Saturday , April 20 2024

ሓደጋ

ኮንጎ፡ ብሰንኪ ዝተፍአ እሳተ ጎመራ፡ ከበድቲ ጸገማት ይፍጠሩ

ኣብ ኮንጎ ብሰንኪ ኣብ እምባ ኚራጎንጎ ዝተፍአ እሳተ ጎመራ፡ ልዕሊ ፍርቂ ሚልዮን ዜጋጋት’ታ ሃገር፡ ኣብ ከቢድ ሽግር ማይ ወዲቖም ምህላዎም፡ ዶብ ኣልቦ ሓካይም ዝተባህለ ሓደ ናይ ረድኤት ማሕበር ገሊጹ ክብል ማዕከን ዜና ቢቢሲ ሓቢሩ። ብሰንኪ እቲ እሳተ ጎመራ፡ ማይ ዘመሓላልፍ ቱቦታት ከም ዝዓነወን ዛጊት ኣማኢት ኣሽሓት ሰባት ናብ መረበቶም ክምለሱ ከም ዘይከኣሉ እቲ ሓበሬታ ወሲኹ ገሊጹ። መሰረታዊ ድሌታት ናይቶም ዝተመዛበሉ …

Read More »

ሓደ መምህር፡ ብተማሃሮኡ ተመሪዙ ከይከውን ይጥርጠር

ተማሃሮ ናይ ሓንቲ ኣብ ምምሕዳር ማርክ እትርከብ ቤት ትምህርቲ፡ ንሓደ መምህር ምሪዞሞ ክኾኑ ከምዝኽእሉ ጋዜጣ ቦሮስ ቲድኒን ( Borås Tidning) ሓቢሩ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ። ኣብቲ ናይቲ መምህር መስተይ ማይ፡ ገለ ተወሰኽቲ ኬሚካላዊ ቀመማት ተረኺቦም ከምዘለዉ፡ መባእታዊ ሓበሬታ ረኺብና’ኳ እንተሃለና፡ ዝያዳ ውጽኢት ናይቲ መርመራ ንጽበ ኣለና ክብል ካብ ቤት ጽሕፈት ፖሊስ’ቲ ከባቢ፡ ጉስታፍ ላንዝ፡ ነታ ጋዜጣ ሓቢሩ። ኣብዛ ቤት ትምህርቲ …

Read More »

ኣብ ናይጀርያ: ብምጥሓል ጃልባ: ዓሰርተታት ሰባት ሞይቶም

ኣብ ስሜናዊ ምዕራብ ናይጀርያ: 160 ሰባት ጽዒና ኣብ ሩባ ኒጀር ትጓዕዝ ዝነበረት ጃልባ ብምግልባጣ: ዓሰርተታት ሰባት ከም ዝሞቱ: ሰብመዚ እቲ ከባቢ ገሊጾም። እዛ ጃልባ: ካብ ማእከላይ ናይጀርያ ተበጊሳ: ናብ ኣብ ሰሜናዊ ምዕራብ እታ ሃገር ትርከብ: ኬቢ ስቴት: ትጓዓዝ ምንባራ ዝገለጸ እቲ ሓበሬታ: ትማል ረቡዕ ምጥሓላ ሓላፊ ምምሕዳር ንጋስኪ: ዓብደልሃዲ ቡሃሪ ዋራ: ገሊጹ። ኣብቲ ቦታ: ናይ መድሕን ስርሒት እኳ ይካየድ እንተሎ: …

Read More »

ምስ ሓደጋ ተለፈሪካ ብዝተኣሳሰር: ሰለስተ ጥርጡራት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዮም

ምስቲ ትማሊ ሰንበት: ኣብ ሰሜን ዓዲ ጥልያን ዘጋጠመ: ሂወት 14 ሰባት ዝቐዘፈ ሓደጋ ተለፈሪካ: ምትእስሳር ክህልዎም ይኽእል እዩ ብዝብል ጥርጣረ: ኣብቲ ኩባንያ ዝሰርሑ ሰለስተ ሰባት: ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከም ዝኣተዉ: ላ ሪፓብሊካ ዝተባህለ ጋዜጣ ገሊጹ ክብል ማዕከን ዘና ተተ ኣቃሊሑ:: እቶም ሰለስተ ጥርጡራት: ዋና እቲ ኩባንያ: ዳይረክተርን ላዕለዋይ ኦፐረተርን ምዄኖም እቲ ጸብጻብ ሓቢሩ፤፤ 15 ሰባት ሒዛ ናብ እምባ ሞታሮን ትሰቀል …

Read More »

ዲ/ሪ/ኮንጐ፡ ኣብ እምባ ኚራጎንጎ፡ ብዝተፈአ እሳተ ጐመራ፡ ሞትን ዕንወትን ይስዕብ

ኣብ እምባ ኚራጎንጎ፡ ዓቢ ነትጒ እሳተ ጐመራ ድሕሪ ምግጣሙ፡ ተቐማጦ ዲ/ሪ/ኮንጎ ሰቦምን ኣባይቶምን ከም ዝጠፍኦም ተገሊጹ። እዚ ብቐዳም ዘጋጠመ ምትፋእ ዝመኸኸ ኣኻውሕ፡ ቅድሚ ናብታ ክልተ ሚልዮን ዝኾኑ ነበርቲ ዘለዉዋ፡ ከተማ ጎማ፡ ምብጽሑ ደው ምባሉ ተገሊጹ’ሎ። በዚ እሳተ ጎመራ ዛጊት 15 ሰባት ከም ዝሞቱ ተረጋጊጹ እኳ እንተሎ፡ ኣብተን ኣዝየን ዝተጠቕዓ ከባቢታት፡ ይካየድ ብዘሎ መርመራ፡ ቊጽሪ ግዳያት ካብዚ ዝለዓለ ክኸውን ከም ዝኽእል …

Read More »

ግብጻውያን፡ ብሞት ኮኾብ ኮሜድያን፡ ሰሚር ቓኒም፡ ሓዘኖም ይገልጹ

ሓደ ካብቶም ዓበይቲ ከዋኽብቲ ኮሜዲ ግብጺ ዝኾነ ሰሚር ቓኒም፡ ብምኽንያት ሕማም ኮቪድ-19፡ ኣብ መበል 84 ዓመቱ ዓሪፉ። ሰሚር፡ ካብ 1960ታት ኣትሒዙ፡ ኣብ ሃገራት ዓረብ፡ ብናይ መድረኽ ተዋስኦ፡ ተኸታታሊ ናይ ተሌቪዥን ድራማታትን ፊልምታትን ዓቢ ዝና ዝረኸበ ተዋሳኣይ እዩ ኔሩ። ካብ ወርሒ ሚያዝያ ኣትሒዙ፡ ኣብ ሆስፒታል ክእለ ዝጸንሐ ቓኒም ብሓሙስ እዩ ኣብ ከተማ ካይሮ ዓሪፉ። በዓልቲ ቤቱ ተዋሳኢት ደላል ዓብደልዓዚዝ እውን፡ ብሕማም …

Read More »

ኣብ ሃገረ ጣልያን፡ ብምውዳቕ ተለፈሪካ፡ 14 ሰባት ሞይቶም

ትማሊ ሰንበት፡ ኣብ ሰሜን ኢጣልያ፡ ጥቓ ቀላይ ማጆሬ፡ ብዘጋጠመ ምውዳቕ ተለፈሪካ፡ ሓደ ህጻን ዝርከቦም ብውሕዱ 14 ሰባት ከም ዝሞቱን ሓደ ህጻን ክብድ ዝበለ መቚሰልቲ ከም ዘጋጠሞን ተገሊጹ። ተጓዓዝቲ፡ ካብ መዘናግዒት ከተማ ስትሬሳ ናብታ ልዕሊኣ እትርከብ እምባ ማታሮን እናኸዱ እዩ እዚ ሓደጋ ኣጋጢሙ ዘሎ ክብል ጸብጻብ ቢቢሲ ሓቢሩ። ኣብ ኣግራብ ዝመልኦ ጸዳፍ ቦታ ዝዓነወ ተለፈሪካ፡ ካብቲ ከባቢ እተረኽበ ስእልታት የመልክት። ካብቶም …

Read More »

ቻይና: ሰማይ ጠቀስ ህንጻ: SEG Plaza: ብምንቅጥቃጡ ነጋዶ ይግዕዙ

ኣብ ደቡብ ቻይና ኣብ እትርከብ ከተማ: ሸንዠን: ዝርከብ ልዕሊ 70 ደርቢታት ዘለዎ ሰማይ ጠቀስ ህንጻ: ትማሊ ሰሉስ: ከንቀጥቅጥ ብምጅማሩ ኣብኡ ዝሰርሑ ዝነበሩ ነጋዶ፡ ከም ዝግዕዙ ይግበር ምህላዉ ተገሊጹ። እዚ ህንጻ፡ ኣብ ሕምብርቲ እዛ 12 ሚልዮን ህዝቢ ዝቕመጣን ዕሙር ዕዳጋን ኢንዱስትሪ ቴክኖሎጂን ዘለዋ ከተማ ዝርከብ እዩ። እዚ 300 ሜትሮ ዝንውሓቱ ህንጻ SEG Plaza ስለምንታይ የንቀጥቅጥ ምህላዉ ሰብመዚ እታ ከተማ ገና ኣብ …

Read More »

ኣብ ህንዲ፡ 18 ሓራምዝ ብበርቂ ተቐቲሎም ተባሂሉ

ኣብ ሰሜናዊ ምብራቕ ህንዲ፡ ግዝኣት ኣሳም፡ 18 ሓራምዝ ሞይቶም ከም እተረኽቡን ምኽንያት ሞቶም ድማ በርቂ ክኸውን ከም ዝኽእልን ጥርጣረ ከም ዘሕደረ፡ ሰብመዚ፡ እቲ ከባቢ ገሊጾም ኣለዉ። ዝሓለፈ ሓሙስ፡ ዓሰርተ ኣርባዕተ እዂላት ሓራምዝን ካልኦት ኣርባዕተ ድማ ኣብ ፈቐዶ ኲጀት ወዲቖም ከም ዝጸንሕዎም እቶም ደቂ ዓዲ ገሊጾም ኣለዉ። ሰብ መዚ ዕቀባ ኣግራብ እታ ሃገር፡ ናብቲ ቦታ ብምብጻሕ ነቲ ኲነታት ይከታተልዎ ምህላዎም ገሊጾም …

Read More »

ኣብ ዲ/ሪ/ ኮንጎ፡ ደቀንስትዮ፡ ብሰራሕተኛታት ረድኤት፡ ጾታዊ ዓመጽ ይበጽሐን ምህላዉ ይገልጻ

ኣብ ምብራቕ ዲ/ሪ/ኮንጎ፡ ኣብ ናይ ዝሓለፈ ዓመት ምልባዕ ለበዳ ኢቦላ፡ ገለ ደቀንስትዮ፡ ብሰራሕተኛታት ረድኤት፡ ጾታዊ ዓመጽ ከም ዝወረደን ገሊጸን። እዚ ቶንሶን ሮይተርስ ፋውንዴሽን ከምኡውን ኣገልግሎት ዜና ኒው ህዩማኒተርያን ዘውጽእዎ ሓድሽ ጸብጻብ እዩ ተባሂሉ ኣሎ። እዘን ደቀንስትዮ ብውድብ ሕቡራት ሃገራት ሓዊስካ ካልኦት ኣህጒራውያን ውድባት ጾታዊ ኣገልግሎት ንኽህባ ክሰርሓ ከም እተገብራ ገሊጸን ኣለዋ። ኣብ ውድብ ጥዕና ዓለም ዝሰርሕ ሓደ ካሜሮናዊ፡ ናይ ስራሕ …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com