Wednesday , April 24 2024

ገበን

Harmony Media News 10-03-2021

Read More »

ካብ ማእከል መፍረ ዝሞለቑ ሓራግጽ፡ ስግኣት ይፈጥሩ።

ካብ ማእከል መፍረ ዘምለጡ ሓራግጽ ዞባ ምፑማላንጋ (ደቡብ ኣፍሪቃ) ንተቐማጦ ከተማ ሄዚቪው ዓብይ ስግኣት ፈጢሮም ኣለዉ ክትብል ቢቢሲ ሓቢራ። እዞም ለመምቲ፡ ኣብ ከባቢ ዋይት ሪቨርን ሓጽቢን ከባቢኡን ኣለዉ ተባሂሉ ከም ዝሕሰብ ናይቲ ሃገር ተሌቪዥን SABC ሓቢሩ’ሎ። ብውሑዱ 50 ዝኾኑ ዛጊት ናብ ቦትኦም ክምለሱ ተጌሩ ከም ዘሎ እቲ ጸብጻብ ወሲኹ ገሊጹ። ተቐማጦ ሄዚቪው ኣብ ከቢድ ፍርሂ ኣትዮም ምህላዎም ነቲ መደበር ተሌቪዥን …

Read More »

ኣብ ትግራይ፡ 131 ሽሕ ሰባት ተመዛቢሎም

131 ሽሕ ዝኾኑ ሰባት ኣብ 39 ዝተፈላለያ ክብጻሓ ዝኽእላ ቦታታት ክልል ትግራይ፡ ኣምሓራን ዓፋር ተመዛቢሎም ምህላዎም ኣህጒራዊ ውድብ ስደተኛታት (IOM) ገሊጹ። እዚ ዳታ፡ ብዲስፕሌስመንት ትራኪንግ ማትሪክስ ዝተባህለ ኣብ ኣህዛብ ዝወርድ ጉድኣትን ጠለብ ረድኤትን ዘጽንዕን ዝትንትንን ትካል ዝተረኽበ እዩ። ብመሰረት IOM፡ ዛጊት 30,383 ስድራቤታት ተፈናቒለን ኣለዋ። ዝተመዛበሉ ቆልዑን ኣንስትን ናይ መግቢ፡ መጽለልን ጽሩይ ዝስተ ማይን የድልዮም እዩ ክብል IOM ገሊጹ’ሎ። እዚ …

Read More »

ኣመሪካ፡ ኣብ ልዕሊ እስራኤላዊ በዓል ሃብቲ ደጊማ እገዳ ትገብር

ኣመሪካ ነቲ ኣብ ልዕሊ እስራኤላዊ ቢልዬነር፡ ዳን ገርትለር፡ ዝጸዓነቶ እገዳ ንምልሕላሕ ዝነበራ ሓሳብ ከም ዝቐየረቶ ተገሊጹ። እዚ በዓል ሃብቲ፡ ኣብ ዲ/ሪ/ ኮንጎ ዝነበረ ውዕል ዕደና፡ ብልሽውና ብምፍጻሙ ነዚ እገዳ ከም እተቓልዐ ቢቢሲ ሓቢራ። ንሚስተር ገርትለር፡ ዝተዋህበ ፍቓድ ንግድ ምስ ረብሓታት ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ብፍላይ ድማ ቅዋም ጸረ ብልሽውናን ብዝሳነ ኣገባብ ንኽዓዩ እዩ ኔሩ ክብል ሚኒስትሪ ጒዳያት ኣመሪካ ኣብ ዝውጽኦ መገለጺ …

Read More »

ብሓደጋ ባርዕ፡ መዓስከር ስደተኛታት ሌስቦስ፡ ዝተኸሰሱ፡ ተፈሪዶም

ኣብ ዝሓለፈ ቀውዒ፡ ኣብ ደሴት ሞርያ፡ ግሪኽ፡ ኣብ መዓስከር ስደተኛታት፡ ሌስቦስ፡ ሓደጋ ባርዕ ኣጋጢሙ ምንባሩ ዝዝከር እዩ። በቲ ዘጋጠመ ሓደጋ፡ ብዙሓት ስድራ ቤታት ዝርከብዎም፡ ኣስታት 13 ሽሕ ስደተኛታት፡ ኣብ ቃልዕ ከም ዝቕመጡ ኮይኖም እዩም። ነቲ ናይ ባርዕ ሓደጋ ዘሳወሩ ተባሂሎም ዝተጠርጠሩ፡ ክልተ ደቂ 17 ዓመት ኣፍጋኒስታናውያን መንእሰያት፡ ናይ ሓሙሽተ ዓመት ማእሰርቲ ከም ተፈርዱ ንስደተኛታትን ሓተቲ ዑቕባን ሕጋዊ ሓገዝ ዝህብ፡ ሕጋዊ …

Read More »

ዝተሰርቀ ገንዘብ ናብ ናይጀርያ ክትመልስ፡ ብሪጣንያ፡ ቃል ትኣቱ

ኣመሓዳሪ ዞባ ደልታ ነበር፡ ጄምስ ኢቦሪ፡ ኣብ ዓመተ 2012፡ ብዘይሕጋዊ ምትሕልላፍ ገንዘብ፡ ኣብ ሃገረ ብሪጣንያ ክሲ ተመስሪትዎ ከምዝነበረ ይዝከር። ንሱ ካብታ ብዕደና ነዳዲ ዝሃብተመት ናይጀርያዊት ዞባ፡ 17 ሚልዮን ዶላር፡ ምስራቑ ኣኽባር ሕጊ ከሲስዎ። ኣብ ዓመተ 2016፡ ብሪጣንያ፡ ንዝተሰርቀ ገንዘብ፡ ናብ ዝምልከቶ ኣካል ክትመልስ ምዃና፡ ሰብመዚ ብሪጣንያ ምግላጾም ይዝከር። መንግስታት ናይጀርያን ብሪጣንያን እዚ ዝተስርቀ ገንዘብ ናብ ናይጀርያ ተመሊሱ ኣብ ምምዕባል መሰረተ-ልምዓት …

Read More »

ንታጋንዳ፡ 30 ሚልዮን ዶላር፡ ንግዳያት ክኽሕስ ብቤት ፍርዲ ገበናት (ICC) ተፈሪዱ

እቶም ከም ጾታዊ ምድፋርን ባርነትን ዝኣመሰሉ ቀጥታውን ዘይቀጥታውን ገበናት ኣብ ልዕሊኦም ብንታጋንዳ እተፈጸሞም ግዳያት፡ ካሕሳ ክረኽቡ እዮም ተባሂሉ’ሎ። ኣህጒራዊ ቤት ፍርዲ ገበናት (ICC)፡ ነቲ ብዕጡቕ ጉጅለ ኮንጎ ዝበጽሐ ገበናት ግዱድ ምዕስካር ቆልዑ፡ ጾታዊ ምድፋርን ባርነትን ብዝምልከት፡ ናይ 30 ሚልዮን ዶላር ካሕሳ ክኽፈሎም ምብያኑ ኣልጀዚራ ጸብጺባ። ይኹን እምበር፡ እቶም ደያኑ፡ ገበነኛ ቦስኮ ንታጋንዳ፡ ነዚ ካሕሳ ክኸፍል ዓቕሚ ክህልዎ ስለዘይክእል፡ ካብ ክዝና …

Read More »

ኣሽሓት ካብ መሬት ትግራይ ይጭወዩ ኣለዉ

ኣብታ ብኲናት እትሕመስ ዘላ ክልል ትግራይ ሓይልታት ጸጥታ ክልል ኣምሓራ ሰባት ይጨውዩን መሬት የፈናቕሉ ምህላዎምን ሰብ መዚ ገሊጾም። ዋና ስታፍ ግዜያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ገብረመስቀል ካሳ ካብ 3000-5000 ዝኾኑ ተቐማጦ ብሓይልታት ጸጥታ ክልል ኣምሓራ ካብ መሬቶም ተፈናቒሞን ብ 60 ናይ ጽዕነት መካይን ናብ ሽረ ከም እተደርበዩ ገሊጹ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣብ ናይ ሎሚ ሕታሙ ሓቢሩ። ክልል ኣምሓራ ነቲ ኣብ …

Read More »

ፖሊስ ቤልጁም፡ ኣብ ልዕሊ ኣስገርቲ ዕጸ ፋርስ፡ ስርሒት ፈጺሙ

ፖሊስ ቤልጁም፡ ኣብታ ናይ ኤውሮፓ፡ ኣፍደገ ዕጸ ፋርስ ብፍላይ ድማ ኮኬን፡ ዝኾነት ቤልጂማዊት ወደባዊት ከተማ ኣንትዜርፕ (Antwerp) ዝለዓለ ኣተኩርኡ ብምግባር፡ ኣብ ልዕሊ ኣስገርቲ ዕጸ ፋርስ፡ ብሃገር ደረጃ፡ ክሳብ ወጋሕታ ኣብ ዘነበረ እዋን፡ ስርሒት ሃድን ከምዘካየደ ሓቢሩ። ኣብቲ ዝተኻየደ ስርሒት፡ 1500 ኣባላት ፖሊስ ክሳተፉ እንከለዉ፡ ኣብ 200 ቦታታት ድማ ተፍቲሽ ኣካይዶም። ከምውጽኡቱ ድማ ልዕሊ 12 ሰባት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ክኣትዉ ከምዝኸኣሉ፡ …

Read More »

ብፈተነ ቅትለት፡ ሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትያ

ሎሚ ሰሉስ ዕለት 09/03/2021፡ ኣብ ከባቢ ሰዓት 6:00 ቅ.ቐ፡ ሓደ ኣብ ዕስራታት ዝዕድሚኡ መንእሰይ፡ ተሃሪሙ (ተጎዲኡ) ኣለኹ ብምባል፡ ናብ ፖሊስ ሃልስቤሪ (Hallsberg) ከምዝደወለ ወሃቢ ቃል ፖሊስ፡ ጋብሪኤል ሄኒን፡ ሓቢሩ። ፖሊስ ናብቲ ቦታ ፍጻሜ ምስ በጽሑ፡ እቲ መንእሰይ ብኸቢድ ተሃስዮ ከምዘሎ ተገንዚቦም ተቐላጢፎም ብኣምቡላንስ ናብ ሕክምና ከምዝኸይድ ገይሮም። ኣብ ሕክምና ምስ በጽሐ ድማ እቶም ሓካይም ተቐላጢፎም ሓገዝ ድሕሪ ምሃቦም፡ እዚ መንእሰይ …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com