Thursday , April 18 2024

ሓደጋ

ኣብ ማእከላይ ሽወደን ብዝወረደ ውርጪ ትራፊክ ተዓጊቱ።

ኣብ ማእከላይ ሽወደን ክሳብ 30 ሰንቲሚተር ዝኸውን ውርጪ ክወርድ እዩ ዝብል ትጽቢት ምህላዉ ተገሊጹ። ቤት ጽሕፈት ሜትሮሎጂ ሽወደን ኣብ ኡረብሮ፡ ቫስትራ፡ ኣፕሳላ ከምኡውን ስቶክሆልም ብርቱኻናዊ መጠንቀቕታ ኣውጺኡ’ሎ። ኣብ ማእከላይ ኡረብሮ ብስንኪ ውርጪ ዓበይቲ መካይን ተዓጊተን ጒዕዞአን ዘገምታዊ ክኸውን ምግዳደን ተመልኪቱ’ሎ። በዚ ድማ ኲሎም ህዝባዊ መጓዓዝያታት ክስረዙ እንከለዉ ኣብ ስቶክሆልም ከምኡውን ዞባታት ቫስትማላንድ ን ኣፕሳኣን ምዕጋት ትራፊክ ከም ዘጋጠመ ተሓቢሩ። ብዘይካቲ …

Read More »

መራሒ ወረበላታት ሽወደን ን 18 ዓመታት ክእሰር ተፈሪዱ።

ቤት ፍርዲ ይግባይ ኣብ ውሽጢ ከተማ ስቶክሆልም ኣብ ቅትለት፡ ምዝውዋር ዕጸፋርስን ኣጽዋርን ተዋፊሩ ጸኒሑ ንዝበሎ መራሒ ወረበላታት ንንውሕ ዝበለ ማእሰርቲ ፈሪዱ። እዚ መራሒ መርበብ ቮርቢ ምንባሩ ዝተገልጸ መራሒ ወረበላታት ን 18 ዓመታት ማእሰርቲ ክፍረድ ምዃኑ ቤት ፍርዲ ይግባይ ገሊጹ’ሎ። እቲ መራሒ ነቲ ዝተባህለ ገበናት ኣይወዓልኲዎን ክብል ናይ ክሕደት ቃሉ ክህብ ምጽንሑ ሬድዮ ሽወደን ኣመልኪታ። እዚ መጋባእያ ኣብ ታሪኽ ሕጊ ሽወደን …

Read More »

ኢንዱስትሪታት ብ ናህሪ ዋጋ ሞተረ ዲዝል ይጥቅዓ።

ኣብ ሽወደን ዋጋ ነዳዲ ሞተረ ዲዝል ብቕልጡፍን ዘይነዓቕን መጠን ክውስኽ ምጽንሑን እዚ ድማ ብ ሓይሊ ሞተረ ዲዝል ዝንቀሳቐሳ ተሽከርከርቲ ኣብ ዝግልገላ ቢዝነሳት ጸቕጢ ፈጢሩ ምህላዉ ተገሊጹ። በዚ ድማ ሚኒስተር ጒዳያት ገጠር ኣና-ካረን ሳዘርበሪ ኣብ ኩባንያታት ሕርሻን ፍሩስታለን ንዝውዕል ዲዝል ዝስላዕ መጠን ቀረጽ ክጐድል እማመ ኣቕሪባ’ላ። ዋጋ ነዳዲ ዲዘል ካብቲ ዓሚ ዝነበሮ ብ 40% ብምውሳኹ ዘወርቲ ዓበይቲ መካይን ኣብ ዓብዪ ጸቕጢ …

Read More »

ቅልውላው ዩክሬይን ኣብ ልዕሊ ሽወደን ቀጥታዊ ጽልዋ ኣለዎ ተባሂሉ።

ኣብ ዩክሬይን ሰፊኑ ዘሎ ወጥሪ ኣብ ፖሊሲ ጒዳያት ወጻኢ ሽወደን ቀጥታዊ ጽልዋ ኣለዎ ክብል ሓደ ክኢላ ገሊጹ። ሰብመዚ ሽወደን ኣብ ጒዳይ ምኽታት ሩስያ ጽንክር ዝበለ መርገጺ ዝወሰዱሉ ምኽንያት በዚ እዩ ክብል እቲ ክኢላ ወሲኹ ኣብሪሁ። ኣባል ትካል ኣህጒራዊ ጒዳያት ሽወደን ዝኾነ ያን ሃለንበርግ ነቱ ሩስያ ኣብ ልዕሊ ኔቶ ዘቕረበቶ ጠለብ ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ ሩስያ ነቲ ወተሃደራዊ ጥምረት ክትጽንበሮ ምንም …

Read More »

ምሉእ ኲናት ክኽሰት ተኽእሎታት ኣሎ-ዎልፍጋንግ ኢሺንገር::

ኣብ ዝመጽእ ቀዳመ ሰንበት ኣብ ዓለምና ዝዓበየ ንጸጥታ ዝመልከት ጒባኤ ዝመርሕ ዘሎ ኣቦመንበር ጸጥታ ሙኒክ ዎልፍጋንድ ኢሺንገር ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክሬይን መጥቃዕቲ ክትፍኑን እዚ ድማ ናብ ምሉእ ኲናት ከምርሕ ከም ዝኽእልን ሻቕላ ከም ዘለዎ ገሊጹ። ኣብዘን መዓልታት ብዛዕባ ልዝን ዘተን ክሰምዕ ባህጉ ምዃኑ ዝገለጸ እቲ ጸሓፊ እንተኾነ ግና ኣብ ባይታ ዘሎ ኲነታት ምስዚ ባህጊ ዝሰማማዕ ከም ዘይኮነ ከም ዘሕዝኖ ገሊጹ። …

Read More »

ኲባንያታት ኣብ ጥዕናን ድሕነትን ሰራሕተኛትት መበጻጽሕቲ ኣቕሑ ሓላፍነት ኣይክወስዳን እየን።

ገለ ኣፕ ካምፓኒስ እናበላ ንገዛእ ርእሰን ዝጽውዓን ንሰራሕተኛታት ብ ዲጂታላዊ ኣገባብ ኣቢለን ብተራ ዘረባታት ክማርኻ ዝፍትናን ኲባንያታት ከም ቁጸርቲ ከም ዘይሕሰባን ኣብ ጥዕናን ድሕነትን ሰራሕተኛትት መበጻጽሕቲ ኣቕሑ ሓላፍነት ከም ዘይወስዳን ተገሊጹ። እዚ ዝበለ በዓልመዚ ኣከባቢ ስራሕ ሽወደን ናብ መንግስቲ ኣብ ዘቕረቦ ጸብጻብ እዩ። ሕጂ ዘሎ ሕጊታት ኣብ ከምዚ ዝበሉ ኲባንያትታ ንዝሰርሑ ሰባት ውሑስ ኣከባቢ ንምፍጣር እዂል ኣይኮነን ክብል እቲ በዓልመዚ …

Read More »

ሩስያ፥ “ኣብ ዝመጽእ ወርሒ ንዩክሬይን ኣይክወርርን እየ”።

ኣብ ዝመጽእ ወርሒ ኣብ ልዕሊ ዩክሬይን ወራር ክትፍጽም ትኽእል እያ ዝብል ዘረባ መሰረት ዘይብሉ ምዃኑ ልኡኽ ሩስያ ኣብ ሕብረት ኣውሮጳ ቪላድሚር ቺዞቭ ኣፍሊጡ። ጋዜጣ New York Times ንገለ ስለያዊ ምጪታት ኣመሪካ ብምጥቃስ ሩስያ ረቡዕ 16 ለካቲት ን ዩክሬይን ክትወርራ ትኽእል እያ ዝብል ሓበሬታ ኣመሓላሊፉ ምንባሩ ዝፍለጥ እዩ። “ሩስያ ን ዩክሬይን ክትወርር ምንም ባህጊ የብላን” ክብል እቲ ልኡኽ ኣን Der Welt …

Read More »

ኖርዌይ፥ ቀታሊ ቲያ ሃልቮርሰን 20 ዓመት ተፈሪዱ።

ኣብ ሳንደፍዮርድ 47 ዝዕድሜኡ ሰብኣይ ን ጓል 31 ዓመት ቲያ ሃልቮርሰን ብራቮልድ ብምቕታሉ ን 20 ዓመት ማእሰርቲ ከም እተፈርደ ይግለጽ ኣሎ። እቲ ሰብኣይ ብዘይካዚ ክሳብ 250 ሽሕ ክሮና ዝግመት ካሕሳን ክኸፍል እዩ ተባሂሉ። እቲ ሰብኣይ ነዚ ቅትለት ከም ዘይፈጸሞ ክኽሕድ ምጽንሑ ዝፍለጥ ኮይኑ ቤት ፍርዲ ኣግደር ግና ነቲ ገበን ከም ዝወዓሎ መርትዖታት ብምቕራብ ብይኑ ኣመሓላሊፉ’ሎ። እዚ ገበን ቅትለት ብኣዝዩ ኢሰብኣዊ …

Read More »

ኖርዌጃውያን ናይ ዊንተር በዓላት ኣብ ውሽጢ ሃገር ከሕልፉ ይደልዩ።

15% ኖርዌጃውያን ጥራይ በዓላት ዊብተር ካብ ሃገር ወጻኢ ከሕልፉ ከም ዝደልዩ Response Analyze ን ፍረምቲድ ብምውካል ኣብ ዘካየዶ ሓድሽ ጸብጻብ ኣመልኪቱ። ኣብ ኖርዌይን ኣውሮጳን መምርሒታት ኮቪድ ቀጺሉ እኳ እንተሃለወ 85% ኖርዌጃውያን ኣብ ውሽጢ ሃገር ኮይኖም በዓላት ዊንተር ከሕልፉ ድሌት ከም ዘለዎም ገሊጾም ኣለዉ። ኣብዚ መጽናዕቲ ን 230 ሽሕ ሰባት ቃለመሕትት ከም ዘካየደ ዝገለጸ እቲ መጽናዕቲ 5% ናብ ውዕይ ዝበለ ኲነታት …

Read More »

ፑቲን፥ “ንሕና ኲናት ኣይንደልን ኢና”።

መራሕቲ ጀርመንን ሩስያን ኣብ ሞስኮ ተራኺቦም ኣብ ዝገበርዎ ዘተ ቅልውላው ዩክሬይን ዝዓበየ ኣጀንዳኦም ምንባሩን ተገሊጹ። ኣብቲ ርክብ ጒዳይ ቅልውላው ጸጥታ ኣውሮጳ ብዘተ ክፍታሕ ድሌት ከም ዘለዎ ፕረሲደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን ገሊጹ’ሎ። ቻንስለር ጀርመን ብወገኑ “ኣብ መንጎ ሃገራት ዘሎ ጒዳይ ብዘተ ምፍታሕ ክንክእል ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ” ድሕሪ ምህላጽ ምስ መራሒ ሩስያ ገጽ ንገጽ ተራኺቡ ኣብዚ ኣገዳሲ ጒዳይ ምዝታዩ ዝተሰምዖ ሓጎስ ገሊጹ’ሎ። …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com