Thursday , March 28 2024

ሓደጋ

ኣመሪካ: ብሰንኪ ባርዕ ኮሎራዶ: ዓሰርተታት ኣሽሓት ይግዕዙ

ኣብ ስቴት ኮሎራዶ ብሰንኪ ዘጋጠመ ባርዕ: ኣማኢት ኣባይቲ ክቃጸል እንከሎ: ዓሰርተታት ኣሽሓት ተቐማጦ ድማ ናብ ካልእ ከባቢ ከም ዝግዕዙ ይግበ ምህላዉ ተገሊጹ። እዚ ብፍጥነት ዝሳወር ዘሎ እሳት ብፍላይ ካብ ደንቨር ንሰሜን ቦልደር ካንትሪ ኣበርቲዑ ይቃጸል ምህላዉ ቢቢሲ ሓቢራ። እዚ እሳት እናተላብዐ ምስ ምኻዱ ሞትን መጒዳእቲ ኣካልን ክስዕብ ከም ዝኽእል ሰብመዚ ይገልጹ ኣለዉ። ከም ኣካል ናይዚ ምግዓዝ ትማል ሓሙስ 3000 ተቐማጦ …

Read More »

ሱዳን . . . ኣብ መዐደኒ ቦታ ብዘጋጠመ ሓደጋ፡ ብርክት ዝበሉ ሰባት ሞይቶም

ከም ጸብጻብ እቲ ናይ ዕደና ስራሓት ዘመሓድር ብመንግስቲ ዝውነን ኩባንያ መሰረት፡ ብሰሉስ ኣብ ሓደ ወርቂ ዝዕደነሉ ስፍራ ብዘጋጠመ ምፍራስ ናይቲ ጎዳጉዲ፡ እንተወሓደ 31 ዝኾኑ ዓደንቲ ክሞቱ ከለው 8 ሰባት ድማ ክሳብ ሕጂ ከምዘይተረኽቡ ተፈሊጡ። እቲ ሓደጋ፡ ካብ ዋና ከተማ ካርቱም ንምዕራብ ገጽ ኣስታት 500 ኪ/ሜ ርሒቓ ኣብ ትርከብ፡ ኑሁድ ኣብ ጥቓ ትባሃል ከተማ ብዘጋጠመ ሓደጋ ኾይኑ፡ ድሕሪ እቲ ሓደጋ፡ ሓደ …

Read More »

ፓኪስታን: ኣብ ባንክ ብዘጋጠመ ምፍንጃር: 14 ሰባት ሞይቶም

ኣብ ደቡባዊ ፓኪስታን ኣብ እትርከብ ከተማ ካራቺ: ኣብ ሓደ ባንክ ብዘጋጠመ ምፍንጃር: ብውሕዱ 14 ሰባት ከም ዝሞቱ ፖሊስ እታ ሃገር ገሊጾም። ብሰንኪ ካብ ፈሳሲ ጒሓፍ ዝለሓዀ ጋዝ ዘጋጠመ እዚ ምፍንጃር: ብርክት ዝበሉ ካልኦት መቚሰልቲ ኣጋጢምዎ ኣሎ። ብሰንኪ እቲ ምፍንጃር ዘስዓቦ ምፍራስ ህንጻ ብዙሓት ሰባት ብፍርስራስ ተጸቒጦም ምንባሮም መሰኻኽር ዓይኒ ገሊጾም ኣለዉ። ኣብ ከባቢ ሓቢብ ባንክ ዝነበሩ መሳዂቲን መዓጹን ከምኡን ተሽከርከርቲ …

Read More »

ኣውስትራልያ . . . ሓሙሽተ ቖልዑ፡ ብሰንኪ ህቦብላ ሞይቶም

ኣብ ኣውስትራልያ ብሰንኪ ሓደጋ ህቦብላ ንፋስ፡ ኣብ ናይ ፕላስቲክ መጻወቲ ቤት፡ ካብ ዝዘናግዑ ዝነበሩ ህጻናት፡ ሓሙሽተ በቲ ሓደጋ ምሟቶም፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣውስትራልያ፡ ስኮት ሞሪሰን፡ ገሊጹ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ። እቲ ማዕበል ንፋስ፡ ነቲ ናይ ፕላስቲክ ቤት፡ ካብ መሬት ቀንጢጡ ናብ 10 ሜትሮ ብራኸ ድሕሪ ምንስፋፉ፡ እቶም ኣብኡ ዝጻወቱ ዝነበሩ ቆልዑ፡ ካብቲ ብራኸ ናብ መሬት ከምዝወደቑ ተፈሊጡ። በዚ ድማ ሓሙሽተ …

Read More »

ጃፓን . . . ብሰንኪ ሓደጋ ባርዕ፡ 27 ሰባት ሞይቶም

ኣብ ኦሳካ፡ ጃፓን፡ ብሰንኪ ኣብ ሓደ ህንጻ ዝተኸስተ ባርዕ፡ 27 ሰባት ምሟቶም ተገሊጹ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ። እዚ ሓደጋ ባርዕ፡ ኮነ ተባሂሉ ብሰብ ዝተሳወረ ድዩ ወይስ ካልእ ንምጽራይ፡ ፖሊስ ኣብ መርመራ ምህላዎም NHK ዝተባህለ ማዕከን ዜና ሓቢሩ። ኣባላት መጥፋእቲ ሓዊ፡ ነቲ ኣብ ራብዓይ ደርቢ እተኸስተ ባርዕ ድሕሪ ምጥፍኦም በቲ ባርዕ ዝጠቀረ መሳዂቲን መናድቕን እቲ ህንጻ ዘርኢ ደረቕን ተንቀሳቓሲን ስእሊታት …

Read More »

ኣመሪካ . . . ቁጽሪ ግዳያት ህቦብላዊ ማዕበል፡ ካብ 100 ክሓልፍ ከም ዝኽእል ተገሊጹ

ብሰንኪ ኣብ ከተማታት ኬንታኪ ዘጋጠመ ሓያል ህቦብላዊ ማዕበል፡ መጠን ሞት፡ ካብ ሚእቲ ክሓልፍ ከም ዝኽእል ኣመሓዳሪ እታ ስቴት ገሊጹ። እዚ እናኾነ፡ ብህይወቶም ዝተረፉ ሰባት ናይ ምርካብ ተስፋ እናተጸንቀቐ ምምጽኡ እቲ ኣመሓዳሪ ወሲኹ ኣረዲኡ። እዚ ኣብ ታሪኽ እታ ስቴት ዝተመዝገበ ዝኸፍአ ባህርያዊ ሓደጋ ምዃኑ ዝገለጸ፡ ኤንዲ በሽር፡ ብውሕዱ 80 ሰባት ምሟቶም ከም እተረጋገጸ ወሲኹ ኣረዲኡ። ንሱ “ኣብ ቅድሚ እቲ ማዕበል ደው …

Read More »

ጆ ባይደን፡ ብህቦብላዊ ማዕበል ንዝተሃስያ ስቴታት፡ ክሕግዝ ምዃኑ ቃል ኣትዩ

ፕረሲደንት ኣመሪካ፡ ጆ ባይደን፡ ነተን ብህቦብላዊ ማዕበል ዝተሃስያ ማእከላይ ስቴታት ኣመሪካ ንምሕጋዝ ኲሉ ዝኽእሎ ክገብር ድሉው ምዃኑ ገሊጹ። ንሱ ኣዋጅ ናይ ህጹጽ እዋን ሓደጋ ፈደራል ብምኽታም ነታ በዚ ባህርያዊ ሓደጋ ኣመና ዝተሃስየት ኬንታኪ፡ ማዕከን ፈንዩላ’ሎ። እዚ ህቦብላዊ ማዕበል ንፋስ፡ ኣብ ኣመሪካ ካብ ዘጋጠሙ ተመሳሰልቲ ሓደጋታት እቲ ዝኸፍአ እዩ ተባሂሉ’ሎ። ኣብዚ ብቕድሚ ትማሊ ዘጋጠመ ማዕበል ኣብ ኬንታኪ ፋብሪካ ሽምዓ ዝነበሩ ልዕሊ …

Read More »

ሜክሲኮ . . . ብሓደጋ መኪና፡ ብውሕዱ 53 ስደተኛታት ሞይቶም

ኣብ ደቡባዊ ሜክሲኮ ብዘጋጠመ ሓደጋ መኪና፡ 53 ተሳፈርቲ ክሞቱ እንከለዉ ዓሰርተታት ድማ ጒድኣት ከም ዝበጽሖም ሰብመዚ እታ ሃገር ገሊጾም። እታ መኪና ካብ ዓቕማ ንላዕሊ ካብ ሚእቲ ዝበዝሑ ካብ ማእከላይ ኣመሪካ ዝተበገሱ ስደተኛታት ጽዒና ምንባራ ዝጠቐሰ እቲ ሓበሬታ ኣብ ቺያፓስ ምስ በጽሐት ከም እተገምጠለት ወሲኹ ኣረዲኡ። ኣብ ጥቓ እታ እተገምጠለት መኪና ኣካላት ግዳያት ፋሕ ኢሉ ዘርኢ ስእልታት ድሮ ተዘርጊሑ ኣሎ። ብጻዕዳ …

Read More »

ሓደጋ ሞት፡ ዘይሕጋውያን ስደተኛታት ኣብ መትረብ እንግሊዝ

ድሕሪ እቲ ኣብ መትረብ እንግሊዝ (ናይ እንግሊዝ ካናል) ዘጋጠመ ሓደጋ፡ ቁጽሪ ናይ ምውታት እንዳወሰኸ ይመጽእ ኣሎ። ብውሑዱ 27 ዝኾኑ ስደተኛታት ካብታ ካላይስ ተባሂላ እትጽዋዕ ናይ ፈረንሳይ ወደብ ውጽእ ኢልካ ኣብ ዝርከብ ቦታ ከምዝጠሓሉ ተፈሊጡ’ሎ። እዚ ሓደጋ’ዚ ስደተኛታት ካብ ፈረንሳይ ናብ ሃገረ እንግሊዝ ክስደዱ ካብ ዘጋጠሙ ፈተነታት እቲ ዝዓበየ እዩ። እቶም ኣብቲ ዝሑል ዝኾነ መትረብ እንግሊዝ ብሰንኪ ምጥሓሎም ዝሞቱ ሰባት፡ ብሓደ …

Read More »

ቡልጋርያ .. . . ብሓደጋ ባርዕ ኣውቶቡስ፡ ዓሰርተታት ይሞቱ

ኣብ ምዕራብ ቡልጋርያ፡ ኣብ ልዕሊ ሓንቲ ኣውቶቡስ ብዘጋጠመ ባርዕ ሓዊ፡ ብውሕዱ 45 ሰባት ከም ዝሞቱ ተገሊጹ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ። እቲ ሓደጋ ኣብ ጥቓ ቦስነክ ዝረባህለት ገጠር ከም ዘጋጠመን፡ ካብዞም ግዳያት፡ ገሊኦም ህጻውንቲ ምዃኖም በዓልመዚ ሚኒስትሪ ውሽጢ ሃገር፡ ኒኮላይ ኒኮሎቭ፡ ን ኣገልግሎት ዜና BTA ሓቢሩ’ሎ። እታ ኣውቶቡስ፡ ካብ ቱርኪ ናብ ሰሜን ማቆዶንያ እናተጓዕዘት እዩ እቲ ሓደጋ ባርዕ ኣጋጢሙ። እታ …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com