Saturday , April 20 2024

ቁጠባ

ኣብ ደገ ዝተወልዱን ማሕበር ሰራሕተኛታት ሽወደንን

  ብዝሒ ቁጽሪ ናይቶም ኣብ ደገ ዝተወልዱ ሰራሕተኛታት ሽወደን፡ ካብ ዓመተ 2006 ክሳብ 2020 ኣብ ዝነበረ ግዜ፡ ካብ 16% ናብ 30% ክብ ከምዝበለ ጸብጻባት ይሕብሩ። ይኹን እምበር፡ ቁጽሪ ኣባላት ማሕበር ሰራሕተኛታት ግን ክጎድል ከምዝተራእየ  Du & Jobbet ዝተባህለ መጽሔት ገሊጹ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ። ኣብ ዓመተ 2006፡ ኣብ ማሕበር ዝተመዝገቡ፡ ጠቕላላ ብዝሒ ናይቶም ኣብ ደገን ኣብ ውሽጢ ሽወደን ዝተወልዱ …

Read More »

ኣብ ልዕሊ መኽዘን ነዳዲ ኣመሪካ: ብዝተፈጸመ ናይ ሳይበር መጥቃዕቲ: ሕጽረት ነዳዲ ኣጋጢሙ ይበሃል ኣሎ

መንግስቲ ኣመሪካ: ኣብቲ ዝዓበየ መኽዘን ነዳዲ እታ ሃገር: ድሕሪ እተኻየደ ናይ ሳይበር መጥቃዕቲ: ናይ ህጹጽ እዋን ኣዋጅ ምትሕልላፉ ተገሊጹ። እዚ ኮሎኒያል ፓይፕላይን: ተባሂሉ ዝፍለጥ መኽዘን ነዳዲ: መዓልታዊ 2.5 ሚልዮን በርሚል ከም ዝሕዝን 45% ቀረብ ነዳዲ ዘይቲ፥ ላምባን ነዳዲ ነፈርቲን ከም ዘጠቓልል ይፍለጥ። እዚ ዓርቢ: ብጒጅለ ወንጀላውያን ናይ ሳይበር መጥቃዕቲ ዝወረዶ ገንኢ ነዳዲ: ንቡር ኣገልግሎቱ ንኽምለስ: ኣብ ጻዕሪ ምህላዉ ኣመልኪቱ’ሎ። ድሮ …

Read More »

ሰሙናዊ ጸብጻብ መጠን ሽቅለት ኣልቦነት

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን: ብዝሒ ስራሕ ኣልቦ ዝኾኑ ሰባት: ብ 4400 ብምጉዳሉ: ጠቅላላ ብዝሒ: ናብ 421,650 ወሪዱ። በዚ መሰረት: መጠን ሽቅለት ኣልቦነት: 8.1% በጺሑ ምህላዉ: ጸብጻባት ቤት ጽሕፈት ኣርበትፎርመድሊን ሓቢሮም ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ። ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን: 521 ሰባት: ካብ ስራሕ ናይ ምፍናዉ መጠንቀቅታ: ከምዝተዋህቦም እቲ ጸብጻብ ብምውሳኽ ገሊጹ።

Read More »

ኩባንያ ብዮንቴክ: ኣብ ሃገረ ሲንጋፖር: ሓድሽ ፋብሪካ ክታበት: ክሃንጽ እዩ

ኣፍራይ ክታበት ኮቪድ-19 ዝኾነ ኩባንያ ብዮንቴክ: ኣብ ሃገረ ሲንጋፖር: ሓድሽ ፋብሪካ ንምህናጽ ይሻባሸብ ምህላዉ ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ። ብመሰረት ኩባንያ ብዮንቴክ: ክታበት ዘፍርያ ፋብሪካታት: ኣብ መላእ ዓለም ከም ዝዝርጋሓ ምግባር፥ ኣገዳስነቱ ዓቢ እዩ ክብል: ነቲ ኩባንያ ዝወሰዶ ስጉምቲ ገሊጽዎ። በዚ ድማ: ኩባንያ ብዮንቴክ: ብኣማኢት ሚልዮናት ዝቁጸር ብልቃጥ ክታበታት ኣብ ኣህጉር እስያ ክፍሪ ክኽእል እዩ። እቲ ሓድሽ ፋብሪካ፤ ኣብ ዓመተ 2023 …

Read More »

Harmony Media News 05-05-2021

Read More »

ኣብ ሽወደን፡ ክፍሊት መልዕሎ (ጡሮታ) ዝተፈላለየ እዩ ተባሂሉ

ኣብ ሽወደን፡ ኣብ መንጎ እቶም ኣብዚ ሃገር ዝተወልዱን ኣብ ወጻኢ ሃገር ዝተወልዱ ጡረተኛታት፡ ዝረኽብዎ  ናይ መልዕሎ ደሞዝ፡ ኣዝዩ ከምዝፈላለ ሓደ መርመራዊ ጸብጻብ ጋዜጠኝነት ምርኩስ ዝገበረ ሓበሬታ ብምውካስ ሬድዮ ሽወደን ሓቢሩ። ብመሰረት እቲ ጸብጻብ፡ ኣብ ኣከፋፍላ ደሞዝ መልዕሎ፡ ኣብ መንጎ እዞም ዝተጠቕሱ ጡሮተኛታት፡ ብውሑዱ ናይ ሓሙሽተ ሽሕ ክሮነር ፍልልይ ከምዘሎን፣ በዚ ኸኣ በዓል መዚ ጉዳያት ጡረታ ሽወደን፡ በቲ ፍልልይ ከምዝተገረመ እቲ …

Read More »

Read More »

ቻይና፡ ጎነጻዊት ትኸውን ኣላ ክትብል፡ ኣመሪካ፡ ትኸስስ

ቻይና፡ ኣብ ዘቤታዊ ጒዳያታ፡ ጨቋኒት፡ ኣብ ወጻኢ ጉዳያታ ኸኣ፡ ጎነጻዊት፡ እናኮነት ትመጽእ ኣላ ክብል ጸሓፊ ጒዳያት ወጻኢ ኣመሪካ፡ ኣንቶኒ ብሊንከን፡ ንቻይና ወቒሱ። ንሱ ምስ CBS News ኣብ ዝገበሮ ቃለመሕትት፡ ኣመሪካ ንቻይና ክትዓግታ ከም ዘይትደሊ፡ እንተኾነ ግን፡ ኣህጒራዊ ሕጊ እናጠሓሰት ትም ኢላ ክትርእያ ከም ዘይሕሰብ ኣመልኪቱ። ክልቲኣተን ሃገራት፡ ኣብ ወተሃደራዊ ምፍጣጥ ክኣትዋ ንኽልቲኣተን ከም ዘየርብሕ ገሊጹ። ኣብ ቀረባ እዋናት፡ ብፍላይ ምስ …

Read More »

ሰሙናዊ ጸብጻብ ሽቕለት ኣልቦነት

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ብዝሒ ናይቶም ካብ ስራሕ ንኽፋነዉ መጠንቀቕታ ዝተዋህቦም ሰራሕተኛታት፡ ክብ ከምዝበለን መጠን ሽቕለት ኣልቦነት ግን ብውሑድ ከምዝጎደለን ሰሙናዊ ጸብጻብ ቤት ጽሕፈት ኣርቤትስፎርሜድሊን ሓቢሩ፡ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ። ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ 6800 ሰባት ሓድሽ ስራሕ ክረኽቡ እንከለዉ፡ 550 ድማ ናብ ኮርስ ተጸምቢሮም። ብኻልእ ወገን፡ 6 ሽሕ ሰባት ካብ ስራሕ ተሰናቢቶም። ከምውጽኢቱ፡ ብዝሒ ስራሕ ኣልቦ ዝኾኑ ሰባት ካብ 428,400 …

Read More »

ሓድሽ ድልድል ዮቶቦሪ፡ ከቢድ ጉድለት ተረኺብዎ

ኣብ ልዕሊ ፈለግ ዮታ (Göta River) ተዘርጊሑ ዝርከብ ሓድሽ ድልድል ዮቶቦሪ፡ ከቢድ ናይ ንድፊ ጉድለት ስለ ዝተረኽቦ፡ ካብቲ ተመዲቡ ዝነበረ ናይ መኽፈቲ ግዚኡ፡ ክናዋሕ ከምዝኸኣለ ጋዜጣ ዮቶቦሪ ፖስተን ኣብ ዓምድታቱ ኣስፊሩ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ። ሓደ ካብቶም ነቲ ድልድል ተሰኪሞም ዘለዉ ዓንድታት፡ ቅርጹ ከምዝቐየረን፡ እዚ ምልክት ድማ፡ እቲ ድልድል፡ መካይንን ኣውቶቡሳትን ክስከም ከምዘይክእል ዝሕብር ብምዃኑ፡ ካብቲ ተመዲብዎ ዝነበረ ናይ …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com