Friday , March 29 2024

ሓደጋ

ንገበነኛታት ንምስጓጒ ዘኽእል እማመ ቀሪቡ።

  ዜጋታት ሽወደን ዘይኮኑን ብገበኖም ዝተፈርዱን ሰባት ብቐሊሉ ንምስጋጒ ዘኽእል እማመ ብመንግስቲ ቀሪቡ። ሚኒስተር ምውህሃድን ስደትን ኣንድረ ይገማን ዝሓለፈ ዓርቢ ኣብ ዝሃቦ መገለጺ እዚ እማመ ኣብ ክንዲ በዚ ክሳብ ሕጂ ዘሎ ናይ ሓደ ዓመት ገበን ን 6 ወርሒ እውን እተፈርዱ ዘይሽወደናውያን ገበነኛታት ካብታ ሃገር ንኽስጐጒ ዓቕሚ ዝህብ ክኸውን እዩ። ብፍላይ ከም ኣብ ልዕሊ ቆልዑ ዝወርድ በደል ዝመሰሉ ገበናት ንምስጓጒ እኹላት …

Read More »

ብዓሌታዊ ጽልኢ ዝጠንቁ መጥቃዕቲ ዝፈጸመ ሰብ ተፈሪድዎ። 

ኣብ ላንድቨተር ሓደ ወዲ 5 ዓመት ሰብኣይ ንሓደ ወዲ 30 ዓመት ብተኹሲ ብረት ዝፈጸመሉ መጥቃዕቲ ብናይ ኣርባዕተ ዓመትን ፈረቓን ማእሰርቲ ክቕጻዕ ከምዝተወሰነ ተሓቢሩ።  እቲ ተኳሳይ ዋላ እኳ ብጌጋ ተኩሱ ንግዳይ ከምዝሃረሞ እንተተኣመነ፣ ኣብ እዋን ፍጻሜ ግዳይ ተሃሪሙ ኣብ ዝወደቐሉ እዋን ስለምንታይ ኢሎም ንዝሓተተዎ መቕርብ ናይቲ ብጥይት ዝተሃሰየ ግዳይ፣ ብሕብሮምን ዓሌቶምን ከምዝዘሎፎምን ዘዋረዶምን ብምስክርነት ከምዝተረጋገጸ ነቲ ጉዳይ ዝሓዘ ኣኽባር ሕጊ ኣፍሊጡ።  …

Read More »

ኣብ ኮንጎ: ብሰንኪ ምውዳቕ ገመድ ኤለትሪክ፡ 26 ሰባት ሞይቶም

ኣብ ርእሰ ከተማ ኮንጎ ኪንሻሳ (DR Congo) ኣብ ማእከል ዕዳጋ ብሰንኪ ዝወደቐ ገመድ ኤሌክትሪክ፡ ብውሕዱ 26 ሰባት ከም ዝሞቱ ተገሊጹ። እዚ ትማሊ ረቡዕ ኣብ ማእከል ዕዳጋ ዘጓነፈ ምውዳቕ ገመድ ኤሌክትሪክ፡ ልዑል መጠን ቦልቴጅ ተጻዒንዎ ምንባሩ ጸብጻብ ቢቢሲ ወሲኹ ገሊጹ። ኣብቲ ዕቋር ማያት እቲ ዕዳጋ፡ ሰባት ወዲቖም ዘርኢ ስእልታት፡ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ተዘርጊሖም ኣለዉ። እቲ ገመድ ኤሌክትሪክ፡ ብከመይ ወዲቑ ዛጊት እኳ …

Read More »

ኡጋንዳ . . . ሓደ በጻሒ፡ ብሓርማዝ ተቐቲሉ

ኣብ ኡጋንዳ፡ ናብ መካነ እንስሳ ዘገዳም ምብጻሕ ዝፍጽም ዝነበረ ቱሪስት፡ ካብ መኪናኡ ብምውራዱ ብሓርማዝ ተረጊጹ ህይወቱ ከም ዝሓለፈ ተገሊጹ። እዚ ዜጋ ናይ ስዑዲ ዓረብ ዝኾነ በጻሓይ፡ ምስ ብጾቱ ብምዃን ኣብ ኣሩዋ ኣብ ዝርከብ መንጫዕጫዕታ ሃገራዊ ፓርክ ጸኒሖም፡ ዕረፍቲ ኣብ ዝወስዱሉ ዝነበሩ እዋን እዩ እቲ ድንገት ኣጓኒፍዎ። ዕስለ ሓራምዝ፡ ናብ መዋታይን ብጾቱን ሓደጋ ምስ ወደቕዎም፡ ፋሕ ኢሎም ክሃድሙ ኣብ ዝፈተኑሉ እዋን …

Read More »

ዋንጫ ኣፍሪቃ . . . ኣብ ስታድዬም ካሜሩን ብዘጋጠመ ጽቅጥቅጥ፡ ሰባት ይሞቱ

ኣብ ስታድዬም ካሜሩን ኣብ ዝካየድ ዘሎ ግጥም ዋንጫ ኣፍሪቃ ብዘጋጠመ ጽቕጥቅጥ፡ ብውሕዱ 8 ሰባት ምሟቶምን ብዓሰርተታት ዝቚጽሩ ድማ ከም እተጐድኡን ተገሊጹ። ኣብ ርእሰ ከተማ ካሜሩን፡ ያውንዴ፡ ኣብ ዝርከብ ፖል ቢያ ስታድዬም ንምእታው፡ ሰባት ክጸቓቐጡ ዘርኢ ናይ ቪድዮ ምስሊ ተፈንዩ’ሎ። ብሰንኪ እዚ ትራጀዲ ካብ ዝሞቱ ሰባት ሓደ ህጻን ምዃኑ ንሚኒስትሪ ጥዕና እታ ሃገር ብምጥቃስ AFP ጸብጺቡ’ሎ። ብዘይካ’ዚ፡ ብዓሰርተታት ዝቚጸሩ ካልኦት ህጻናት …

Read More »

ጋና . . . ብሓደጋ ምፍንጃር: 17 ሰባት ሞይቶም 

ኣብ ደቡባዊ ምዕራብ ጋና: ኣብ ጥቓ ማእከል ዕደና ብዘጋጠመ ምፍንጃር: 17 ሰባት ምሟቶም ሰብመዚ እታ ሃገር ገሊጾም። እቲ ሓደጋ: ንዕደና ዝኸውን ተፈንጀርቲ ባእታታት ጽዒና ዝነበረት ተሽከርካሪት ምስ ሞተርሳይክል ብምግጫዋ ከም ዝሰዓበ ፖሊስ እታ ሃገር ገሊጾም ኣለዉ። ስእልታት እቲ ብትኪ ዝተዓብለኸ ከባቢ፥ ኣካላት ግዳያትን እቲ ተፈንጀርቲ ዝፈጠሮ ጒድጓድን ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ብብዝሒ ይዝርግሑ ኣለዉ። ብሰንኪ እዚ ሓደጋ: ቦጎሶ: ከተማ ደቂሕድርትና እያ …

Read More »

ኣብ ማልመ፡ ብርክት ዝበላ ጀላቡ፡ ብሓዊ ተቓጺለን

ትማሊ ሰሉስ ምሸት፡ ኣብ ማልመ ድሕሪ ኣብቲ ነኣሽቱ ጃላቡ ዝዕሽጋሉ ሊምሃልምን ተባሂሉ ዝጽዋዕ ቦታ፡ ብሰንኪ ዝተፈጥረ ነትጒ ኣብኡ ዝነበራ ጀልባታት ብሓዊ ከምዝተባረዓ ተፈሊጡ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ። ኣብቲ ከባቢ ዝነብሩ ሰባት፡ ብሰንኪ እቲ ትኪ፡ ካብ ገዝኦም ንኸይወጹ ተነጊሩዎም ነይሩ። “እቲ ናባና ዝደወለ ሰብ፡ ነትጒ ከም ዝሰመዐን ብድሕሪኡ ድማ ሓዊ ክቃጸል ከም ዝጀመረን ሓቢሩና። ንሕና ጠንቂ ናይቲ ነትጒ፡ እንታይ ምዃኑ …

Read More »

ኣብ E4: ንሓደ በዓል መኪና ክሕግዝ ዝፈተነ ሰብኣይ: ንባዕሉ ተገጭዩ

ሓደ ኣብ ክሊ ዕድመ 20 ዓመት ዝርከብ ሰብኣይ: ኣብቲ ኣብ ሞንጎ ቬርናሞን ዮንሾፒንግን ዝርከብ መንገዲ መስመር E4 ተባሂሉ ዝፍለጥ ጎደና ብመኪና ድሕሪ ምውቅዑ ናብ ሕክምና ከምዝተወስደ ፖሊስ ኣፍሊጡ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ። እቲ ሓደጋ: ብቐዳም: ኣጋ ሰዓት ክልተ ድሕሪ ቕተሪ ኣቢሉ እዩ ኣጋጢሙ። እቲ ሰብኣይ ንሓደ ካብ ካሊእ ቦታ ናይ ዝመጸ በዓል መኪና ንኽሕግዞ ኣብ ዝፍትነሉ እዋን እዩ እቲ ሓደጋ …

Read More »

ሩዋንዳ . . . ብስንኪ ዝተጸምቈ ስዋ ባናና: 11 ሰባት ሞይቶም

ኣብ ደቡባዊ ምብራቕ ሩዋንዳ: ኣውራጃ ቡጌሰራ: ንበዓል ክሪስማስ ተባሂሉ እተዳለወ ስዋ ባናና ብምስታዮም 11 ከም ዝሞቱ ትካል መርመራ እታ ሃገር ኣረጋጊጹ። ኣርባዕተ ካልኦት ድማ ኣብ ሆስፒታል ሕክምና ይከታተሉ ምህላዎም እቲ ዜና ወሲኹ ኣረዲኡ። ኣብ ጨጎራ እዞም ግዳያት ልዑል መጠን ኤታኖል እተባህለ ከሚካል ከም እተረኽበን ምኽንያት ሞቶም እዚ እዩ ተባሂሉ ከም እተደምደመን በዓልመዚ መግቢን መድሃኒትን ሩዋንዳ ገሊጹ’ሎ። ንኣዳላዊ እቲ መስተ ሓዊስካ …

Read More »

ደቡብ ኣፍሪቃ፥ ናብ ህንጻ ባይቶ: ሓዊ ዘሳወረ ሰብ ተታሒዙ

ኣብ ከተማ ኬፕታውን ኣብ ዝርከብ ህንጻ ባይቶ ደቡብ ኣፍሪቃ: ባርዕ ብምስዋር ዕንወት ዘውረደ ዜጋ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ምእታዉ ካብታ ሃገር ዝተረኽቡ ምንጪታት ኣመልኪቶም። እዚ ዜጋ: ባርዕ ብምስዋር፥ ቤት ሴርካ ብምእታውን ስርቅን ክሲ ቀሪብሉ ምህላዉን ጽባሕ ሰሉስ ቤት ፍርዲ ክቐርብ ምዃኑን ኣፈኛ ፖሊስ ገሊጹ’ሎ። ሰራሕተኛታት ባርዕ ሓዊ: ነቲ ባርዕ ንምጥፋእ: ሰዓታት ከም ዝወሰደሎም ጸብጻብ BBC ኣመልኪቱ። ፕረሲደንት ደቡብ ኣፍሪቃ: ሲሪል ራማፎሳ: …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com