዘራረቢ ኣርእሰቲ ኮይናትሉ ኣብ ዘላ እዋን፡ ትማሊ ሰሉስ ውን፡ ባሊስቲክ ከይኮነ ኣይተርፍን እተባህለሉ ሚሳይል ምውንጫፋ ተገሊጹ። እዚ ሚሳይል፡ ሰዓት 22፡27 ከም እተወንጨፈ ሓበሬታ ከም ዝረኸበት ደቡብ ኮርያ ገሊጻ’ላ። ብዘይካዚ፡ ሓለዋ ገማግም ባሕሪ ጃፓን እውን ሰሜን ኮርያ “ባሊስቲክ ዝመስል” ሚሳይል ምውንጫፋ ከሲሳ’ላ። ሰሜን ኮርያ፡ ካብ መሬት፡ ባሊስቲክ ሚሳይል ናብ ምብራቓዊ ባሕሪ ምውንጫፋ ሰራዊትና …

Read More »

ፕረዚደንት ባይቶ ኣውሮጳ፡ ደቪድ ሳሶሊ፡ ዓሪፉ

ፕረዚደንት ባይቶ ኣውሮጳ፡ ደቪድ ሳሶሊ፡ ኣብ መበል 65 ዓመት ዕድሜኡ ሎሚ ምሟቱ ኣፈኛኡ ገሊጹ። ኢጣልያዊ ጋዜጠኛን ኣባል ማእከላይ ጸጋማዊ ሰልፊ ነበርን ደቪድ ሳሶሊ፡ ብሰንኪ ሕማም ንኽልተ ሳምንታት ዝኣክል ካብ ስራሕ ኣብኲሩ ምጽንሑ ዝፍለጥ እዩ። ስርዓተ ባህርያዊ ሕማም ናይ ምክልኻል ዓቕሙ ኣመና ብምህሳዩ ንዝሓለፈ ወርሒ ኣብ ሆስፒታል ሕክምና ክከታተል ምጽንሑ ጸብጻብ ቢቢሲ ኣመልኪቱ። ትማሊ ሰሉስ ንግሆ ኣብ ሆስፒታል ኣቪያኖ ከም ዝሞተ …

Read More »

ኣብ ማልመ፡ ብርክት ዝበላ ጀላቡ፡ ብሓዊ ተቓጺለን

ትማሊ ሰሉስ ምሸት፡ ኣብ ማልመ ድሕሪ ኣብቲ ነኣሽቱ ጃላቡ ዝዕሽጋሉ ሊምሃልምን ተባሂሉ ዝጽዋዕ ቦታ፡ ብሰንኪ ዝተፈጥረ ነትጒ ኣብኡ ዝነበራ ጀልባታት ብሓዊ ከምዝተባረዓ ተፈሊጡ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ። ኣብቲ ከባቢ ዝነብሩ ሰባት፡ ብሰንኪ እቲ ትኪ፡ ካብ ገዝኦም ንኸይወጹ ተነጊሩዎም ነይሩ። “እቲ ናባና ዝደወለ ሰብ፡ ነትጒ ከም ዝሰመዐን ብድሕሪኡ ድማ ሓዊ ክቃጸል ከም ዝጀመረን ሓቢሩና። ንሕና ጠንቂ ናይቲ ነትጒ፡ እንታይ ምዃኑ …

Read More »

ኣብ ወርሒ ሕዳር፡ ቁጠባ ሽወደን፡ ዕቤት ከም ዘርኣየ ተሓቢሩ

ብመሰረት ካብ ኣፈናዊ መሐበሪ ስታትስቲክስ ሽወደን ዝተረኽበ ጸብጻብ፡ ኣብ ሽወደን ዘሎ ሓፈሻዊ ዘቤታዊ ፍርያት ማለት GDP ምስቲ ቅድሚኡ ዝነበረ ወርሒ ክነጻጸር እንከሎ ኣብ ወርሒ ሕዳር ብ 0.2% ከም ዝወሰኸን ምስ ናይ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ተማሳሳሊ ወርሒ ዝነበረ ክነጻጸር እንከሎ ድማ ብ 5.4% ዕቤት ከም ዘርኣየ ተፈሊጡ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ፡፡ ብምኽንያት ዘሎ ናይ ዓውደ-ኣዋርሕን ወቕታዊ ለውጥታትን ውን እቲ ኣሃዛዊ …

Read More »

ኣመሪካ … ሓደ ዜጋ: ብጀነቲካዊ ኣገባብ ዝተመስርሐ: ልቢ ሓሰማ: ተጌሩሉ

ሓደ ኣመሪካዊ ዜጋ: ብጀነቲካዊ ኣገባብ ካብ ዝተመስርሐ ሓሰማ ዝተረኽበ ልቢ ተጠቒሞም ሓካይም ምትካእ ኣካላት ከም ዘካየድሉ ተገሊጹ። እዚ ብዓይነቱ ናይ መጀመርታ ዝኾነ ተመኩሮ ንኽዛዘም ሸውዓተ ሰዓታት ወዲኡ ተባሂሉ’ሎ። 75 ዝዕድሜኡ ደቪድ በነት: ድሕሪቲ ምትካእ ኣካል (Transplant) ኣብ ጽቡቕ ኲነታት ጥዕና ምህላዉ ተገሊጹ። ዕድል ምቕጻል ህይወት በነት: ኣብ ዝተናውሐ ከመይ ከም ክኸውን ኣብ ቀጻሊ ዝረአ እኳ እንተኾነ: ህይወቱ ንምድሓን ግና ከም …

Read More »

ሱዑዳዊት ወራሲት ዓራት: ድሕሪ ናይ 3 ዓመታት ማእሰርቲ: ተፈቲሓ

እዛ ሱዑዳዊት ወራሲት ዓራት: ንዝሓለፉ 3 ዓመታት: ብዘይ ዝኾነ ክሲ እያ ኣብ ከተማ ሪያድ ተኣሲራ ዝጸንሐት። ከም ጸብጻብ ALQST እንተኾይኑ፡ እዛ ዕድሚኣ 57 ዝኾነት ባስማ ቢንት ሳዑድ ዝተበሃለት ሰበይቲ ምስ ጓላ ስሑድ እያ ካብ ማእሰርቲ ዝተፍትሐት። ባስማ ቢንት ሳዑድ: ንነዊሕ እዋን ኣብ ሱዕዲ ዓረብ ከም ተጣባቒት መሰላት ደቂ ኣንስትዮ እያ ትረአ። ኣብ ዓመተ 2019 ወርሒ የካቲት እያ ንሕክምና ካብቲ ሃገር ክትወጽእ …

Read More »

ኣብ ትግራይ ዘለዋ ትካላት ረድኤት፡ ስርሐን ደው የብላ

ብመጥቃዕቲ ድሮን ዓሰርተታት ሰላማውያን ሰባት ድሕሪ ምሟቶም ኣብ ክልል ትግራይ ዝዓያ ዝነበራ ትካላት ረድኤት ስርሐን ደው ምባለን UN ኣፍሊጡ። ብሰንኪቲ ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ዝካየድ ዘሎ መጥቃዕቲ ድሮን ንጥፈቶም ደው ኸብሉ ከም እተገደዱ ወኪል ሰብኣዊ ረድኤት UN ኦቻ ኣፍሊጡ’ሎ። ብሰንኪቲ ኣብ ልዕሊ ካብ መንበሪኦም ተፈናቒሎም ዝነበሩ ተጋሩ ዕላማ ዝገበረ መጥቃዕቲ ድሮን፡ 56 ሰባት ምሟቶምን ካልኦት ብዓሰርተታት ዝቚጸሩ ድማ ኣካላዊ መጒዳእቲ ከም ዝወረዶምን …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com