Friday , March 29 2024

ሓደጋ

ኣገልግሎት መጥፋእቲ ሓዊ ናብ ተቐማጦ Hässleholm ምምሕዳር ከተማ ደቡባዊ Skåne ቀልጢፎም ካብቲ ቦታ ክግዕዙ ኣመሓላሊፉ።

እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት ኣብ ሰሜናዊ ምዕራብ Åbuamossen  ኣብ መንጐ ጎደና ምዕራብ 1940 ከምኡ’ውን ጎደና ሰሜን 1941 እሳት ብምልዓሉ እዩ።፡ ብሬድዮን ተሌቪዥንን ካላ መራኸቢ ብዙሃንን እተመሓላለፈ መልእኽቲ ከም ዘነጽሮ ፖሊስ ኣብዚ ከባቢ ዝነብሩ ሰባት ብኣግኡ ክግዕዙ ንምግባር ተጊሆም ይንቀሳቐሱ ኣለዉ። ብመሰረት እቲ ጻውዒት ሰባት ብቕጽበት ናብቲ ምምሕዳር ከተማ ኣዳልይዎ ዘሎ ኣብ Hästveda ዝርከብ Hantverksgården ክኸዱ ኣተሓሳሲቦም ኣለዉ።

Read More »

ኣብ ብዙሓት ጫካታት ሽወደን ባርዕ ሓዊ ተኸሲቱ።

ትማል ለይቲ ኣብ ብዙሓት ከባቢታት ደቡባዊ ሽወደን ባርዕ ሓዊ ከም እተኸስተን ናብ Götalandን Svealandን ከስፋሕፍሕ ከም ዝኽእል ተገሊጹ። ብምኽንያት ዓሚ ዝተኣከበ ኣቚጽልትን ንቁጽ ሳዕርን ባርዕ ጫካ ከጋጥም ከም ዝኽእል ኣገልግሎት ሜትሮሎጂ ሽወደን ብተደጋጋሚ ክሕብር ጸኒሑ እዩ። ብመሰረት TT ብረቡዕ ዘውጽኦ ጸብጻብ መጥፋእቲ ሓዊ ምሉእ ለይቲ ነቲ ሓዊ ከይላባዕን ንምጥፋእን ክቈጻጸሩ ይንቀሳቐሱ ኣለዉ። ካብ Hästveda ወጻኢ ኣውራጃ Hässleholm ኣርባዕተ ስድራ ሓዊ …

Read More »

ፖሊስ ብዛዕባ ኣብ Sätra ዝተፈጸመ ቅትለት ዝያዳ መብርሂ ሂቦም።

እዞም መንእሰያት ብበርክት ዝበለ ጠያይት ኣብ ኣራእሶም ተሃሪሞም እዮም ተረኺቦም። ሓደ ካባታቶም ከኣ ተወሳኺ ናይ ስሕለት መጥቃዕቲ ከም ዝወረዶ ዘመልክት ቊስሊ ከም እተረኽቦ ተፈሊጡ። ሬሳታቶም ኣብ ትሕተ ህንጻ መኻዚኖ Sätra ከም እተረኽበ ኸኣ ተገሊጹ። ከምዚ ዝበለ ጎነጽ ከጋጥም ኣብዚ ሰሙን ንኻልኣይ ግዜኡ እዩ። እዞም ሬሳታት ካብ ዝሞቱ ብዙሕ ሰዓታት ምስ ገበሩ እዮም ብፖሊስ ተረኺቦም። መወትቲ ቅድሚ ሕጂ ዝኾነ ናይ ገበን …

Read More »

ዜናታት ሽወደን ብትግርኛ ዓርቢ 22 መጋቢት 2019 Swedish News on Tigrigna

Read More »

ፖሊስ ሽወደን ን 6 ሰባት ከሲሱ።

ኣብ ከተማ ስቶክሆልም ከባቢ ፍሩዊንገን (Fruängen) ብዘጋጠመ ሓደጋ ዓባይ መኪና መራሒ እታ ዓባይ መኪና ብኡ ንብኡ ክመውት ከሎ ብዙሓት በቲ ከባቢ ዝሓልፉ ዝነበሩ ዘወርቲ መካይንን ብእግሮም ዝጉዓዙ ዝነበሩ እግረኛታትን ነቲ ሓደጋ ብሞባይል ቴለፎን ክስእልዎ ምርኣዩ ኣዝዩ ከምዘሕዘኖን ን6 ካብቶም ሰባት ከኣ ክሲ ከምተመስረተሎም ሓላፊ ፖሊስ እቲ ከባቢ ዝኾነ ፊሊፕ ሩንድበርግ፣ ገሊጹ። ካብዞም ክሲ እተመስረተሎም 6 ሰባት 3 መኪና እንዳዘወርካ ሞባይል …

Read More »

ሴነጋላዊ መበቈል ዘለዎ ኢጣልያዊ ዘዋር ኣውቶቡስ 50 ቆልዑ እተሳፈርዋ መኪናኡ ብምብራዑ ተኣሲሩ።

ሴነጋላዊ መበቈል ዘለዎ ኢጣልያዊ ዘዋር ኣውቶቡስ 50 ቆልዑ እተሳፈርዋ መኪናኡ ብምጭዋይን ነቶም ዝኣሰሮም ቆልዑ ክቐትሎም ምዃኑ እናፈራርሀን ነታ መኪና ብምብራዑን ብረቡዕ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ምእታዉ ተገሊጹ። 47 ዓመት ዝዕድሜኡ ነቶም ካብ ሊብያ እናተበገሱ ሜድቴራንያን ኣቋሪጾም ናብ ኣውሮጳ ምእታው ዘይካኣሉ ኣሽሓት ኣፍሪቃውያን ሕነ ንምፍዳይ ኢሉ ዝገበሮ ምዃኑ ተዛሪቡ። “ማንም ዝድሕን የለን” ምባሉ’ውን ፖሊስ ገሊጾም። “ኣብ ባሕሪ ዘጋጥም ዘሎ ሞት ስደተኛታት ደው …

Read More »

ናይ መወዳእታ ቃል ፓይሎት ኢትዮጵያ “ሰርዝ ሰርዝ”

ዋንነታ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ዝኾነት ቦይንግ 737 ማክስ 8 ድሕሪ ናይ ሽዱሽተ ደቓይቕ በርራ ኣብዚ ሰሙን ተሓምሺሻ። ብመሰረት ጋዜጣ ኒውዮርክ ታይምስ ድሕሪ ሰለስተ ደቓይቕ ፓይሎት ናብ ኤርፖርት ክምለስ ሓቲቱ ምንባሩ ገሊጹ። ወዲ 29 ዓመት ያሬድ ጌታቸው ቅድሚ ሕጂ 8000 ሰዓታት ምብራሩን ኣብዛ ትራጂካዊት መዓልቲ ድሕሪ ናይ ሰለስተ ደቓይቕ በረራ ናብ ቦሌ ኤርፖርት ክምለስ እናደለየ ብናይ በረራ ፍጥነት ኣብ ባይታ ተሓምሺሻ። …

Read More »

በዓልቲ ቤቱ እኳ እንተተቐትለት ንቐታሊ ይቕረ ከም ዝብለሉ ፋሪዝ ኣሕመድ ገሊጹ።

ብዓርቢ ኣብ ክራይስትቸርች ኣብ ዝተኻየደ ጃምላዊ መቕተልቲ ኣስላም ብህይወቱ ዝወጸ ሰብ በዓልቲ ቤቱ እኳ እንተተቐትለት ንቐታሊ ይቕረ ከም ዝብለሉ ገሊጹ። ፋሪዝ ኣሕመድ ካብዚ መጥቃዕቲ ካብ ብሱል ጥረ ዝወጸ ኮይኑ በዓልቲ ቤቱ ግና ግዳይ ኮይና እያ። ጓል 44 ዓመት ሖስና ኣሕመድ ነቲ ብዊልቼር ዝንቀሳቐስ በዓልቤታ ንምድሓን ናብቲ መስጊድ እናኸደት እያ ተቐቲላ። ንቐታሊ ይቕረ ከም ዝብለሉን ዱዓ ከም ዝገብረሉን ከኣ ገሊጹ’ሎ።

Read More »

ኣብ 2 መሳጊድ ኒውዚላንድ 49 ሰባት ምሟቶም ተገሊጹ።

ኣብ ክራይስትቸርች ኒውዚላንድ ኣብ ክልተ መሳጊድ ብዝተገብረ ናይ ተዂሲ ኣርብዓን ትሽዓተን ሰባት ምሟቶምን እዚ ኣብ ታሪኽ እታ ሃገር እተራእየ ዝዓበየ ህልቂት ምዃኑን ተገሊጹ። ቀዳማይ ሚኒስተር ጃኪንዳ ኣርደን ነዚ ተግባር ግብረሽበራዊ ድሕሪ ምባል ኣብ ታሪኽ ኒውዚላንድ ጸልማት መዓልቲ እያ ኢላ። ኣውስትራልያዊ እየ በሃላይ ዕጡቕ ኣብ ፌይስቡክ ኣብ ዝለጠፎ ሓበሬታ ዓሌታውን ጸረ-ስደተኛታትን መልእኽቲ ብቐጥታ ኣመሓላሊፉ’ሎ። እዚ ሰብ ኣብ ዕስራታት ዕድመ ዝርከብ ኮይኑ …

Read More »

17 ሓደጋታት ኣብ ሓደ መዓልቲ

ፖሊስ ሽወደን ሕማቕ ኲነታት ኣየር ብሰሉስ ንግሆ ን17 ሓደጋታት ምኽንያት ምዃኑ ገሊጾም። ትማሊ ጥቓ ኡፕሳላ ብዘጋጠመ ዘሰክሕ ሓደጋ ሰለስተ ክሞቱ እንከለዉ ሓደ ድማ ከቢድ መቚሰልቲ ኣጋጢምዎ’ሎ። መብዛሕትኦም ሎሚ ዘጋጠሙ ሓደጋታት ካብ መንገደን ወጻኢ ብዘንደልሃጻ መካይንን ኣብ ጠርዚ ጽርጋያ ዝህሉ ጐዳጒዲን ዝተፈጥረ ኮይኑ። ካልኦት ድማ ኣን መነጐ ናይ ጽዕነት መካይንን ናእሽቱ መካይንን ብዘጋጥም ምጒናጽ እዩ። ሎሚ ድሕሪ ቀትሪ ዘጋጠመ ሓደጋ የለን …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com