Thursday , April 25 2024

ውህደት

ብኣሽሓት ዝቚጸሩ ሽወደናውያን ኣብ ስቶክሆልም ሰልፊ ኣካዪዶም።

ብኣሽሓት ዝቚጸሩ ሽወደናውያን ዓሌትነት ዝዂንን ሰላማዊ ሰልፊ ኣብ ኣደባባይ ስርየል የካይዱ ኣለዉ። ብሓደ ብምዃን ድማ “ውድቀት ንዓሌትነት” ዝብል ጭርሖ ኣጋዊሖም። እዚ ካብ ትጽቢት ንላዕሊ ቊጽሪ ህዝቢ ዘአንገደ ሰልፊ መጠንቀቕታታት ለበዳ ኮሮና’ውን ክዓጅቦ ኣይከኣለን። በዚ ድማ ሎሚ ነቲ ንስለ ህይወት ጸለምቲ ተባሂሉ ዝተላዕለን ግፍዓዊ ኣቀታትላ ፖሊስን ዝዂንን ሰልፊ ብምድጋፍ ኣብ ኤምባሲ ኣመሪካ ተራእዮም ኣለዉ። ፖሊስ ሽወደን ካብ ሰዓታት 6 ክሳብ 8 …

Read More »

ፖለቲከኛታት ሽወደን ብምኽንያት ኣብ ኣመሪካ ንዝተኸስተ ናዕቢ ኣመልኪቶም ርእይቶኦም ይህቡ።

ፖከቲከኛታት ሽወደን ኣብ ልዕሊ ጆርጅ ፍሎይድ ዝበጽሐ ግፍዒን ሞትን ብሕብረት ኮኒኖም ኣለዉ። እንተኾነ ግና ሽወደን ብዛዕባ ኣብ ኣመሪካ ዘሎ ዓሌትነትን ጭካነ ፖሊስን ኣልዒላ ክትኲንን ኣለዋዶ የብላን ኣብ ዝብል ኣርእስቲ ክሰማምዑ ኣይከኣሉን። ወከልቲ ዝተፈላለያ ሰልፊታት ባይቶ ብወገኖም ሽወደን ምስ ኣመሪካ ዝዳረግ ሽግር ዓሌትነት ኣለዋ ድዩ ዝብል ሕቶ ኣልዒሎም ዘትዮም ኣለዉ። ሬድዮ ሽወደን ናብ ሚንስተር ኣን ሊንድ ደዊላ ብዛዕባ እዚ ጒዳይ ዘለዋ …

Read More »

መንግስቲ፥ በዓልመን ከም ዝድውሎም ዘይፍለጡ ጻውዒታት ኣብ 2022 ክውገዱ እዮም።

ናይ ተሌፎን ካርዲታት ጻውዒት መንነቶም ዘይፍለጡ ሰባት ካብ ዓመተ 2022 ንደሓር ክውገዱ ከም ዝግበር ወግዓዊ መርመራ መንግስቲ ኣፍሊጡ። “እዚ ኣገዳሲ ኣገባብ መቃለሲ ገበን እዩ” ክብል ሚኒስተር ውሽጣዊ ጒዳያት ሚካኤል ዳምፐሪ ምግላጹ ኣገልግሎት ዜና TT ሓቢራ። ገበናውያን ዝበዝሕ እዋን ስም ኣልቦ ጻውዒታት ብምፍጻም ከም ዘምልጡ ዝፍለጥ ኮይኑ ሰብ ብቐጥታ ምስ ዝድውላ ሞባይል ዝተሓሓዘሉ ኣገባብ ምፍጣር ንፖሊስ ከም ዘገድሶም መንግስቲ ዝሸሞ መርማሪ …

Read More »

ውልፍ ድራግ ዝኾነ ወዲ 12 ዓመት ህጻን ሰብ ይቀትል።

ግዳይ ፍቱሓት ወለድን ብግቡእ ህጻናት ኣብይ ይዎዕሉን ምስ መን ይዘሩ ስኣን ምክትታልን ምእላይን ቡዙሓት ህጻናት ግዳይ ዘይተደልየ ወለፊ ይኾኑ ምህላዎም ንዝተፈላለየ ብትሕቲ ዕድሜ ዝተፈጸመ ገበን ዝመርምር ቤት ጽሕፈት ፖሊስ ይሕብር። ሓደ ካብኡ ወዲ 12 ዓመት ህጻን ኣብ መእለዪ ማእከል ውልፋን ድራግ ድሕሪ ምእታዉ ዝያዳ ጉዙእ ወልፊ ብሙኻን  ገበን ቅትለት ፈጺሙ። እዚ ህጻን ኣብዚ ማእከል ማሕበራዊ ክንክን ውልፉን ( HVB) ዝኣተወ …

Read More »

ስቶክሆልም፡ ምልክታት ሕማም ኮቪድ-19 ዘርእዩ ሰራሕተኛታት ህዝባዊ መጓዓዝያ፡ መርመራ ክግበረሎም ወሲኑ

ኩሎም ምልክታት ሕማም ኮቪድ-19 ዘርእዩ ኣባላት ህዝባዊ መጓዓዝያ ስቶክሆልም፡ መርመራ ኮሮና ክግበረሎም ምዃኑ ምምሕዳር እቲ ከባቢ ከምዝሓበረ ሬድዮ ሽወደን ሓቢሩ። ኣብ ስቶክሆልም፡ ተወሳኺ መርመራታት ኮሮን ክግበርን እቶም ኣብ ኣገደስቲ ማሕበራዊ ኣገልግሎት ዝህቡ ትካላት ዝሰርሑ ቀዳምነታት ክወሃቦም ምዃኑን ምምሕዳር’ቲ ከባቢ ዝሓለፈ ሰሙን ሓቢሩ ከምዝነበረ ይዝከር። ይኹን እምበር፡ ንኣባላት ህዝባዊ መጓዓዝያ ስቶክሆልም ክግበር ተመዲቡ ዘሎ መርመራ ኮሮና መዓስ ከምዝጅምር ሓላፊ ኮሚቴ ትራፊክ፡ …

Read More »

ኣብ ሽወደን ንቕትለት ጸሊም ኣመሪካዊ ጆርጅ ፍሎይድ ዝኹንን ሰልፊ ይካየድ ኣሎ።

ድሕሪ እቲ ኣብ ኣሜሪካ ብዘይተደለየ ጎነጽ ኣኽበርቲ ጸጥታ ሂወቱ ዝሰኣነ ጸሊም ኣሜሪካዊ ዜጋ ጸረ ኣድልዎን ዘይተደለየ ኣጠቓቕማ ጎነጽ ሓይልታት ፖሊስ ብምቅዋም፣ ኣብ ዝበዝሐ ከተማታት ኣሜሪካ ጎነጻዉን ዘይጎነጻዉን ሰለማዊ ሰልፍታት ኣብ ዝካየደሉ ዘሎ እዋን፣ ኣብ ሽወደን እዉን ኣብ ኣፍደገ ኤምባሲ ኣሜሪካ ብኣካልን ብርሕቀት ዲጂታላዉን መገዲ ሰለማዊ ሰልፊ ተኻይዱ። ተንቀሳቓሲት ኣብ ሰብኣዊ ጉዳያት ኣይሻ ጆንስ ሂወት ጸለምቲ ትርጉም ኣሎዎ ኣብ ትሕቲ ዝብል …

Read More »

ሰብሓዳር ንሓሙሽተ ዓመት ኣብ ልዕሊ ህጻናት ጾታዊ ገበን ብምፍጻሞም ንፍርዲ ቀሪቦም።

35 ዝዕድሜኦም ሰብኣይን ሰበይትን ኣብ ልዕሊ ህጻናት ብዘውረድዎ ጾታዊ ገበናት ኣብ ቤትፍርዲ ኣውራጃ ስካራቡሪ ንፍርዲ ክቐርቡ እዮም ክብል ኣገልግሎት ዜና TT ሓቢሩ። እዚ ገበናት ምድፋር ህጻናት ከም ዘጠቓልል ይብል ኹፍደ ኒህተ ኣብ ዝጸሓፎ። እዞም ጽምዲ ኣብ መፋርቕ ለካቲት ድሕሪ ዝተገብረሎም ጠርጠራ ብጾታዊ ገበን ህጻናት ተታሒዞም ኣለዉ። እዞም ጽምዲ ንሓሙሽተ ዓመታት ኣብ ዝጸንሐ ገበን ብ 19 ዓይነታት ገበን ተኸሲሶም ኣለዉ። ብመሰረት …

Read More »

ስካንያ፡ ኣብ ሶደርታልያ ካብ ዝርከቡ ሰራሕተኛታቱ ኣስታት ሓደ ሽሕ ዝኾኑ ከፋኑ መዲቡ

ሽወደናዊ ኩባንያ ምስናዕ ናይ ጽዕነት መካይን፡ ስካንያ፡ ብሰንኪ ቅልውላው ኮሮና ቫይረስ ኣታዊታቱ ብምንቁልቋሉ ንብዙሓት ካብ ሰራሕተኛታቱ ከፋኑ መዲቡ ከምዘሎ TT ሓቢሩ። ካብቶም ኣብ ሶደርታልያ ዝርከብ ማእከላይ ቦታ’ቲ ኩባንያ ኣስታት ሓደ ሽሕ ዝኾኑ ሰራሕተኛታት ንኸፋኑ መጽናዕቲ የካይድ ምህላው እቲ ኩባንያ ኣብ ጋዜጣዊ መግለጺ ሓቢሩ። ንነዊሕ እዋን ጠለብ ፍርያታ ትሑት ክኸውን ከምዝኽእል እታ ኩባንያ ገምጋማ ገሊጻ። ብሰንኪ ቅልውላው ኮሮና ቫይረስ ንጥፈታት ኩባንያ …

Read More »

ክኢላ፡ ሽወደን ንኻልኣይ ግዜ ከጓንፋ ዝኽእል ዓቢ ዝኾነ ማዕበል ለበዳ ኮሮና ቫይረስ ኣይክህሉን እዩ።

ሽወደን፡ ብመጠኑ ዝነኣሰ እንተዘይኮይኑ ንኻልኣይ ግዜ ከጓንፋ ዝኽእል ዓቢ ዝኾነ ማዕበል ለበዳ ኮሮና ቫይረስ ኣይክህሉን እዩ ክትብል ኣብ ካሮሊኒስካ ሓላፊት ጨንፈር ጸረ ለበዳ ዝኾነት ሓኪም፡ ሱ ኣሊማን፡ ገምጋማታ ከምዝገለጸት SVT ሓቢሩ። ኣብዚ ሕጂ እዋን ብዙሓት ሃገራት ዓለምና ነቲ ክጥቀማሉ ዝጸናሓ ናይ ምርጋጥ ኣገባብ የፍኩሳ ኣብ ዘለዋሉ እዋን፡ ንኻልኣይ ግዜ ብለበዳ ኮሮና ቫይረስ ንኸይጥቃዓ ኣብ ዓቢ ስግኣት ኣለዋ። እዘን ሃገራት እዚኣተን …

Read More »

ዶባት ግሪክ ብዘይ ሽወደን ን 29 ሃገራት ክፉት ኮይኑ።

ካብ ዕለት 15/06/2020 ጀሚሩ ዶባት ግሪክ ንበጻሕቲ ናይ 29 ሃገራት ክፉት ክኸውን እዩ። ሽወደን ግን ኣብ ዝርዝር ናይተን ሃገራት ክመዘየላ TT ሓቢሩ። ዝርዝር ኣስማት ናይተን ሃገራት ንደኒማርክ፡ ኖርወይ፡ ፊንላድ፡ ጀርመን፡ ኣውስትሪያ፡ ኤስቶንያ፡ ላትቪያን ሉትዌንያን ዘጠቓለለ ኮይኑ ስለምንታይ ስም ሽወደን ኣብቲ ዝርዝር ዘየለ ዝሕብር ዝኾነ ዓይነት ወግዓዊ መግለጺ የለን። መንግስቲ ግሪክ፡ ንዝርገሐ ለበዳ ኮሮና ንምክትታል ካብቶም ናብ ሃገሩ ዝመጹ በጻሕቲ ሃንደበታዊ …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com