Tuesday , April 16 2024

ውህደት

ኣንደርሾን ኲናት ዩክሬይን ንምዝታይ ናብ ዶውኒንግ ስትሪት ከተምርሕ እያ።

ቀዳመይቲ ሚኒስተር ማግዳሌና ኣንደርሾን ምስ ብሪጣንያዊ መዘናኣ ቦሪስ ጆንሰን ብዛዕባ ኲናት ዩክሬይን ንምዝታይ ሎሚ ቀትሪ ናብ ዶውኒንግ ስትሪት ከተምርሕ እያ።. ጆንሰን ጒባኤ ጥሙር ሓይልታት የአንግድ ምህላዉ ዝገለጸት ሬድዮ ሽወደን ኣብዚ ኣኼባ ብሪጣንያ፡ ዴንማርክ፡ ፊንላንድ፡ ኤስቶንያ፡ ኣይስላንድ፡ ላትቪያ፡ ሉቲዌንያ፡ ሆላንድን ኖርወይ ይሳተፋ ምህላወን ውሲኻ ኣመልኪታ። እቲ ጒባኤ ኣብ ዘውጽኦ ጋዜጣዊ መግለጺ ኣብ ዩክሬይን ዘሎ ቅልውላውን ነታ ሃገር ድሕሪ ኲናት ብኸመይ ከም …

Read More »

ኖርወይ፡ ዋጋ ድዂዒ መሊሱ ወሲኹ።

ኣብ ብርክት ዝበለ ከባቢታት ኖርወይ ዋጋ ድዂዒ ንኪሎ ብ 10 ክሮና ወሲኹ ተባሂሉ። ብምኽንያት ኣብ ዩክሬይን ዝግበር ዘሎ ኲናት ዋሕዲ ጥረ ነገራት ከጋጥም ከም ዝኽእል ያራ ኣጠንቂቑ’ሎ። በዚ ድማ ያራ ዋጋ ፍርያቱ ካብ ትማል ሰኑይ ኣትሒዙ ዋጎም ከም ዝውስኹ ጌሩ’ሎ። “ካብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣትሒዙ ዋጋታት ኣብ ኣውሮጳ ክውስኽ ብምጽንሑ ንሕና’ውን ወሰኽ ክንገብር ተገዲድና ኣለና” ክብል ኣብ ያራ ኣካያዲ ዕድጊ ትሮምቦ …

Read More »

ኖርወይ፡ መጠን ወለድ ብናህሪ ክውስኽ እዩ ዝብል ትጽቢት ኣሎ።

ባንክ ኖርገስ ኣብዚ ዓመት 4% ወሰኽ ወለድ ክገብር ከም ዝኽእል ዋና ክኢላ ስነቚጠባ DNB’s ሸርስቲ ሆግላንድ Kjersti ገሊጻ። መንግስቲ ዝለዓለ መጠን ዝቕባበ መታን ከይክሰት ስጥም ዝበለ ባጀት ከም ዝጥቀም ሚኒስተር ፋይናንስ ቲርጊቭ ስላግስቮልድ ቬደም ኣብ ቀረባ እዋን ኣንፈታት ሂቡ ኔሩ እዩ። መንግስቲ ከምዚ ዝበለ መጠንቀቕታታት ይወስድ ብምህላዉ ከም እትንእዶ ሆግላንድ ምስ ጋዜጣ ዳገንስ ኔሪንስሊቭ ኣብ ዝገበረቶ ጻንሒት ገሊጻ’ላ። እንተኾነ ግና …

Read More »

ኤጀንሲ ሲቪላዊ ምህንድስና ሽወደን ን OSCE ነቒፉ።

ኣባላት ኤጀንሲ ሲቪላዊ ምህንድስና ሽወደን (MSB) ነቲ ድሕሪ ወራር ሩስያ ካብ ዩክሬይን ዝገዓዘ OSCE ነቒፉ። ውድብ ጸጥታን ምትሕብባርን ኣውሮጳ ነቲ MSB ዝሰርሓሉ ዝነበረ ፕሮጀክት የወሃህድ ምንባሩ እውን ተፈሊጡ። . ኲሎም ሽወደናውያን ኣባላት እቲ ኤጀንሲ ሕጂ ተቕሊሎም ከም ዝገዓዙ ዝገለጸ ጸብጻብ ሬድዮ ሽወደን ሕጂ እቲ ኤጀንሲ ነቐፎአታኡ ናብ OSCE ከቕንዖ ምዃኑ ወሲኹ ኣመልኪቱ’ሎ።

Read More »

ኮርኒልያ ጃኮብስ ተዓዋቲት ሜሎዲፈስቲቫለን ኮይና።

ኮርኔልያ ጃኮብስ ብቐዳም ምሸት ኣብ ዝቶክሆልም ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ደርፊ ሜሎዲፈስቲቫለን ተዓዊታ። ኣዐዊታታ ዘላ ደርፊ ሆልድ ሚ ክሎሰር (ሕቖፈኒ) ዘርእስታ እያ። ድሕሪ ዓወታ ኮርኒልያ ንሬድዮ ሽወደን ኣብ ዝሃበቶ ቃል እዚ ዓወት ኣዕዚዛ ከም እትርእዮ ገሊጻ’ላ። በዚ ድማ ጃኮብስ ኣብ ዝመጽእ ግንቦት ኣብ ቱሪን ዝካየድ ውድድር ዩሮኢዥን ን ሽወደን ክትውክል እያ።

Read More »

ሽወደን ምስ ሃገራት ኔቶ ኣብ ወተሃደራዊ መናውራ ትገብር።

ድሕሪ ዝሑል ኩናት ዝዓበየ እተባህለሉ ወተሃደራዊ መናውራ ኔቶ ኣብ ኖርወይ ይካየድ ኣሎ። ኣብዚ መናውራ ሰራዊታት ሽወደን ኖርወይን ሽወደንን ክሳተፉ እዮም። ኣብዚ ብሰራዊት ኖርወይ እተወደበ Cold Response 2022 ዝተባህለ መናውራ 30,000 ዝኾኑ ሰራዊት ኣብ ኖርወይ ኣብ ዘሎ ትሕቲ ዜሮ ዛሕሊ ወተሃደራዊ ታዕሊም ክገብር እዩ። ብዝይካ ሽወደን ኖርወይን ፊንላንድን ኣብዚ ልምምድ ኣባላት ኔቶ ዝኾና ሃገራት ኣውሮጳን ሰሜን ኣመሪካን እውን ክሳተፋ እየን ተባሂሉ’ሎ።

Read More »

ወንነቲ መካይን ምጒዳል ቀረጽ ነዳዲን ምወላን ክግበረሎም እዩ።

መንግስቲ ንምጒዳል ዋጋታት ነዳዲ፡ ምወላ ኣባይቲ ስድራቤት፡ ከምኡውን ውጥን ምንዋሕ ንከያ ኤለትሪክ ስድራቤታት ንምስላጥ ናይ 14 ቢልዮን ክሮና ሓገዝ ፓኬጅ ኣቕሪቡ’ሎ። ኣብዚ ውጥን ኣብ ልዕሊ ዝተጻረየ ነዳዲን ዘይቲ ዲዘልን ብግዜያውነት ካብ ባሕቲ ሰነ ክሳብ 31 ጥቅምቲ ናይ ቀረጽ ምጒዳል ክግበር ምዃኑን ነፍሲ ወከፍ ወናኒ ኸኣ ንሓንሳብ ጥራይ ናይ 1500 ክሮና ሓገዝ ክወሃብ እዩ። ብዘይካዚ ኣብ ስሕው ዝበለ ህዝቢ ዝነብረለን ገጠራት …

Read More »

ፊንላንድ ኣብ ሩስያ ዘለዋ ናይ ጸዓት ተሞርካስነት ክትበትኮ ትድሊ።

ፊንላንድ ኣብ ሩስያ ዘለዋ ናይ ጸዓት ተሞርካስነት ኣብ ዝሓጸረ እዋን ክትኣልዮ መደብ ከም ዝለዋ ቀዳመይቲ ሚኒስተር እታ ሃገር ሳና ማርቲን ምስ YLE A-ስቱድዮ ኣብ ዝገበረቶ ቃለመሕትት ገሊጻ። “ኣብ ዝሓጸረ እዋን ነዚ ክንገብር መዲብና’ለና” ክትብል ኣብ ኣህጒር ኣውሮጳ ዘሎ ለውጢ ዝሓበረት ሳና “ኣብ ጀርመን ን ኖርድ ስትሪም 2 ዝምልከት ናይ ውሳነን ርእይቶን ለውጢ ምህላዉን ኣብ ፈሰስቲ ባህርያዊ ጋዛት ዘሎ ወፍሪ ብናህሪ …

Read More »

መደብ ዝርርብ 50 ደቓይቕ ምስ ደራስን ጋዜጠኛን ጸጋብርሃን ጎይትኦም ቀዳማይ ክፋል

Read More »

ኣብ ዝመጻ መዓልታት ቅልውላው ዩክሬይን ክጋደድ እዩ ተባሂሉ።

ኣብ ዝመጻ ሒደት መዓልታት ኲናትን ሰብኣዊ ቅልውላውን ዩክሬይን መሊሱ ከም ዝጋደድ ዋና ጸሓፊ ኔቶ ሀንስ ስቶለንበርግ ኣጠንቂቑ። “ቊጽሪ ዝቕተሉ ሲቪላውያን እናበዝሐ እኳ እንተመጸ ህዝቢ ዩክሬይን ብጽንዓትን ትብዓትን ቃልሶም ይቕጽሉ ኣለዉ፡ እንተኾነ ግና ኣብ ዝቕጽላ መዓልታት እዚ ኲነታት ኣዝዩ ክብእስ ይኽእል እዩ” ክብል ስቶለንበርግ ምስ ጀርመናዊት ጋዜጣ ቬልት ኣም ሶንታግ ኣብ ዝገበሮ ቃለመሕትት ገሊጹ። ቪላድሚር ፑቲን ኲናት ደው ኣቢሉ ኲሎም ሓይልታቱ …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com