Wednesday , April 24 2024

ዜና ቀዳመ ሰንበት

ምጥሓል መርከብ “ኤም ኤስ ኤስቶንያ” ሰኣን ግቡእ መርመራ እዩ ኣጋጢሙ።

መርከብ “ኤምኤስ ኤስቶንያ” ብመንጎ ታንያን ስቶክሆልምን ክትጎዓዝ ኣይነበራን ክብል፡ ንምጥሓል እዛ መርከብ  ኣመልኪቱ ዝተገብረ ሓድሽ መርመራ ገሊጹ። መርመራ ናይ ቅድሚት ኣካል መርከብ ከም ዘይተኻየደን፡ ብጌጋ ከም ጥዑይ ኣካል ፍቓድከም እተዋህቦን፡ ኣፈናዊ መጽናዕቲ “ሰብመዚ መርመራ ሽወደን ኤስቶንያን ፊንላንድን”  ገሊጹ ምንባሩ ዝፍለጥ እዩ። እቲ መርመራ ተኻዪዱ እንተዝነበር እዚ ዘሕዝን ትራጀዲ ኣይምተኸስተን ክብል ኣቦመንበር “ሰብመዚ መርመራ ሽወደን ዮናስ ባክስትሮም ገሊጹ’ሎ።

Read More »

ዒርዶጋን፥ “ሽወደን ናብ ኔቶ ኣብ እተገብሮ ምምልካት ኣባልነት ካብ ቱርክ ደገፍ ክትጽበ የብላን”

ሽወደን ን ኣባልነት ኔቶ ካብ ቱርክ ድጋፍ ክትጽበ ከም ዘይብላ ፕረሲደንት ጠይብ ኤርዶጋን ትማል ሰኑይ ኣጠንቂቑ። ንሱ ነዚ ዝበለ፡ ኣብ ኣፍደገ ኤምባሲ ቱርክ–ስቶክሆልም–መጽሓፍ ቊርኣን ድሕሪ ምቅጻሉ እዩ። ድሕሪ ወራር ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክሬይን ሽወደን ንኣባልነት ኔቶ ሕቶ እኳ እንተቕረበት፡ ተቐባልነት ቱርክ ከም ዘይረኸበት ዝዝከር እዩ። ብፍላይ ድማ ተቓወምቲ ዔርዶጋን ዝኾኑ ኲርዳውያን፡ ኣብ ሽወደን ን ምስሊ ዔርዶጋን ካብ ህንጻ ድሕሪ ምንጥልጣሎም፡ …

Read More »

ራሙስ ፓሉዳን፡  መጽሓፍ ቊርኣን ናይ ምቅጻል ውጥኑ ከም ዝደፍኣሉ ገሊጹ።

ሕሉፍ የማናዊ ፖለቲከኛ ራሙስ ፓሉዳን፡  መጽሓፍ ቊርኣን ከቃጽል ንዝብል ውጥኑ ከም ዝደፍኣሉ ሬድዮ ሽወደን ጸብጺባ። እዚ ሽወደናዊ ዜግነት ዘለዎ ተወላዲ ደንማርክ፡ ኣብ ኣፍደገ ኤምባሲ ቱርክ– ስቶክሆልም– ነዚ ምቅጻል ቊርኣን ዝፍጸመሉ ሰልፊ ክቕጽል ምዃኑ ገሊጹ’ሎ። እዚ ካብ ቱርክ ተሪር ግብረመልሲ ክወሃብ ጌሩ’ሎ። በዚ ድማ፡ ሚኒስተር ምክልኻል ሽወደን ናብታ ሃገር ክበጽሕ ዝገበሮ መደብ ከም ዝስረዝ ጌራ’ላ። እዚ ምቅጻል መጽሓፍ ቊርኣን ንመሰል እምነት …

Read More »

ኣብ ዝሓለፈ ቀዳመ-ሰንበት ኣብ ስቶክሆልም ገበናት ተፈጺሞም።

ኣብ ዝሓለፈ ቀዳመ-ሰንበት፡ ኣብ ስቶክሆልም ተወሰኽቲ ምልውዋጥ ተዂሲን ምፍንጃራትን ከም እተኸስቱ ተገሊጹ። በዚ ክስተት፡ ኣብ ሰሜናዊ ክፋል እታ ከተማ (ከባቢ ሶልና) ሓደ ሰብ ሞይቱ’ሎ። ብምኽንያት ምብርካት እዚ ገበናት፡ ኣብ ዝመጻ መዓልታት ፖሊስ ስቶክሆልም ካብ ካልኦት ክፋል እታ ከተማ 290 ተወሰኽቲ ኣባላት ፖሊስ ከዋፍሩ እዮም። እዚ ተዂሲን ምፍንጃርን ፍሉጥ ሸቶታት ዘለዎ ኮይኑ፡ ፈጸምቲ እዚ ገበን ብገንዘብ ይዕሰቡ ምህላዎም ተሌቪዥን ሽወደን (SVT) …

Read More »

ዝቕጽል ኣዋርሕ ዝቐርባ ፊልምታት ሽወደን ተፈሊጠን።

ንዝቕጽል ኣዋርሕ ዝቐርባ ፊልምታት መነመን ምዃነን፡ ትካል ፊልም ሽወደን ኣብ ምጅማር እዚ ሰሙን ኣፍሊጡ። “ህዩማናይዜሽን” ካብዞም ኣብዚ ወርሒ ዝፍነዉ ፊልምታት ሓንቲ እያ።  እዛ ፊልም ህጻን ወዳ ዝሞታ ኣደ፡ ኣብ ህይወት ሓድሽ ትርጒም ብዛዕባ ምርካባ እተዘንቱ እያ። ነዛ ፊልም ቅድሚ ምቕዳሕ ምጅማርም ንሽዱሽተ ኣዋርሕ ከም ዝደኸሙ ኮኾብ ተዋሳኢት እዛ ፊልም ሉዊ ራይም ገሊጻ’ላ።

Read More »

ኮርስ ምድላው ቅልውላው ክከታተሉ ዝደልዩ ሰባት ቊጽሮም እናወሰኸ መጺኡ።

ንቅልውላው ዘድሊ ምድላው ንምግባር ዝወሃብ ኮርስ ክከታተሉ ዝደልዩ ሰባት ቊጽሮም እናወሰኸ ምምጽኡ ተገሊጹ።  ብርክት ዝበላ ማሕበራት፡ ኣብ ኡፕላንድ ንዝርከብ ሬድዮ ቻነል “ፒ 4” ኣብ ዝሃብኦ ሓበሬታ፡ ንቅልውላው ምድላው ዝብል ተገዳስነት ኣብ ሰባት እናወሰኸ ይመጽእ ኣሎ። “ብፍላይ ውልቀሰባት፡ ኣብ እዋን ቅልውላው ብቕዓት ዘለዎም ኮይኖም ክርከቡ ኣገዳሲ እዩ” ክብል “ኤጀንሲ ሲቪላዊ ሓደጋታት ሽወደን” ኣተሓሳሲቡ’ሎ።

Read More »

ኣብ “ኦረሱንድ ብሪጅ” ምቊጽጻር ዶብ ንምህናጽ መጽናዕቲ ይካየድ ኣሎ።

ምምሕዳር መጓዓዝያ ሽወደን፡ ኣብ ኦረሱንድ ብሪጅ ምቊጽጻር ዶብ ንምህናጽ መጽናዕቲ የካይድ ኣሎ። እዚ ምቊጽጻር ዶብ ፡ብቐንዱ ካብ ደንማርክ ንዝመጻ ባቡራት ንምቊጽጻር ከኽእል እዩ። መንግስቲ ኣብ መንጎ ሽወደንን ደንማርክን ክሃንጾ ሓሲቡ ዘሎ ተወሰኽቲ ምቊጽጻር ክዉን ንምግባር፡ ዘለዎ ዓቕሚ ኣዝዩ ንእሽቶ ተጌሩ ከም ዝሕሰብ ሬድዮ ሽወደን ጸቢጺባ’ላ።. ብዘይካዚ፡ እዚ ውጥን ብኽልቲኡ ወገን እዚ ብሪጅ ንዝነብሩ ሰባት ተወሳኺ ሽግራት ዝፈጥር እዩ ክብሉ፡ ገለ …

Read More »

ስቶክሆልም፡ ጎነጽ ሕጂ’ውን ይቕጽል

ዝሓለፈ ሓሙስ ምሸት፡ ኣብ ስቶክሆልም ተወሳኺ ጎነጽ ከም እተራእየ ተፈሊጡ። ፖሊስ ኣብቲ መዓልቲ ዝተኸስተ ምፍንጃርን ተዂሲን ደ ንምባል ግብረመልሲ ምሃቦም ሬድዮ ሽወደን ጸብጺባ።. እዚ ምፍንጃር፡ ኣብ ደቡባዊ ስቶክሆልም ከባቢ “ኣርስታ” እዩ ተኸሲቱ። እንተኾነ ግና ኣብ ፋርስታ ኣብ ዝርከብ ህንጻ መንበሪ ተዂሲ ይስማዕ ምንባሩ፡ እታ ሬድዮ ወሲኻ ጸብጺባ’ላ። እዚ ጎነጽ፡ ኣካል ናይቲ ኣብ ሳንድቫል ስቶክሆልም ዝርከብ ዕዳጋ ዕጸፋርስ ንምቊጽጻር ዝግበር ዘሎ …

Read More »

ቋንቋ ስጳኛ ብዙሓት ተመሃሮ ሽወደን ክመሃርዎ ዝድልዩ ልሳን ወጻኢ ይኸውን ኣሎ።

ቋንቋ ስጳኛ፡ ብዙሓት ተመሃሮ ሽወደን ክመሃርዎ ዝድልዩ ናይ ወጻኢ ልሳን ይኸውን ኣሎ። ብፍላይ ድማ ኣብ ሻድሻይ ዓመት ካልኣይ ደረጃ ዘለዉ ተመሃሮ፡ ብብዝሒ ይመርጽዎ ኣለዉ። ናይዚ ምኽንያት ድማ፡ ኣብ ሽወደን ኣዝዮም ተፈተውቲ ዝኾኑ ናይ ስጳኛ ተኸታተልቲ ፊልምታት፡ ሙዚቃን ጋንታታት ኲዕሶ እግሪን ምዃኖም ሬድዮ ሽወደን ጸብጺባ’ላ። በዚ ድማ 13ን ልዕሊኡን ዝዕድሜኦም መንእሰያት፡ ነቶም ቅድሚ ሕጂ ልሙዳት ዝነበሩ ቋንቋታት ፈረንሳን ጀርመንን እናራሕርሑ፡ ናብ …

Read More »

ብ ጒሒላታት ዝፍጸሙ ምፍንጃራት ብ ሚና ከም ዝፍጸሙ ተፈሊጡ።

ገለ ካብቶም ብ ጒሒላታት ዝፍጸሙ ምፍንጃራት፡ በቲ ኣብ ዕዳጋ ሕጋዊ ዝኾነ ፈንጂ “ሚና” ከም ዝፍጸሙ ኣገልግሎት ዜና ሬድዮ ሽወደን ጸብጺቡ። እዚ ተፈንጃሪ፡ ርሻንን ጽርግያን ካብ ዝህነጸሉ ከባቢታት ከም ዝስረቑ፡ እታ ሬድዮ ወሲኻ ገሊጻ’ላ። ኣብዚ ወንጀል ገለ ሰራሕተኛታት ህንጻ ይተሓባበሩ ምህላዎም ፖሊስ ይሕብሩ።

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com