Tuesday , April 23 2024

ዜና መጽሄት

መንገዲ ኣየር ስካንዲናቭያ ምስ ማሕበር ፓይለታት ውዕል ከቲሙ።

መንገዲ ኣየር ስካንዲናቭያ ምስ ማሕበር ኣብረርቲ ውዕል ስምምዕ ብምኽታም፡ ነቲ ኣድማ ደው ከብሎ ምኽእሉ ይግለጽ ኣሎ። ዋና ኣካያዲ ስራሕ እቲ መንገዲ ኣየር ኣንኮ ቫን ቨርፍ፡ ንሬድዮ ሽወደን ፕሮግራም ሞርጎን ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ እዚ ውዕል ነቲ ኲባንያ ተሓሪምዎ ዝጸንሐ ምርግጋእ ክመልሰሉ እዩ፡ ኢሉ ከም ዝኣምን ገሊጹ። ይዂንምበር እዚ ውዕል ሓባራዊ ስምምዕ ዘብጽሐ እኳ እንተኾነ፡ መዓልታዊ ሰዓታት ስራሕ ከም ዝናዋሕ ዝገብር ከይከውን …

Read More »

ኣድማ ፓይለታት መንገዲ ኣየር ስካንዲናቭያ ኣብቂዑ።

ዝሓለፈ ስኑይ መንገዲ ኣየር ስካንዲናቭያን ማሕበር ፓይለታት ዝኸተምዎ ውዕል ተኸቲሉ ኣድማ ፓይለታት እቲ መንገዲ ኣየር ደው ምባሉ ተገሊጹ። በረራታት ምቕጻሉ ኣንተኾነ እቲ መንገዲ ኣየር ብኸምቲ ቅድሚ ኣድማ ዝነበሮ ናይ 100% ስሉጥነ ክምለስ ብውሕዱ ሓደ መዓልቲ ከም ዘድልዮ ኣካያዲ እቲ መንገዲ ኣየር ገሊጹ’ሎ። በዚ ን 15 መዓልታት ኣብረርቲ መንገዲ ኣየር ስካንዲናቭያ ዘካየድዎ ኣድማ ኣስታት 370,000 ገያሾ ከም እተጸልዉ እቲ መንገዲ ኣየር …

Read More »

ኖርወይ፡ ቀዳማይ ሚኒሰተር ስቶረ ንሰደድ ጸዓት ኤለትሪክ ደጊፉ።

ዋላኳ ዋጋ ጸዓት ኤለትሪክ ወሲኹ እንተሎ፡ ኣብ ዕዳጋ ጸዓት ኤለትሪክን ንግድ ወጻኢን ኢዱ ከእቱ ድሌት ከም ዘይብሉ ቀዳማይ ሚኒስተር ኖርወይ ዮናስ ጋር ስቶር ገሊጹ። “ዘሎና ሕጽረት ጸዓት ንምሽፋን ካብ ወጻኢ ጸዓት ኤለትሪክ ምምጻእ ግድን ከድልየና እዩ፡ እዚ ንግድ ንኣና ኣገዳሲ እዩ” ክብል ስቶር ምስ ጋዜጣ ኣፍቶንፖስተን ኢ 24 ኣብ ዝገበሮ ቃለመሕትት ገሊጹ’ሎ። ብዘይካዚ ዘይከም ጠለብ ፖለቲካውያን ሰልፊታት እታ ሃገር፡ ንኖርወይ …

Read More »

ኣብ ምብራቕ ፊንማርክ ብጫ መጠንቀቕታ ክሊማ ተመሓላሊፉ።

ኣብ ምብራቓዊ ክፋል በረኽቲ ፊንማርክ፡ ካብ ትማል ቀትሪ ሰኑይ ኣትሒዙ ክሳብ ምሸትን ለይቲን በርቂን ነጎዳን ከም ዝህሉ ብምጥቃስ፡ ዋይኣር ብጫ ናይ መጠንቀቕታ መልእኽቲ ኣመሓላሊፉ’ሎ። ጻዕቂ ናይዚ ነጎዳን በርቂን፡ ካብ ቦታ ናብ ቦታ ፍልልይ ክህልዎ እዩ ዝበለ እቲ መጠንቀቕታ፡ ኣብ ገሊኡ ጨሪሱ በርቂ ኣይክህሉን እዩ ክብል ወሲኹ ገሊጹ’ሎ። ተቐማጦ በረኽቲ ፊንማርክ ናይ ኤለትሪክ ኣቕሑ ንግዜኡ ከይጥቀሙ፡ ፍጥነት መኪናኦም ምስ ኲነታት ኣየር …

Read More »

ድሕሪ ምስግጋር ሓላፍነት፡ ምምሕዳር ከተማታት ቀዳሞት ሰፈርቲ ዩክሬናውያን ተቐቢለን።

ካብ ባሕቲ ሓምለ ኣትሒዙ፡ ምዕሩይ ምቕርሐ ስደተኛታት ክህሉ ተባሂሉ ሓድሽ ሕጊ ድሕሪ ምውጽኡ፡ ቀዳሞት ስደተኛታት ዩክሬይን ኣበየናይ ምምሕዳር ከተማ ክነብሩ ምዃኖም ከም እተነግሮም ተገሊጹ። ኣብ ክንዲ ኤጀንሲ ስደተኛታት፡ ምምሕዳራት ከተማ ሽወደን ሓላፍነት ምውዳብ ኣባይቲ ምውሳዱ ዝፍለጥ እዩ። ዛጊት 3000 ስደተኛታት ዩክሬይን ብኤጀንሲ ስደተኛታት  ኣቢሉ ኣበየናይ ምምሕዳር ከተማ ክነብሩ ምዃኖም ከም እተነግሮም፡ ጸብጻብ ዜና ሬድዮ ሽወደን ኣመልኪቱ’ሎ። ብጠቕላላ 10,000 ስደተኛታት ዩክሬይን፡ …

Read More »

ቊጽሪ ህጹጽ እዋን ሽወደን ብርክት ዝበለ ጻውዒታት ተቐቢሉ።

ቊጽሪ ህጹጽ እዋን ሽወደን 112፡ ብለይቱ ብርክት ዝበሉ ጻውዒታት ኣብ ምምላስ ተጸሚዱ ምሕዳሩ ተገሊጹ። እቲ መስመር ብጸዋዕቲ ብጻዕቂ ተታሒዙ ብምንባሩ፡ ገለ ተገልገልቲ ነቲ መስመር ክረኽቡ ከም እተሸገሩ፡ እንተኾነ ግና እቲ ሽግር ሕጂ ተፈቲሑ ምህላዉ ጸብጻብ ዜና ሬድዮ ሽወደን ኣመልኪቱ።. ኣብ ለይቲን ወጋሕታን ነቲ መስመር ንምርካብ፡ ብማእከላይ ገምጋም፡ ካብ ሓደ ክሳብ ክልተ ደቓይቕ ከም ዝወስድ እታ ሬድዮ ወሲኻ ገሊጻ’ላ።

Read More »

ኣድማ ሰራሕተኛታት መንገዲ ኣየር ስካንዲናቭያ ንምፍታሕ ልዝብ ይካየድ ኣሎ።

ኣብ ቀዳመ-ሰንበት ድሕሪ ዝተገብረ ልዝብ፡ ኣብ መንጎ መንገዲ ኣየር ስካንዲቭያን ማሕበር ፓይለታት እቲ መንገዲ ኣየርን ስምምዕ ንምብጻሕ ቀሪቦም ከም ዘለዉ ተገሊጹ። “ኣብ ዝቐልጠፈ ኣብ ስምምዕ ክንበጽሕ ኢና”፡ ክትብል ዋና ኣዛታዪት እቲ መንገዲ ኣየር ማርያን ሀርነስ ን ኣገልግሎት ዜና ተተ ኣብ ዝሃበቶ ሓበሬታ ኣመልኪታ’ላ። ሎሚ ተጌሩ ዘሎ ዙር ዘተ፡ ጽቡቕ ከም ዝተሳለጠን፡ ምናልባት’ውን ናይ መወዳእታ ክኸውን እዩ ዝብል ግምት ከም ዘለዎን …

Read More »

ትማል ሰንበት 154 በረራታት መንገዲ ኣየር ስካንዲናቭያ ተሰሪዞም።

ብምኽንያት ክሳብ ሕጂ ዝቕጽል ዘሎ ኣድማ ሰራሕተኛታት መንገዲ ኣየር ስካንዲናቭያ፡ ዛጊት 154 በረራታት ከም እተሰረዙ፡ ካብ ኣቪኖር እተረኽቡ ኣሃዛት ኣመልኪቶም። ካብ 4 ሓምለ ኣትሒዞም፡ ፓይለታት መንገዲ ኣየር ስካንዲናቭያ ኣድማ ድሕሪ ምጅማሮም፡ ክሳብ ሕጂ 2,129 በረራታት ኖርወይ ምቊራጾም እቶም ኣሃዛት ወሲኾም ገሊጾም ኣለዉ። ካብዞም ትማል ሰንበት እተሰረዙ 154 በረራታት፡ እቶም 74 ናይ ውሽጢ ሃገር ክኾኑ እንከለዉ 68 ናይ ሸንገን፡ 12 ከኣ …

Read More »

ሽወደን፡ 220-ሜትሮ ዝቚመቱ ናይ ንፋስ ተርባይን ወዲቑ።

ካብ ሳንድቫል ውጽእ ኢሉ ኣብ ዝርከብ ሕርሻ ጸዓት ንፋስ ቪክሾ፡ ተተኺሉ ዝነበረ 220 ሜትሮ ዝንውሓቱ ናይ ንፋስ ተርባይን፡ ዝሓለፈ ቀዳም ወዲቑ ከም እተሓምሸሸ ተፈሊጡ። በዚ ሓደጋ ዘጎድአ ሰብ የለን። እንተኾነ ግና፡ ጒጅለ ክኢላታት ምኽንያት እዚ ሓደጋ ክሳብ ዘጻርዩ፡ እዚ ሕርሻ ጸዓት ንፋስ ተዓጽዩ ክጸንሕ እዩ—ክትብል ማዕከን ዜና SVT ጸብጺባ’ላ። እዚ ምውዳቕ ብምኽንያት ካብቲ ተርባይን ዝዘረቘ ዘይቲ ክኸውን ይኽእል እዩ ዝበለ …

Read More »

ቊጽሪ ኣሞራታት ፐረግሪን ብ 40% ኣንቈልቊሉ።

ቊጽሪ ኣሞራታት ፒረግረን ብዘሰንብድ ኣገባብ ካብቲ ናይ ዓሚ ብ 40% ምጒዳሉን ናይዚ ምኽንያት ድማ ሕማም ሰኦኣል ኣዕዋፍ ክከውን ከም ዝኽእልን ተገሊጹ። ኣብ ሽወደን ነፍሲ ወከፍ ዓመት ቆጸራ እዞም ኣዕዋፍ ከም ዝካየድን ኣብዚ ዓመት ዝተረኽበ ኣሃዝ ብዘሰንብድ ኲነት ኣዝዩ ኣንቈልቊሉ ከም እተረኽበን ሬድዮ ሽወደን ጸብጺባ’ላ። ኲነታት ጥዕና ኣዕዋፍ ንምምርማር መታን ክከኣል፡ ኣብ ጎደና ዝሞቱ ኣዕዋፍ ዝረኸበ ኲሉ፡ ናብ ሃገራዊ ትካል ክታበት …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com