Saturday , April 20 2024

ዜና

ኣብ ፓሪስ ወራር ትዃን ስንባደ ይፈጥር፥ ኣብ ሽወደን ግና ምንካይ የርኢ

ኣብ ፓሪስ ኣብ መርበባት መጓዓዝያ ቱኻን ተራእዮም ዝብል ዜና ኣብ ተጓዓዝቲ ከቢድ ስንባደ ፈጢሩሉ ኣብ ዘሎ እዋን ወራር ትዃን ኣብ ሽወደን እናነከየ ይኸይድ ከም ዘሎ ተገሊጹ። ድሕሪ ምህዳእ ለበዳ ኮሮና ወራር ቱኻን ብዘፊሑ ክረአ ይኸውን እዩ ዝብል ስግኣታት እኳ እንተነበረ፥ እዚ ግና ከም ዘይተኸስተ ተቖጻጻሪ ባልዕ ኣንቲሲሜክስ ይገልጽ። “ወራር ባልዕ ቱኻን ኣብ ከባቢ 2019 ኣብ ዝለዓለ ጥርዙ በጺሑ ኔሩ” ይብል …

Read More »

ተቓወምቲ ውድባት ንምምሕዳራት ከተማ ዝያዳ ባጀት ክስላዕ ጸዊዖም

መንግስቲ ቅድሚ ሒደት ሰሙናት ባጀቱ ድሕሪ ምቕራቡ፡ ኣብዚ ሰሙን ተቓወምቲ ውድባት ሽወደን እማመ ክልሰ-ሓሳባዊ ባጀት ኣቕሪቦም። ኣብኢ ብተቓወምቲ ውድባት ቀሪቡ ዘሎ እማመ ክልሰሓሳባዊ ባጀት ሓደ ናይ ሓባርነገር እንተሎ፡ ኣብ ምምሕዳራት ከተማን ዞባታትን ዝያዳ ወፍሪ ክግበር ምሕታቶም፡ ከምኡ’ውን መንግስቲ ኣንጻር ገበን ጕጅለታት እኹል ስራሕ ኣይዓመመን ዝብል ነቐፌታን እዩ። ይኹን እምበር ሰልፊ ማእከላይ ኣብዚ ቁጠባዊ ፖሊሲ ካብ ምስታፍ ተቖጢቡ’ሎ።    

Read More »

ልዑል ሞያ ዘለዎም ሰራሕተኛታት ፍቓድ ስራሕ ኣብ ውሽጢ 30 መዓልታት ክሳለጠሎም እዩ

ከም ኣካል ናይቲ መንግስቲ ልዑል ሞያ ኣብ ዘለዎም ሰራሕተኛታት ኢሚግሬሽን ዝሃቦ ፍሉይ ኣተኲሮ፡ ኤጀንሲ ኢሚግሬሽን ንገለ ኣመልከትቲ ብፍላይ እዚ መስርሕ ከቀላጥፎን ከቃልሎን ትእዛዝ ተዋሂብዎ’ሎ። ካብ ዝመጽእ ዓመት ወርሒ ጥሪ ኣትሒዙ፡ ላዕለዋይ ትምህርቲ ንዘድልዮም ስራሓት ዝቐርብ መመልከቲ ፍቓድ ስራሕ፡ ካብቶም ዝተረፉ ብቕጽበት ከም ዝፍለ ተጌሩ፡ እዚ መመልከቲ ኣብ ውሽጢ 30 መዓልታት ከም ዝሳለጥ ክግበር እዩ። “እዚ ንኻልኦት ጉዳያት ኣብ ዝግበር ኣታሕዛ …

Read More »

ሽልማት ኖቤል ሰላም ኣብ ቤት ማእሰርቲ ንእትርከብ ኢራናዊት ናርጊስ ተዋሂቡ

ሽልማት ኖቤል ሰላም 2023፥ ንኢራናዊት ናርጊስ መሓማዲ ተዋሂቡ። ናርጊስ “ኣብ ልዕሊ ደቀንስትዮ ኢራን ዝወርድ ጭቆና ኣብ ምቅዋም ከምኡ’ውን ኣንጻር ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት፥ ብሓፈሻ ኣብታ ሃገር ናጽነት ንምድንፋዕ ብዝገበረቶ ቃልሲ ነዚ ሽልማት ከም ዝበቕዐት ተገሊጹ’ሎ። ናርጊስ መሓመዲ ብምኽንያት እዚ ብመትከል እተካይዶ ቃልሲ፡ 13 ግዜ ኣብ ቀይዲ ዝኣተወ ኮይና፡ ብድምር ን 31 ዓመታት ማእሰርትን 154 መግረፍቲን ከም እተፈርደት ኮሚቴ ሽልማት ኖቤል ይገልጽ። …

Read More »

ዕለታዊ ዜና ካብ ሃርሞኒ 05-10-2023

Read More »

ኤጀንሲ ሚግሬሽን ንሕጊ መመልከቲ ስራሕ ፍቓድ ኣነጺሩ

ካብ ባሕቲ ሕዳር ጀሚሩ፡ ሓድሽ ደረት ደሞዝ ፍቓድ ስራሕ ኣብ ሽወደን ካብ ማእከላይ ደሞዝ 80% ክኸውን እዩ። እዚ ብስታቲስቲክስ ሽወደን ዝተገልጸ ወግዓዊ ማእከላይ ደሞዝ ኮይኑ፥ ነቶም ድሮ ቅጥዕታቶም ዝሰደዱን ውሳነ ዝጽበዩን ሓዊሱ ነዚ ክግንዘብዎ ኣገዳሲ እዩ ክብል ኤጀንሲ ስደተኛታት ሽወደን ብኣጽንኦት ተላብዩ’ሎ። “እዚ ኤጀንሲ ሚግሬሽን ሽወደን፡ ኣብ ውልቃዊ ጉዳይ ውሳነታት ንምውሳድ፡ ክንደይ ዝኣክል ግዜ ኣለዎ ኣብ ዝብል ዝምርኮስ ክኸውን የብሉን” …

Read More »

መንገዲ ኣየር ስካንዲናቭያ SAS ሓድሽ ኮንሰርትዬም ዋንነት ይእውጅ

ዓብዪ ፋይናንሳዊ ጸገም ኣጓኒፍዎ ዘሎ መንገዲ ኣየር ስካንዲናቭያ ፡ ምስ ኤር ፍራንስ-ኬ ኤል ኤም፡ መንግስቲ ዴንማርክን ክልተ ናይ ወፍሪ ትካላትን ዝበዝሑ ሰብ ብርኪ ዝኾኑሉ ሓድሽ ኮንሶርትየም ዋንነት ኣዊጁ። መንገዲ ኣየር ስካንዲናቭያ ካብ ዝምስረት ንደሓር ንመጀመርታ ግዜ መንግስቲ ሽወደን ዝጸንሖ ክፋል ዋንነት ከብቅዕ እዩ ማለት እዩ። ወሃቢ ርእይቶ ቁጠባ ሬድዮ ሽወደን ክርስቲያን ኦስትሮም እዚ ስምምዕ ንህላወ እቲ መንገዲ ኣየር ኣድላዪ ምንባሩ …

Read More »

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሽወደን ፓስፖርት ድሕሪ ረሲዑ ኣብ ዋዕላ ኪየቭ ተሳኢኑ

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሽወደን ቶብያስ ቢልስትሮም ምስ ሚኒስተራት ጉዳያት ወጻኢ ሕብረት ኤውሮጳ ኣብ ኪየቭ ኣብ ዝካየድ ዋዕላ ሕብረት ኤውሮጳ ክሳተፍ እኳ እንተነበሮ፡ ፓስፖርቱ ብምርስዑ ኣብ ዶብ ፖላንድን ዩክሬንን ደው ምባሉ ተፈሊጡ። ሰብመዚ ዶባት ንቢልስትሮም ክሰግር ዘይምፍቃዶም ዲፕሎማስያውያን ምንጭታት ንጋዜጣ ኦስትርያ ዳይ ፕረሰ ሓቢሮም። በዚ ድማ ብሰንኪዚ ጌጋ ቢልስትሮም መዛንኡ ሚኒስተራት ጒዳያት ወጻኢ ናብታ ናብ ኪየቭ ን ሸሞንተ ሰዓታት እትኸይድ ባቡር …

Read More »

“መንእሰያት ቅድሚ ገበን ምፍጻሞም ህዋሳት ዘደንዝዝ ሓሽሽ ይወስዱ ኣለዉ”–ፖሊስ

ኣባላት ጒጅለታት ገበን ኮይኖም ዓመጽ ዝፍጽሙ ብዙሓት መንእሰያት መዐገሲ ቓንዛ ትራማዶል ይጥቀሙ ምህላዎም ፖሊስ ሓቢሮም። ኣብ ዮተቦሪ ኣብ ዝርከብ ሆስፒታል ዩኒቨርሲቲ ሳህልግረንስካ ዝርከብ ክኢላ መርዛም ባእታታት ካይ ክኑድሰን፡ ትራማዶል ነዞም ጎነጽ ዝፍጽሙ ኣባላት ጒጅለታት ገበን “ኣዝዩ ፍቱን ድራግ እዩ” ክብል ይገልጾ። እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት “እቲ ክፍጽምዎ ዝእዘዙ ጎነጽ ንምክያድ ዘድሊ ምድንዛዝ ኣእምሮን ድፍረትን ስለዝህቦም እዩ” ክብል ወሲኹ ኣረዲኡ።  

Read More »

ኲሎም መራሕቲ ሰልፊ ናብ ኣኼባ ቤት ምኽሪ ጸጥታ ክሳተፉ ብ ቀ/ሚ ክሪስተርሾን ተዓዲሞም

መንግስቲ ሽወደን፥ ኲሎም መራሕቲ ሰልፍታት ን ዝመጽእ ሓሙስ 12 ጥቅምቲ ኣብ ኣኼባ ባይቶ ሃገራዊ ድሕነት ክሳተፉ ዓዲሙ። ፖሊስን ካልኦት ሰብመዚን ነዞም መራሕት ሰልፍታት ብዛዕባ ኣንጻር ገበናት ጕጅለታት ዝግበር ዘሎ ቃልሲ፥ ከምኡ’ውን ብዛዕባ ሕጋዊ እማመታት ኣመልኪቶም እዋናዊ ሓበሬታታት ክህብዎም እዮም። ብዘይካዚ እዞም ተሳተፍቲ ኣኼባ ዝኾኑ መራሕቲ ሰልፊታይ ናይ ባዕሎም እማመታት እውን ከቕርቡ ክኽእሉ እዮም። ቀዳማይ ሚኒስተር ኡልፍ ክሪስተርሾን ኣብ ዘቕረቦ ዕድመ፡ …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com