Thursday , March 28 2024

ሓደጋ

ቁጠዐ (allergic reactions) ከስዕብ ዝኽእል ቢራ፡ ካብ ዕዳጋታት ናብ ፋብሪካ ንኽምለስ ተሓቢሩ

ፍርያት ጎትላንድስ ብሪጌሪ ዝኾነ “ዊስቢ ናን ኣልኮሊክ ላገር” (Wisby non-alcoholic lager) ዝብል ናይ ንግዲ ስም ዘለዎ ኣልኮል ዘይብሉ ዓይነት ቢራ ካብ ሲስተምቦልጌትን ቤት ምግብታትን ናብ ፋብሪካ ንኽምለስ ተሓቢሩ። እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት፡ እቲ ቢራ፡ ኣብ ዝርዝር ኣስማት ትሕዝትኡ፡ ዘይተጠቕሰ ዓይነት ቡቕሊ ብምህላዉ ምዃኑ ስፐንድሩፕስ ኣብ ዘውጸኦ ጽሑፉ ገሊጹ። እዚ ዓይነት ቡቕሊ፡ ነቶም ኣብ ስርናይ ዝርከብ ተላጋቢ ናይ ፕሮቲን ትሕዝቶ (gluten) ዘይጻወሩን …

Read More »

ሽወደን፡ ሕክምናዊ ሓገዝ ናብ ሊባኖስ ትሰድድ

ሽወደን፡ ነቶም ብሰንኪ ንበይሩት ዘንቀጥቀጠ ሓያል ነትጒ ዝተሃስዩ ሰባት ንምሕጋዝ ሕክምናዊ ሓገዝ ዝሓዘት ጽዕነት ናብ ሊባኖስ ከም ዝሰደደት ተፈሊጡ። ኣብቲ ትማሊ ሰሉስ ዘጋጠመ ሓደጋ፡ 130 ሰባት ክሞቱ እንከለዉ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ድማ ቆሲሎም።ሽወደናውያን ኣሃዱታት ህጹጽ ረዲኤትን ማሕበራዊ ውሕስነትን ጓንትታት፡ ማስክ፡ በጃ ክዳን፡ መራፍእን ጸረ ነፍሳትን ዝኣመሰሉ ናውቲ ሕክምና ጽዒነን ክብል ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት፡ ሚካኤል ዳምቤሪ፡ ኣብ ናይ ፌስ ቡክ ሒሳቡ ሓቢሩ።እቲ …

Read More »

ህጹጽ ረድኤት ዘድልዮ ዝነበረ ሕሙም ስለ ዝተረሰዐ. . . . ሞይቱ

ሓደ ብውጸኣትን ተምላስን ዝተሰነፈ ሕሙም ብኣምቡላንስ ናብታ ኣብ ሰሜን ስቶክሆሎም እትርከብ ዳንደሪድ ሆስፒታል ምስ በጽሐ ብኣባላት ናይታ ሆስፒታል ኣብ ናይ ህጹጽ ረድኤት ክፍሊ ገዲፎሞ ምስ ከዱ፡ ድሕሪ ቁሩብ እዋን ሞይቱ ከምዝተረኽበ ተሓቢሩ።ናይ ደም መርመራ ንምክያድ ካብቲ ሕሙም ዝተወስደ ቅምሶ፡ ዘይንቡርን ዘይተፈልጠን ውጽኢት ነይርዎ ክብል እቲ ሆስፒታል ኣብቲ ናብ ሽወደናዊ ኣሃዱ መርመራ ጥዕናን ሓለዋን (IVO) ዝጸሓፎ ጸብጻብ ገሊጹ።ብሰንኪ ኣብ ክፍሊ ህጹጽ …

Read More »

ዜና ሽወደን ትግርኛ – Svenska Nyheter På Tigrigna 05 ነሓሰ 2020

Read More »

ኣብ ናካ ዝነበረት እንዳ ፒሳ፡ ተቓጺላ

ኣብ ምብራቕ ስቶክሆልም፡ ናካ፡ ዝነበረት እንዳ ፒሳ ተቓጺላ። ሰለስተ ኣሃዱታት መጥፋእቲ ሓዊ ኣብቲ ቦታ ተረኺበን ናይ መድሕን ስረሐን እኳ እንተካየዳ፡ ነቲ ህንጻ ከድሕነኦ ከምዘይከኣላ ጸብጻባት ሓቢሮም። እቲ ህንጻ፡ ብዕጨይቲ ዝተሰርሐ በዓል 2.5 ደርቢ ኮይኑ፡ እቲ ባርዕ ብላዕለዋይ ክፋል ናይቲ ህንጻ (ብቦሎፎን) ይወጽእ ምንባሩ ኣባል ማሕበር ምክልኻል ባርዕ ከባቢ ሶደርቶርን (Södertörn) ዝኾነ ሉድዊግ ቴለር ሓቢሩ።   እቲ ባርዕ፡ ናብተን ኣብ ከባቢኡ …

Read More »

ፖሊስ፡ ናይ መጠንቀቕታ ቶኽሲ ከፊቱ

ትማሊ ሰንበት ምሸት፡ ኣብ ምምሕዳር ትለቦሪ (Trelleborg)፡ ኦልስታድ (Alstad)፡ ዝርከብ ኑቕጣ ጥሒሱ ንዝኸደ መራሕ መኪና፡ ፖሊስ፡ ናይ መጠንቀቕታ ቶኽሲ ካብ ናይ ኣገልግሎት ብረቱ ከምዝቶከሰ ተፈሊጡ።ኣብ ሓለዋ ዝነበረ ፖሊስ፡ ነታ መኪና ንምፍታሽ ንመራሕ መኪና ደው ከብላ ምስ ሓበሮ፡ እቲ መራሕ መኪና ንቅድሚት ከምተሓምበበን፡ ፖሊስ፡ ነታ መኪና ተኸቲሎም ድሕሪ ምኻድ ኣብ ኦልስታድ ደው ከምዝበለት ርእይዋ። እቶም ኣባላት ፖሊስ፡ ነቲ ሰብኣይ ንኽፍትሹ ምስ …

Read More »

ኣብ ቡትሺርካ፡ ኖሽቦሪ፡ ጓል 12 ዓመት ብጥይት ተቐቲላ

ኣብ ደቡባዊ ሸነኽ ስቶክሆልም ቡትሽርካ ኣብ ዝተባህለ ከባቢ፡ ሓንቲ ጓል 12 ዓመት ቆልዓ ዛጊት መንነቶም ብዘይተረጋገጸ ሰባት ብዝተኸፍተ ተኩሲ ሂወታ ከምዝሳኣነትን፡ ኣብቲ ከባቢ ዓቢ ቁጠዐን ስንባደን ፈጢሩ ከምዘሎ ጸብጻባት ፖሊስ ብምጥቃስ ዝፍነዉ ዘሎዉ ሓበሬታት ኣረጋጊጾም።እታ ትሕቲ ዕድመ ቆልዓ ብመንን ስለምንታይን ከምዝተቐትለትን በዚ ዓቢ ገበን ዝሕተቱ ሰባት ኣብ ትሕቲ ሕጊ ንምእታው፡ ፖሊስ ሽወደን ፍሉይ ፍጻመ ኣብ ትሕቲ ዝብል ኣገባብ ብምቛም መርመራ …

Read More »

እስኪልስቱና፡ ዓቢ ሓደጋ ባርዕ ኣውቶቡስ ኣጋጢሙ

ሎሚ ፍርቂ መዓልቲ፡ ኣብ እስኪልስቱና ዝንቀሳቐስ ኣውቶቡስ፡ ዓቢ ናይ ባርዕ ሓደጋ ከምዘጋጠሞን ኩሎም ተጓዓዝቲ ተቐላጢፎም ብሰላም ከምዝወረዱን ተፈሊጡ። እቲ ኣጋጣሚ፡ ንመራሕ ኣውቶቡስ፡ ስንባደ ከምስዓበሉን ካልእ ዝጥቀስ ዝወረደ ማህሰይቲ ከምዘየለ TT ሓቢሩ። ኣገልግሎት መጥፋእቲ ሓዊ፡ ሓደጋ ባርዕ ከምዘጋጠመ ዝሕብር ጥርዓን፡ ከባቢ ሰዓት 12 ድ.ቐ. እኳ እንተበጸሖ፡ እቲ ኣውቶቡስ፡ ምሉእ ብምሉእ ንኽቃጸል ግን ሒደት ደቓይቕ ከምዝወሰደሉ  ተዓዘብቲ ሓቢሮም። ኣገልግሎት መጥፋእቲ ሓዊ፡ ነቲ …

Read More »

ኦስተርሹንድ፡ ክልተ ሰባት ብሓደጋ ባርዕ ሞይቶም

ትማሊ ንግሆ፡ ኣብ ሰሜን ሽወደን ዝርከብ ኣብ ኦስተርሹንድ ዝተባህለ ከባቢ፡ ሓደጋ ባርዕ ብምኽሳቱ ከም ሳዕቤኑ ድማ ክልተ ሰባት ምሟቶም ፖሊስ ሓቢሩ ክብል TT ኣቃሊሑ። እቲ ባርዕ ክሳብ ሰዓት 3 ድሕሪ ቀትሪ ይቕጽል እኳ እንተነበረ፡ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ከምዝኣተወን ናብ ካልእ ህንጻ ንኸይላባዕ ሓደጋ ከምዘየለን ኣባላት ኣገልግሎት መጥፋእቲ ሓዊ ድማ ክሳብ ሎሚ ንግሆ ክጸንሑ ምዃኖም ሓላፊት እቲ ኣሃዱ፡ ክሪስቲና ሄንሪክሶን፡ ገሊጻ። …

Read More »

ኣብ ደቡብ ስቶክሆልም ዝርከብ ህንጻ፡ ነትጒ ኣጋጢሙ

ትማሊ ምሸት ኣብ ከባቢ ሰዓት 5 ድ.ቐ. ኣብ ስኮግሁስ ሆዲንጌ፡ ደቡብ ስቶክሆልም፡ ዝርከብ ህንጻ ሓደጋ ነትጒ ኣጋጢሙ። ድምጺ ነትጒ ከምዝሰምዑን ካብ መሳኹቲ ናይ ሓደ ህንጻ ዒግ ዝብል ትኪ ይዕዘቡ ከምዘለዉን ዝሕብር ጥርዓናት ካብ ብዙሓት ሰባት ናብ ፖሊስ ከምዝተደወለ TT ሓቢሩ። ፖሊስ ምስ ኣገልግሎት መጥፋእቲ ሓዊ ኣብቲ ቦታ ከምተረኽቡን ንጠንቂ እቲ ፍጻሜ ንምፍላጥ  መርመራታት ከምዝጀመሩን ወሃቢት ቃል ፖሊስ ስቶክሆልም፡ ኣና ዌስትቤሪ፡ …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com