Friday , April 19 2024

ውህደት

ትካል ማይብሎማን ዓመታዊ ንጥፈቱ ጀሚሩ። 

ንቆልዑ ካብ ድኽነት ዝሕሉ ትካል ማይብሎማን ካብ ሎሚ ኣትሒዙ ዓመታዊ ማዕከኑ ናይ ምስሳን ንጥፈት ምጅማሩ ኣፍሊጡ’ሎ። እቲ ትካል ነዚ ዝገብር ብወረቐት ዝተሰርሑ ዕንባባታት ብቆልዑ ከም ዝሽየጡ ብምግባር እዩ። “ንግስቲ ሽወደን ቀዳመይቲ ዕንባባ ገዚኣ’ላ” ክትብል ዋና ጸሓፊት ትካል ማይብሎማን ኤስ ኤነል ገሊጻ’ላ። ካብ መሸጣ እዚ ዕንባባታት ዝርከብ ኣታዊ ኣብ ሽግር አለዉ ህጻናት ንምርዳእ ክውዕል እይ ተባሂሉ’ሎ። ኣብ ድኽነት ዘለዉ ህጻናት ሽወደን …

Read More »

ኮቪድ-19 ንሕብረተሰብ ሓደጋ እዩ ካብ ዝብል ዝርዝር ክወጽእ ተጌሩ። 

ድሕሪ ክልተ ዓመታት ካብ ሎሚ ኣትሒዙ ኮቪድ-19 ንሕብረተሰብ ሓደጋ እዩ ካብ ዝብል ዝርዝር ክወጽእ ተጌሩ’ሎ። እዚ ማለት ኮቪድ-19 ን ህዝባዊ ጥዕና ሓደጋ ኣይኮነን፡ ኣብ  ሕብረተሰብ ዘስዕቦ ስግኣት እውን የለን ማለት እዩ። ብተግባር እንክረአ እዚ ቫይረስ ከም ዘለዎ ዝጥርጥር ሰብ ሕክምና ክከታተል ኣይግደድን፡ ዳህሳስ ለበዳ ከምኡውን ውሸባ ይዂን ምፍላይ እውን ደጊም ኣይከድልዩን እዮም ማለት እዩ። እቲ ሕማም ሕጂ’ውን ከም ዘሎን ሰባት …

Read More »

ሃገራት ኖርዲክ፡ ኲናት ዩክሬይን ምስ NATO ዘለወን ዝምድና ዳግመ ግምት ክገብራሉ ይድርኽ ኣሎ ተባሂሉ። 

ሽወደን ትዂን ፊንላንድ ኣባላት NATO ኣይኮናን፡ እንተኾነ ግና ኣብ ልዕሊ ዩክሬይን ብሩስያ እተገብረ ወራር ምስቲ ወተሃደራዊ ኪዳን ዘለወን ዝምድና ዳግመ ግምት ንኽገብራሉ ይድርኸን ምህላዉ ተገሊጹ። ሽወደን ኣባል ኔቶ ትዂንዶ ኣይትዂ ዝብል ክትዕ ብፍላይ ኣብ ሽወደን ተበራቲዑ ይቕጽል ምህላዉ ዝፍለጥ ኮይኑ ፊንላንድ ግና ምስቲ ኪዳን ዘለዋ ዝምድና እናተረረ ይመጽእ ምህላዉ ጸብጻብ ሬድዮ ሽወደን ኣመልኪቱ። በዚ ድማ ሽወደን ኣሰር ጐረቤታ ፊንላንድ ትስዕብዶ …

Read More »

ካብ ቤት ማእሰርቲ ምምላጥ ብገበን ዘሕትት ክኸውን ባይቶ ድሌት ኣለዎ ተባሂሉ። 

ሓምላይ ሰልፊ ንነዊሕ እዋን ሒዝዎ ዝነበረ መርገጺኡ ብምቕያር ካብ ቤት ማሕቡስ ምምላጥ ብገበን ዘቕጽዕ ተግባር ክኸውን ድሌት ከም ዘለዎ ምግላጹ ሬድዮ ሽወደን ኣብ ዘዳለወቶ ጸብጻብ ኣመልኪታ። በዚ ድማ ከምዚ ዝበለ ተግባር ገበን ምዃኑ ንምሕላፍ ዘኽእል ዝበዝሐ ድምጺ ባይቶ ክርከብ እዩ ማለት እዩ።  ሰልፊታት ሞደራትና ዴሞክራትና ክርስትያናዊ ዴሞክራሲ ከምኡውን ሊበራል ካብ ቤት ማሕቡስ ምምላጥ ብገበን ዘቕጽዕ ተግባር ክኸውን ኣለዎ ኢሎም ክካትዑ …

Read More »

ኖርወይ ፡ ኣስታት 20,000 ሰባት ናይ ስራሕ ረብሓታቶም ክስእኑ እዮም ተባሂሉ። 

ብምኽንያት ምውዳእ ውጥን ለበዳ ኮሮና ኣብ ዝቕጽል ክልተ ኣዋርሕ, 26,400 ሰባት ናይ ሽቕለት ረብሓታቶም ክስእኑ ከም ዝኽእሉ ኖርወይ ቱደይ.ኣመልኪታ።  ረብሓታት ሽቕለት ለበዳ ኮሮና ንብዙሕ ግዜያት ክናዋሕ ምጽንሑ ዝገለጸት እታ ማዕከን ዜና ሕጂ ግና ክውዳእ ከም እተገብረ ወሲኻ ሓቢራ። በዚ ድማ ካብ ሎሚ ባሕቲ ሚያዝያ ኣትሒዞም ሎሚ ዓርቢ ኣስታት 20,000 ሰባት ናይ ስራሕ ረብሓታቶም ክስእኑ እዮም ተባሂሉ’ሎ። ኣብ ዝቕጽል ወርሓ ግንቦት …

Read More »

ሽወደናውያን ሓዳስ ኮኾብ ረኺቦም። 

ተመራመርቲ ሽወደን እንተላይ ክልተ ተመሃሮ ኣፕሳላ ዩኒቨርሲቲ ብ ሃብል ስፔይስ ተለስኮፕ ኣቢሎም ካብ ርሑቕ ጠፈር ዘላ ሓዳስ ኮኾብ ምድህሳሶም ተገሊጹ። ብርሃን እዛ ኮኾብ ናብ ምድሪ ክበጽሕ 13 ቢልዮን ዓመት ከም ዝወሰደን እዛ ኮኾብ ድሕሪቲ ዓብዪ ነትጒ Big Bang ዝበሃል ፍጻመ ካብ ቢልዮን ኣብ ዝውሕድ ዓመት ከም እተፈጥረት እዞም ተመራመርቲ ሓቢሮም። “ኣካል ናይዚ ዳህሳስ ምዃን ዓብዪ ነገር እዩ” ክብል ኣብ ኣፕሳላ …

Read More »

ደቀንስትዮ መንነተን ቃልዕ ይግበር ምህላዉ ተገሊጹ። 

ኣስታት ሰለስተ ርብዒ ካብተን መንነተን ክሕባእ ተወሲኑ ዝነበረ ደቀንስትዮ ውልቃዊ ሓበሬታአን ክሞልቕ ይግበር ምህላዉ ኤጀንሲ ማዕርነት ጀንደር ሽወደን ኣፍሊጡ። እቲ ኤጀንሲ ብጠቕላላ ን 86 ደቀንስትዮ ድሕሪ ዝገበሮ ቃለመሕትት እተን 63 ዝኾና ሓበሬታአን ክሞልቕ ከም እተገብረ ኣቃሊዑ’ሎ። እዚ ሚስጥር በተን ብርክት ዝበላ ምስ ማሕበራዊ ኣገልግሎት ርክብ ዘለወን ኤጀንሲታት፡ ኣብያተ ፍርዲ፡ ፖሊስ፥ ኤጀንሲ ቀረጽ፡ ክንክን ጥዕናን መጽለሊን ኣቢሉ ከም ዝወጸ ይንገር ኣሎ። 

Read More »

ክሊማዊ ሸቶ ሽወደን ዕላማኡ ክወቅዕ ከም ዝቐረበ ተገሊጹ። 

ሽወደን ክሊማዊ ሸቶኣ ንምውቃዕ ካብ ዓሚ ብዝሓሸ ተቓሪባ ምህላዋ ኤጀንሲ ምክልኻል ኣከባቢ ኣመልኪቱ። ኣብቲ ኢጀንሲ ተንታኒት ክሊማ ሳራ ኣልምክቪስ ምስ ዓሚ ብምውድዳር ኣብዚ ጒዳይ ጽቡቕ ገስጋስ ከም እተራእየ ንሬድዮ ሽወደን ገሊጻ’ላ።  ዓሚ ዝነበረ ትንበያ ኣብ 2045 ሽወደን ናብ ኣየር ኣትፍንዎ መጠን ክርቦን ናብ 38 ሚልዮን ቶን ክጐድል እዩ ተባሂሉ እኳ ተገሚቱ እንተነበረ ናይ ሎሚ ዓመት መጠን ፈነወ ኣዝዩ ብምጒዳል ናብ …

Read More »

ሽወደን፥ ኣባይቲ ዩክሬናውያን ስደተኛታት ንምህናጽ ቢልዮናት ክሮና መዲባ።

መንግስቲ ሽወደን ኣብ ባጀት ዝመጽእ ጽድያ ንኣባይቲን ካልእን ወጻኢታት ስደተኛታት ዩክሬይን ንምሽፋን ናይ 9.8 ቢልዮን ክሮና ክትምድብ ምዃና ሚንስተር ፋይናንስ ሚካኤል ዳምበርግ ብሓሙስ ገሊጹ። ሚኒስተር ስደትኛታት ኣንደርስ ይገማን ብወገኑ ሽወደን ዘላቕነት ዘለዎ ጽንዕ ዝበለ ስደተኛታት ናይ ምቕባል ፖሊሲ ክህልዋ ኣለዎ ኢሉ። ሽወደን ዩክሬናውያን ስደተኛታት እትቕበለሉ ዘላ ኣገባብ ንሓደ ዓመት ናይ መንበሪ ፍቓድ ብምህናህ እዩ ተባሂሉ’ሎ።. ኲሎም ቆልዑ ስደተኛታት ኣብ መኣዲ …

Read More »

ኣገልግሎት ጸጥታ ዴንማርክ፥ ጥሩፋት ንለበዳ ኮሮና ኣብ ጠቕሞም የውዕልዎ ኣለዉ። 

ማእከል ድሕነትን ስለያን ዴንማርክ ን ስግኣታት ግብረሽበራ ኣመልኪቱ ኣብ ዝገበሮ ዓመታዊ ትንተና ንመጀመርታ እዋን ኣብ ልዕሊ ሰብመዚ ዝቐንዐ ጥሩፍነት ከም እተራእየ ገሊጹ። ኣብ ልዕሊ ብምርጫ ዝመጹ ሰብመዚን ካልኦትን ጎነጽ ክጥቀሙ ዝደልዩ ሰባት ምልላዩን እዚ ተርእዮ ምስ ለበዳ ኮሮናን ካልኦት ረቛሒታትን ምትሕሓዝ ከም ዘለዎን እቲ ማእከል ወሲኹ ሓቢሩ።  “ጥሩፋት ምፍርራህን ካልእን ሜላታት እዮም ዝጥቀሙ፥ ብዙሓት ካብዞም ታህዲዳት ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ብዙሃን …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com