Friday , March 29 2024

ዜና ቀዳመ ሰንበት

ኣብ ሽወደን ንእምነታት ምንቃፍ ከም ገበን ከም ዘይቊጸር ተገሊጹ።

ኣብ ሽወደን መጽሓፍ ቊርኣን ምቅጻል ከም ገበን ከም ዘይቊጸር፡ ንሓደ ህዝቢ ግዳይ ፕሮፓጋንዳ ምግባር ዝብል ሕጊ ኸኣ ንኸምዚ ዓይነት ጒዳያት ኣብ ግምት ከም ዘየእቱ ተሓቢሩ ። ንዝደለኻዮ ሃይማኖት ክትነቅፍን ተቓውሞኻ ከተርእይን ፍቑድ እዩ ክብል፡ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ስቶክሆልም ክኢላ “ሕጋዊ ጒዳያት መሰል ምግላጽ ሓሳባት” ኒልስ ፋንኬ ገሊጹ’ሎ። ህዝባዊ ጸጥታ መታን ክሕሎ ፖሊስ ንሓደ ሰልፊ ካብ ሓደ ቦታ ከርሕቕዎ ይኽእሉ እዮም፡ እንተኾነ …

Read More »

ብቕትለት ወዲ 15 ዓመት ህጻን እተጠርጠረ ኮተቴ ኣብ ትሕቲ ቊጽጽር ፖሊስ ኣትዩ።

ኣብ ደቡብ ስቶክሆልም ድሕሪ ዘጋጠመ ሞት ወዲ 15 ዓመት ህጻን፡ ሓደ ኮተቴ ኣብ ትሕቲ ቊጽጽር ፖሊስ ኣትዩ። እቲ ኣብ ስኮጎስ ዝቕመጥ ዝነበረ ግዳይ፡ ብ ቀዳም ምሸት ኣብ ማእከል ዕዳጋ ኣብ ዝርከብ ቤት መግቢ ብጥይት ከም እተቐትለ ሬድዮ ሽወደን ጸብጺባ’ላ። ብቕድሚ ትማል ሰንበት ግዳይ ንምዝካርን ዕንባባ ንምንባርን፡ ኣብቲ ዕዳጋ ኣስታት ሚእቲ ዝኾኑ ሰባት ተረኺቦም ምንባሮም፡ እታ ሬድዮ ወሲኻ ኣመልኪታ።

Read More »

ኣብ ማልም ልዑል ወሰኽ ዋጋ መሞቒ ኣባይቲ ተጌሩ።

ኣብ ምጅማር እዚ ሒዝናዮ ዘሎና ዓመት ዋጋ መሞቒ ኣባይቲ ብ 5% ወሲኹ ምህላዉ ተገሊጹ። እንተኾነ ግና ኣብ መንጎ ዝተፈላለያ ኲባንያታት ኣብዚ ፍልልይ ምህላዉ ሬድዮ ሽወደን ጸብጺባ’ላ። ሓንቲ ኣብ ማልም እትርከብ ኲባንያ ነዚ ዋጋ ብ 20% ክብ ክብል ጌራ’ላ። እዚ ድማ ኣብ ልዕሊ ኲባንያታትን ኣባይቲን ቊጥዐ ፈጢሩ ምህላዉ እታ ሬድዮ ወሲኻ ገሊጻ’ላ።

Read More »

ቆልዑ ብምፍርራህን ገንዘብን ኣባላት ጒጅለታት ገበን ይኾኑ’ለዉ።

ኣብ ስቶክሆልም ኣብ ዝካየድ ዘሎ ጎነጽ ዝሳተፉ ዘለዉ ብርክት ዝበሉ መርበባት ጒጅለታት ገበን፡ ኣብዚ ናይ ወንጀል ንጥፈታቶም  ክሳብ 12 ዝዕድሜኦም ቆልዑ ይጥቀሙ ምህላዎም ተፈሊጡ። ነዚ ዝገለጸ ኣብ ደቡብ ስቶክሆልም ኣብ መርመራ ተዋፊሩ ዝርከብ ፖሊስ ቶርሰን እዩ። ገለ ካብዞም ቆልዑ ብገንዘብ ዝተታለሉ ኮይኖም፡ ገሊኦም ድማ ስድራኹም ኣብ ሓደጋ ክወድቁ እዮም ኢሎም ብምፍርራህ ይዕስብዎም ምህላዎም ኣልም ወሲኹ ኣመልኪቱ። ቆልዑ ኣብ ከምዚ ዝበለ …

Read More »

ዋና ተሓጋጋዚ ቀ/ሚ ክሪስተርሰን ዝኾነ ኒልሰን ብፍቓዱ መዝነቱ ክሓድግ ከም ዝደሊ ገሊጹ።

ዋና ተሓጋጋዚ ቀዳማይ ሚኒስተር ኡልፍ ክሪስተርሰን ዝኾነ ኣባል ባይቶ ኒልሰን፡ ብፍቓዱ መዝነቱ ክሓድግ ከም ዝደሊ ትማል ለይቲ ገሊጹ። “ብዘይፍቓድ ተመን ባሕሪ ምጅላብን ብዛዕባኡ ንሰብመዚ ዘይምሕባርን ክሳብ ክንደይ ዘይግቡእ ምዃኑ እርዳእ እየ” ክብል ኣባል ባይቶ ኒልሰን ኣብ ፌይስቡክ ሓሳቡ ጽሒፉ’ሎ። ቀዳማይ ሚኒስተር ክሪስተርሰን ብወገኑ፡ እዚ ኲነታት ከም ዘሕዘኖ እንተኾነ ግና ኒልሰን ስልጣን ዝሓደገሉ ምኽንያት ብግቡእ ከም ዝርዳእ ገሊጹ’ሎ።

Read More »

ዲፕሎማስያዊ ሽግር ሽወደንን ቱርክን ክጽገን ነዊሕ ግዜ ክወስድ ይኽእል እዩ ተባሂሉ።

ሽወደን ኣባል ወተሃደራዊ ኪዳን ሰሜን ኣትላንቲን (ኔቶ) ንምዃን ተወሳኺ ግድል ከም ዝገጠማ ተገሊጹ። ኣብ ኣፍደገ ኤምባሲ ቱርክ፡ ብሕሉፍ የማናዊ ፖለቲከኛ ራሙስ ፓሉዳን ድሕሪ ዝተገብረ ምቅጻል መጽሓፍ ቊርኣን፡ ኣብ መንጎ ቱርክን ሽወደንን ዝጸንሐ ዲፖማስያዊ ርክብ ተወሳኺ ሽግር ተደሪብዎ ምህላዉ፡ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ስቶክሆልም ዳይረክተር ትካል መጽናዕቲታት ቱርክ ፓል ለቪን ገሊጹ። ኣብ መንጎ እዘን ሃገራት ተፈጢሩ ዘሎ ፍልልይ ዳግማይ ንምጽጋን፡ ካብቲ ኣቐዲሙ ተሓሲብዎ …

Read More »

ብዙሓት ኲባንያታት ፍቓድ ስራሕ ክንክን ኣባይቲ ተኸልኪለን።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት “ተቖጻጻሪ ጥዕናን ማሕበራዊ ክንክንን” (ወይ ከኣ IVO)፡ ንፍርቂ ካብቶም ስራሕ ክጅምሩ ዝሓተቱ ኲባንያታት ክንክን ኣባይቲ ናይ ኣይፋል መልሲ ከም ዝሃቦም ገሊጹ። “ከምዚ ዝበለ ውሳነ ምውሳንና ጌጋ እዩ ኢለ ኣይሓስብን” ክትብል፡ ሞኒካ በርሉንድ ካብ “ምቊጻር ጥዕናን ማሕበራዊ ክንክንን” ገሊጻ’ላ። ኣብ 2019 ኣብ ኣገልግሎት ክንክን ኣባይቲ ንምስራሕ ናይ ፍቓድ ረቛሒ ከም እተኣታተወ ዝፍለጥ እዩ። ዕላማ እዚ ረቛሒ ካብ ዓሎቕ …

Read More »

ስፔይን፡ ሞሮካዊ መንእሰይ ብግብረሽበራዊ ገበን ኣብ ትሕቲ ቊጽጽር ውዒሉ።  

ወዲ 25 ዓመት ሞሮካዊ መንእሰይ፡ ኣብ ደቡባዊ ስፔይን ኣብ ዝርከብ ቤተክርስትያን ኣልገኺራ፡ ንሓደ ኣገልጋሊ ቀቲሉ፡ ንኻልእ ቀሺ ከኣ ከም ዘቚሰለ ተገሊጹ። በዚ ድማ፡ እዚ መንእሰይ ናብ ዓዱ ክስጐጒ ከም ዝኽእል ስብ መዚ ስፔይን ገሊጾም። ኣብዚ ብቕድሚ ትማሊ ዘጋጠመ ፍጻመ፡ እቲ መንእሰይ ጎዘሞ ብምሓዝ ኣብ ከተማ ኣልገኺራስ ናብ ዝርከባ ኣብያተ ክርስትያናት ኣትዩ፡ ነቲ ናይ ቅትለት ተግባር ከም ዝፍጸሞ ተኸሲሱ’ሎ። እዚ መንእሰይ …

Read More »

ዮሃንሰን፡ ሕቶ ዕቚባኦም ዝተነጽጉ ብዝቐልጠፈ ናብ ዓዶም ክምለሱ ኣለዎም።

ናይ ዕቚባ ሕቶኦም ዝተነጽገ ስደተኛታት፡ ናብ ዓዶም ክስጐጒ ኣለዎም ክትብል፡ ኮሚሽነር ውሽጣዊ ጒዳያት ኣውሮጳ ዪልቫ ዮሃንሰን ገሊጻ። ካብ ከተማ ስቶክሆልም ውጽእ ኢሉ፡ ትማሊ ዘይወግዓዊ ርክብ ሚኒስተራት ውሽጣዊ ጒዳያትን ፍትሒን ኣውሮጳዊ ሕብረትን ተኻዪዱ እዩ። ሓላፊት እዚ ምትእኽኻብ ዩልቫ ዮሃንሰን ኣብቲ ኣጋጣሚ ነዚ ሕሳብ ኣቕሪባ’ላ። ዪልቫ፡ ንምምላስ ሕቶ ዕቚባኦም ዝተነጽጒ ሰባት ኣመልኪታ ሃገራት ኣውሮጳዊ ሕብረት ዓመታዊ ሃገራዊ ሸቶ ከቐምጣ ኣለወን ኢላ’ላ። ንሳ …

Read More »

ሰልፊታት ባይቶ ሽወደን ቅዋም ምቕያር ኣሸጋሪ ከም ዝኸውን ክገብራ ድሌት ኣለወን ተባሂሉ።

ሸሞንቲአን ሰልፊታት ባይቶ ሽወደን፡ ዓንቀጻት ቅዋም ምቕያር ኣሸጋሪ ከም ዝኸውን ምግባር ከም ዝደልያ፡ ምንጪታት ሬድዮ ሽወደን ገሊጾም። ዕላማ ናይዚ ውጥን፡ ኣብ ሽወደን ዴሞክራሲያዊ ክብሪታት ንምክልኻል እዩ ተባሂሉ’ሎ። ሓደ ካብዚ እማመታት፡ ቅዋም ንምቕያር ኣብ ባይቶ ኣዝዩ ዝበዝሐ ድምጺ ክረክብ ኣለዎ ዝብል እዩ።

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com