Saturday , April 20 2024

ዜና ቀዳመ ሰንበት

ኮኾብ ሙዚቀኛ ዮተበሪ ሄልስትሮም ኣብ ኡለቪ ስታድዬም ምርኢት ከቕርብ እዩ።

48 ዝዕድሜኡ ሽወደናዊ ደራፋይ ሃካን ሄልስትሮም፡ ን ሰሙናት ኣብ ዝቕጽል ሙዚቃዊ ምርኢት ከቕርብ እዩ። ካብ ዝሓለፈ ቀዳም ጀሚሩ፡ ርብዒ ሚልዮን ህዝቢ ከዘንናግዕ ኣብ ስታድዬም ኡለቪ ተዳልዩ ምህላዉ እውን ሬድዮ ሽወደን ሓቢራ። ብቋንቋ ኣዲኡ ሽወደንኛ ዝደርፍ ሃካን ሄልስትሮም፡ ካብ ሃገራት ስካንዲናቭያ ወጻኢ ብዙሕ ተፈላጥነት እኳ እንተዘይብሉ፡ ኣብ ሃገራት ኖርዲክ ብፍላይ ድማ ኣብ ዮተበሪ ዓብዪ ተቐባልነት ዘለዎ ስነጥበበኛ እዩ።

Read More »

ኖርወይ፡ ኣብ ቫርትላንድ ዝርከብ መስጊድ ን ምሕፋዝ ቊርኣን ካብ ኩዌት ፋይናንሳዊ ሓገዝ ተዋሂቡ።

ኣብ ኖርወይ ቫርትላንድ ዝርከብ መስጊድ፡ ንምሕፋዝ ቊርኣን ብዝብል ምኽንያት ካብ ኩዌይት ፋይናንሳዊ ሓገዝ ምርካቡ ጸብጻባት ጒባኤ እስላማዊ ፈደሬሽን ኣመልኪቶም። እዚ ኣልራሕማን ዝተባህለ ውድብ፡ ኣብ ኩዌት ምስ ዝርከብ ኣኽዋን ኣል-ኢስላም ርክብ ከም ዘለዎ ዝፍለጥ እዩ። ብመሰረት ኣብ ጋዜጣ ቫርት ዝወጸ ዓመታዊ ጸብጻባት፡ እቲ ማሕበር ኣብ 2021 ልዕሊ 100,000 ክሮና ኖርወይ ተቐቢሉ’ሎ። ኣኽዋን ኣል-ኢስላም፡ ኣብ 1920ታት ኣብ ምስሪ ዝተመስረተ እስላማዊ ምንቅስቓስ ኮይኑ፡ …

Read More »

ድሕሪ ወራር ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክሬይን ሽወደን ከም እተቐየረት ተገሊጹ።

ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክሬይን ቅሉዕ ወራር ካብ እትፍኑ 6ይ ወርሑ መሊኡሉ ኣብ ዘለወሉ እዋን፡ ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቚጸሩ ዩክሬናውያን ብስደት ናብ ሽውደን ምእታዎም ዝፍለጥ ኮይኑ፡ እዚ ክስተት ንሽወደን ብብዙሕ መዳይ ከም ዝቐየራ ሬድዮ ሽወደን ገሊጻ። እዚ ለውጢ፡ ካብ ጒዳያት ምክልኻልን ወጻኢ ርክባትን ኣትሒዝካ፡ ክሳብ ቊጠባዊ ኲነታት ዝምልከት እዩ። ሓደ ካብ ወሰንቲ ለውጢታት እዚ ወራር፡ ሽወደን ካብ ዘይሻራዊ ፖሊሲኣ ወጺኣ ኣባል ወተሃደራዊ …

Read More »

ኖርወይ፡ ኣብ 2040 ካብ ብከላ ፕላስቲክ ናጻ ንምዃን ትሰርሕ ኣላ። 

ዝሓለፈ ሰኑይ ኖርወይን ሩዋንዳን ብከላ ፕላስቲክ ንምውጋድ ልፍንታዊ ተበግሶ ምውሳደን ተፈሊጡ። ዕላማ ናይዚ ልፍንቲ ኣብ ዝቕጽል 18 ዓመታት ነዚ ሽግር ጨሪስካ ንምጥፋእ እዩ ተባሂሉ’ሎ። “ድሌት ዘለወን ሃገራት ብምጥርናፍ ውጽኢታዊ ከባብያዊ ውዕላት ኽፍጸም ብዝብል ንሕና ተበግሶ ወሲድና ኣሎና። እዚ እንድሕር ተግባራዊ ኮይኑ ኣብ 2040 ካብ ብከላ ፕላስቲክ ናጻ ዝኾነ ኣከባቢ ክንፈጥር ክንክእል ኢና” ክብል ሚኒስተር ክሊማን ኣከባቢን ኤስፐን ባርዝ ኣይደ፡ ኣብ …

Read More »

ኲናት ዩክሬይን ሻዱሻይ ወርሑ ሒዙ።

ብምኽንያት ወራር ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክሬይን፡ ኣስታት 44 000 ዜጋታት ዩክሬይን ኣብ ሽወደን ዕቚባ ምሕታቶም ወይ ኣብታ ሃገር ክጸንሑ ከም እተፈቕደሎም ተገሊጹ። ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ለካቲት ድሕሪ እተኸስተ ወራር፡ ዜጋታት ዩክሬይን ኣብ ሃገራት ሸንገን ዕቚባ ክረኽቡ ኣውሮጳዊ ሕብረት ናይ ሓለዋ መምርሒ ምትሕልላፉ ዝዝከር እዩ። ኣልዮናን ጓላን ኣብ ወርሓ መጋቢት እየን ንሽወደን ኣትየን። ክሳብ ሕጂ ስራሕ ኣብ ምርካብ ተሸጊራ ምህላዋ እንተኾነ …

Read More »

ዕቤት ሽወደን ዝተሓተ ከም ዝኸውን ባንክ ሽወደን ገሊጹ።

ኣብ ዝቕጽል ግዜያት፡ ትሑት ቊጠባዊ ዕቤትን ምንቊልቋል ዋጋታት ኣባይቲን ክረአ ከም ዝኾነ፡ ባንክ ሽወደን ዘካየዶ ሓድሽ ቊጠባዊ ትንበያ ሓቢሩ። በዚ ድማ፡ ኣብዚ ሒዝናዮ ዘሎናን ዝቕጽልን ዓመታት፡ ቊጠባ ሽወደን ዝተሓተ ዕቤት ከመዝግብ እዩ ተባሂሉ’ሎ። እዚ እናኾነ፡ ኣብ ዝቕጽል ሽዱሽተ ኣዋርሕ ዕዳጋ ኣባይቲ ካብ ዘለዎ ብዝያዳ ከንቈልቊል እዩ– ብመሰረት እቲ ባንክ።  

Read More »

ጥሩፋት ናብ ሰራዊት ሽወደን ሰሊኾም ክኣትዉ ከም ዝኽእሉ ክኢላታት ኣጠንቂቖም

ኣብ 2032፡ ሽወደን ቊጽሪ ሰራዊታ ካብ 66,000 ናብ 105,000 ንምዕባይ ውጥን ከም ዘለዋ ተገሊጹ። እዚ እናኾነ፡  ጥሩፋት ወተሃደራዊ ታዕሊምን ኣጽዋርን ንምርካብ፡ ናብ ሰራዊት ሽወደን ሰሊኾም ክኣትዉ ከም ዝኽእሉ፡ ኣገልግሎት ጸጥታን ወተሃደራዊ ስለያን ሽወደን–ሙስት–ኣጠንቂቑ’ሎ። ኣገልግሎት ስለያ፡ ኣብዚ ጒዳይ ትዂረት ከም ዝገብርን፡ ተመልመልቲ ናይ ምጽራይ መስርሕ ከም ዝኽተልን– ኣብ ሙስት ሓላፊ ክፍሊ ጸጥታ– ያን ኪናደር ገሊጹ’ሎ።

Read More »

ኣብ ሽወደን ፈላማይ ምድማጽ ተጀሚሩ።

ሓፈሻዊ ምርጫ ሽወደን ክካየድ 17 መዓልታት ተሪፍዎ እኳ እንተሃለወ፡ ትማል ረቡዕ ፈላማይ ምድማጽ ከም እተጀመረ ተገሊጹ። ኣብ 2018 ዳርጋ ፍርቆም (ማለት 45%) ካብ ዝተዋህቡ ድምጺታት፡ ኣቐድም ኣቢሎም ከም እተዋህቡ ዝገለጸት ሬድዮ ሽወደን፡ ኣብዚ ዓመት እዚ ቊጽሪ ካብዚ ዝለዓለ ክኸውን ከም ዝኽእል ወሲኻ ተነብያ’ላ። ሓፈሻዊ ምርጫ ሽወደን ኣብ 11 መስከረም ክካየድ ምዃኑ ዝፍለጥ እዩ።

Read More »

ኣብ ቱርክ መጥባሕቲ ፕላስቲክ እናገበረት ህይወታ ዝሓለፈት ሃና መዘራረቢት ትኸውን ኣላ።

ኣብ ቱርኪ መብጣሕቲ ፕላስቲክ ድሕሪ ምክያዳ፡ ኣብ ውሽጢ ክልተ ዓመታ ዝሞተት ሽወድናዊት ኣና ቫለንቲን መዘራረቢት ኣርእስቲ ኮይና ምህላዋ ሬድዮ ሽውደን ገሊጻ። ስድራቤት መዋቲት፡ ብዛዕባ ምኽንያት ሞት ኣና ኣብ ዘቕረብዎ ሕቶ፡ እቶም ቱርካውያን ክኢላኣት መርመራ መድሃኒት ኣና ብሰንኪ ምትሕልላኽ ሕማም ሳንቡእ ምሟታ እኳ እንተገለጹ፡ ክኢላታት ሽወደን ነዚ ዝጻረር ግብረመልሲ ምሃቦም እታ ሬድዮ ሓቢራ። “ኣና ሕማም ሳንቡእ ኔርዋ ክኸውን ይኽእል እዩ፡ እንተኾነ …

Read More »

ግጒይ ሕክምናዊ ውጽኢት እተነግሮም ተመሃሮ ፍሉይ ትምህርቲ ይወስዱ ኣለዉ።

ኣብ ምዮልቢ ደቡብ ሽወደን፡ ብውሕዱ ሽዱሽተ ተመሃሮ ብ ክኢላታት ስነኣእምሮ ግጒይ ሕክምናዊ ውጽኢት ተነጊርዎም ድሕሪ ምጽናሕ፡ ንዝሓለፋ ሽዱሽተ ዓመታት ናይ ፍሉይ ጠለባት ትምህርቲ ክወስዱ ምጽንሖም ምምሕዳር ከተማ ገሊጹ። ነዚ ዳህሳስ ስዒቡ፡ ምምሕዳር ከተማ ነቶም ሽዑ መርመራ እተገብረሎም ንዓሰርተ ተመሃሮ ኣመልኪቱ፡ ሓድሽ ገምጋም ኣውጺኡ ምህላዉ ተፈሊጡ። ከምዚ ዘበሉ ጒዳያት ናይ ምኽሳት ዕድሎም ዝነኣሰ እዩ ክብል ኣብ ውሽጣዊ ቆንስል ሓላፊ ትምህርቲ ክሪስተን …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com