Thursday , March 28 2024

ገበን

ሓንቲ ኣመሪካዊት፡ ን ዱክ ዮርክ፡ ብጾታዊ ምድፋር ከሲሳ

ኣመሪካዊት ቨርጂንያ ጁፍረ፡ ን ዱክ ዮርክ ብጾታዊ ምዕማጽ ከሲሳቶ። ጓል 17 እናሃለወት፡ ምስ ዱክ ዮርክ ጾታዊ ርክብ ክትፍጽም ብምባል ናብ ብሪጣንያ መጺኣ ምንባራ እትገልጽ ቨርጂንያ፡ ንዱክ ዮርክ ብጾታዊ ዓመጽ ብምውንጃል ኣብ ኒውዮርክ ናይ ክሲ መዝገብ ኣእትያ ምህላዋ ቢቢሲ ሓቢራ። ንሳ እዚ ብ ዱክ ዮርክ ማዕርግ ዝጽዋዕ ፕሪንስ ኣንድሩው፡ ኣብ ከተማታት ለንደንን ኒውዮርክን ብተደጋጋሚ ጾታዊ ዓመጽ ከም ዝፈጸመላ ኣብቲ ክሲ ሓቢራ’ላ። …

Read More »

ጣልያን: ብሰንኪ መጥቃዕቲ ሳይበር: መስርሕ ክታበት ተሰናኺሉ

ኣብታ ርእሰ ከተማ ሮማ እትርከበላ ኣውራጃ ላዛዮ ክካየድ ዝጸንሐ መስርሕ ክትባት ብሰንኪ ራሰይቲ ዌብሳይታት ዝገብርዎ መጥቃዕቲ ምትእጒጓሉ ተገሊጹ። በዚ ድማ ተኸተብቲ ኣገልግሎት ክትባት ይዂን ፓስፖርት ኮቪድ ምርካብ ተሸጊሮም ኣለዉ። ላዚዮ ዛጊት ኣብታ ሃገር ካብ ዝግበሩ ዘለዉ ገበናት እቲ ዝዓበየ ዝተባህለሉ ራስያ ዌብሳይታት ከም ዘጋጠማ ወኪል ዜና ኣንሳ ገሊጹ’ሎ። እዚ ካብ ወፍሪ ግብረ ራዕዲ ከም ዘይፍለ ዝገልጹ ሰብመዚ እታ ሃገር ባይቶ …

Read More »

ልእልቲ ኣንጎላ፡ ብርክታት ኩባንያ ነዳዲ፡ ከተረክብ ትግደድ

ጓል ፕረሲደንት ኣንጎላ ነበር፡ ኢዛቤል ዶስ ሳንቶስ፡ 422 ሚልዮን ዩሮ፡ ዝዋግኡ ብርኪ ሃገራዊ ኲባንያ ነዳዲ፡ ሳናንጎል፡ ከተረክብ ከም እተገደደት ተገሊጹ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ። ነዚ ጒዳይ ክዳኒ ዝጸንሐ ሆላንዳዊ መጋባእያ፡ እዚ ብርኪ፡ ካብ ፖርቱጋላዊ ኲባንያ፡ ጋልፕ፡ ብዘይሕጋዊ ኣገባብ ዝተረኽበ እዩ ክብል ገሊጽዎ ኣሎ። ሃብቲ ናይዛ ልእልቲ፡ ካብ ካዝና ህዝቢ ኣንጎላ፡ ዝተሰርቀ እዩ ክብል ኣማኻሪ ሕጊ ኩባንያ ሳናንጎል፡ ንሆላንዳዊት ጋዜጣ …

Read More »

መንግስቲ ባይደን ን ቴክሳስ ከሲሱ።

ቴክሳስ፡ ንምጒዕዓዝ ስደተኛታት ትእግድ ኣላ፡ እዚ ድማ ንሕጊ ፈደራል ዝጥሕስ እዩ ክብል ክፍሊ ፍትሒ ኣመሪካ ከሲሱ ኣሎ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣመሓላሊፉ። እዚ ትእዛዝ፡ ብኣመሓዳሪ ሪፓብሊካን ቴክሳስ፡ ግሬግ ኣቦት; ዝተመሓላለፈ ኮይኑ ለበዳ ኮቪድ-19 ንምክልኻል ብዝብል ሰበብ፡ ስደተኛታት ብሰብመዚ ኣኽበርቲ ሕጊ ጥራይ ክጋዓዙ ዝድንግግ እዩ። ሰብመዚ ፈደራል ብወገኖም፡ ስደተኛታት ኣብ ካምፕታት ንኽንቀሳቐሱ ሲቪላውያን ኮንትራክተራት ክቖጽሩ ምጽንሖም ዝፍለጥ እዩ።

Read More »

40 ሜትሮ ዝንውሓቱ ናይ መካነ መቓብር ሓጹር ፡ ጠፊኡ

ኣብ መካነ መቓብር ኦስትራ፡ ማልመ፡ ተተኺሉ ዝነበረ 40 ሜትሮ ንውሓት ዘለዎ ናይ ሓጺን ሓጹር፡ ብለይቲ፡ ካብ ቦትኡ ተላዒሉ ከምዝተሰርቀን እተን ነቲ ሓጹር ሒዘን ዝነበራ ዓንድታት ጥራይ ከምዝተረፋን እቲ ጉዳይ ብሓደ ኣባል ናይቲ መካነ መቓብር ከምዝተፈልጠን፡ ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ። እቲ ሓጹር፡ ቅድሚ እቲ ፍጻሜ ኣብ ዝነበረ ምሸት፡ ኣብ ቦትኡ ከምዝነበረን፡ ንጽባሒቱ ንግሆ ናብ ስራሕ ምስ መጻና ግን፡ እቲ ሓጹር ኣብ …

Read More »

ባይደን፡ መጥቃዕቲ ሳይበር ናብ ኲናት ክመርሕ ይኽእል እዩ ክብል ኣጠንቂቑ

ኣንጻር ኣመሪካ ዝቐንዐ ናይ ሳይበር መጥቃዕቲ፡ ከቢድ ስግኣታት ይፈጥር ብምህላዉ፡ ውዒሉ ሓዲሩ ምስ ቻይናን ሩስያን ናብ ኲናት ክመርሕ ከም ዝኽእል ፕረዚደትን ኣመሪካ፡ ጆ ባይደን፡ ኣጠንቂቑ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ። ምምሕዳር ጆ ባይደን፡ ንመጥቃዕቲ ሳይበር ከም ቀንዲ ኣጀንዳ ሰሪዑ ይንቀሳቐስ ምህላዉ ዝፍለጥ እዩ። እንተ ድኣ ኣብ ዓብዪ ኲናት ኣቲና፡ እቲ ጠንቂ፡ መጥቃዕቲ ሳይበር እዩ ክኸውን ክብል፡ ባይደን፡ ናብ ቤት ጽሕፈት …

Read More »

ኣብ ምዕራባዊ ገማግም: ወዲ 12 ዓመት ህጻን ተቐቲሉ

ወዲ 12 ዓመት ፍልስጤማዊ: ጥቓ ሄብሮም: ብተዂሲ ሰራዊት እስራኤል ከም እተቐትለ ሰብመዚ ፍልስጤም ገሊጾም። ኣብ ውሽጢ መዓልታት: ሳልሳይ ኣብ ምዕራባዊ ገማግም እተቐትለ ፍልስጤማዊ ሲቪል ምዃኑ ተገሊጹ። እዚ ህጻን ምስ ኣቦኡ ብመኪና ኣብ ጥቓ ሄብሮም ኣብ እትርከብ ከተማ ቤይት ዑመር ይጓዓዙ ምንባሮምን ብሰራዊት እስራኤል ብዝተተኮሰሎም ጥይት ኣብ ደረቱ ተወቒዑ ኣብ ሆስፒታል ምስ በጽሐ ከም ዝሞተ ተፈሊጡ። እዚ ኲነታት ኣብ ትሕቲ መርመራ …

Read More »

ዳይሬክተር ፈደረሽን ቅድድም ብሽክለታ ጀርመን: ዓቢ ነቐፌታ ወሪድዎ

ዳይሬክተር ፈደረሽን ቅድድም ብሽክለታ ጀርመን: ፓትሪክ ሞስተር: ኣብ ውድድር ኦሊምፒክ ቶክዮ ዓሌታዊ ዘረባ ብምምላቑ ዓቢ ነቐፌታ ይወርዶ ምህላዉ ተገሊጹ። ዘረባኡ ተሌቪዥናት እናተቐባበላ ክደጋግማኦ ብምርኣዩ ይቕረታ ሓቲቱ’ሎ። ንሃገራዊት ጋንታ ጀርመን ወኪሉ ኣብ ቅድድም ብሽክለታ ዝሳተፍ ዘሎ: ኒኪያስ ኣርንት: ምስ መወዳድርቱ ህልኽ ዝመልኦ ቅድድም እናካየደ ናይቲ ፈደሬሽን ዳይረክተር ስፖርት ፓትሪክ ሞስተር ናይ መተባብዒ ቃላት እናሃበ ኣብ መንጎ “ነዞም ሰብ ግመል ኣርክቦም” ዝብል …

Read More »

ኤለክትሮኒካዊ ሽጋራ፡ ዘይሕጋዊ እዩ ክብል፡ WHO፡ ኣጠንቂቑ

ኢንዱስትሪ ትንባኾ፡ መንእሰያት፡ ንኒኮቲን ውሉፋት ክኾኑ ይገብር ኣሎ ኢሉ ዝወቐሰ፡ WHO፡ ኤለትሮኒካዊ ሽጋራ ንጥዕና ጎዳኢ ምዃኑ ወሲኹ ኣመልኪቱ። ንኒኮቲን፡ ብኤለክትሮኒካዊ ውጽኢታት ኣቢልካ ምቕራብ ኣዝዩ ጎዳኢ ብምዃኑ ቊጽጽር ክግበረሉ ይግባእ” ክብል ዳይረክተር WHO፡ ቴድሮስ ኣድሓቦም ገብረየሱስ፡ ለበዳ ዓለምለኸ ትንባኾ ኣብ 2021 ኣብ ዝተሰምየ ጸብጻቡ ኣመልኪቱ። ኣብቶም ኢለትሮኒካዊ ኒኮቲን ዝፍቀደሎም ከባቢታት እውን እንተኾነ ጎዳኢ ሳዕቤናቱ ንምንካይ ቊጽጽራት ክካየደሉን ቆልዑ ካብዚ ወልፊ ዝዕቀቡሉ …

Read More »

ንገበናት ዝምልከቱ ሕግታት፡ ተቐይሮም

ብዙሓት ሰባት ብገበን ቅትለት ወድ ሰብ ተኸሲሶም ገበነኛታት ኮይኖም እንተተረኺቦም ካብቲ ቅድሚ ሕጂ ብዝተፈላለየ ምኽንያት ዝዋሃቦም ዝነበረ ንቡር ወይ ከኣ ትሑት ፍርዲ ብምቕያር ብዝላዓለ ማለት ብሕልፈትን ዝበዝሐ ዓመታት ማእሰርቲን ክቕጽዑ ከምዝግበር ንምንጭታት ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ሽወደን ብምጥቃስ፡ ጸብጻባት ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሮም። ብመስረት እቲ ዜና፡ ኮነ ኢልካ፡ ብጭካነን ንሕስያ ብዘይብሉ መገዲ ሰብ ምቕታልካ እንተተረጋጊጹ፡ ብዕድመ ልክዕ ፍርዲ ከፍርድ ዝኽል ሕጊ …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com