Thursday , April 25 2024

ኣህጉራዊ ዜና

ሓያሎ ኖርወጃውያን ኣብ ቓዛ ይርከቡ

ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኖርወይ፡ ልዕሊ 20 ምስ ኖርወይ ሕጋዊ ርክብ ዘለዎም ኖርወጃውያንን ፍልስጤማውያንን ክሳብ ሕጂ ካብታ ብኲናት ዝተሃስየት ቓዛ ክወጹ ከምዘይከኣሉ ኣረጋጊጹ። ሰበስልጣን ኖርወይ እዞም ሰባት ናብ ግብጺ ንኽፍነው ዝገብርዎ ልዝብ ክሳብ ሕጂ ዝኾነ ፍረ ከም ዘይተረኽቦ፡ እንተኾነ ግና እዝም ሰባት ዶብ ክሰግሩ ከይፍትኑ ለበዋ ተመሓላሊፉ’ሎ። ኣባል እቲ ሚኒስትሪ ማሪከን ብሩስጋርድ ሃርቢትዝ ዝሓለፈ ሓሙስ ንጋዜጣ ዳግሳቪሰን ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ “ኩሉ …

Read More »

ባይደን“ ኮንግረስ ን ዩክሬይን ናይ 60 ቢልዮን ዶላር ፓኬጅ ሓገዝ ኲናት ከጽድቕ ትጽቢት ኣሎኒ”

ፕረዚደንት ኣሜሪካ ጆ ባይደን ንመዘንኡ ዩክሬናዊ ፕረሲደንት ናይ 60 ቢልዮን ዶላር ወተሃደራዊ ሓገዝ ኣብ ቀረባ እዋን ከም ዘውሕዘሉ ኣረጋጊጹ። እቲ ስጉምቲ ብድምጺ ባይቶ ኮንግረስ ንምሕላፍ ይጽበ ምህላዉ፡ እንተኾነ ግና ባይደን ንቮሎዲሚር ዘለንስኪ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ከምዝጸድቕ ርግጸኛ ምዃኑ ገሊጹ’ሎ። ሚስተር ዘለንስኪ ኣቐዲሙ ኣብ ኤውሮጳ ኣዕናዊ ኩነታት ንኸይፍጠር ተወሳኺ ኣጽዋር ክረክብ ህጹጽ ጻውዒት ኣቕሪቡ ነይሩ እዩ። ኣመሪካ ነዚ ደገፍ ብህጹጽ ከይትውሕዝ …

Read More »

ፊንላንድ፥ ክሊማን ኣድማታትን በዳሂ ኲነታት ይፈጥሩ

በዳሂ ኩነታት ኣየርን ኣድማታት ህዝባዊ መጓዓዝያን ተደሚሮም፡ ትማሊ ረቡዕ ኣብ ደቡባዊ ክፋላት ፊንላንድ ንዝርከቡ ተጓዓዝቲ ሽግር ምፍጣሮም ዋይኤል ጸብጺባ። ኣብ YLE ተመራማሪ ሜትሮሎጂ ኤልያስ ፓካነን መራሕቲ መካይን ብዛዕባ ምስጋድ ትራፊክን ኩነታት ጽርግያን ሓድሽ ሓበሬታ ክከታተሉ ኣተባቢዑ ትማል ሰሉስ ኣተሓሳሲቡ እዩ፡፡ ብኣንፈት ደቡባዊ ምዕራብ እታ ሃገር ዝመጽእ ኲነታት ኣየር ኣብ ደቡባውን ምዕራባውን ከባቢታት ካብ 5–15 ሴንቲ ሜተር ዝርጒዱ ውርጪ ከውርድ ከም …

Read More »

እስራኤል ካብ ውድድር ዩሮቪዥን ኣይክትእገድን እያ ተባሂሉ

ኣብ መጻረዪ ውድድር ደርፊ ዩሮቪዥን ኖርወይ ዝተዓወተት ኖርወጃዊት ባንድ Gåte፡ እስራኤል’ውን ምስታፋ ቅር ዝብላ እውን እንተኾነ፡ ኣብቲ ዓቢ ውድድር “ክትሳተፍ ከም ዝወሰነት” ትማሊ ሰኑይ ኣፍሊጣ። እቶም ሙዚቀኛታት፡ ነቲ እስራኤል ኣብ ልዕሊ ቓዛ ዘካየደቶ ​​ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ደቂ ኣንስትዮን ህጻናትን ዝቐተለ መጥቃዕቲ “ኢሰብኣዊን ብዝኾነ ክምኽነን ዘክእል እዩ” ክብሉ ተቓውሞኦም ገሊጾም ኣለዉ። ኣባላት እታ ባንድ ኣብ መወዳእታ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ድሕሪ …

Read More »

ልዕሊ 130 ሽሕ ሰራሕተኛታት ፊንላንድ ኣድማ ከካይዱ እዮም

ኣብዚ ሰሙን ፊንላንድ ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውድታት ርኡይ ደውታ ኣጋጢምዋ ኣሎ፡፡ ምኽንያቱ ድማ ልዕሊ 130 ሽሕ ሰራሕተኛታት እታ ሃገር፥ ብቀዳማይ ሚኒስተር ፔተሪ ኦርፖ ዝቐረበ ጽገናታት ዕዳጋ ሽቕለት ብምቅዋም ኣድማ ከካይዱ ትጽቢት ተጌሩ’ሎ። እዚ ብባህሪኡ ፖለቲካዊ ዝኾነ ኣድማታት፡ ኣብ መላእ ሃገር ንዝካየድ ሕብረተሰባውን ቁጠባውን ንጥፈታት ብሰፊሑ ክዘርግ ይኽእል እዩ ዝብል ስግኣታት ሰፊኑ’ሎ። እቲ ኣድማታት ኣብ መወዳእታ ናይዚ ሰሙን ኣብታ ሃገር ዓቢ ጽልዋ …

Read More »

ኮኾብ ተዋሳኣይ ካርል ዌዘርስ ኣብ መበል 76 ዕድሜኡ ዓሪፉ

ኣሜሪካዊ ተዋሳኣይ ካርል ዌዘርስ ኣብ መበል 76 ዓመቱ ከምዝዓረፈ ስድርኡ ሓቢሮም። ኣብ ፊልምታት ሮኪ ከም ኣፖሎ ክሪድ ዝተዋስአ ዌዘርስ፡ ብድቃሱ ብሰላም ከም ዝዓረፈ ስድርኡ ኣብ ዘውጽእዎ መግለጺ ሓቢሮም። ካልኦት ፊልምታት ካርል ዌዘርስ ድማ፡ ምስ ኣርኖልድ ሽዋርዘነገር ብሓባር ብምዃን ዝሰርሕዋ ህብብቲ ፊልም “ፕሬደተር”፥ ከምኡ’ውን ምስ ኣዳም ሳንድለር ዝሰርሓ ሃፒ ጊልሞርን ይርከብዎም። ከም ናይ መስመር ተኸላኻላይ ኤንኤፍኤል ብምዃን ሞያኡ ሀ ኢሉ ዝጀመረ …

Read More »

ፊንላንድ፥ ኣስታት 10 ሽሕ ሰራሕተኛታት ኣብ መፋርቕ ወርሒ ለካቲት ኣድማ ክገብሩ እዮም።

ሰርቪስ ዩኒየን ዩናይትድ (ፓም)፥ ካብ 14 ክሳብ 16 ለካቲት፥ ኣብ ማእከላት ሎጂስቲክስ ኩባንያታት ችርቻሮ ንሰለስተ መዓልታት ዝጸንሕ ተኸታታሊ ኣድማ ከዳሉ ምዃኑ ትማሊ ሰሉስ ኣፍሊጡ። ኣብዚ ኣድማ ኣስታት 10 ሽሕ ሰራሕተኛታት ክሳተፉ ምዃኖም፡ ንማእከላት ሎጂስቲክስን ዞባዊ ስርሓት ተርሚናልን ኬስኮ፡ ኣብ ቱርኮ ንዝመደብሩ ማእከላት ምክፍፋል ሊድልን ማእከል ሎጂስቲክስ ፖስትኖርድ፡ ደቡባዊ ምዕራብ ፊንላንድን ኣፍሊጡ’ሎ። መብዛሕትኦም ካብቶም 190 ሽሕ ኣባላት ፓም ኣብ ጽላታት ችርቻሮ፡ …

Read More »

ኖርወይ፥ ሓንቲ መንእሰይ ብመንደራጋሕ በረድ ተቐቲላ

ኣብ መጀመርታ ናይዚ ሰሙን፥ ምስ ከልባ ንዙረት ወጺኣ ዘይተመልሰት ጓል ኣንስተይቲ፡ ካብ ትሮምሶ ወጽእ ኢሉ ኣብ ዝርከብ ፊንቪክዳለን ድሕሪ ዘጋጠመ ውሕጅ ሞይታ ከም ዝተረኽበት ፖሊስ ኣረጋጊጾም። ኣትላስ ዝስሙ ከልባ እውን በቶም ኣብ እምባታት በረድ ኲዕታ ዘካይዱ ሰራሕተኛታት ህጹጽ ረድኤት ሞይቱ ተረኺቡ’ሎ። ስድራቤት ጓል 26 ዓመት ካያ ብራትሊ ጉንደርሰን ትማሊ ምሸት ካብቲ ጉዕዞ ክትምለስ ብዘይምኽኣላ ደሃያ ከምዝጠፍአት ሓቢሮም ነይሮም። ፖሊስ ኣብ …

Read More »

ሃገራት ኤውሮጳ ንዩክሬን ወተሃደራዊ ሓገዝ ይቕጽላ

ኩለን 27 መራሕቲ ሕብረት ኤውሮጳ ንዩክሬን 50 ቢልዮን ዩሮ ሓገዝ ንምሃብ ተሰማሚዐን። ፕረዚደንት ዩክሬን ቮሎዲሚር ዘለንስኪ ነቲ ሓድሽ ምወላ ብሓጎስ ከም ዝቕበል፥ እዚ ምወላ ንቁጠባውን ፋይናንሳውን ምርግጋእ እታ ሃገር ዘሐይል ምዃኑ ኣስሚሩሉ። ሚኒስትሪ ቁጠባ ዩክሬን ኣብ ዝመጽእ መጋቢት ፈላማይ ክፋል እዚ ገንዘብ ክረክብ ትጽቢት ከምዘለዎ ገሊጹ’ሎ። ቀዳማይ ሚኒስተር ሃንጋሪ ከምቲ ኣብ ናይ ዝሓለፈ ታሕሳስ ኣብ ዝተኻየደ ዋዕላ ኤውሮጳ ዝገበሮ፥ ሕጂ’ውን …

Read More »

ኣብ እዋን ሕርሲ ህርመት ልቢ ኣደ ምክትታል፡ ጉድኣት ሓንጎል ድቂ ብዓቢኡ ከም ዝንክዮ ተረጋጊጹ

ኣብ እዋን ሕርሲ ህርመት ልቢ ኣደ ምክትታል፡ ኣብ ሓደስቲ ዝተወልዱ ህጻናት ንዝፍጠር ሕማም ሓንጎል ብዓቢኡ ከም ዝንክዮ ኣብ ፊንላንድ ዝተኻየደ ሰፊሕ መጽናዕቲ ኣረጋጊጹ። እዚ ርኽበት ነቲ ብሰፊሑ ዝሰፈነ ምክትታል ህርመት ልቢ ድቂ እዂል እዩ ዝብል ሓሳብ ዝፈታተን ኮይኑ፡ ሓደ ሓደ ግዜ ህርመት ልቢ እታ ኣደ ተመሳሳሊ ምክትታል እንተዘይተጌሩሉ ድቂ ብ ሕጽረት ኦክስጅን ክጒዳእ ይኽእል እዩ ክብል እቲ መጽናዕቲ ኣጣሊሉ’ሎ። እቲ …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com