Friday , April 19 2024

ውህደት

ሃገራት ምፍናው ካርቦን ንምውጋድ ዝከኣአን ክገብራ ጻውዒት ቀሪቡ። 

ሰብ ዝጠንቁ ክሊማዊ ለውጢ ዓለምና ክኽሰት ቀሪቡ ምህላዉ ኣብ ጒዳይ ክሊማ ዘተኰረ በይነ መንግስታዊ ፓነል ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዘውጽኦ ሻዱሻይ ጸብጻቡ ኣመልኪቱ። ኣብ ጒዳይ ክሊማ ዓለምና ዋና ኣዛታዪ ሽወደናዊ ማትያስ ፍሩምየር ነዚ ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ መተሓሳሰቢ ኲለን ሃገራት ምፍናው ካርቦን ንምውጋድ ዝከኣአን ዘበለ ክገብራ ኣለወን ኢሉ’ሎ። ብዘይካዚ ሃገራት ኣብ ምጒዳል ምፍናው ካርቦን ጥራይ ከይተደረታ ን ካርቦን ካብ ከባቢ ኣየር …

Read More »

ሩስያ ኣብ ጸዓት ዝዓለመ እገዳ ክግበር ጻውዒት ቀሪቡ።  

ኣውሮጳዊ ሕብረት ኣብ ልዕሊ ሩስያ ዝያዳ እገዳታት ክጽዕን እዩ ዝብል ትጽቢት እኳ እንተሃለዎ እዚ እገዳታት ንጽላት ጸዓት እታ ሃገር ሸቶ ዝገብር ድዩ ኣብ ዝብል ግና ጥርጣረ ከም ዘለዎ ሚኒስተር ፋይናንስ ሽወደን ሚካኤል ዳምበርግ ገሊጹ። ዳምበርግ ብዛዕባ ኣብ ሩስያ ክጸዓን ዝኽእል ተወሰኽቲ እገዳታት ምስ ሚኒስተራት ፋይናንስ ሃገራት ኣውሮጳዊ ሕብረት ንምዝታይ ትማል ሰሉስ ናብ ላክሰምበርግ ምኻዱ ሬድዮ ሽወደን ጸብጺባ።. ሩስያ ኣብ ዓለምና …

Read More »

ዩክሬናውያን ንምሕጋዝ ዝተኻየደ ሙዚቃዊ ምርኢት ዝለዓለ ኣታዊ ረኺቡ። 

ስደተኛታት ዩክሬይን ንምሕጋዝ ተባሂሉ ዝሓለፈ ቀዳም ኣብ ኣቪቺ ስቶክሆልም ኣብ ዝተኻየደን ብተሌቪዥን ብቐጥታ እተመሓላለፈን ሙዚቃዊ ምርኢት ክሳብ 75.8 ሚልዮን ክሮና ኣታዊ ከም እተረኽቦ ተገሊጹ። እዚ ዝለዓለ ኣታዊ ምዃኑ እቶም ወደብቲ ገሊጾም ኣለዉ።  ካብ መሸጣ ቲኬት ኣትሒዝካ ክሳብ ወፈያታት ኣቢሉ ዝተረኽበ ኲሉ ኣታዊታት ናብተን ኣብ ዩክሬይን እተኸስተ ሰብኣዊ ቅልውላው ንምሕጋዝ ተባሂለን ዝቖማ 6 ጒጅለታት ክውዕል እዩ ተባሂሉ’ሎ።   

Read More »

ትካል ረድኤት፡ ስደተኛታት ዩክሬይን ናይ ብሕቲ ቤት ንክረኽቡ ይነጥፍ። 

ሽወደናውያን ብድንጋጸ ን ስደተኛታት ዩክሬይን ኣባይቶም ይመቕሉ ምህላዎም ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ስቶክሆልም ስታድሚሽን ዝተባህለ ትካል ረድኤት ሽወደን ስደተኛታት ዩክሬይን ናይ ብሕቲ መንበሪ ንክረኽቡ ናይ ምስላጥ ኣገልግሎት ይህብ ምህላዉ ሬድዮ ሽወደን ኣመልኪታ።  “ካብ ተራ ዜጋታት ክሳብ ውድባትን ወነንቲ ንብረትን ንስደተኛታት ዩክሬይን ንምሕጋዝ ዓብዪ ተበግሶ ኣሎ” ክትብል ኣብ ትካል ስቶክሆልም ስታድሚሽን ሱዛን ስቨንሶን ገሊጻ’ላ።  እዚ እናኾነ ዩክሬናውያን ናይ ባዕሎም ቢዝነስ ከቚሙ ዝያዳ ሓገዝ …

Read More »

SÄPO፡ ስለያ ሩስያ ንምብርዓን ኣበርቲዑ ይሰርሕ ምህላዉ ገሊጹ። 

ፖሊሲ ጸጥታ ሽወደን ሴፖ ስለያ ሩስያ ናይ ምብርዓን ስራሕ ኣበርቲዑ ተተሓሒዝዎ ምህላዉ ሬድዮ ሽወደን ጸብጺባ። ሓላፊ ጸረ ስለያዊ ንጥፈታት ሴፖ ዳንኤል ስተንሊን ንሬድዮ ሽወደን ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ሩስያ ኣብ ሽወደን ስለያ ዘካይዱ ሰባት ንምኽታብ ትጽዕር ከም ዘላ ሓበሬታ ከም ዘለዎ ድሕሪ ምግላጽ ነዚ ስግኣት ንምክልኻል ብተጠንቀቕ ይሰርሕ ምህላዉ ገሊጹ’ሎ። ክሳብ ሕጂ ሰለስተ ኣገልግሎታት ስለያ ሩስያ ኣብ ሽወደን ንጥፈታተን የካየዳ ምህላወን. …

Read More »

ኤጀንሲ ጥዕና፡ ኲሎም 65ን ልዕሊኡን ዝዕድሜኦም ራብዓይ ብልቃጥ ክትባት ክወስዱ ኣዚዙ።

ኤጀንሲ ህዝባዊ ጥዕና ነቶም ኣብ ኣብ ዕድመ 65ን ልዕሊኡን ዘለዉ ሰባት ራብዓይ ብልቃጥ ክትባት ክወስዱ ኣዚዙ’ሎ።. እዚ እናኾነ ዕድሜኦም 80ን ልዕሊኡን ዝኾኑ ሰባት ባህርያዊ ሕማም ናይ ምክልኻል ዓቕሞም መታን ከይደክም ካልኣይ ዙር መበራትዒ (ቡስተር) ክትባት ክወስዱ ምትሕስሳቡ ሬድዮ ሽወደን ኣመልኪታ። ካብ 18-64 ዝዕድሜኦምን ባህርያዊ ሕማም ናይ ምክልኻል ዓቕሞም ዝተዳኸመን ዘበሉ ራብዓይ ብልቃጥ ክትባት ክወስዱ ከም ዝግባእ እቲ አጀንሲ ወሲኹ ኣተሓሳሲቡ’ሎ።  …

Read More »

 ጎደና ኤምባሲ ሩስያ ስሙ ክቕየር ንዝብል ሕቶ ኮሚተ “ኣይፋል” መሊሱሉ። 

ቆንስል ኮሚተ ምስያም፡ ነቲ ስም ጎደና ኤምባሲ ሩስያ ክቕየር ዝብል ሕቶ ኣይፋል ብምሃብ እቲ ጎደና ስሙ ሒዙ ክቕጽል ምውሳኑ ተገሊጹ። እቲ ጎደና ኤምባሲ ሩስያ ዝርከበሉ ኮይኑ በቲ ኤምባሲ ከም ዝጽዋዕ ዝፍለጥ እዩ። ግዮርቨልጋታን ስሙ ን ዩክሬይን ወይ ፕረሲደንት እት ሃገር ክብሪ ብዝህብ ካልእ ስም ክትካእ ኣለዎ ዝብል ህዝባዊን ፖለቲካዊን ጸቕጢ ነቲ ኮሚተ ምስያም በጺሕዎ ምንባሩ ሬድዮ ሽወደን ኣመልኪታ።  ኣቦ መንበር …

Read More »

ተወካሊ ቆንስል፥ ተመሳሳሊ ጌጋ ክንደግም ኣይንደልን ኢና። 

ካብ ዝሓለፈ ሒደት ሳምንታት ኣትሒዘን ኣብ መላእ ሽወደን ዝርከባ ቆንስላት-ኣከባቢ ካብ ስደተኛታት ዩክሬይን ንምቕባል ኣብ ጽቡቕ ምቅርራብ ከም ዘለዋ ተገሊጹ። ኣብ ኤከርስበርጋ ሰሜን -ስቶክሆልም ስደተኛታት ዝጸዓና ፈለምቲ ኣውቶቡሳት ኣትየን ኣለዋ። “ካብ ናይ 2015 ፍጻመ ብዙሕ ሒና ተማሂርና፡ ስለዚ ድማ ተመሳሳሊ ጌጋ ክንደግም ኣይንደልን ኢና” ክትብል ኣብ ኤከርስበርጋ ሓላፍነት ምቕባል ስደተኛታት ዝወሰደት ክሪስቲና ኤይንቦርግ ገሊጻ’ላ።   

Read More »

ኣብ ድሕረ-ኮቪድ ዝርከብ ሰባት ን “ዘይምኽንያታዊ ትጽቢት” ተቓሊዖም ኣለዉ ተባሂሉ። 

ሓደ ሲሶ ካብቶም ኣብ ድሕረ-ኮቪድ ዝርከቡ ተሓከምቲ ካብ ኣገልግሎት ክንክን ጥዕና ዘድልዮም ሓገዝ ንምርካብ ዘይምኽንያታዊ ነዊሕ ትጽቢት የሕልፉ ምህላዎም ተገሊጹ። እዚ ዝተባህለ ን ክንክን ድሕረ-ኮቪድ ኣመልኪቱ ብ ኤጀንሲ ጥዕና ሽወደን ከምኡ’ውን ኣገልግሎት ክንክን ዝወጸ ፋልማይ መጽናዕታዊ ጸብጻብ እዩ። ኣብዚ ዳህሳስ ካብ ዝኣተዉ ተሓከምቲ ፍርቆም ናይ ድሕረ-ኮቪድ ሓገዝ ንምርካብ ዘይምኽንያታዊ ነዊሕ ትጽቢት ምሕላፎም ተገሊጹ። ኣብ ድሕረ-ኮቪድ ንንውሕ ዝበለ ግዜ ዝጸንሑ ከምኒ …

Read More »

ኣባል ኔቶ ንምዃን ዘድሊ ሰፊሕ ደገፍ ባይቶ ከም ዘየለ ተገሊጹ። 

ኣብ ባይቶ ሽወደን ናብ ኔቶ ንጸንበር ዝብል ድምጺ ገና ኣብ ዝወሓደ ደረጃ ብምህላዉ ነዚ ኣጀንዳ ኣብ ምግዋሕ ዝያዳ ምትብባዕ ትጠልብ ምህላዋ መራሒት ሰልፊ ክርስትያናዊ ዴሞክራሲ ኤባ ቡሽ ገሊጻ።  ንሳ ምስ ሬድዮ ሽወደን P1– ፕሮግራም ወጋሕታ– ኣብ ዝገበረቶ ቃለመሕትት፡ ከምዚ ዝበለ ዓብዪ ውሳነ ንኽብጻሕ ኣብ ባይቶ ዝበዝሐ ደገፍ ክትረክብ ከም እትደሊ ወሲኻ ገሊጻ።  “ንኣና ሰልፊ ክርስትያናዊ ዴሞክራሲ እዚ ኣገዳሲ ጒዳይ እዩ፡ …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com