Friday , April 19 2024

ሓደጋ

ኣብ ልዕሊ ፖለቲከኛታት ዝወርድ ጽልኢ ንምንካይ ክስርሓሉ እዩ።

ኣብ ምምሕዳራት ከተማን ኣውራጃታትን ኣብ ልዕሊ ፖለቲከኛታት ዝወርድ ጽልኢ፥ ምፍርራህን ምንግልታዕን ንምምሕያሽ ሕጂ’ውን ገና ክስርሓሉ ከም ዝግባእ ተገሊጹ። ዝበዝሑ ካብዘን ትካላት ኣብ ልዕሊ ፖለቲከኛታት ዝወርድ ጽልኢን ምፍርራህን እንኣልየሉ ኣገባብ ኣሎና እኳ እንተበሉ ዝያዳ ስግኣታት ዝውገደሊ ኣገባብ ንምንዳይ ክስራሓሉ ከም ዝግባእ ማሕበር ኣመሓደርቲን ዞባታትን ንሬድዮ ሽወደን ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ኣመልኪቱ። “ምስ ኣድመጽቲ ደው ኢልካ ኣብ እትዘራረበሉ እዋን ምስ ፖለቲከኛታት ጽልኢ ዘለዎ …

Read More »

ሽወደን ምንስሓብ ሩስያ ኣገዳሲ ስጒምቲ ምዃኑ ገሊጻ።

ሩስያ ንዲፕሎማስያዊ ዘተ ዘርኣየቶ ቊሩብነት ከምኡውን ሰራዊታ ክትስሕብ ዝርርብ ምጅማራ ብኣዎንታ ከም እትርእዮ ሚኒስተር ጒዳያት ወጻኢ ሽወደን ኣን ሊንድ ገሊጻ። “እዚ ግርጭት ዝፍታሓሉ ኣዝዩ ሃናጺ መርገጺ እዩ። እንተኾነ ግና ምስ መርገጺኦም ብዝሰማማዕ ሰራዊት ሩስያ ካብቲ ቦታ ከንሳሕብ ንርእይ የሎናን” ክትብል ሊንደ ን ሬድዮ ሽወደን ኣብ ዝሃበቶ ቃል ሓቢራ። መንግስቲ ሽወደን ብዛዕባ ኣብ ማሊ ዝገብሮ ወተሃደራዊ ስርሒት ዝገልጽ ዜናዊ ሓበሬታ ሎሚ …

Read More »

ፕረሲደንት ፊንላንድ “ንፕረሲደንት ፑቲን ኣጸቢቐ እየ ዝፈልጦ፥ ንዩክሬይን እፈርሃላ ኣለኹ”።

ኣብ ጂኦፖለቲካ ምዕራባዊን ምብራቓዊን ዓለም ሰፊሕ ተመኲሮ ዘለዎ ፕረሲደንት ፊንላንድ ሳውሎ ኒኒስቶ ኣብ ጒዳይ ቅልውላው ዩክሬይን ሰላም ክሰፍን እዩ ዝብል ተስፋ ከም ዘይብሉ ምግላጹ ጋዜጣ New York Times ጸብጺባ። ምስ ፕረሲደንት ፑቲን ናይ ነዊሕ እዋን ፖለቲካዊ ተመኲሮ ከም ዘለዎ  ዝንገረሉ ኒኒስቶ ነቲ ብፕረሲደንት ፈረንሳ ኢማኑኤል ማክሮን ዝካየድ ዘሎ ዲፕሎማስያዊ ጻዕርታት ዘለዎ ኣድናቖት እኳ እንተገለጸ ምስ ፑቲን ካብ ዘለዎ ዕሙቕ ዝበለ …

Read More »

ኖርወይ፥ ሃድን ቶዂላ ደው ክብል ጻውዒት ቀሪቡ።

ሓምላይ ሰልፊ፥ ማሕበርነታዊ ጸጋማይ ሰልፊ ከምኡውን ሊበራዊ ሰልፊ ምስ እማመ ባይቶ ሰልፊ ከም ዝሰማምዑ ብምግላጽ ኣብ ልዕሊ ዞባ ቶዂላ ዝግበር ውጥን ሃድን ደው ክብል ሓቲቶም ኣለዉ። ኣብ ኖርዌይ እቲ ናይ ሃድን ግዜ ዳርጋ ተውዲኡ ክንሱ መንግስቲ ከናውሖ ይውጥን ምህላዉን እዚ ድማ ሎሚ ሰሉስ ውሳነ ክወሃበሉ ምዃኑን እዩ ዝግለጽ ዘሎ። ኣብዚ ቀዳመ ሰንበት ኣብ ከባቢ ኢንላንደት ከምኡውን ቪከን ብውሕዱ 10 ቶኹላ …

Read More »

ሽወደን ን ሽማግለታት ራብዓይ ዙር ክትባት ክወሃብ ተላብያ።

  ዕድሜኦም 80ን ልዕሌኡን ዝኾኑ ሽማግለታት ባህርያዊ ሕማም ናይ ምክልኻል ዓቕሞም መታን ከይጐድል ኻልኣይ ክትባት ኮቪድ-19 ክወስዱ ከም ዝግባእ ኤጀንሲ ህዝባዊ ጥዕና ሽወደን ትማል ሰኑይ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ሓቢሩ። ሓድሽ ጅር ኦሚክሮን ዘለዎ ፍጡን ናይ ምልባድ ተኽእሎ ኣብ ግምት ዘእተወ ለበዋ ምዃኑ እውን ተገሊጹ። እዚ ለበዋ ንዂሎማ ኣብ መእለዪ ትካላት ከምኡውን ሓገዝ እናተገብረሎም ኣብ ኣባይቲ ኣገልግሎት ዝቕመጡ ሰባት’ውን እዚ ሓገዝ …

Read More »

ሰራሕተኛታት ሕ. መ. ኣ. ኣብ ሃገረ የመን ተጨዉዮም

ሓሙሽተ ሰበ – ስልጣን ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኣብ ደቡባዊ የመን ተጨውዮም፣ ክብል ግልጋሎት ዜና ፈረንሳ ኣፍሊጡ። ብመሰረት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ናይ ብስራሕ ኮለላ መሮር ኣገልግሎት ተልእኾ ድሕሪ ምፍጻሞም ናብ ከተማ ዓደን ኣብ ዝምለስሉ እዋን እዮም ዛጊት መንነቶም ብዘይተፈለጡ ጉጅለ ተጨዉዮም። ው. ሕ. ሃ. ንኩነታትን ዝፍትሕሉ ኣገባባትን፣ ምስ ሰበ – ስልጣን ናይቲ ኣብ ዓደን ዘሎ መንግስቲ ብዝላዓለ ደረጃ ይሰርሕ ከምዘሎ ኣፍሊጡ …

Read More »

ሽወደን ዜጋታታ ካብ ዩክሬይን ክወጹ ጸዊዓ።

ሚኒስትሪ ጒዳያት ወጻኢ ሽወደን ዜጋታቱ ካብ ዩክሬይን ክወጹ ጸዊዑ። ኤምባሲ ሽወደን ኣብ ኪዬቭ ሽወደናውያን ብህጹጽ ካብታ ሃገር ክወጹ ሓጺር መልእኽቲ ከመሓላልፍ ምዃኑ ኣፍሊጡ’ሎ። ኣብ ዩክሬይን ካብ 200-300 ዝኾኑ ዜጋታት ሽወደን ክህልዉ ከም ዝኽእሉ ኤምባሲ ሽወደን ኣብ ኪዬቭ ይሕብር። ኣብ ዩክሬይን ብሰንኪ ተኸሲቱ ዘሎ ቅልውላው ሚኒስትሪ ጒዳያት ወጻኢ እውን ዜጋታቱ ካብታ ሃገር ክወጹ ብሰንበት መጠንቀቕታ ምትሕልላፉ ኖርዌይ ቱደይ ጸብጺቡ።

Read More »

ሰራሕተኛታት ዝያዳ ናጽነት ይደልዩ ኣለዉ ።

ድሕሪ እቲ ብሰንኪ ለበዳ ተነቢሩ ዝነበረ ኩሉ ቀይድታት ምልዓሉ እቲ ህይወት ኣብያተ ጽሕፈት፣ ከምቲ ቕድሚ እቲ ለብዒ ዝነበረ ኣይኪኸውንን እዩ ክብል ሓደ መጽናዕቲ ኣመልኪቱ። ብመሰረት እቲ ወግዓዊ ዝኾነ መጽናዕቲ ከምዘመልከቶ፣  ሰራሕተኛታት ኣበይ ከም ዚሰርሑን መዓስ ከም ዚሰርሑን ባዕሎም ኪውስኑ ስለ ዚደልዩ እቲ ለብዒ ንጹር ጽልዋ ገሩ ከምዘሎ ዘመልክት ከምዝኾነ ይሕበር ። ሓደ ካብቶም ኣዝዮም ገኒኖም ዘሎዉ ጠለብ ወሃብቲ ስራሕ ተዓጻጻፍነት …

Read More »

ዩክሬይን ምስ ሩስያ ክትራኸብ ጻውዒት ኣቕሪባ።

ኣብ ዶባ ተኸሲቱ ዘሎ ጸጥታዊ ቅልውላው ኣመልኪታ ምስ ሩስያን ካልኦት ወሰንቲ ኣባላት ጒጅለ ጸጥታ ኣውሮጳን ርክባት ክግበር ጸዊዓ። ሩስያ ኣብ ዶባት ዩክሬይን ገዚፍ ሰራዊት ዘጸግዓትሉ ወግዓዊ ምኽንያት ምንጋር ምእባያ ሚኒስተር ጒዳያት ወጻኢ ዩክሬይን ድሚትሮ ኩሌባ ኣመልኪቱ። እዚ ኣብ ዝኾነሉ ኲነታት ዘሎ ብሕታዊ ኣማራጺ ኣብ ዝቕጽል 48 ሰዓታት ንተግባራት ሩስያ ብግልጽነት ዝዝቲ ኣኼባ ምጽዋዕ እዩ ኢሉ’ሎ። ሩስያ 100 ሽሕ ዝግመት ሰራዊት …

Read More »

ኖርዌይ፥ መጠንቀቕታ ውርጪ ተመሓላሊፉ።

ኣብ ቡስከሩድ፥ ኦስሎ፥ ኣኸርሹስ፥ ኦፕላንድ፥ ሄድማርክ ከምኡውን ገለ ክፋላት ተለማርክ ክሳብ 25 ሰንቲሜትር ዝኸውን ርጒዲ ዘለዎ ውርጪ ክኽሰት ከም ዝኽእል ማእከል ሜትሮሎጂ ኖርዌይ ኣጠንቂቑ። ሎሚ ሰኑይ እዚ ውርጪ ኣብ ልዕል ዝበሉ ከባቢታት ካብ 5-25 ሰንቲሜትር ክረጒድ ከም ዝኽእል ዝሓበረ ኖርዌይ ቱደይ ኣብ ካልእ ከባቢታት እቲ መጠን ርጒዲ ክዛይድ እዩ ክብል ወሲኹ ሓቢሩ’ሎ። እዚ ውርጪ ሰኑይ ሰዓት 1 ጀሚሩ ድሕሪ 24 …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com