Thursday , April 25 2024

ውህደት

ኣቑሑ ገዛን ካልእ ንብረትን ንምግዛእ፡ ገንዘብ ተለቅሑ።

ሓደ ኮምዩን፡ ማለት ከባብያዊ ምምሕዳር፡ ንዓኻትኩም ወይ ንቤተሰብኩም፡ ከም ስደተኛታት ተቐቢሉ ገዛ ምስ ዝህበኩም፡ ኣቑሑ ገዛን ካልእ ንብረትን ንምግዛእ፡ ካብ በዓል መዚ ትምህርታዊ ደገፍ (CSN) ክትልቅሑዎ እትኽእሉ ገንዘብ ኣሎ። እዚ ኸኣ፡ “ልቓሕ መግዝኢ ንብረት-ገዛ” (hemutrustningslån) ተባሂሉ ይጽዋዕ። ክንደይ ዝኸውን ገንዘብ ክትልቅሑ ከም ዝፍቀደኩም፡ ኣብ ቁጽሪ ኣባላት ስድራ ከምኡ’ውን፡ እቲ ገዛ፡ ምስ ንብረቱ ድዩ ወይስ ባዶ ኢኹም ተረኪብኩሞ ዝብል ረቛሒታት ይውስኖ። …

Read More »

ሰልፊ ሞደራትና ንተልእኾ ፖሊስ ዝሕግዙ 2 ሽሕ ዝኾኑ ሓለዋ ጸጥታ ክቘጽሩ መደብ ከም ዘለዎም ገሊጾም።

ሰልፊ ሞደራትና ሎሚ ኣብ ዝሃቦ ቃል ንተልእኾ ፖሊስ ዝሕግዙ 2 ሽሕ ዝኾኑ ሓለዋ ጸጥታ ክቘጽር ኣብ መደብ ባጀቱ ኣእትይዎ ምህላዉ ገሊጹ። ነዚ ድማ ክሳብ 1 ቢልዮን ክሮና ከም ዝስልዕ ኣፍሊጡ’ሎ። መራሒ ዓሞደራትና ሰልፊ ኡልፍ ክሪስተርሰን ብዛዕባ ሕጋዊን ቅዋማዊን መዳያት እዚ ባጀት እማመ ምቕራቡ’ውን ተጠቒሱ። ብመሰረት ሰልፊ ሞደራትና እዚ ባጀት ኣብ ጽርግያታት፡ ኣደባባያት ከምኡ’ውን ህንጻታት ንግድ ዝህሉ ኲነታት ጸጥታ ንምውሓስ ክውዕል …

Read More »

ትምህርታዊ ሞያታት ኣብ ሽወደን

ገምጋም ንናይ ወጻኢ ሃገር ትምህርቲ ግምገማ ናይ ወጻኢ ሃገር ትምህርቲ ብሽማግለ ዩኒቨርሲቲን ኮለጅን (UHR) ይግበር። ዝወዳእካዮ ሓደ ናይ ወጻኢ ሃገር ትምህርቲ እንተ ኣሎካ ኾይኑ፡ ምልክታ ብምልኣኽ ክግምገም ከም ዝኽእል ክትገብር ትኽእል ኢኻ። ተወሳኺ ትምህርቲ ኣብ ሽወደን ንሓደ ሓደ ናይ ሞያ ጕጅለታት ኣብ ዩኒቨርሲቲን ኮለጅን መመላእታ ትምህርትታት ኣሎ። ንመናበሪ ተምሃራይ (studiemedel) ከም ዝግብኣካ ይገብሩን ካብ 1 ክሳብ 2 ዓመት ንውሓት ኣሎዎምን። …

Read More »

ምትካኽ ሽጋራን ሽሻን

ሽሻ ሽሻ ኣብ ንስሕበሉ እዋን ምስኡ ትምባኾ ክንስሕብ ንኽእል ኢና። ነቲ ትኪ ጣዕሙ ኮነ ሽትኡ ንምቅያር ዝተፈላለዩ ጥረነግራት ንጥቀም ኢና፡ ከምኡ’ውን ሓሺሽ ክንገብረሉ ይክኣል። ሽሻ ኣብ ጥዕናና ዘውርዶ ጉድኣት ምስቲ ብምትካኽ ሽጋራ ዝወርደና ጉድኣት ክነጻጸር ከሎ ማዕረ’ዩ። ሽሻ ንነዊሕ ግዜ ስለንስሕቦ እቲ ካብኡ ዝርከብ ትኪ ብ40 ዕጽፊ ካብ ናይ ምትካኽ ሽጋራ ይበዝሕ። ካብ ሽሻ ብብዝሒ ካርቦን ሞኖክሳይድ ዝብሃል ጋዝ ይወጽእ። …

Read More »

ምስጢር ዓወት

ኣብ ሂወትካ ዕዉት ንምዃን እተካይዶ ጻዕሪ ኣዝዩ ብዙሕ እዩ። ኣብ ጉዕዞ ሂወትካ ድቃስ ጠቓምን ኣገዳስን ምዃኑ ኣብ ግምት ብምእታው፡ እኹል ሰዓታት ደቅስ። እዚ ሓደ ወፍሪ ካብቲ ንሂወትካ ኣፍራይን ብሉጽን ክትከውን ዝሕግዘካ መስርሕ እዩ። ሓደ እኹል ሰብ ካብ 6 ክሳብ 8 ሰዓታት ምስ ዝድቅስ ንጥዕናኡ እኹል እዩ። ንግሆ ካብቲ ቀጻሊ እትትንስኦ ሰዓታት ሓደ ሰዓት ቀዲምካ ተንስእ። እዚ መስርሕ ን21 መዓልታት ፈትኖ። …

Read More »

ብዛዕባ ሽወደን

Read More »

ስለምንታይ ድሕሪ መርዓ ይቕየር…

ባህሪና ከም ሑጻ ባሕሪ ኣዝዩ ብዙሕ እዩ። ብዝሒ ጥራይ ዘይኮነ፣ እቲ ፍልልያቱ ካብ ጾታ ናብ ጾታ’ውን እዩ ዝፈላለ። ብመጠን ምብዝሑ ድማ ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናተቐያየረ ክኸይድ ይኽእል። ከምኡ ስለዝኾነ እዩ ዝመስል ድማ፣ ብዙሓት ተጻመድቲ ቅድሚ መርዓ ምስ መጻምድቶም ዝነበሮም ኣገባብ ምብህሃል፣ ድሕሪ መርዓ ብዙሕ ክቕየር ዝረአ። እቲ ትርኢት ናይዚ ለውጢ’ዚ ኣብ ክልቲኡ ጾታ ዝረአ’ኳ እንተኾነ፣ ብዝያዳስ ኣብ ደቂተባዕትዮ ዝረአ …

Read More »

ጉንፋዕ

ጉንፋዕ ማለት ልሙድ ተርእዮ ኾይኑ ነድሪ ልፋጫዊ ቀጸላ ናይ ኣፍንጫ ፡ልዕሊ ሰርኖ ኣፍንጫና ዝርከብ ሻምብቆታት ላዕለዋይ ክፋል ስርዓተ ምስትንፋስ ከምኡውን ጎሮሮና የጠቃልል። ልፋጫዊ ቀጸላ እንተደኣ ነድሪ ገይሩልና ፡ይሓብጥ እሞ ብዙሕ ንፋጥ ወይ ጸረርታ ከነውጽእ ንኽእል። ኣፍንጫና ክዓጽወና ወይ ክዕፍነና ይኽእል።ልፋጫዊ ቀጸላ ቁጥዔ/ነድሪ ጌሩ ማለት ምህንጣስ ወይ ብዙሕ የስዕለና ማለት እዩ።ቃንዛ ጎሮሮ፡ድምጽና ይቕየር(ናይ ድምጺ ሳጹን እንተነዲሩ )፡እንሓንሳብ ውን ቃንዛ እዝኒ ክገብረልና …

Read More »

መንግስቲ ሽወደን ዝመጽእ ዓመት ፕሮግራም ኤክስራ ሸንስትን (extratjanst) ኢንትሮዳክሽን ጆብ (introdutionsjobb) ክምዝጅምሮ ሓቢሩ!!

መንግስቲ ሽወደን 1,3 ቢልዮን ክሮነር ባጀት ን ስራሕ ብምስላዕ  ልዕሊ 400 ሚልዮን ክሮነር ኣብ extratjanst ን introdutionsjobb ወፍሪ ከምዝገብር ይሕብር። እዚ ድማ ዓቢ መቀይሮ ድሕሪ ምንካይ ባጀት ኣብ 2019 ምኻኑ ናይ ሰራሕ ሚኒስተር ዝኮነት ኤፋ ኖርድማን ትገልጽ። ብተወሳኪ ንሳ ከምዝገለጸቶ ዝሓለፈ ዓመት ተቀባልነት ረኪቡ ዝጸደቐ ባጀት ሰልፊ ሞደራት ን ክሪስቲኣን ደሞክራት ንዉጥን ትምርቲ ምምዕባል ኣብ 2019 ተታሑዙ ዝነበረ ብ ኣሉታዊ …

Read More »

ርእሰ-ዝርርብ

ልዑል ርእሰ-ንቕሓት ወይ ርድኢት ምህላው ማለት፡ ዝበለጸ ርድኢት ክውንነት ምህላው ማለት’ዩ። ኣንጻር ክውንነት ምጕዓዝ ማለት ድማ፡ ንዘይብልና ነገራት ኣብ ገዛእ ህይወትና ከነንጸባርቕ ምፍታንን ኣንጻር ባህሪያትና ከም ምጕዓዝን እዩ። ንኣብነት ብሰንኪ መጠኑ ዝሓለፈ ኩርዓትን ትዕቢትን፡ ብዛዕባ ገዛእ ርእስና ዝንቡዕ ኣረኣእያ ክህልወና ይኽእል። ብሰንኪ’ዚ ኩነተ-ኣእምሮ’ዚ ከኣ ዝተጋነኑ ዓይነታዊ ስምዒትን ክእለትን ይሓድረና። ትርኢት ክእለትና’ውን ካብቲ ልክዑ ዝረሓቐ ይኸውን። ብኣንጻሩ፡ ኣብ ገዛእ ርእስና ዘለና …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com